ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ዝጠርዑ ዝኸውን ምጽንናዕ

ነቶም ዝጠርዑ ዝኸውን ምጽንናዕ

ነቶም ዝጠርዑ ዝኸውን ምጽንናዕ

መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ኣእምሮ ጥዕና መምርሒ ክኸውን ኣይኰነን ተዳልዩ። ይኹን እምበር: ጸገማት እውን እናኣጓነፈና ኸሎ ምጽንናዕ ይህበናን ንህይወት ንኸነማስወሉ ይሕግዘናን እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” ብምባል ነቲ ኽውንነት ገሊጽዎ ኣሎ። (እዮብ 14:1) ገለ ኻብቲ ዘጋጥመና ፈተናታት ብሰንኪ ዘይፍጽምናና እዩ። እንተዀነ ግን: በዚ ኣብ ደቅሰብ ዝወርድ ስቓይ ብቐዳምነት ዝሕተት መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እተባህለ እኩይ መንፈስ በዚ ተሓታቲ ምዃኑ ይገልጽ። ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኣሎ:’ ነቲ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዝበዝሕ ጸገማት እውን ንሱ እዩ ዘምጸኦ። ኰይኑ ግን: ሰይጣን ናብ መወዳእታኡ ይቐርብ ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ራእይ 12:9, 12) ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቲ ሰይጣን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዘምጽኦ ጸበባ ብምሉኡ መወዳእታ ኽገብረሉ እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: እታ ኣምላኽ እተመባጽዓልና ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ነዚ ዅሉ ተስፋ ምቝራጽን ቅባጸትን መወዳእታ ኽትገብረሉ እያ።—2 ጴጥሮስ 3:13

ስቓይ ደቅሰብ ግዜያዊ ምዃኑ ምፍላጥሲ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን እዩ! ኣብ ትሕቲ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምጕዳል ፍትሕን ስቓይን ኣይክህሉን እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 72:12-14

እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ዝፍጸመሉ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ ኣሎ። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኣብ ዝህሉ ባህ ዘብል ኵነታት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 17:3) እቶም ዝጠርዑ ዘበሉ ብዛዕባ እዚ ዘደዓዕስ መብጽዓ ምፍላጦም ተስፋን ምጽንናዕን እዩ ዝዀኖም።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Depressed girl: Photo ILO/J. Maillard