ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ኻልኦት ሰባት የድልዩና እዮም፧

ብሓቂዶ ኻልኦት ሰባት የድልዩና እዮም፧

ብሓቂዶ ኻልኦት ሰባት የድልዩና እዮም፧

እቲ ውሩይ ሊቅ ዝነበረ ኣልበርት ኣንስታይን “ንህይወትናን ዝገበርናዮ ጻዕርን ክንምርምር ከለና: ዳርጋ ዅሉ ተግባርናን ባህግናን ምስ ህላወ ካልኦት ሰባት እተተሓሓዘ ምዃኑ ቀልጢፍና ኢና እነስተውዕል” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ካልኦት ዘፍረይዎ መግቢ ንበልዕ: ካልኦት ዝሰርሕዎ ክዳውንቲ ንኽደን: ካልኦት ኣብ ዝሃነጽዎ ኣባይቲ ኸኣ ንነብር። . . . ሓደ ውልቀ-ሰብ ከምቲ ዀይንዎ ዘሎ ክኸውንን ኣገዳስነት ክህልዎን ዝኽእል ብውልቁ ብዘለዎ ኽእለት ዘይኰነስ ኣባል ናይቲ ኻብ ዝውለድ ክሳዕ ዝመውት ንስጋውን መንፈሳውን ህላወኡ ዝመርሕ ዓብዪ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ብምዃኑ እዩ” በለ።

እንስሳታት ብባህሪኦም ይተሓጋገዙ እዮም። ሓራምዝ ነቶም ንኣሽቱ ብጥንቃቐ እናሓለዉ ብጕጅለ ዀይኖም ይጐዓዙ። ዋዕሮታት ብሓባር ይሃድና: ነቲ መግበን ከኣ ነቶም ተባዕትዮ ኣናብስ የካፍላኦም። ዶልፊናት ብሓባር ይጻወቱ: ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ካልኦት እንስሳታት ወይ ሓምበስቲ ኽሽገሩ ኸለዉ ይሕግዝዎም።

ሰባት ዘንጸባርቕዎ ዘለዉ ባህርያት ግን ነቶም ማሕበራዊ ርክብ ዘጽንዑ ሊቃውንቲ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝያዳ የጨንቖም ኣሎ። ብመሰረት ሓንቲ ኣብ መክሲኮ እትሕተም ጋዜጣ: ገሊኣቶም ሊቃውንቲ “ኣብ ሕብረተሰብ ሕ.መ.ኣ. እቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝቐጸለ ርእስኻ ናይ ምፍላይ ባህሪ ከምኡውን ማሕበራዊ ህይወት እናተዳኸመ ብምኻዱ ዓብዪ ጕድኣት ኣውሪዱ” ዝብል ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። እታ ጋዜጣ “ናይ ሓንቲ ሃገር ድሕንነት ኣብ ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ለውጥታት እተመርኰሰ እዩ: እዚ ድማ ናብ ማሕበራዊ ህይወት ምምላስ የጠቓልል” በለት።

እዚ ጸገም እዚ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ። ቍጽሮም ኣጸቢቑ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓያሎ ሰባት ገዛእ ርእሶም ይፈልዩ ኣለዉ። ሰባት ‘ናይ ርእሶም ናብራ ኽነብሩ’ ይደልዩ: ካልኦት ‘ኣብ ህይወቶም ከይኣትዉ’ ኸኣ ብጽኑዕ ይቃወሙ ኣለዉ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናብ ስምዒታዊ ጸገማትን ናይ መንፈስ ጭንቀትን ርእሰ-ቕትለትን ብዝያዳ እተቓልዐ ይገብሮ ኸም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ዶ/ር ዳንኤል ጎልማን “ሓደ ሰብ ካብ ማሕበረሰብ ምስ ዝግለል: ማለት ውሽጣዊ ስምዒቱ ዘካፍሎ ወይ ኣጸቢቑ ዝቐርቦ ሰብ ምስ ዝስእን: ንኽሓምም ወይ ንኽመውት ዘለዎ ኣጋጣሚ ብዕጽፊ ይውስኽ” በለ። ኣብ ሳይንስ እትበሃል መጽሔት እተሓትመ ጸብጻብ: ካብ ማሕበረሰብ ርእስኻ ምግላል ‘ምስቲ ብምትካኽ ሽጋራ: ብልዑል ጸቕጢ ደም: ብብዝሒ ከለስትሮል: ብኽራሸ: ከምኡውን ብጕድለት ምውስዋስ ኣካላት ዝመጽእ መጠን ሞት ከም ዝመዓራረ’ ገለጸ።

እምበኣር ብእተፈላለየ ምኽንያታት ካልኦት ሰባት ከም ዘድልዩና ዘተሓታትት ኣይኰነን። ተገሊልና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ተገሊልካ ናይ ምንባር ጸገም ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል፧ ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ናይ ሓቂ ትርጕም ክረኽቡሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ዳርጋ ዅሉ ተግባርናን ባህግናን ምስ ህላወ ካልኦት ሰባት እተተሓሓዘ [እዩ]።” —ኣልበርት ኣንስታይን