መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ክትከይድ ከላ ንሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧
መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ክትከይድ ከላ ንሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧
“ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: . . . ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” —2 ጴጥሮስ 3:9
1, 2. (ሀ) ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንሰባት ብኸመይ እዩ ዝርእዮም፧ (ለ) ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል፧
ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ’ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19) ነዚ ሓላፍነትና እዚ ኽንፍጽምን “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” ክንጽበን ከለና: ንሰባት ከምቲ ንሱ ዝርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና። (ጸፎንያስ 1:14) ንሱኸ ከመይ ገይሩ እዩ ዝርእዮም፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ብምባል ይምልሰልና። (2 ጴጥሮስ 3:9) ኣምላኽ ንውልቀ-ሰባት ክንስሑ ከም ዝኽእሉ ገይሩ እዩ ዝርእዮም። “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ [እዩ] ዚፈቱ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:4) “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር” ከሎ የሆዋ ባህ እዩ ዝብሎ።—ህዝቅኤል 33:11
2 ንሕናኸ ብዛዕባ ሰባት ዘሎና ኣረኣእያ ከምቲ ናይ የሆዋ ድዩ፧ ውልቀ-ሰባት መበቈሎም ኰነ ዓዶም ብዘየገድስ “ኣባጊዕ መጓሴኡ” ክዀኑ ኸም ዝኽእሉ ጌርና ዲና እንርእዮም፧ (መዝሙር 100:3፣ ግብሪ ሃዋርያት ) ኣረኣእያ ኣምላኽ ምሓዝ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ። ኣብ ክልቲኡ ኣብነታት ጥፍኣት ኣንጸላልዩ ነይሩ: ኣገልገልቲ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባዚ ኣቐዲሞም ይፈልጡ ነይሮም። እዚ ኣብነታት እዚ ብፍላይ ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኽንጽበ ኸለና ኣገዳሲ እዩ። 10:34, 35
ኣብርሃም ኣረኣእያ የሆዋ ነበሮ
3. የሆዋ ብዛዕባ ተቐማጦ ሶዶምን ጎሞራን እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧
3 እቲ ቐዳማይ ኣብነት ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃምን ነተን እኩያት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ዝምልከት እዩ። የሆዋ “ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን” ምስ ሰምዐ: ብኡንብኡ ነዘን ከተማታት እዚኣተንን ንዅሎም ተቐማጦአንን ኣየጥፍአንን። ፈለማ ነቲ ነገር መርመረ። (ዘፍጥረት 18:20, 21) ክልተ መላእኽቲ ድማ ናብ ሶዶም ተላእኩ: ኣብኡ ኸኣ ኣብ ቤት እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ ዓረፉ። በታ ምሸት እቲኣ “ሰብ እታ ኸተማ” ምስቶም መላእኽቲ ግብረ-ሶዶም ክፍጽሙ ስለ ዝደለዩ “ኣጕባዝን ኣረገውትን: ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ሸነኽ መጺኡ ነታ ቤት ከበባ።” ተቐማጦ እታ ኸተማ ዝነበሮም ብልሽውና እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከም ዝግባእ ንጹር ኰነ። እንተዀነ ግን: እቶም መላእኽቲ ንሎጥ “ኣብዚ ገና ናትካዶ አሎካ፧ ሰብኣይ ጓልን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ዅሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም” በልዎ። የሆዋ ንገለ ተቐማጦ እታ ኸተማ ኽድሕኑ መገዲ ኸፈተሎም: ኣብ መወዳእታ ግን ሎጥን ክልተ ኣዋልዱን ጥራይ እዮም ካብቲ ጥፍኣት ኣምሊጦም።—ዘፍጥረት 19:4, 5, 12, 16, 23-26
4, 5. ኣብርሃም ንተቐማጦ ሶዶም ዝለመነሎም ስለምንታይ እዩ: እቲ ብዛዕባ ሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያኸ ምስ ኣረኣእያ የሆዋ ዝሰማማዕ ድዩ ነይሩ፧
4 ሕጂ የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ክምርምረን ከም ዝመደበ ናብ ዝገለጸሉ እዋን ተመሊስና እስከ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ኣብርሃም “ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ: ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧ ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባኻ ይርሐቕ። እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ: ካባኻ ይርሐቕ። እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ኢሉ ልመና ኣቕረበ። ኣብርሃም “ካባኻ ይርሓቕ” ዝብል መግለጺ ኽልተ ሳዕ ተጠቕመ። ካብዚ ኸም እንርድኦ: የሆዋ ንጻድቕ ምስ ረሲእ ከም ዘየጥፍኦ ኣብርሃም ይፈልጥ ነይሩ። የሆዋ “ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን” እንተ ተረኺቦም ከም ዘየጥፍኣ ምስ ገለጸሉ: ኣብርሃም ነቲ ቝጽሪ እናነከየ ክሳዕ ዓሰርተ ወረደ።—ዘፍጥረት 18:22-33
5 የሆዋ ነቲ ኣብርሃም ዘቕረቦ ልመና ምስ ኣረኣእያኡ ዘይሰማማዕ እንተ ዝኸውን ነይሩ ምሰምዖዶ፧ ፈጺሙ ኣይምሰምዖን። ኣብርሃም “ፍቑር ኣምላኽ” ብምንባሩ ኣረኣእያ የሆዋ ይፈልጥን ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ነይርዎን እዩ። (ያእቆብ 2:23) የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ክምርምረን ከሎ: ንልመና ኣብርሃም ክሰምዕ ፍቓደኛ ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ሰማያዊ ኣቦና “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ” እዩ።
ኣረኣእያ ዮናስ ፈጺሙ እተፈልየ ነበረ
6. ሰብ ነነዌ ነቲ ዮናስ ዝኣወጆ ኣዋጅ እንታይ ምላሽ ኣርኣዩ፧
6 ሕጂ ነቲ ኻልኣይ ኣብነት ማለት ብዛዕባ ዮናስ እስከ ንርአ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ እታ ንጥፍኣት እተመጠወት ከተማ ነነዌ እያ ነይራ። ነብዪ ዮናስ እከይ እታ ኸተማ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝደየበ’ ኽእውጅ ተነግሮ። (ዮናስ 1:2) ነነዌ ምስ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታት ሓዊስካ ዓባይ ከተማ ኻብ ምዃና እተላዕለ “መገዲ ሰለስተ መዓልቲ” እያ ተባሂላ። ኣብ መወዳእታ ዮናስ ንእተዋህቦ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ናብታ ኸተማ ምስ በጽሐ: “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ” ኢሉ ኣወጀ። “ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ አመኑ: ጾም ድማ አወጁ: . . . ክሻ [እውን] ተኸድኑ።” እቲ ንጉስ እውን ከይተረፈ ተነስሐ።—ዮናስ 3:1-6
7. የሆዋ ነቲ ነስሓ ሰብ ነነዌ ብኸመይ ረኣዮ፧
7 እዝስ ካብቲ ተቐማጦ ሶዶም ዘርኣይዎ ምላሽ ኣጸቢቑ እተፈልየዶ ኸይኰነ፧ የሆዋ ደኣኸ ነቲ ነስሓ ሰብ ነነዌ ብኸመይ ረኣዮ፧ ዮናስ 3:10 “ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ: ኣይገበሮን ከኣ” ትብል። የሆዋ ኣብዚ “ተጣዕሰ” ኽበሃል ከሎ: ሰብ ነነዌ መገዶም ስለ ዝቐየሩ ነቲ ኽገብሮ ሓሲብዎ ዝነበረ ቐይርዎ ማለት እዩ። ስርዓታት ኣምላኽ ኣይተቐየረን: የግዳስ ሰብ ነነዌ ከም እተነስሑ ምስ ረኣየ ውሳነኡ ለወጠ።—ሚልክያስ 3:6
8. ዮናስ ዝዀረየ ስለምንታይ እዩ፧
8 ዮናስ ነነዌ ኸም ዘይትጠፍእ ምስ ፈለጠ: ነቲ ነገር ብኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ርእይዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሀዮ: ኰረየውን” ስለ ዝብለና ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘይነበሮ ኽንፈልጥ ንኽእል። ድሕርዚኸ እንታይ ገበረ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ: ዎ እግዚኣብሄር: እልምነካ አሎኹ: እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ አይኰነን፧ መሓርን ርሕሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐሰሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ: ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ።” (ዮናስ 4:1, 2) ዮናስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኰረየ: ከምቲ ኣምላኽ ንእተነስሑ ሰብ ነነዌ ዝነበሮ ኣረኣእያ ድማ ኣይነበሮን።
9, 10. (ሀ) የሆዋ ንዮናስ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝሃቦ፧ (ለ) ዮናስ ኣማስያኡ ኸምቲ የሆዋ ንሰብ ነነዌ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዝሓዘ ጌርና ኽንወስዶ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
9 ዮናስ ካብ ነነዌ ወጸ: ዳስ ሰርሐ: “ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ” ድማ ኣብ ጽላል ተቐመጠ። የሆዋ ኸኣ ንዮናስ ምእንቲ ኸተጽልሎ ኢሉ ጕልዒ ኣብቈለ። ንጽብሒቱ ግን እታ ተኽሊ ነቐጸት። ዮናስ በዚ ምስ ተቘጥዐ: የሆዋ “ንስኻ በታ . . . ጕልዒ ጕሂኻ። ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ: የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ: ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ፧” በሎ። (ዮናስ 4:5-11) ዮናስ ብዛዕባቲ የሆዋ ንሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ትምህርቲ ዀን እዩ ተማሂሩ!
10 ኣምላኽ ንሰብ ነነዌ ኸም ዝርሕርሓሎም ምስ ገለጸ: ዮናስ ዝሃቦ መልሲ ተጻሒፉ ኣይንረኽቦን ኢና። እንተዀነ ግን: እዚ ነብዪ እዚ ብዛዕባ እቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዘዐረየ ንጹር እዩ። የሆዋ ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ክጽሕፍ ስለ እተጠቕመሉ: ኣረኣእያኡ ኸም ዘዐረየ ኽንድምድም ንኽእል ኢና።
ኣየናይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘሎካ፧
11. ኣብርሃም ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ምረኣዮም ነይሩ፧
11 ኣብዚ ግዜና ኻልእ ጥፍኣት እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ኸኣ በታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ዝፍጸም ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ እዩ። (ሉቃስ 17:26-30፣ ገላትያ 1:4፣ 2 ጴጥሮስ 3:10) ኣብርሃም ነዞም ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝጠፍኡ ኣብዛ ዓለምና ዝርከቡ ሰባት ብኸመይ ምረኣዮም ነይሩ፧ ብዛዕባ እቶም “ወንጌል መንግስቲ” ዘይሰምዑ ሰባት መተሓሳሰቦ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብርሃም ብዛዕባ እቶም ኣብ ሶዶም ክህልዉ ዝኽእሉ ጻድቃን ደጋጊሙ ንኣምላኽ ለመነ። ንሕናኸ ብዛዕባ እቶም ንኽንስሑን ንኣምላኽ ንኸገልግሉን ኣጋጣሚ እንተ ተዋሂብዎም ንመገድታት እዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም ዝነጽጉ ሰባት ብብሕቲ ንሓሊ ዲና፧—1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 18:2-4
12. ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦም ሰባት ከም ናይ ዮናስ ዓይነት ኣረኣእያ ኸነማዕብል ቀሊል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ነዚ ንምፍታሕከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
12 እከይ ንኽጠፍእ ምምናይ ግቡእ እዩ። (ኣንባቆም 1:2, 3) እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ድሕንነት እቶም ክንስሑ ዝኽእሉ ሰባት ብምርሳዕ ከም ናይ ዮናስ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ብቐሊሉ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ብፍላይ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መልእኽቲ ኸነብጽሓሎም ኣብ ቤቶም ምስ ከድና ዘይግደሱ: ተጻረርቲ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ተባኣስቲ ሰባት ብተደጋጋሚ እንተ ኣጋጢሞምና ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ይስምዓና እዩ። ነቶም የሆዋ ብሕጂ ኻብዚ እኩይ ኣገባብ ዝእክቦም ሰባት ንርስዖም ንኸውን። (ሮሜ 2:4) ተጠንቂቕና ርእስና ድሕሪ ምምርማር ንእሽቶ እውን ይኹን ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንተሎና: ኣረኣእያና ኸም ናይ የሆዋ ንምግባር ሓገዝ ክወሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።
13. የሆዋ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ይሓሊ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
13 የሆዋ ነቶም ገና ዘየገልግልዎ ዘለዉ እውን ይሓልየሎም እዩ: ነቲ ንዕኡ እተወፈዩ ህዝቡ ዘቕርብዎ ልመና እውን ይሰምዖ እዩ። (ማቴዎስ 10:11) ንኣብነት: ንጸሎቶም ሰሚዑ ‘ፍትሒ የውጽኣሎም እዩ።’ (ሉቃስ 18:7, 8) ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ኣብ ግዜኡ ንዅሉ እቲ መብጽዓታቱን ዕላማታቱን ክፍጽሞ እዩ። (ኣንባቆም 2:3) እዚ ኸኣ ከምቲ ሰብ ነነዌ ናብ እከይ ግብሮም ምስ ተመልሱ ነታ ኸተማ ዘጥፍኣ: ንምድሪ እውን ካብ ኵሉ እከይ ምጽራይ ዘጠቓልል እዩ።—ናሆም 3:5-7
14. ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናተጸበና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
14 እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ በታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኽሳዕ ዝጠፍእ: ፍቓዱ ኣብ ምግባር ትሑዛት ብምዃን ብዓቕሊ ኽንጽበ ዲና፧ ቅድሚ መዓልቲ የሆዋ ምምጻኣ ኽፍጸም ዘለዎ ዕዮ ስብከት ብዝርዝር ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና: መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ግን እቲ ብስራት መንግስቲ: ንኣምላኽ ብዘዕግብ መጠን ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽስበኽ እዩ። እምበኣር ብዛዕባ እቶም የሆዋ ንቤቱ ብኽብሪ ኣብ ዝመልኣሉ እዋን ብሕጂ ዝመጹ “ክቡር ነገር” ክንሓሊ ኣሎና።—ሃጌ 2:7
ኣረኣእያና ኣብ ተግባራትና ይንጸባረቕ
15. ንዕዮ ስብከት ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ክዓዝዝ ይኽእል፧
15 ምናልባት ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ተቐባልነት ኣብ ዘይረኽበሉ ማሕበረሰብ ንነብር ንኸውን: ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልዩሉ ቦታ ብምግዓዝ ከነገልግል ድማ ኣይንኽእልን ንኸውን። መወዳእታ ኽሳዕ ዝመጽእ ኣብ ዞባና ዓሰርተ ሰባት ይርከቡ ይዀኑ ኢልና እሞ ንሕሰብ። ነዞም ዓሰርተ እዚኣቶም ምንዳዮም ግቡእ ኰይኑዶ ይስምዓና፧ የሱስ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ምንባሮም ርእዩ “ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ ዓንቀጻት ተጠንቂቕና ብምንባብን: ነዚ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ብዝያዳ ኸነስተውዕሎ ንኽእል። እዚ ኸኣ ብግዲኡ ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ዘድልየሉ ምኽንያት ብዝያዳ ንኸነማስወሉ ይሕግዘና። ብዘይካዚ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳልዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዘሎና ሞሳ: ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየ ዞባታት ንሰባት ኣረዲእና ንኸነእምኖም ብዝያዳ ኽእለት ንኽህልወና ይሕግዘና።—ማቴዎስ 24:45-47፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:14-17
16. ኣብ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ኣሳልጦ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
16 ነቶም ብሕጂ ነቲ ህይወት ዝህብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቕበሉ ሰባት ሓልዮት እንተ ሃልዩና: ኣብ ኣገልግሎትና ንሰብ ቤት ኣብ እተፈላለየ እዋንን ብእተፈላለየ መገድታትን ክንቀርቦም ይድርኸና። ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤቶም ንስእኖም ዲና፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ናብ ኣገልግሎት እንኸደሉ ሰዓትን እንሰብከሉ ቦታን ብምቅይያር ዝያዳ ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል ንኸውን። ገፈፍቲ ዓሳ ኣብቲ ዓሳ ኽረኽቡሉ ዝኽእሉ ግዜ እዮም ናብ ምግፋፍ ዝኸዱ። ንሕናኸ ኣብ መንፈሳዊ ናይ ምግፋፍ ዕዮ ተመሳሳሊ ኽንገብር ንኽእልዶ፧ (ማርቆስ 1:16-18) ናይ ምሸት ምስክርነት: ኣብቲ ብሕጊ ዘይክልከለሉ ኸባቢ ኸኣ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ንምንታይ ዘይንፍትኖ፧ ገሊኣቶም ክርስትያናት ማካይን ደው ኣብ ዝብላሉ ኸባቢ: ዓበይቲ ማካይን ኣብ ዘዕርፋሉ ቦታታት: ኣብ ነቝጣታት መዐደሊ ነዳዲ: ከምኡውን ኣብ ድኳናት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብዙሕ ‘ዓሳ ይገፉ’ እዮም። ንኻልኦት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታት ክንጥቀመሉ ኸለና ከምቲ ኣብርሃም ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ንጹር ይኸውን።
17. ንሚስዮናውያንን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዘገልግሉ ኻልኦትን ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧
17 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኽሳዕ ሕጂ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይሰምዑ ሰባት ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እቲ እንገብሮ ስብከት ካብ ዓድና ኸይገዓዝና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓልዮት ከነርእዮም ንኽእልዶ፧ ንኣብነት: ኣብ ካልእ ሃገር ዘገልግል ሚስዮናዊ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ትፈልጥዶ፧ ትፈልጥ እንተ ዄንካ: ንዕዮኦም ከም እነማስወሉ ዝገልጽ ደብዳበ ኽትጽሕፈሎም ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ንሰባት ብሓፈሻ ኸም እትሓሊ ብኸመይ የርኢ፧ እቲ ነቶም ሚስዮናውያን ንምትብባዕን ንምንኣድን ዝጸሓፍናዮ ደብዳበ ኣብቲ እተመደቡሉ ንኽጸንዑ የበራትዖም: ንሳቶምውን ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ንኽፈልጡ ይሕግዝዎም። (መሳፍንቲ 11:40) ነቶም ሚስዮናውያንን ነቶም ኣብ ካልእ ዓዲ ዝርከቡ ሓቂ ኽረኽቡ ዝደልዩ ሰባትን እውን ክንጽልየሎም ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 6:18-20) ካልእ ሓልዮትና እነርእየሉ መገዲ ኸኣ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ ገንዘብ ደገፍ ብምሃብ እዩ።—2 ቈረንቶስ 8:13, 14፣ 9:6, 7
ክትግዕዝ ትኽእልዶ፧
18. ገሊኣቶም ክርስትያናት ኣብተን ዝቕመጡለን ሃገራት ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ እንታይ ገይሮም፧
18 እቶም ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልዩሉ ቦታ ዝገዓዙ ክርስትያናት ስለቲ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዝገበርዎ ጻዕርታት ተባሪኾም እዮም። ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣብ ዓዶም ከለዉ ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም ንስደተኛታት ብመንፈሳዊ መገዲ ይሕግዝዎም ኣለዉ። እዚ ጻዕርታት እዚ ብሓቂ ዓስቢ ኣለዎ። ንኣብነት: ንቻይናውያን ዝሰብኩሎም ኣብ ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.: ዝርከቡ ሸውዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብ2001 ኣብ ድራር ጐይታ ንኽመጹ ዓዲሞምዎም ካብ ዝነበሩ ሰባት 114 መጺኦም እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ዝሕግዙ ክርስትያናት እቲ ግራቶም ንዓጺድ ድሉው ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ።—ማቴዎስ 9:37, 38
19. ናብ ካልእ ሃገር ግዒዝካ ንኽትሰብኽ ክትሓስብ ከለኻ እንታይ ክትገብር እዩ ጥበባዊ ዝዀነ፧
19 ምናልባት ንስኻን ስድራቤትካን ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልዩሉ ቦታ ግዒዝካ ኸተገልግል ትደሊ ትኸውን። ፈለማ: ‘ተቐሚጥካ ምጽብጻብ’ ጥበባዊ እዩ። (ሉቃስ 14:28) ብፍላይ ሓደ ሰብ ናብ ወጻኢ ሃገር ክግዕዝ ክሓስብ ከሎ: እዚ ኣድላዪ እዩ። ከምዚ ኽገብር ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንርእሱ ኽሓትት ኣለዎ:- ‘ንስድራይ ዘድልዮም ከማልኣሎም እኽእል ድየ፧ ግቡእ ቪዛ ኽረክብ እኽእል ድየ፧ ነቲ ናይታ ዓዲ ቛንቋ እዛረብ ድየ: ወይ ክመሃር ድሉው ድየ፧ ብዛዕባ ክሊማን ባህልን ሓሲበሉ ድየ፧ ነቶም ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ኣሕዋት ብሓቂ “ምጽንናዕ” ድየ ክዀኖም ወይስ ጾር፧’ (ቈሎሴ 4:10, 11) ኣብታ ኽትከዳ ሓሲብካ ዘለኻ ዓዲ ኽሳዕ ክንደይ ሓገዝ ከም ዘድሊ ንምፍላጥ: ናብቲ ኣብታ ዓዲ ዝግበር ዕዮ ስብከት ዘመሓድር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትጽሕፍ ግቡእ እዩ። a
20. ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ኣብ ካልእ ሃገር ንዝርከቡ ኣመንቲ ብጾቱ ንምጥቃም እንታይ ጻዕሪ ገበረ፧
20 ሓደ ኣብ ጃፓን ኣብ እተገብረ ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እተኻፈለ ክርስትያን ኣብ ፓራጓይ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንምህናጽ ክኢላታት ከም ዘድልዩ ፈለጠ። ዘይተመርዓወ መንእሰይ ብምዃኑ: ናብታ ዓዲ ገዓዘ: ንሸሞንተ ወርሒ ድማ ኣብቲ ፕሮጀክት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ብምዃን ኣገልገለ: ኣብኡ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንሱ ጥራይ ነበረ። ኣብታ ዓዲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ስጳንኛ ተማህረ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ክመርሕ ጀመረ። ኣብታ ሃገር ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘድልዩ ረኣየ። ናብ ጃፓን እኳ እንተ ተመልሰ: ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ፓራጓይ ተመሊሱ ንሰባት ናብቲ ኣብ ምህናጽ እጃሙ ዘበርከተሉ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእካብ ተኻፈለ።
21. ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኣብ እንጽበየሉ እዋን ቀንዲ ዘገድሰና ነገርን ኣረኣእያናን እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧
21 ኣምላኽ ዕዮ ስብከትና ምስ ፍቓዱ ብምስምማዕ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፍጸም ክገብር እዩ። ኣብዚ ግዜና ናይ መወዳእታ መንፈሳዊ ምህርቲ እዩ ዝሕፈስ ዘሎ። (ኢሳይያስ 60:22) ስለዚ መዓልቲ የሆዋ እናተጸበና ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ብቕንኣት ንካፈል: ንሰባት ከኣ ከምቲ ፈቃር ኣምላኽና ዝርእዮም ጌርና ንርኣዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዕዮ ስብከት ናብ እተኣገደሉ ወይ ቀይዲ ናብ እተገብረሉ ሃገር ምግዓዝ ዘይጥበባዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር ነቶም ኣብ ዘጸግም ኵነታት ብጥበብ ዘገልግሉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክጐድኦም እውን ይኽእል እዩ።
ትዝክሮዶ፧
• መዓልቲ የሆዋ ኽንጽበ ኸለና: ንሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧
• ኣብርሃም ብዛዕባ እቶም ኣብ ሶዶም ክህልዉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ጻድቃን እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧
• ዮናስ ብዛዕባ እቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧
• ብዛዕባ እቶም ነቲ ብስራት ገና ዘይሰምዑ ሰባት ከም ናይ የሆዋ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣብርሃም ብዛዕባ ሰባት ኣረኣእያ የሆዋ ነበሮ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ዮናስ ብዛዕባ እቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ ድሕሪ ግዜ ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ሓዘ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ንሰባት ዘሎና ሓልዮት ነቲ ብስራት ንምስባኽ እተፈላለየ ግዜያትን መገድታትን ንኽንጥቀም ይድርኸና