“እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ”
“እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ”
ኣብዚ ኽልቲኡ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት ዘሎ ትምህርቲ ኣብታ ኣብ 2002/03 ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝወጸት ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እተመርኰሰ እዩ።—ነታ ኣብ ገጽ 20 እትርከብ “ኣብ ልበይ ዝነበረ ባዶ ቦታ እያ መሊኣትለይ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
“እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ: ተጸቤናዮ: ኬድሕነና ኸኣ እዩ: . . . የሆዋ እዚ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:9 NW
1, 2. (ሀ) የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸውዖ: እዝኸ እንታይ ኢልና ንኽንሓትት እዩ ኸለዓዕለና ዝኽእል፧ (ለ) ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ዘረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧
“ፈታውየይ።” እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋ ነቲ ጥንቲ ዝነበረ ኣብርሃም ከምዚ ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ። (ኢሳይያስ 41:8) ሓደ ሰብኣዊ ፍጡር ምስቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ዕርክነት ክምስርት እሞ ሕስብ ኣበሎ! ‘ኣነኸ ንኣምላኽ ክቐርቦ ይከኣለኒ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን።
2 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኸም እንኽእል የረጋግጸልና። ኣብርሃም ከምዚ ዝኣመሰለ ምቅርራብ ክህልዎ ዝኸኣለ ‘ንኣምላኽ ስለ ዝኣመኖ’ እዩ። (ያእቆብ 2:23) ኣብዚ ግዜናውን የሆዋ “ምስጢሩ” ወይ ናይ ማሕርሮ ርክቡ “ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” (ምሳሌ 3:32) ኣብ ያእቆብ 4:8 መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ይምሕጸነና። እምበኣር ንኽንቀርቦ ስጕምትታት እንተ ወሲድና: ንሱውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኽወስድ እዩ። እወ: ክቐርበና እዩ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን መጀመርታ ንሕና ሓጥኣንን ዘይፍጹማትን ሰባት ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ምስ የሆዋ ምቅርራብ ክህልወና ዝኽእል: ንሱ ኣቐዲሙ ኽልተ ኣገደስቲ ስጕምትታት ስለ ዝወሰደ እዩ።—መዝሙር 25:14
3. የሆዋ ምስኡ ዕርክነት ንኽንምስርት ዘኽእለና እንታይ ክልተ ስጕምትታት እዩ ወሲዱ፧
3 ብቐዳምነት: የሆዋ: የሱስ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ምድላው ገይሩ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) እዚ በጅነታዊ መስዋእቲ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ የኽእለና። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:19) እወ: ኣምላኽ ‘ቅድም ስለ ዘፍቀረና:’ ምስኡ ዕርክነት ንኽንምስርት መሰረት ኣንበረልና። ካልኣይ: የሆዋ ገዛእ ርእሱ ብምግላጹ እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ዕርክነት ንምምስራት: ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ነቲ ፍሉይ ባህርያቱ ኸነድንቖን ኣሎና። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሆዋ ስዉርን ዘይንፈልጦን ኣምላኽ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ናብኡ ፈጺምና ኽንቀርብ ኣይምኸኣልናን ኔርና ማለት እዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዝሓብእ: ክንፈልጦ እዩ ዝደልየና። (ኢሳይያስ 45:19) ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብእንርድኦ ቓላት ገይሩ ብዛዕባ ርእሱ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ኸኣ ከም ዘፍቅረና ጥራይ ዘይኰነስ ከም ሰማያዊ ኣቦና መጠን ከነፍቅሮ ኸም ዝደሊውን መረጋገጺ ይዀነና።
4. ንባህርያት የሆዋ ኣጸቢቕና እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ዝስምዓና፧
4 ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ብሓጐስን ብሓበንን ናብ ኣቦኡ እናመልከተ “እዚ ኣቦይ እዩ” ኢሉ ነዕሩኽቱ ኽነግሮም ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ብዛዕባ የሆዋ ኸምኡ ኽስምዖም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እሙናት ሰባት “እንሆ: ኣምላኽና” ዝብልሉ ግዜ ኽመጽእ ምዃኑ ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 25:8, 9) ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኣጸቢቕካ እናፈለጥካ ብዝኸድካ መጠን ብሉጽ ኣቦን እትቐርቦ ዓርክን ከም ዘሎካ ብዝያዳ እናተሰምዓካ እዩ ዝኸይድ። እወ: ባህርያት የሆዋ ምፍላጥና ንኽንቀርቦ እኹል ምኽንያት እዩ ዝዀነና። ስለዚ እምበኣር ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸልና ኣዝየን ኣገደስቲ ባህርያቱ: ማለት ሓይሊ: ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ፍቕሪ እስከ ንመርምረን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ባህርያቱ ኽንምርምረን ኢና።
‘ብሓይሊ ዓብዪ’
5. የሆዋ በይኑ ጥራይ ‘ኵሉ ዝኽእል’ ተባሂሉ ኽጽዋዕ ዝግባእ ስለምንታይ እዩ: ነቲ ዘደንቕ ሓይሉኸ በየናይ መገድታት እዩ ዝጥቀመሉ፧
5 የሆዋ ‘ብሓይሊ ዓብዪ እዩ።’ (እዮብ 37:23) ኤርምያስ 10:6 ኸምዚ ትብል:- “ዎ እግዚኣብሄር: ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን: ንስኻ ዓብዪ ኢኻ: ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ።” የሆዋ ኸም ፍጡር ዘይኰነስ: መወዳእታ ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንሱ በይኑ ጥራይ ‘ኵሉ ዝኽእል’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ። (ራእይ 15:3) የሆዋ ነቲ ዘደንቕ ሓይሉ ንምፍጣር: ንምጥፋእ: ንምዕቋብ: ከምኡውን ንምሕዳስ እዩ ዝጥቀመሉ። ካብዚ ኽልተ ኣብነታት ጥራይ ንርአ—ንምፍጣርን ንኸዕቝበናን ዝጥቀመሉ ሓይሊ።
6, 7. ጸሓይ ክሳዕ ክንደይ እያ ሓያል: እዚኸ ነየናይ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዘረጋግጽ፧
6 ደበና ኣብ ዘይብሉ እዋን ኣብ ደገ ደው ምስ እትብል: እንታይ እዩ ዝስምዓካ፧ ጸሓይ እተመንጭዎ ምቘትዶ ኸይኰነ፧ እምበኣር እቲ የሆዋ ኣብ ፍጥረት እተጠቕመሉ ሓይሊ እዩ ዝስምዓካ ዘሎ። ንምዃኑ ጸሓይ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ እዩ ዘለዋ፧ ኣብ ማእከላ ዘሎ ሙቐት 15 ሚልዮን ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ኣቢሉ ይበጽሕ። ካብ ማእከል ጸሓይ ክንዲ ርእሲ መርፍእ ወረቐት እትኸውን ቍራጽ ወሲድና ኣብ ምድሪ ከነቐምጣ እንተ ንኽእል ኔርና: 140 ኪሎ ሜተር ርሒቕና እኳ መንደደትና! ጸሓይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ክንዲ እቲ በማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ኑክልየራዊ ቦምብ ክትኰስ ከሎ ዘመንጭዎ ሓይሊ እያ እተመንጩ። ይኹን እምበር: ምድሪ ካብዛ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዋ ጸሓይ ሚዛናዊ ርሕቐት እዩ ዘለዋ። ኣጸቢቓ እንተ ትቐርብ ነይራ እቲ ማያታ ምሃፈፈ: ኣጸቢቓ እንተ ትርሕቕ ከኣ ናብ በረድ ምተቐየረ። ኣጸቢቓ ዝቐረበት ወይ ዝረሓቐት እንተ ትኸውን ነይራ: ንህይወት ዘይትምችእ ምዀነት።
7 ብዘይ ጸሓይ ብህይወት ክንበር ዘይከኣል እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ሰባት ግን ኣርዚኖም ኣይርእይዋን እዮም። ስለዚ ነቲ ጸሓይ ክትህቦም እትኽእል ትምህርቲ ኣየስተውዓልሉን። መዝሙር 74:16 ብዛዕባ የሆዋ “ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን” ትብል። እወ: ጸሓይ ነቲ ‘ንሰማይን ምድርን ዝገበረ’ ትውድሶ እያ። (መዝሙር 146:6) እዚኣ ግን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ትምህርቲ ኽህበና ኻብ ዝኽእል ፍጥረታት ሓንቲ ጥራይ እያ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ፍጥረት እተጠቕመሉ ሓይሊ ዝያዳ ብእተመሃርና መጠን: ኣኽብሮትና እውን እናዓመቘ እዩ ዝኸይድ።
8, 9. (ሀ) እንታይ መግለጺ እዩ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኸዕቍብን ክከናኸንን ከም ዝደሊ ዘርኢ፧ (ለ) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጓሳ ነባጊዑ እንታይ ክንክን እዩ ኽገብረለን ዝነበሮ: እዚኸ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ጓሳና እንታይ እዩ ዝምህረና፧
8 የሆዋ ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ንኣገልገልቱ ንምዕቋብ እውን ይጥቀመሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ኸም ዘዕቍበና ዝኣተዎ መብጽዓ ንምግላጽ ንጹርን ኣብ ኣእምሮኻ ስእሊ ዝስእለልካን መግለጺ ይጥቀም እዩ። ኢሳይያስ 40:11 እንታይ ከም እትብል እሞ ኣስተብህለላ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ንርእሱ ምስ ጓሳ: ንህዝቡ ኸኣ ምስ ኣባጊዕ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ከምዚ ዝብል ከኣ ነንብብ:- “ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር: ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም: ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።” ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እተገልጸ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎዶ ትኽእል፧
9 ከም ኣባጊዕ ገይረን ዘደንግጻ መሳኪን እንስሳ ዘቤት ዳርጋ የለዋን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጓሳ ነባጊዑ ኻብ ተዅላ: ድቢ: ከምኡውን ኣንበሳ ንምክልኻል ተባዕ ክኸውን ነበሮ። (1 ሳሙኤል 17:34-36፣ ዮሃንስ 10:10-13) ሓድሓደ ግዜ ግን ነባጊዕ ንምዕቋብን ንምክንኻንን ለዋህ ምዃን ዘድልየሉ ግዜ ነይሩ። ንኣብነት: በጊዕ ካብ ደንበኣ ርሒቓ ምስ እትወልድ: እቲ ጓሳ ነታ መስክነይቲ ዕየት ብኸመይ እዩ ዝከናኸና፧ ንእተወሰነ መዓልትታት ዝኸውን ብኽዳኑ ጠቕሊሉ ኣብ “ሕቝፉ” ይስከማ። እታ ዕየት ኣብ ሕቝፉ እትኣቱ ግን ብኸመይ እያ፧ ንሳ ባዕላ ናብቲ ጓሳ ትቐርብ ምናልባት እውን ኣብ እግሩ ሕስይስይ ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ጓሳ እዩ ተጐንቢሑ ኻብ መሬት ናብቲ ዕቝባ እትረኽበሉ ሕቝፉ ሓፍ ዘብላ። እዝስ እቲ ዓብዪ ጓሳና ንኸዕቍበና ፍቓደኛ ምዃኑ ዘርኢ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ መግለጺ ዀን እዩ!
10. የሆዋ ኣብዚ ግዜና እንታይ ዕቝባ እዩ ዝገብር: ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ ብፍላይ ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
10 እዚ የሆዋ ዝሃቦ ዑቝባ መብጽዓ ጥራይ ኰይኑ ዝተርፍ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን “ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም” ከም ዝኽእል ብተኣምራዊ መገዲ ኣርእዩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:9) ኣብዚ ግዜናኸ፧ ካብ ኵሉ ሕማቕ ነገራት ንኸድሕነና ኢሉ ሓይሉ ኸም ዘይጥቀም ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግን: እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር ማለት መንፈሳዊ ዕቝባ ይገብረልና እዩ። እቲ ፈቃር ኣቦና ንፈተናታት ጸኒዕና ንኽንሓልፎን ምስኡ ዘሎና ርክብ ንኽንሕልዎን ዘድልየና ዅሉ ብምሃብ ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና። ንኣብነት: ሉቃስ 11:13 “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ትብል። እዚ ብርቱዕ ሓይሊ እዚ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ዀነ ጸገም ንኽንዋጽኣሉ የኽእለና። (2 ቈረንቶስ 4:7) በዚ ኸምዚ ኸኣ የሆዋ ንሒደት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ እዩ ዝሕግዘና። ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝና: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ስቓይ “ሽዓ ዚሐልፍ” ጌርና ኢና እንርእዮ። (2 ቈረንቶስ 4:17) ናብቲ ንሓይሉ ብፍቕራዊ መገዲ ንጥቕምና ዘውዕሎ ኣምላኽ ኣይንሰሓብንዶ ኢና፧
‘የሆዋ ፍትሒ ይፈቱ’
11, 12. (ሀ) ፍትሒ የሆዋ ናብኡ ኸም እንቐርብ እትገብረና ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ዳዊት ንፍትሒ የሆዋ ብዝምልከት ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ በጺሑ: እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላቱኸ ብኸመይ እዩ ዘጸናንዓና፧
11 የሆዋ ቅኑዕን ፍትሓውን ዝዀነ ነገር እዩ ዝገብር: ነዚ ኸኣ ብዘይ ኣድልዎ እዩ ዝገብሮ። ኣምላኽ ዘርእዮ ፍትሒ ኻብኡ ኸም እንርሕቕ ዝገብር: ንስምዒት ኣብ ግምት ዘየእቱ: ከምኡውን ተሪር ዘይኰነስ ናብኡ ኸም እንቐርብ ዝገብረና ባህ ዘብል ባህሪ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ልቢ እትትንክፍ ባህሪ እዚኣ ብንጹር ይገልጻ እዩ። እምበኣር: የሆዋ ፍትሑ ዘንጸባርቐሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።
12 ቀዳማይ: የሆዋ ብፍትሑ ተደሪኹ ንኣገልገልቱ ተኣማንነቱ የርእዮም እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ መዳይ ፍትሒ የሆዋ እዚ ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ። ካብ ዘጋጠሞ ተመክሮን ብዛዕባ መገድታት ኣምላኽ ካብ ዝገበሮ መጽናዕትን ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ “እግዚኣብሄር ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: ንዘለኣለም ይሕለዉ” በለ። (መዝሙር 37:28) ከመይ ዝበለ ዘጸናንዕ ቃላት ኰን እዩ! ኣምላኽና ነቶም እሙናቱ ንሓንሳእ እውን እንተዀነ ኣይሓድጎምን እዩ። እምበኣር ኣብቲ ምሳና ዘለዎ ምቅርራብን ኣብቲ ፍቕራዊ ሓልዮቱን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ፍትሑ ነዚ ውሕስነት ይዀነና እዩ!—ምሳሌ 2:7, 8
13. የሆዋ ነቶም ጽጉማት ዘለዎ ሓልዮት ኣብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ንጹር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
13 ካልኣይ: ኣምላኽ ኣብ ዘውጽኦ ፍትሒ ነቶም ጥቑዓት እውን ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ጽጉማት ዘለዎ ሓልዮት ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብቲ ሕጊ ንዘኽታማትን መበለታትን ንምእላይ ምድላው ተገይሩ ነይሩ። (ዘዳግም 24:17-21) የሆዋ ንኸምዚአን ዝበላ ስድራቤታት ናብራ ኽሳዕ ክንደይ ከጸግመን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው: ኣቦን ፈራድን መዕቈብን ኰነን። (ዘዳግም 10:17, 18) እስራኤላውያን ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ኣንስትን ቈልዑን እንተ ኣጋፊዖምዎም: ኣውያቶም ከም ዝሰምዕ ኣጠንቀቖም። ኣብ ዘጸኣት 22:22-24 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ኸኣ “ኵራይ ይነድድ” በሎም። ቍጥዓ ሓንቲ ኻብተን ዓብለልቲ ባህርያት ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይኰነት: ኰነ ኢልካ ዘይፍትሓዊ ነገር ምግባር: ብፍላይ ከኣ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም መሳኪን ምጥቃዕ ነቲ ጽድቃዊ ቝጥዓ የሆዋ የንድዶ እዩ።—መዝሙር 103:6
14. የሆዋ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ መርትዖ ዝኸውን ዘደንቕ ነገር እንታይ እዩ፧
14 ሳልሳይ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘዳግም 10:17 የሆዋ “ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ: መማለዲ ኸኣ ዘይቕበል” ምዃኑ የረጋግጸልና። የሆዋ ኸምቶም ሓይሊ ወይ ስልጣን ዘለዎም ደቅሰብ: ብስጋዊ ሃብቲ ዀነ ብደጋዊ ትርኢት ኣይጽሎን እዩ። ኣድልዎ የብሉን: ንሓደ ኻብቲ ሓደ ኸኣ ኣብሊጹ ኣይርእን እዩ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ናይ ምዃንን ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብን ኣጋጣሚ ንሒደት ብሉጻት ሰባት ጥራይ እተኸፍተ ዘይምዃኑ ሓደ ኻብቲ ፍትሓዊ ተግባራቱ ብንጹር እተራእየሉ መዳይ እዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]።” እዚ ኣጋጣሚ እዚ ማሕበራዊ ደረጃኦም: ሕብሪ ቘርበቶም: ወይ ዝነብሩሉ ሃገር ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ክፉት እዩ። እዝስ ናይ ሓቂ ፍትሒ ብዝዓበየ ደረጃ ዝንጸባረቐሉ መገዲዶ ኸይኰነ፧ እወ: ንፍትሒ የሆዋ ብዝያዳ ምስ እንርድኦ ኸም እንቐርቦ ይገብረና!
‘ወዳጄ: መዓሙቕ ጥበብ ኣምላኽ’
15. ጥበብ እንታይ እያ: የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ዘንጸባርቓ፧
15 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምቲ ኣብ ሮሜ 11:33 ተመዝጊቡ ዘሎ ‘ወዳጄ: መዓሙቕ ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ’ ኢሉ ንኽዛረብ ተደሪኹ እዩ። እወ: ንእተፈላለየ መዳያት ናይቲ ሰፊሕ ጥበብ የሆዋ ምስ እነስተንትነሉ: ኣዚና ኢና እንድነቕ። ነዛ ባህሪ እዚኣ ግን ብኸመይ ክንገልጻ ንኽእል፧ ጥበብ ንፍልጠትን ምስትውዓልን ምርዳእን ብሓባር እያ እትዓየለን። የሆዋ ሰፊሕ ፍልጠትን ዓሚቝ ምርዳእን ስለ ዘለዎ: ወትሩ እቲ ዝበለጸ ውሳነ ይውስን: ነቲ ውሳነኡ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸሎ እውን እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ ዝጥቀም።
16, 17. ፍጥረት የሆዋ ነታ ዓሚቝ ጥበቡ ምስክርነት ዝህብ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።
16 ገለ ኻብቲ የሆዋ ዓሚቝ ጥበብ ከም ዘላቶ ዘርኢ መርትዖታት እንታይ እዩ፧ መዝሙር 104:24 “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ” ትብል። እወ: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ግብርታት ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን: ብጥበቡ ብዝያዳ ኢና እንድነቕ። አረ: ሊቃውንቲ እውን ከይተረፉ ኣብ ፍጥረታት የሆዋ መጽናዕቲ ብምግባር ብዙሕ ተማሂሮም እዮም! ኣብዚ እዋን እዚ ባዮሚመቲክስ ዝበሃል ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ንድፊ ንምቕዳሕ ዝዓለመ ዓውዲ ምህንድስና እውን ኣሎ።
17 ንኣብነት: ንጽባቐ ዓለባ ሳሬት ብምግራም ተዓዚብካ ትኸውን። ብሓቂ ድማ መስተንክር ዝዀነ ንድፊ እዩ። እቲ ልሕሉሕ ዝመስለና ዓለባ ሳሬት ነቲ ዘለዎ ርጕዲ ኣብ ግምት ምስ እነእትዎ ካብ ኣቻዮ ዀነ ኻብ ጥይት ዘየሕልፍ ክዳን ዝተርር እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ክንዲ ዓሳ ንምግፋፍ ዘገልግል መርበብ ዝኸውን ዓለባ ሳሬት እንተ ዝህሉ ነይሩ: ሓንቲ ናይ ገያሾ ነፋሪት እናበረርት ከላ እኳ ጥሒሳቶ ኽትሓልፍ ኣይትኽእልን እያ! እወ: የሆዋ ንዅሉ ነገራት “ብጥበብ” እዩ ገይርዎ።
18. የሆዋ ንቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንምጽሓፍ ሰባት ምጥቃሙ ጥበቡ ዘርእየና ብኸመይ እዩ፧
18 እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ መግለጺ ጥበብ የሆዋ ግን ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: እዩ ዝርከብ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ኣብ ህይወትና እቲ ዝበለጸ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ እዩ ዘርእየና። (ኢሳይያስ 48:17) እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብ የሆዋ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ መገዲ እውን ተራእዩ እዩ። ብኸመይ፧ የሆዋ ብሰባት ገይሩ ቓሉ ብምምዝጋቡ ጥበብ እዩ ኣርእዩ። መላእኽቲ እንተ ዝጥቀም ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኣዝዩ ማራኺ ምዀነዶ፧ ልክዕ እዩ: መላእኽቲ ኻባና ብዝለዓለ መገዲ ንየሆዋ ምገለጽዎ: ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነት እውን ብዝሓሸ መገዲ ምገለጹ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብፍልጠትን ተመክሮን ሓይልን ካባና ኣዝዮም ዝበልጹ ፍጹማት መንፈሳውያን ፍጥረታት ዘለዎም ኣረኣእያ ምተረዳእናዮዶ፧—እብራውያን 2:6, 7
19. መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት ከም ዝጸሓፍ ምግባሩ ብዝያዳ ህያውን ማራኽን ከም ዝገበሮ ዘርኢ ኣብነት ሃብ።
19 ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽሓፎም: ብዝያዳ ህያውን ማራኽን እዩ ዝገብሮ። ጸሓፍቱ ኸማና ስምዒት ዘለዎም ሰባት እዮም ነይሮም። ዘይፍጹማት ብምዃኖም ምስ ናትና ዝመሳሰል ፈተናታትን ጸቕጥታትን ኣጋጢምዎም እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ናይ ገዛእ ርእሶም ስምዒታትን ቃልስታትን እዮም ጽሒፎም። (2 ቈረንቶስ 12:7-10) ስለዚ: ዋላ ሓደ መልኣኽ ክጥቀመሉ ዘይክእል ኣገላልጻ እዮም ተጠቒሞም። ንኣብነት: ዳዊት ኣብ መበል 51 መዝሙር ዝጸሓፎ እሞ ርአ። ብመሰረት እቲ ልዕለ-ጽሑፍ: ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ እዩ ነዛ መዝሙር እዚኣ ኣቀናቢርዋ። ዓሚቝ ጓሂኡ ብምግላጽን ምሕረት ኣምላኽ ብምልማንን ኣብ ልቡ ዘሎ ብምሉኡ እዩ ገሊጹ። ኣብ ቍጽሪ 2ን 3ን ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ: ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ: ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።” ኣብ ቍጽሪ 5 እውን ርአ:- “እንሆ: ብኣበሳ ተወለድኩ: እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።” ኣብ ቍጽሪ 17 ኸኣ “መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” በለ። እቲ ጸሓፊ ዝስምዖ ዝነበረ ስምዒታዊ ስቓይ ንኽትርድኦስ ቀሊልዶ ኸይኰነ፧ ዘይፍጹም ሰብ እንተ ዘይኰይኑ: ከምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ስምዒቱ ኽገልጽ ዝኽእል መን እዩ፧
20, 21. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት እኳ እንተ ተጻሕፈ: ጥበብ የሆዋ ዝሓዘ እዩ ኽበሃል ዝከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ እዩ ኽግለጽ፧
20 የሆዋ ዘይፍጹማት ሰባት ብምጥቃሙ እቲ ብልክዕ ዘድልየና ነገር ማለት “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ግን ከኣ ናይ ደቅሰብ ዓቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ጽሑፍ እዩ ሂቡና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እወ: እቶም ጸሓፍቲ ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ተመሪሖም። ስለዚ ናይ ርእሶም ዘይኰነስ ናይ የሆዋ ጥበብ እዮም ጽሒፎምልና። እታ ጥበብ እቲኣ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ኽንገብረላ ንኽእል ኢና። ካብ ናይ ርእስና ጥበብ ኣዝያ ስለ እትበልጽ እውን ኣምላኽ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ብፍቕሪ ይምሕጸነና። (ምሳሌ 3:5, 6) ነዚ ጥበባዊ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ: እታ ፍጽምቲ ጥበብ ንዘላቶ ኣምላኽ ክንቀርቦ ንኽእል ኢና።
21 እታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እትፍቶን ባህ እተብልን ባህሪ የሆዋ ግን ፍቕሪ እያ። የሆዋ ፍቕሪ ዘርኣየሉ መገዲ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክግለጽ እዩ፧
ክትዝክሮዶ ትኽእል፧
• የሆዋ ምስኡ ዕርክነት ንምምስራት ንኽንክእል እንታይ ስጕምትታት እዩ ወሲዱ፧
• ገለ ኻብቲ የሆዋ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይልን ንኸዕቍበና ዝጥቀመሉ ሓይልን እንታይ እዩ፧
• የሆዋ ንፍትሑ ብግብሪ ዘርእያ በየናይ መገድታት እዩ፧
• ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረቱን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ዝርአ ብኸመይ እዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ሓደ ጓሳ ንዕየት ኣብ ሕቝፉ ዝስከማ: የሆዋ እውን ነባጊዑ ይሓልየለን
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ መገዲ ጥበብ የሆዋ ዘንጸባርቕ እዩ