ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ልበይ ዝነበረ ባዶ ቦታ እያ መሊኣትለይ”

“ኣብ ልበይ ዝነበረ ባዶ ቦታ እያ መሊኣትለይ”

“ኣብ ልበይ ዝነበረ ባዶ ቦታ እያ መሊኣትለይ”

“ነ ዛ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ ባህ እተብል ውህበት ስለ ዘዳለኹምልና ኻብ መዓሙቝ ልበይ ዝመነጨ ምስጋና ይብጻሕኩም። ኣብ ልበይ ዝነበረ ባዶ ቦታ እያ መሊኣትለይ: እዚ ኸኣ ብየሆዋ ዝፍ​ቀርን ዝፍቶን ምዃነይ ንኽፈልጥ ዘሎኒ ድሌት እዩ። ሕጂ ናብ የሆዋን ናብቲ ፍቑር ወዱን ብዝያዳ ኸም ዝቐረብኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ንዅሉ ሰብ ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽነግርን ንዅሎም እቶም ዘፍቅሮም ሰባት ሓሓንቲ ቕዳሕ ክህቦምን እደሊ እየ።” ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እታ ኣብቲ ብ2002/03 ኣብ እተገብረ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝወጸት 320 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ ተሰሚዕዋ። እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እተዳለወትሉ ኣገባብን እተሓትመትሉ ምኽንያትን እስከ ንርአ።

እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እተዳለወትሉ ኣገባብ

እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ትሕዝቶኣ ኸመይ እዩ፧ እዚ ዅሉ ኣብዘን ክልተ ዝጽናዓ ዓንቀጻት ዘሎ ትምህርትን ካልእ ብዙሕ ተወሳኺ ትምህርትን ይርከባ! እዛ መጽሓፍ እዚኣ 31 ምዕራፋት ኣለዋ: ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ከኣ ከክንዲ እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጽእ ሓደ ዝጽናዕ ዓንቀጽ ዝኸውን ንውሓት ኣለዎ። ድሕሪ እቲ መእተውን ቀዳሞት ሰለስተ ምዕራፋትን ብመሰረት እተን ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ ኣብ ኣርባዕተ ኽፍልታት ተመቒላ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኸኣ ብዛዕባ ሓንቲ ባህሪ ሓፈሻዊ ሓሳብ ብምሃብ እያ እትጅምር። እተን ዝቕጽላ ሒደት ምዕራፋት ከኣ የሆዋ ነታ ባህሪ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቓ እየን ዝገልጻ። ድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ብዛዕባ የሱስ እትገልጽ ሓንቲ ምዕራፍ ኣላ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) እዚ ፍጹም ነጸብራቕ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ብተግባር ንጹር ኣብነታት ገዲፉ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክፋል ነዘን ባህርያት እዚኣተን ብምንጽብራቕ ዝመጸ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ብእትገልጽ ምዕራፍ እያ ትዛዝም። እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኽትገልጽ ከላ ኻብ ኵለን እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ መጻሕፍቲ ትጠቅስ ምዃና ዘሐጕስ እዩ።

እዛ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ካልእ ፍልይ ዝበለ መዳያት እውን ኣለዋ። ካብ ምዕራፍ 2 ኣትሒዙ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ “ንምስትንታን ዝኸውን ሕቶታት” ዝብል ሳጹን ኣለዎ። እቲ ኣብኡ ዝርከብ ጥቕስታትን ሕቶታትን ድግማ ናይታ ምዕራፍ ኣይኰነን። የግዳስ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ነቲ ነጥቢ ኣዕሚቝካ ንኸተስተንትነሉ እዩ ተዳልዩ። ንነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ዘሎ ጥቕሲ ብምስትውዓል ኣንብቦ። ድሕሪኡ ነቲ ሕቶ ኣስተንትነሉ: ኣብ ብሕታዊ ናብራኻ ብኸመይ ከም እተውዕሎ ድማ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንኽትቀርብ ክሕግዘካ እዩ።​—⁠መዝሙር 19:14

እዛ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ንምምሃርን ስምዒት ንምልዕዓልን ምእንቲ ኽትጠቅም ተባሂሉ እውን ብጥንቃቐ መጽናዕቲ ተገይሩሉ እተዳለወ ስእልታት ኣለዋ። ዓሰርተ ሸውዓተ ምዕራፋት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተወስደ ሓሳባት እተሳእለ ምሉእ ገጽ ዝሓዘ ውቁብ ስእልታት ኣለወን።

ስለምንታይ ተሓቲማ

እዛ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ስለምንታይ እያ ተሓቲማ፧ ቀንዲ ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ የሆዋ ድልዱል ብሕታዊ ርክብ ምእንቲ ኽህልወና ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ምእንቲ ኽትሕግዘና እዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽትጠቕሞም እትኽእል ሰባት: ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ወይ ዝዛሕተለ ሓው ወይ ሓብቲ ትዝዶ ኢሎምኻ፧ ንስኻኸ: ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኸተንብባ ጀሚርካዶ፧ እንተ ዘይጀሚርካ: ብቕልጡፍ ንኽትጅምራ መደብ ዘይተውጽእ፧ ነቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትነሉ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽትቀርቦ ትሓግዝካ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ብስራት መንግስቱ ብዝያዳ ሓጐስን ቅንኣትን ክትእውጅ ኢኻ!