ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።”​—⁠1 ዮሃንስ 4:8

1-3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ እንታይ እዩ ዝብል: እዚ መግለጺ እዚኸ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዝብል ስለምንታይ እዩ፧

 ኵሉ ባህርያት የሆዋ ብሉጽን ፍጹምን ማራኽን እዩ። ፍቕሩ ግን ካብ ኵሉ ንላዕሊ እትምስጥ እያ። ከም ፍቕሩ ገይራ ናብ የሆዋ እትስሕበና ኻልእ ባህሪ የላን። እቲ ዘሐጕስ ከኣ ፍቕሪ እታ ዓብላሊት ባህሪኡ እያ። ከምዚ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻልእ ኣገዳሲ ባህርያት የሆዋ ዘይበሎ: ብዛዕባ ፍቕሪ ግን ዝበሎ ነገር ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣምላኽ ሓይሊ እዩ: ወይ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ: ወይ ኣምላኽ ጥበብ እዩ ኣይበለን። እዘን ባህርያት እዚኣተን ብርግጽ ኣለዋኦ: ቀንዲ ምንጪ ናይዘን ባህርያት እዚኣተን ከኣ እዩ። ብዛዕባ እታ ራብዐይቲ ባህሪኡ ግን ኣብ 1 ዮሃንስ 4:8 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ትብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ኣምላኽ ኣዝያ ዓማቝ ፍቕሪ ኣላቶ: እታ ቐንዲ ባህሪኡ ድማ እያ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኸምዚ ዝስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና:- ሓይሊ የሆዋ ግብርታቱ ንኽፍጽም የኽእሎ። ፍትሑን ጥበቡን ከኣ ግብርታቱ ብኸመይ ከም ዝፍጽም ይመርሓኦ። ፍቕሩ ግን ሓደ ነገር ንኽገብር ትድርኾ። እዚኣ ድማ ነተን ካልኦት ባህርያቱ ኽጥቀመለን ከሎ ወትሩ ትንጸባረቕ እያ።

3 ብዙሕ ግዜ የሆዋ ቐንዲ መሰሌታ ፍቕሪ ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ፍቕሪ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና: ብዛዕባ የሆዋ ኽንፈልጥ ኣሎና። እምበኣር ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍቕሪ የሆዋ ዝንጸባረቐሉ መዳያት እስከ ንመርምር።

እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ

4, 5. (ሀ) ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ የሆዋን ወዱን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝደልደለት ፍቕሪ ኣላ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ፍቕሪ ኣርእዩ: ካብ ኵሉ ብዝበለጸ ፍቕሩ ዘርኣየሉ መገዲ ግን ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንወዱ ኣብ ክንዳና ንኽሳቐን ንኽመውትን ኢሉ ብምልኣኹ ዘርኣዮ ፍቕሪ እዩ። ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እውን ክንብሎ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኽንብሎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዩ ዝብሎ። (ቈሎሴ 1:15) ሕስብ እሞ ኣብሎ: እዚ ወዲ የሆዋ እዚ ግኡዝ ኣድማስ ከይተፈጥረ ኸሎ እዩ ኣብ ህላወ ነይሩ። ኣቦን ወድን ደኣ እሞ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ እዮም ብሓባር ነይሮም፧ ገሊኣቶም ሊቃውንቲ እዚ ኣድማስና 13 ቢልዮን ዓመት ዝገበረ ምዃኑ ይግምቱ። እዚ ግምት እዚ ቅኑዕ እንተዀይኑ እውን: ንዕድመ እቲ በዅሪ ወዲ የሆዋ ንምግማት እኹል ኣይኰነን! ኣብዚ ነዊሕ እዋን እንታይ ይገብር ነይሩ፧ እዚ ወዲ እዚ ናይ ኣቦኡ “ሰራሕተኛ” ብምዃን ተሓጒሱ የገልግል ነበረ። (ምሳሌ 8:30፣ ዮሃንስ 1:3) የሆዋን ወዱን ብሓባር ኰይኖም ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ነገራት ፈጠርዎ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ዀን እዮም ኣሕሊፎም! ካባና ነቲ ኣብዚ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኣብ መንጎኦም እተፈጥረ ማእሰር ብሓቂ ኽርድኦ ዝኽእል ደኣ እሞ መን እዩ፧ ስለዚ እምበኣር ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝደልደለት ፍቕሪ ኸም ዘላ ንጹር እዩ።

6. የሱስ ምስ ተጠምቀ: የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ዘለዎ ስምዒት ብኸመይ ገለጸ፧

6 ይኹን እምበር: የሆዋ ንወዱ ኣብ ምድሪ ሕጻን ኰይኑ ንኽውለድ ለኣኾ። ከምዚ ምግባር ማለት: ንእተወሰነ ዓመታት የሆዋ ምስቲ ፍቑር ወዱ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ናይ ማሕርሮ ርክብ የቋርጽ ማለት እዩ። የሱስ ዓብዩ ፍጹም ሰብኣይ ክኸውን ከሎ የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ብዕቱብ ይከታተሎ ነበረ። ኣስታት 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ገበረ ተጠምቀ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦ ባዕሉ ኻብ ሰማይ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 3:17) የሱስ ንዅሉ እቲ ትንቢትን ንዅሉ እቲ ኸማልኦ ዝግባእ ነገራትን ብተኣማንነት ከም ዝፈጸሞ ክርኢ ኸሎ: ኣቦኡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ!​—⁠ዮሃንስ 5:36፣ 17:4

7, 8. (ሀ) የሱስ ኣብ 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ስቓይ ኣሕለፈ: ሰማያዊ ኣቦኡኸ ከመይ ተሰምዖ፧ (ለ) የሆዋ: ወዱ ኽሳቐን ክመውትን ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

7 ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣሕሊፍካ ክወሃብን ብቝጡዓት ጭፍራ ኽተሓዝን ከሎ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ ክጸርፍዎን ጡፍ ክብሉሉን ክጸፍዕዎን ከለዉ: በቲ መግረፍቲ ሕቘኡ ክትልተል ከሎ: ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ ዕንጨይቲ ክሽንከር ከሎ: ኣብቲ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሰባት ክጸርፍዎ ከለዉ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ እቲ ፍቑር ወዱ ብብርቱዕ ቃንዛ ኽጭርሕ ከሎ ኣቦኡ እንታይ ተሰምዖ፧ የሱስ ክመውት ከሎ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ ንፈለማ ግዜ እቲ ፍቑር ወዱ ብህይወት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧​—⁠ማቴዎስ 26:14-16, 46, 47, 56, 59, 67፣ 27:26, 38-44, 46፣ ዮሃንስ 19:1

8 የሆዋ ስምዒት ስለ ዘለዎ: ወዱ ክቕንዞን ክመውትን ከሎ እተሰምዖ ስምዒታዊ ስቓይ: ብቓላት ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ነዚ ንኸፍቅድ ዝደረኾ ምኽንያት ግን ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ኣቦ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ዘሕለፈ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብታ ኣዝያ ኣገዳሲት ጥቕሲ ኻብ ምዃና እተላዕለት ጽማቝ ሓሳብ ናይ ወንጌላት እተባህለት ዮሃንስ 3:16 ሓደ ዘደንቕ ነገር ገሊጹልና ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ስለዚ ንኣምላኽ ዝደረኸቶ ነገር ፍቕሪ እያ። ካብዚኣ እትዓቢ ፍቕሪ ኸኣ ተራእያ ኣይትፈልጥን እያ።

የሆዋ ንፍቕሩ ዘረጋገጸልና መገዲ

9. ሰይጣን ብዛዕባቲ የሆዋ ኣባና ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ኢልና ኽንኣምን እዩ ዝደሊ: የሆዋ ግን እንታይ እዩ ዘረጋገጸልና፧

9 ይኹን እምበር: ኣብዚ ‘ኣምላኽ ብብሕቲ የፍቅረና ድዩ፧’ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ይለዓል እዩ። ገሊኣቶም ሰባት ከምቲ ዮሃንስ 3:16 እትብሎ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ኸም ዘፍቅሮም ይሰማምዑሉ እዮም። እንተዀነ ግን: ‘ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣየፍቅረንን እዩ’ ዝብል ስምዒት ኣለዎም። የሆዋ ከም ዘየፍቅረናን ኣኽቢሩ ኸም ዘይርእየናን ንኸእምነና ህርድግ ዝብል ሰይጣን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ዘይንፍቀርን ዋጋ ዘይብልናን ከም ዝዀንና ጌርና ንሓስብ እኳ እንተ ዀንና: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ ኣኽቢሩ ዝርእዮ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ።

10, 11. የሱስ ብዛዕባ እተን ኣዕዋፍ ዝሃቦ ምስላ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘሎና ዘርኢ ብኸመይ እዩ፧

10 ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 10:29-31 ዝርከብ ቃላት የሱስ እሞ ንርአ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዋጋ ኸም ዘለዎም ክገልጸሎም ከሎ ኸምዚ በለ:- “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ​ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንየሱስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ትርጕም ከም ዝነበረን እስከ ንርአ።

11 እዛ ዓይነት ዑፍ እዚኣ ብግዜ የሱስ ካብተን ዝብልዓ እንስሳታት እታ ዝሓሰረት እያ ነይራ። ብሓንቲ ብዙሕ ዋጋ ዘይብላ ሳንቲም: ክልተ ኣዕዋፍ ይዕደጋ ነበራ። ጸኒሑ የሱስ ኣብ ሉቃስ 12:6, 7 ኸም ዝጠቐሶ ግን ሓደ ሰብ ብኽልተ ሳንቲም ኣርባዕተ ዘይኰነስ ሓሙሽተ ኣዕዋፍ ክዕድግ ይኽእል ነይሩ። እታ መቝሽሽ ኰይና እትወሃብ ዑፍ ምንም ኣይክፈላን እዩ ነይሩ። ምናልባት እዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን ኣብ ኣዒንቲ ሰባት ብዙሕ ዋጋ ኣይነበረንን ይኸውን: ፈጣሪ ግን ብኸመይ እዩ ዝርእየን፧ የሱስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ [ዋላ እታ መቝሽሽ እኳ] ኣይትርሳዕን እያ” በለ። ሕጂ ነቲ የሱስ ከመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ምልስ ኢልና ንርኣዮ። የሆዋ ንሓንቲ ዑፍ ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢሩ ዝርእያ ኻብ ኰነ: ንሰብኣዊ ፍጡር ግዳ ኸመይ ብዝያዳ ኣኽቢሩ ዘይርእዮ፧ ከምቲ የሱስ ዝበሎ የሆዋ ብዛዕባና ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ እዩ። አረ: ጸጕሪ ርእስና እውን ከይተረፈ ተቘጺሩ እዩ!

12. የሱስ ጸጕሪ ርእስና ኸም እተቘጽረ ኽዛረብ ከሎ ኸም ዘየጋነነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

12 ገሊኣቶም የሱስ የጋንን እዩ ነይሩ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ እሞ ሕስብ ኣብል። የሆዋ እንደገና ንኽፈጥረና ብዛዕባና ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት እውን ከይተረፈ ኽፈልጥ ኣለዎ። ኣዝዩ ኣኽቢሩ ስለ ዝርእየና ዅሉ ዝርዝር ነገራት ይዝክሮ እዩ: እንተላይ ነቲ እተሓላለኸ ጂንና ዀነ ንዅሉ ተዘክሮታትናን ተመክሮናን ይምዝግቦ እዩ። ነቲ ብገምጋም 100,000 ኣቢሉ ዝኸውን ጸጕሪ ርእስና ምቝጻር እምበኣር ምስዚ ኸነወዳድሮ ኸሎና ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰነን። የሆዋ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ከም ዝግደሰልና የሱስ ባህ ብዘብል ቃላት ገይሩ እዩ ኣረጋጊጹልና።

13. ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና ካብቲ ንንጉስ ዮሳፋጥ እተዘርቦ ዘረባ: የሆዋ ጽቡቕ ጐድንና ኸም ዘናዲ ዝሕብረና ብኸመይ እዩ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ጽቡቕ ጐድንና ኸም ዘናድን ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮን ብምግላጽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ የረጋግጸልና እዩ። ነቲ ቕኑዕ ዝነበረ ንጉስ ዮሳፋጥ እሞ ከም ኣብነት ንውሰዶ። እቲ ንጉስ ዕሽነት ምስ ገበረ: ሓደ ኻብ የሆዋ እተላእከ ነብዪ “በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵራ ኣብ ልዕሌኻ አሎ” በሎ። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን እዩ! የሆዋ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ግን ኣብዚ ኣየብቅዐን። ኣስዕብ ኣቢሉ “ግናኸ . . . ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ አሎ” በሎ። (2 ዜና መዋእል 19:1-3) ስለዚ: የሆዋ እቲ ጽድቃዊ ቝጥዓኡ ነቲ ዮሳፋጥ ዝነበሮ “ጽቡቕ ነገር” ከም ዘይርኢ ኣይገበሮን። ዋላውን ዘይፍጹማት እንተ ዀንና: ኣምላኽና ኣባና ጽቡቕ ነገር ከም ዘናዲ ምፍላጥናስ ዘተባብዕዶ ኸይኰነ፧

‘ንይቕረታ ድሉው’ ኣምላኽ

14. ክንሓጥእ ከለና እንታይ ሕማቕ ስምዒታት እዩ ኽስምዓና ዝኽእል: የሆዋ ይቕረ ንኽብለልናኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

14 ክንሓጥእ ከለና ዝስምዓና ጓህን ሕፍረትን ናይ ገበን ስምዒትን ንየሆዋ ኸነገልግል ብቑዓት ከም ዘይኰንና ዀይኑ ኸም ዝስምዓና እዩ ዝገብር። የሆዋ ግን ‘ንይቕረታ ድሉው’ ምዃኑ ኣይንረስዕ። (መዝሙር 86:5) እወ: ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕናን ንኸይንደግሞ እንተ ጽዒርናን: የሆዋ ይቕረ ኽብለልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘደንቕ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እስከ ንርአ።

15. የሆዋ ንሓጢኣትና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዘርሕቖ፧

15 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንይቕረታ የሆዋ ንጹር ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ።” (መዝሙር 103:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ምብራቕ ካብ ምዕራብ ዘለዎ ርሕቐት ክንደይ እዩ፧ ኣዝዩ እተረሓሓቐ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ክልቲኡ ፈጺሙ ኽራኸብ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ምሁር ነዛ መግለጺ እዚኣ “ብእተኻእለ መጠን፣ ክንሓስቦ ብእንኽእል መጠን” በላ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ዳዊት: የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ ክንሓስቦ ብእንኽእል ርሕቀት መጠን ኣዝዩ ኸም ዘርሕቖ እዩ ዝነግረና።

16. የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ምስ ዝብለልና: ድሕሪኡ ጽሩያት ገይሩ ኸም ዝርእየና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

16 ካብ ጻዕዳ ኽዳን ማክያ ኸተልግስ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ዝገበርካ እንተ ገበርካ: እቲ ማክያ ኣይለግስን ይኸውን። የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ኽእለት ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ርአ:- “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ: ከም በረድ ኪጽዕዱ: ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ: ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 1:18 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ “ጁዅ” እትብል ቃል ንውዕዉዕ ቀይሕ ሕብሪ እያ እተመልክት። a “ዝዋውዕ” ከኣ ሓደ ኻብቲ ድሙቕ ሕብርታት እዩ። ብጻዕርታትና ንሓጢኣት ፈጺምና ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: የሆዋ ከም ጁኽን ዝዋውዕን ቀይሑ ዝነበረ ሓጢኣትና: ከም በረድ ከጻዕድዎን ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኽገብሮን ይኽእል እዩ። ስለዚ: የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ኸሎ: ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ኣብ ምሉእ ህይወትና ተሰኪምና ኸም እንነብር ኰይኑ ኽስምዓና የብሉን።

17. የሆዋ ንሓጢኣትና ናብ ድሕሪ ዝባኑ ዝድርብዮ ብኸመይ እዩ፧

17 ህዝቅያስ ካብ ዝቐትል ሕማም ምስ ሓወየ ኣብ ዝዘመራ ስምዒት እትትንክፍ መዝሙር “ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ” በለ። (ኢሳይያስ 38:17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ንሓጢኣት እቲ በዳሊ ኣልዒሉ ናብቲ ድሕሪ ደጊም ዘይርእየሉን ብዛዕባኡ ዘይሓስበሉን ድሕሪ ዝባኑ ኸም ዝድርብዮ ዀይኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብመሰረት: ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እዛ ጥቕሲ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ “[ንሓጢኣተይ] ከም ዘይነበረ ገበርካዮ” ተባሂሉ ኽግለጽ ይከኣል እዩ። እዝስ ዘጸናንዕዶ ኸይኰነ፧

18. ነብዪ ሚክያስ: የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ: ንሓጢኣትና ንሓዋሩ ኸም ዝድምስሶ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

18 ነብዪ ሚክያስ ብዛዕባ ንእስራኤላውያን ናብ ዓዶም ምምላስ ኣመልኪቱ: የሆዋ ንዝንስሑ ህዝቡ ይቕረ ኸም ዝብሎም ዘለዎ እምነት ክገልጽ ከሎ “ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ: . . . ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፧ . . . ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ” በለ። (ሚክያስ 7:18, 19 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ቓላት እዚ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። “ናብ መዓሙቝ ባሕሪ” እተደርበየ ነገር እንደገና ንኽርከብ ተስፋ ነይርዎዶ፧ እምበኣር: የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ: ንሓጢኣትና ንሓዋሩ ኸም ዝድምስሶ እዩ ሚክያስ ዝሕብረና።

“ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና”

19, 20. (ሀ) እታ “ምምሓር” ወይ “ምድንጋጽ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ግሲ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርሕራሐ የሆዋ ንምምሃር ነቲ ኣደ ንሕጻን ውሉዳ ዘለዋ ስምዒት ብኸመይ ይጥቀመሉ፧

19 ርሕራሐ ካልእ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እያ። ርሕራሐ እንታይ እያ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ርሕራሐን ምሕረትን ምትእስሳር ኣሎ። ንርሕራሐ ዘመልክት ሓያሎ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ኣሎ። ንኣብነት: እታ ራኻም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል መብዛሕትኡ ግዜ “ምምሓር” ወይ “ምድንጋጽ” ተባሂላ እያ እትትርጐም። እዛ የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ተጠቒሙላ ዘሎ ናይ እብራይስጢ ቓል እዚኣ: ምስታ “ከርሲ” ንምባል እተገልግል ቃል ትዛመድ ኰይና: “ብቝባቘ ኣደ” ተባሂላ እውን ክትግለጽ ትኽእል እያ።

20 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ርሕራሐ ንኽምህረና ኢሉ ነቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ስምዒት ይጥቀም እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 49:15 “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ [ራኻም ]: ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ: ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ” ትብል። ሓንቲ ኣደ ንዝጠቡ ውሉዳ ምዕንጋሉን ምክንኻኑን ክትርስዕ ዘይሕሰብ እዩ። ብዘይ​ካዚ ሕጻን ርእሱ ኽኣሊ ስለ ዘይክእል ለይትን መዓልትን ክንክን ኣዲኡ የድልዮ። እቲ ዘሕዝን ግን ብፍላይ ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ኣዴታት ንውሉዳተን ክርስዓኦም ርኢና ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 3) የሆዋ ግን ‘ኣነስ ኣይክርስዓኩምን እየ’ በለ። እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ርሕራሐ: ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ባህርያዊ ርሕራሐ ማለት ካብቲ ኣደ ንውሉዳ ዘለዋ ርሕራሐ ኣዝዩ ዝሕይል እዩ።

21, 22. ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ እንታይ ኣሕለፉ: የሆዋ ንኣውያቶም እንታይ ምላሽ ሃበ፧

21 የሆዋ ልክዕ ከም ፈቃር ወላዲ ዝርሕርሓልና ብኸመይ እዩ፧ እዛ ባህሪ እዚኣ ኣብቲ ምስ ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ብንጹር ተራእያ እያ። ኣብ መወዳእታ መበል 16 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ነበሩ: ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ጭቈና ይወርዶም ነበረ። (ዘጸኣት 1:11, 14) ኣብቲ እዋን ጸበባኦም ናብ የሆዋ ኣእወዩ። እቲ ርሕሩሕ ኣምላኽከ እንታይ ገበረ፧

22 ልቢ የሆዋ ተተንከፈ። “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ: ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ: እቲ . . . ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ” በለ። (ዘጸኣት 3:7) ንስቓይ ህዝቡ ርእዩ ኸም ዘይረኣየ ወይ ንኣውያቶም ሰሚዑ ኸም ዘይሰምዐ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ደንጋጺ ኣምላኽ እዩ። ድንጋጽ ከኣ ንስቓይ ካልኦት ናይ ምፍላጥ ክእለት ስለ እተመልክት ምስ ርሕራሐ እትዛመድ እያ። ይኹን እምበር: የሆዋ ስቓይ ህዝቡ ተሰሚዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ስጕምቲ ንኽወስድ እውን ተደሪኹ እዩ። ኢሳይያስ 63:9 “ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም” ትብል። ንእስራኤላውያን “ብሓያል ኢድ” ካብ ግብጺ ኣውጸኦም። (ዘዳግም 4:34) ድሕሪኡ: ብተኣምራዊ መገዲ መግቢ ሃቦም: ናብ ፍርያም መሬት ከኣ ኣእተዎም።

23. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ነገራት የሆዋ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ከም ዝሓልየልና ዘረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዝሕግዘና፧

23 የሆዋ ንህዝቡ ብጕጅለ ጥራይ ኣይኰነን ዝርሕርሓሎም። እቲ ፈቃር ኣምላኽና ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ እውን ይሓልየልና እዩ። ንዝዀነ ይኹን እነሕልፎ ስቓይ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” በለ። (መዝሙር 34:15, 18) የሆዋ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ዘሳቕየና ዘሎ ነገር ናይ ግድን የወግደልና ማለት ኣይኰነን። ነቶም ናብኡ ዘእውዩ ንምሕጋዝ ግን ብዙሕ ምድላዋት ገይሩ ኣሎ። ቃሉ ብዙሕ ክሕግዘና ዝኽእል ጠቓሚ ምኽሪ ኣለዎ። ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ርሕራሐ ዘርእዩ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ኣለዉ። (ያእቆብ 5:14, 15) የሆዋ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ስለ ዝዀነ: ‘ንዝልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም።’ (መዝሙር 65:2፣ ሉቃስ 11:3) እዚ ዅሉ ምድላዋት መግለጺ ናይቲ “ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና” እዩ።​—⁠ሉቃስ 1:78

24. ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ኢኻ ምላሽ ክትህበሉ፧

24 ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘለዎ ፍቕሪ ኸነስተንትንስ ዘሐጕስዶ ኸይኰነ፧ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ የሆዋ ንሓይሉን ፍትሑን ጥበቡን ብፍቕራዊ መገዲ ንረብሓና ኸም ዝጥቀመሉ ተዘኻኺርና ኔርና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ የሆዋ ብቐጥታ ንደቅ​ሰብ​—⁠ንዓና ኸኣ ብውልቂ​—⁠ብዘደንቕ መገዲ ፍቕሩ ኸም ዝገለጸልና ርኢና። እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ‘ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ እየ ምላሽ ዝህበሉ ዘለኹ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ሰናይ እዩ። ሃየ እምበኣር ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻን ሓሳብካን ነፍስኻን ሓይልኻን ብምፍቃር ምላሽ ሃበሉ። (ማርቆስ 12:29, 30) መዓልታዊ ናብራኻ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ልባዊ ባህጊ ኸም ዘሎካ የርኢ። እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ንዘለኣለም ኣጸቢቑ ይቕረብካ!​—⁠ያእቆብ 4:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓደ ምሁር ጁዅ “ዘይብለል: ወይ ዘይድብን ቀለም እዩ ነይሩ። ኣውሊ ዀነ ዝናም: ምሕጻብ ኰነ ንነዊሕ ግዜ ምጥቃም ኣየልግሶን እዩ ነይሩ” በለ።

ትዝክሮዶ፧

ፍቕሪ ዓብላሊት ባህሪ የሆዋ ምዃና ብኸመይ ንፈልጥ፧

የሆዋ ንወዱ ምእንታና ኽሳቐን ክመውትን ምልኣኹ እታ ዝዓበየት መግለጺ ፍቕሪ ኽትበሃል እትኽእል ስለምንታይ እያ፧

የሆዋ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ከም ዘፍቅረና ብኸመይ ኣረጋጊጹልና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንይቕረታ የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ብንጹር ዝገለጾ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

‘ኣምላኽ ንወዱ በጃ ሃበ ’

[ምንጪ ስእሊ]

© J. Heidecker/VIREO

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም”

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣደ ንውሉዳ ዘለዋ ስምዒት ብዛዕባ ርሕራሐ ኣምላኽ ይምህረና