ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይ ረኸበን፧

እንታይ ረኸበን፧

እንታይ ረኸበን፧

እተን ኖፍ ከምኡውን ኖ ዝብላ መጸውዒ: መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ጥንቲ ስሙያት ዝነበራ መምፊስን ቲበስን ዝበሃላ ርእሲ ኸተማታት ግብጺ ዝጥቀመለን ኣስማት እየን። ኖፍ (መምፊስ) ካብ ካይሮ ንደቡብ 23 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ብወገን ምዕራብ ፈለግ ኒል እያ እትርከብ ነይራ። ድሕሪ ግዜ ርእሲ ኸተማ ግብጺ ኻብ ምዃን ኣቋረጸት። መበል 15 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝኣተወሉ እዋን: እታ ኻብ መምፊስ ብደቡብ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኖ (ቲበስ) ሓዳስ ርእሲ ኸተማ ዀይና ነበረት። ኣብቲ ኣብ ቲበስ ዝርከብ ዑናታት ቤተ መቕደስ: እቲ በዕኑድ ካብ እተሰርሐ ህንጻታት ብዕቤቱ ቐዳምነት ዝሓዘ ቤተ መቕደስ ካርናክ ይርከቦ። ቲበስን ቤተ መቕደስ ካርናክን ንኣምልኾ ኣሞን ዝበሃል ቀንዲ ኣምላኽ ግብጻውያን እተ​ወፈየ እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መምፊስን ቲበስን እንታይ እዩ እተነበየ፧ ንፈርኦን ግብጽን ንኣማልኽቱን: ብፍላይ ከኣ ነቲ ቐንዲ ኣምላኽ ዝዀነ “ኣሞን ካብ ኖ” ፍርዲ ተፈሪድዎም ነበረ። (ኤርምያስ 46:​25, 26) እቶም ናብቲ ቦታ ዝውሕዙ ኣምለኽቲ ‘ክጸንቱ’ ነበሮም። (ህዝቅኤል 30:​14, 15) ልክዕ ከምቲ ትንቢት ድማ ተፈጸመ። ካብ ኣምልኾ ኣሞን ዝተረፈ ነገር እንተ ሃልዩ: ዑና ቤተ መቕደስ ጥራይ እዩ። እዛ ኣብዚ ግዜና ዘላ ኸተማ ለክሶር ኣብ ክፋል እታ ጥንታዊት ቲበስ እያ ተደኲና: ኣብቲ ዑናታት ካልኦት ንኣሽቱ ኣቝሻት እውን ኣለዋ።

መምፊስ እውን እቲ መቓብራታ እንተ ዘይኰይኑ ዳርጋ ዝተረፋ የብላን። ሉዊስ ጎልዲን ዝበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ንሓያሎ ዘመናት ንግብጺ ዝወረሩ ኣዕራብ ነቲ ገዘፍቲ ዑናታት መምፊስ ፍሒሮም ብምውጻእ ነታ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ እትርከብ ርእሲ ኸተማኦም [ካይሮ] ንምህናጽ ተጠቕሙሉ። ፈለግ ኒል ብዙሕ ድበት ሒዙ ብምምጽኡን እቶም ሃነጽቲ ኣዕራብ ዕዮኦም ብዝግባእ ብምፍጻሞምን: ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ንሓያሎ ኪሎ ሜተራት ኣብቲ ጸሊም ሓመድ ጢል ዝበለ እምኒ እውን ኣይ​ትረክብን ኢኻ።” ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ: መምፊስ ‘ሓደ እኳ ዘይነብረላ ምድረ በዳ’ ዀነት።​—⁠ኤርምያስ 46:19

እዘን ከተማታት እዚኣተን ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ከም ዝፍጸም ካብ ዘርኢ ሓያሎ ኣብነታት ክልተ ጥራይ እየን። ቲበስን መምፊስን ምዕናወን እቲ ገና ዘይተፈጸመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝፍጸም ንኽንተኣማመን ድልዱል መርትዖ ይዀነና።​—⁠መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ሉቃስ 23:​43፣ ራእይ 21:3-5

[ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum