ተገሊልና ኽንነብር ዘይንኽእለሉ ምኽንያት
ተገሊልና ኽንነብር ዘይንኽእለሉ ምኽንያት
“እንተ ወደቑ: እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ: ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።”—ንጉስ ሰሎሞን
ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሰሎሞን “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም: እንተ ወደቑ: እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ: ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ: ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ: ወይለኡ” በለ። (መክብብ 4:9, 10) እዚ ብዛዕባ ባህርያት ሰባት እተዓዘበ ጥበበኛ ሰብኣይ እዚ ተደጋጊፍና ክንነብር ደኣ እምበር ገዛእ ርእስና ኸይንፈሊ እዩ ዘጕልሕ ዘሎ። ይኹን እምበር: እዚ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ጥራይ ኣይነበረን። ሰሎሞን ከምዚ ኽብል ዝኸኣለ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብን መንፈስን ተደሪኹ እዩ።
ተገሊልካ ምንባር ጽቡቕ ኣይኰነን። ሰባት ንሓድሕዶም ክደጋገፉ የድልዮም እዩ። ኵላትና ብኻልኦት ሰባት ክንበራታዕን ክንሕገዝን ንደሊ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓደ ምሳሌ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ይብል። (ምሳሌ 18:1) ስለዚ እቶም ማሕበራዊ ርክባት ዘጽንዑ ሊቃውንቲ: ውልቀ-ሰባት ክፍሊ ሓደ ጕጅለ ክዀኑን ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ክግደሱን እንተ ኣተባብዑ ዘገርም ኣይኰነን።
ፕሮፌሰር ሮበርት ፑትናም ማሕበራዊ ህይወት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንኽሕግዝ ካብ ዝሃቦ ሓሳባት ሓደ “ነቲ መንፈሳዊ እምነት ዘሕድሮ ጽልዋ ምሕያሉ” ኢሉ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝርከባ ኸም ስድራቤት ዝኣመሰላ ጉባኤታት ዕቝባ ስለ ዝረኽቡ: ኣብዚ መዳይ እዚ ሓለፍ ዝበሉ እዮም። ምስ ቃላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ብምስምማዕ ‘ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለዎም ኣሕዋት የፍቅርዎም’ እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:17) እቲ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ሓያሎ ጠቓሚ ንጥፈታት ንጐረባብቶም ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣብ ምምሃር ንኽሳተፉ ስለ ዘኽእሎም: ካብ ካልኦት ኣይግለሉን: ርእስኻ ምፍላይ ዘስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤን እውን ኣየጋጥሞምን።—2 ጢሞቴዎስ 2:15
ፍቕርን ምሕዝነትን ንህይወቶም ቀየሮ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነፍሲ ወከፎም ኣገዳሲ ግደ ዘበርክትሉ ሕብረት ዘለዎም ማሕበረሰብ እዮም። ንኣብነት: ሚገል: ፍሮይላን: ከምኡውን ኣልማ ሩት ዝበሃሉ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ናይ እትርከብ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ሰለስቲኦም ክውለዱ ኸለዉ ኣትሒዞም ድንኪ ዝገብር ናይ ኣዕጽምቲ ጸገም ነበሮም። ብብሽክለታ ስንኩላን ከኣ እዮም ዝንቀሳቐሱ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባሮም ንህይወቶም ብኸመይ ጸለዎ፧
ሚገል ከምዚ ብምባል ሓሳቡ ሃበ:- “እተፈላለየ ጸገማት ኣሕሊፈ እየ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ምስ ጀመርኩ ግን ህይወተይ ተቐየረ። ርእስኻ ምግላል
ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ምስ ኣመንቲ ብጾተይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካበይን ኣብ ሰሰሙን ምሳታቶም ክራኸብ ብምኽኣለይን ዕግበትን ርውየትን ንኽስምዓኒ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ።”ኣልማ ሩት ከኣ ከምዚ በለት:- “ኣዝየ ዝጭነቐሉ እዋን ነይሩ: ብዙሕ እጕሂ ነይረ። ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተመሃርኩ ግን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክገብር ከም ዝኽእል ተሰምዓኒ። እዚ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዘገድሰኒ ጕዳይ ኰነ። ስድራቤትና ብዙሕ እዮም ሓጊዞምና: እዚ ኸኣ ብዝያዳ ስምረት ንኽህልወና ኣኽኣለ።”
ሚገል ካብ ኣቦኡ ምንባብን ምጽሓፍን ተማህረ። ድሕሪኡ ንሱውን ብተራኡ ንፍሮይላንን ንኣልማ ሩትን መሃሮም። እዚ ትምህርቲ እዚ ንመንፈሳውነቶም ባይታ ኣንቢሩ እዩ። ብዛዕባዚ ኣልማ ሩት ከምዚ በለት:- “ምንባብ ሳላ እተመሃርና መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብምንባብ ብመንፈስ ክንዕንገል ስለ ዝኸኣልና ብዙሕ እዩ ጠቒሙና።”
ኣብዚ እዋን እዚ ሚገል ክርስትያን ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ፍሮይላን ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ትሽዓተ ሳዕ ኣንቢቡዎ ኣሎ። ኣልማ ሩት ከኣ ካብ 1996 ኣትሒዛ ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ኣስፊሓ ኣላ። ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳብ ድማ ሃበት:- “ብበረኸት የሆዋ ነዚ ሸቶይ እዚ ኽበጽሖ ኽኢለ እየ። ፍቑራት ኣሓት ከኣ ንኽሰብኽ ጥራይ ዘይኰነስ ነተን ባዕለይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመርክወን 11 ሰባት ንኽምህር እውን ይድግፋኒ እየን።”
ሓንቲ ኣብ ኣእጋራን ዓንዲ ሕቘኣን ብሰንኪ ዝወረዳ ጕድኣት ብብሽክለታ ስንኩላን እትንቀሳቐስ ኤሚልያ እውን ሰናይ ኣብነት ትዀነና እያ። ኣብ ከተማ መክሲኮ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ መሃርዋ: ብ1996 ከኣ ተጠምቀት። ከምዚ ድማ በለት:- “ሓቂ ቕድሚ ምፍላጠይ: ርእሰይ ክቐትል እደሊ ነበርኩ፣ ብህይወት ክነብር ኣይደልን እየ ነይረ። ባዶነት ይስምዓኒ ነበረ: መዓልትን ለይትን ድማ እበኪ ነበርኩ። ምስ ህዝቢ የሆዋ ክሓብር ምስ ጀመርኩ ግን እቲ ኣሕዋት ዘርእይዎ ፍቕሪ ተሰምዓኒ። እቲ ንዓይ ብብሕቲ ዘርእዩኒ ተገዳስነት ኣተባብዓኒ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ከም ሓው ወይ ኣቦ እዩ ዀይኑኒ። ንሱን ገሊኣቶም ኣገልገልቲ ጉባኤን ብብሽክለታ ስንኩላን ገይሮም ናብ ኣኼባታትን ናብ ስብከትን ይወስዱኒ እዮም።”
ብ1992 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ እተጠምቀ ሆሴ በይኑ ይነብር ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ወዲ 70 ዓመት ክኸውን ከሎ: ብ1990 ከኣ እዩ ጡረታ ወጺኡ። ሆሴ ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕዲሩ ነበረ: ሓደ ናይ የሆዋ ፊልጲ 1:1፣ 1 ጴጥሮስ 5:2) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣመንቲ ብጾት “ምጽንናዕ” ኰይኖምዎ እዮም። (ቈሎሴ 4:11) ናብ ሕክምና ይወስድዎ: ኣብ ቤቱ ይበጽሕዎ: ኣርባዕተ ሳዕ መጥባሕቲ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ኸኣ ደገፎም ሃብዎ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ይሓልዩለይ እዮም። ብሓቂ ስድራቤተይ እዮም። ምሕዝነቶም የሐጕሰኒ እዩ” በለ።
ምስክር ምስ ሰበኸሉ ግን ብኡንብኡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብ ጀመረ። ነቲ ኣብኡ ዝሰምዖን ዝረኣዮን ነገራት ፈተዎ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘሎ ምሕዝነት ተዓዘበ: ንዕኡ ኸም ሰብ መጠን ከም ዝሓልዩሉ ኸኣ ተረድአ። እቶም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ክከናኸንዎ ጀመሩ። (ኣብ ምሃብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣሎ
ንጉስ ሰሎሞን “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ቅድሚ ምባሉ: ኵሉ ሓይልኻ ስጋዊ ሃብቲ ንኸተጥሪ ምውፋይ ከንቱ ምዃኑ እዩ ገሊጹ። (መክብብ 4:7-9) ኣብዚ ግዜና ግን ብዙሓት ሰባት ስጋዊ ሃብቲ ንምጥራይ ዝከኣሎም ኵሉ እዮም ዝገብሩ: አረ ነዚ ንምርካብሲ ምስ ስድራቤቶም ኰነ ምስ ካልኦት ንዘለዎም ርክብ እውን ከይተረፈ ይስውኡ እዮም።
እዚ ናይ ስስዐ መንፈስ ንብዙሓት ሰባት ርእሶም ናብ ምግላል እዩ መሪሕዎም። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ስለ ዘጋጥሞም: ኣብ ህይወቶም ሓጐስ ኰነ ዕግበት ኣይረኽቡን። ብኣንጻሩ ግን እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ተመክሮታት ምስቶም ንየሆዋ ዘገልግሉን ምስቶም ንዕኡን ንጐረባብቶምን ብዘለዎም ፍቕሪ ዝድረኹን ሰባት ምሕባር ዘለዎ ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ዘርኢ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ምእካብ: ካብ ክርስትያናት ብጾት ደገፍን ሓልዮትን ምርካብ: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ምስታፍ: ነዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ነቲ ተገሊልካ ምንባር ዘስዕቦ ኣሉታዊ ስምዒታት ንኽዋጽኡሉ ዝሓገዞም ኣገዳሲ ረቛሒታት እዩ።—ምሳሌ 17:17፣ እብራውያን 10:24, 25
ንሓድሕድና ተደጋጊፍና ስለ እንነብር: ንኻልኦት ዝጠቅም ነገር ምስ እንገብር ዕግበት ዘምጽኣልና ምዃኑ ባህርያዊ እዩ። እቲ ብዝፈጸሞ ዕዮ ንብዙሓት ሰባት ዝጠቐመ ኣልበርት ኣንስታይን “ሓደ ሰብ ዘለዎ ዋጋ . . . በቲ ዝህቦ መጠን ደኣ እምበር በቲ ዝቕበሎ መጠን ክርአ የብሉን” በለ። እዚ ኸኣ ምስቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል እተዛረቦ ዝሰማማዕ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ስለዚ: ክትፍቀር ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ንኻልኦት ፍቕሪ ምርኣይ ከኣ ንጥዕና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።
ንሓያሎ ዓመታት ንጉባኤታት መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ምብጻሕ ዝገበረን ብዙሕ ኣታዊ ንዘይብሎም ክርስትያናት መአከቢ ቦታ ኣብ ምህናጽ ሓገዙ ዝወፈየን ገያሺ ተዓዛቢ: ስምዒቱ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ነሕዋተይ ብምግልጋል: ኣብ ገጾም ዝንጸባረቕ ሞሳ ኸኣ ብምርኣይ ዝስምዓኒ ሓጐስ ንኽሕግዝ ኣጋጣሚታት ንኸናዲ ይድርኸኒ። ንኻልኦት ብብሕቲ ምሕላይ ሓጐስ ከም ዘምጽእ ካብ ተመክሮ ርእየዮ እየ። ከም ሽማግለታት መጠን ከኣ ‘ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: . . . ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ’ ክንከውን ከም ዘሎና እፈልጥ እየ”—ኢሳይያስ 32:2
ብሓደ ሓቢርካ ምንባርስ ክንደይ ጥዑም እዩ!
ንኻልኦት ምሕጋዝን ምስቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ምምሕዛውን ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ: ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን ከም ዘምጽእ እተረጋገጸ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር መዝሙር 133:1) ከምቲ ኻብ ተመክሮ ሚገልን ፍሮይላንን ኣልማ ሩትን ዝረኣናዮ: ኣብ ስድራቤት ዘሎ ሓድነት ንሓድሕዶም ንኽደጋገፉ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓድነት ምርካብሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ በረኸት ኰን እዩ! ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ድሕሪ ምምዓድ “መወዳእታኡ ኸኣ: ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 3:8
“እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” በለ። (ናይ ሓቂ ዕርክነት ብስምዒታዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዙሕ ረብሓታት እዩ ዘምጽእ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብእምነት ንዝሓበሩ ሰባት ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንዅላቶም ተዐገስዎም። . . . ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።”—1 ተሰሎንቄ 5:14, 15
ስለዚ: ንኻልኦት ሰናይ እትገብረሉ መገዲ ኣናዲ። ‘ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራቤትካ ሰናይ ምግባር:’ ንህይወትካ ናይ ሓቂ ትርጕም ንኽህልዋን ዕግበትን ሓጐስን ንኽትረክብን ኣበርክቶ ኽገብር እዩ። (ገላትያ 6:9, 10) እቲ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ያእቆብ “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ: ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰአኑ: እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ: ሓደ ኻባኻትኩም: ብሰላም ኪዱ: ሙቑ: ጽገቡ: እንተ በሎም: እንታይ ይጠቅም፧” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 2:15, 16) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ዘማትእ ኣይኰነን። ‘ነፍሲ ወከፍና ንብጻይና ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ዝሕሸና ኽንጥምት’ ኣይግባእን።—ፊልጲ 2:4
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ወይ ዕንወት ከጋጥም ከሎ ንኻልኦት ብስጋ ኣብ ርእሲ ምሕጋዞም: ወትሩ ንደቅሰብ እቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣዝዮም ትሑዛት እዮም። (ማቴዎስ 24:14) ነዚ ናይ ተስፋን ምጽንናዕን መልእኽቲ ኣብ ምስባኽ ልዕሊ 6,000,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሳተፉ ምዃኖም: ንኻልኦት ብሓቂ ኸም ዝሓልዩሎም እዩ ዘርኢ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝወሃብ ሓገዝ: ንወድሰብ ዘድልዮ ኻልእ ነገር ንምምላእ እውን ዝሕግዝ እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧
ነቲ ቐንዲ ዘድሊ ነገር ከተማልኦ ምኽኣል
ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክህልወና ኣለዎ። ብዛዕባዚ ኸምዚ ተባሂሉ ኣሎ:- “ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከብ ሰብ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ዅሉ ሳዕ ካብኡ ንዝልዕልን ንዝሕይልን ነገር ንኽምህለል ድራኸ ዘለዎ ምዃኑ: ሃይማኖት መፋጥርትና ከም ዝዀነን ብስነ-ፍልጠት ኣፍልጦ ኽወሃቦ ኸም ዝግባእን የርኢ። . . . ኵሉ ወድሰብ ብሓፈሻ ንሓደ ልዑል ኣካል ንምንዳይን ኣብኡ ንምእማንን ዝጽዕር ምዃኑ ኽንርኢ ኸለና ኽንግረምን ክንድነቕን ከነስተንክርን ኣሎና።”—ማን ዳዝ ኖት ስታንድ ኣሎን ብኤ. ክረሲ ሞሪሰን
የሱስ ክርስቶስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልዮም ዝግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ደቅሰብ ንነዊሕ እዋን ካብ ካልኦት ሰባት ተገሊሎም ክነብሩ ኣጸጋሚ እዩ። ካብ ፈጣሪና ተገሊልና ምንባር እሞ ኸኣ ካብዚ ዝገደደ ሳዕቤን ኣለዎ። (ራእይ 4:11) ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ምጥራይን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን: ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወትና ክኸውን ኣለዎ። (ምሳሌ 2:1-5) እወ: ካብ ሰብ ተገሊልናን ካብ ኣምላኽ ተፈሊናን ክንነብር ስለ ዘይንኽእል ብመንፈስ ዘድልየና ነገራት ንምምላእ ቈራጽነት ክንገብር ይግባእ። ሓጐስን ናይ ሓቂ ዓስብን ዘለዎ ህይወት ምስቲ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ዝዀነ የሆዋ ኣብ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ እዩ ዝምርኰስ።—መዝሙር 83:18
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ሚገል:- “እተፈላለየ ጸገማት ኣሕሊፈ እየ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ምስ ጀመርኩ ግን ህይወተይ ተቐየረ”
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ኣልማ ሩት:- “ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተመሃርኩ . . . ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክገብር ከም ዝኽእል ተሰምዓኒ”
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኤሚልያ:- “ሓቂ ቕድሚ ምፍላጠይ: . . . ባዶነት ይስምዓኒ ነበረ”
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምቅርራብ ብመንፈስ ዘድልየና ነገራት ንኸነማልእ ይሕግዘና