ዮሲቤስ “ኣቦ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን”፧
ዮሲቤስ “ኣቦ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን”፧
ብ325 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሮማ ሃጸይ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ንዅሎም ኣቡናት ናብ ኒቅያ ጸውዖም። ዕላማኡ ድማ ነቲ ብዙሕ ዘከራኽር ዝነበረ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ወዱን ዘሎ ርክብ ንምድቃስ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ምሁር ዝበሃል ዝነበረ ዮሲቤስ ብዓል ቂሳርያ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ነበረ። ዮሲቤስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ዘጽንዐን ኣብ ክርስትና ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎ ድማ ዝጣበቕን ነበረ።
ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ ዋዕላ ኒቅያ ኸምዚ ይብል:- “ቆስጣንጢኖስ ነቲ ዘተ ንጡፍ ኰይኑ ብምምራሕ: ባዕሉ ይቕልሶ ነበረ . . . ነቲ በቲ ዋዕላ እተመሓላለፈ ኣብ መንጎ የሱስን ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ዝገልጽ ‘ምስ ኣምላኽ ሓደ ኣካል’ ዝብል መምርሒ ብውልቁ ከም ሓሳብ ኣቕረበ . . . እቶም ኣቡናት: ብጀካ ክልተ: ኵሎም በቲ ሃጸይ ተዓብሊሎም ነቲ ንመብዛሕትኦም ኣንጻር ኣተሓሳስባኦም ዝነበረ ሃይማኖታዊ እምነት ፈረምሉ።” ዮሲቤስ ካብቶም ዘይፈረሙ ድዩ ነይሩ፧ ካብቲ ዝወሰዶ ኣቕዋም እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ እምበኣር ንታሪኽ ዮሲቤስ ማለት ንኽእለቱን ዝፈጸሞ ነገራትን ንመርምር።
ብሉጽ ጽሑፋቱ
ዮሲቤስ ብ260 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እዩ ኣብ ፍልስጥኤም ተወሊዱ ክኸውን ዝኸእል። ንእሽቶ ኸሎ ምስቲ ሓለቓ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቂሳርያ ዝነበረ ጳምፊለስ ይቀራረብ ነበረ። ኣብቲ ናይ ጳምፊለስ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት ድሕሪ ምእታዉ ድማ ንፉዕ ተማሃራዩ ዀነ። ነቲ ናይ ጳምፊለስ ብሉጽ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣዘውቲሩ ይጥቀመሉ ነበረ። ዮሲቤስ ነቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ትምህርቲ: ብፍላይ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጊሁ የጽንዕ ነበረ። እሙን ዓርኪ ጳምፊለስ ብምንባሩ ድማ ጸኒሑ ንገዛእ ርእሱ “ዮሲቤስ ወዲ ጳምፊለስ” ኢሉ ጸውዓ።
ዮሲቤስ ብዛዕባ ዕላማታቱ ኸምዚ በለ:- “ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ቅዱሳት ሃዋርያትን ካብቲ መድሓኒና ዝነበረሉ ኽሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ዘሎ ግዜን ክጽሕፍ፣ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያናት ዘጋጠመ ሓያሎ ኣገዳሲ ፍጻመታት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ኸዘንቱ፣ ከምኡውን ነቶም ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣዝዩ ፍሉጥ ሰበኻታት ዘመሓደሩን ዝመርሑን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኸኣ ንቓል ኣምላኽ እንተ ብቓል እንተ ብጽሑፍ ዝሰበኹ ኽጠቕሶም ዕላማ ኣሎኒ።”
ዮሲቤስ በቲ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዘርእስቱ ኣኽቢርካ ዝርአ ጽሑፉ እዩ ዝዝከር። እዚ ብ324 ከ.ኣ.ዘ. ዝወጸ ዓሰርተ ጥራዛት ዝሓዘ ጽሑፉ: ብግዜ ጥንቲ ኻብ እተጻሕፈ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ጌርካ እዩ ዝርአ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዕዮኡ እዚ ኸኣ ኣቦ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ተባሂሉ ይፍለጥ።
ዮሲቤስ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ጸብጻብ ፍጻመታት ዝብል ጽሑፍ እውን ኣብ ክልተ ጥራዝ ኣሕቲሙ እዩ። እታ ቐዳመይቲ ጥራዝ ሕጽር ዝበለት ታሪኽ ዓለም ዝሓዘት እያ ነይራ። ኣብ ራብዓይ ዘመን ከኣ ኣብ ዓለም እተፈጸመ ጸብጻባታት ንምውካስ እተገልግል ጽሕፍቲ ኰነት። እታ ኻልአይቲ ጥራዝ ዕለት
ታሪኻዊ ፍጻመታት ዝሓዘት ነበረት። ዮሲቤስ ብጐድኒ ጐድኒ ዝኸይድ ዓምድታት ገይሩ ብዛዕባ እቶም ብመስርዕ ዝመጹ ናይ እተፈላለዩ ሃገራት ነገስታት ጸሓፈ።ዮሲቤስ ሰማእታት ጳለስጢና ከምኡውን ህይወት ቆስጣንጢኖስ ዘርእስቱ ኽልተ ታሪኻዊ ጽሑፋት እውን ኣዳለወ። እታ ቐዳመይቲ ኻብ 303-10 ከ.ኣ.ዘ. ንዝነበረ ዓመታት እትሽፍን ኰይና: ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዝሞቱ ሰማእታት እያ እትገልጽ። ዮሲቤስ ነዚ ፍጻመታት እዚ ብዓይኑ ርእይዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ኻልአይቲ ጽሕፍቲ ኸኣ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ብ337 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ሙማቱ በርባዕተ ጥራዛት ዝወጸት ኰይና: ኣገዳሲ ታሪኻዊ ዝርዝራት ዝሓዘት እያ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ግልጺ ታሪኽ ኣብ ክንዲ እትሕዝ: ናእዳ እያ እተብዝሕ።
እቲ ንእምነቱ ብምጥባቕ ዝጸሓፎ ጽሑፋት: ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሄሮክለስ ዝበሃል ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝሃቦ መልሲ እዩ ነይሩ። ሄሮክለስ ንክርስትያናት ብምንቃፍ ምስ ጸሓፈ: ዮሲቤስ ንክርስትና ብምጥባቕ መልሲ ጸሓፈ። ኣብ ርእሲ እዚ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዝድግፍ 35 መጻሕፍቲ ጸሓፈ: እዚ ድማ ካብቲ ብዛዕባዚ ጕዳይ ካብ እተጻሕፈ ጽሑፋት ኣዝዩ ኣገዳስን ሰፊሕን ጌርካ እዩ ዝርአ። እተን ቀዳሞት 15 መጻሕፍቲ ክርስትያናት ናይ እብራውያን ቅዱሳት ጽሑፋት እተቐበሉሉ ምኽንያት እየን ዘረድኣ። እተን ዝተረፋ 20 መጻሕፍቲ ኸኣ ክርስትያናት ነቲ ናይ ኣይሁድ ስርዓት ሓሊፎም ሓድሽ ስርዓታትን ልምድታትን ምቕባሎም ቅኑዕ ምዃኑ እየን መርትዖ ዘቕርባ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ብሓባር ነቲ ዮሲቤስ እተረድኦ ክርስትና ዝጣበቓ እየን።
ዮሲቤስ ን80 ዓመት ዝኸውን (ከባቢ 260-ከባቢ 340 ከ.ኣ.ዘ.) ብህይወት ጸንሐ: ሓደ ኻብቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሕ ጽሑፋት ዝጸሓፉ ድማ ኰነ። ጽሑፋቱ ነቲ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት ዘጋጠመ ፍጻመታትን ክሳዕ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ዝነበረሉ እዋንን ዘጋጠመ ፍጻመታት ዝሓቘፈ እዩ። ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ህይወቱ ጸሓፊ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ቂሳርያ ኣቡን እውን ኰነ። ብዝያዳ ኸም ጸሓፍ ታሪኽ ዝፍለጥ እኳ እንተዀነ: ኣብ ርእሲ እዚ ንሃይማኖቱ ዝጣበቕ: ሰኣሊ ካርታ: ሰባኺ: ሓያሲ: ከምኡውን መረዳእታ ጽሑፋት ዝጽሕፍ ነበረ።
ንኽጽሕፍ ዝደረኾ ኽልተ ምኽንያታት
ዮሲቤስ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓብዪ ዕዮ ዝፈጸመ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ግዜኡ ናብ ሓድሽ መዋእል እንሰግረሉ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዓብዪ ፍጻመታት ከም እተፈጸመ: ንዳሕረዋይ ወለዶ ኸኣ እዚ ብጽሑፍ ክምዝገበሉ ኸም ዘድሊ ኸኣ ይኣምን ነበረ።
ዮሲቤስ ካልእ ዕላማ እውን ነይርዎ። ንሃይማኖቱ ዝጣበቕ እዩ ነይሩ። ክርስትና ኻብ ኣምላኽ ዝመነጨ እዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ። ገሊኣቶም ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ይጻረርዎ ነበሩ። ዮሲቤስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ሓድሽ ነገር ንምምጻእ ብዘለዎም ፍቕሪ ዓብዪ ስሕተት ዝፈጸሙ: ብሓሶት ፍልጠት ረኺብና ዝብሉ: ከምኡውን እቶም ንመጓሰ ክርስቶስ ብዘይ ንሕስያ ብዘጥቅዑ ሕሱማት ተዃሉ ዝምሰሉ ሰባት መነመን ምዃኖም: ብዝሖም: ከምኡውን እዚ ኽንደይ ሳዕ ከም ዘጋጠመ ኽጽሕፍ ዕላማ ኣሎኒ።”
ዮሲቤስ ክርስትያን ከም ዝዀነ ገይሩ ድዩ ዝሓስብ ነይሩ፧ እወ: ከምኡ እዩ ዝሓስብ ነይሩ: ከመይሲ ንክርስቶስ “መድሓኒና” ኢልዎ ኣሎ። ከምዚ ዝስዕብ እውን በለ:- “ነቲ ኣይሁድ ኣብ መድሓኒና ውዲት ብምእላሞም ብኡንብኡ ዘጋጠሞም ጕድኣት ከዘንቱ: ቃል ኣምላኽ በህዛብ እተነቕፈሉ መገድታትን ክንደይ ሳዕ ከም እተነቕፈን ክምዝግብ: ነቶም ኣብ እተፈላለየ እዋን ደሞም ክፈስስን ስቓይ ክወርዶምን ከም ዝኽእል እናፈለጡ ምእንታኡ [ምእንቲ ቓል ኣምላኽ] እተቓለሱ ኽገልጽ: ነቲ ኣብዚ ግዜና እተዋህበ ኣፍልጦን ነቲ ጐይታና ብምሕረትን ብሕያውነትን ንዅሎም ዝሃቦም ሓገዝን ከዘንቱ . . . መደብ ኣሎኒ።”
ዝገበሮ ጽዑቕ ምርምር
እቲ ዮሲቤስ ዘንበቦን ምርምር ዝገበረሉን ጽሑፋት ሓያሎ እዩ። ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ዝነበሩ ሓያሎ ውሩያት ሰባት በቲ ዮሲቤስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ኣቢልካ ጥራይ እዮም ክፍለጡ እተኻእሉ። ንኣገዳሲ ምንቅስቓሳት ዝገልጽ ጠቓሚ ጸብጻባት ኣብ ጽሑፋቱ ጥራይ እዩ ዝርከብ። እዚ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ኽንረኽቦ ኻብ ዘይንኽእል ፍልጠት ዝመነጨ እዩ።
ዮሲቤስ ተጊሁ እተማልአ ጽሑፋት ይእክብ ነበረ። ዝእመንን ዘይእመንን ጸብጻባት ንምፍላይ ብጥንቃቐ ዝጸዓረ ኸኣ እዩ ዝመስል። እንተዀነ ግን: እቲ ጽሑፋቱ ኣበር ዘይብሉ ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሰባት ኰነ ተግባራቶም ግጉይ ትርጕም ይህብ ወይ ግጉይ ምርዳእ ይወስድ ነበረ። ኣብቲ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ፍጻመታት እውን ጌጋታት ይርከብ እዩ። ኣብ ኣጸሓሕፋኡ ክእለት ይጐድሎ እዩ። ይኹን እምበር: ርኡይ ጕድለታት እኳ እንተ ሃለዎ: ሓያሎ ጽሑፋቱ ብዋጋ ዘይሽነን ጌርካ እዩ ዝርአ።
ንሓቂ ዘፍቅር ድዩ ነይሩ፧
ዮሲቤስ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ብዛዕባ ዝነበረ ርክብ ዝምልከት መዕለቢ ዘይረኸበ ጕዳይ የጨንቖ ነበረ። ከምቲ ዮሲቤስ ዝኣምነሉ ዝነበረ ኣቦ ቕድሚ ወዲ ይነብር ነይሩ ድዩ፧ ወይስ ኣቦን ወድን ማዕረ ዝዕድሚኦም እዮም፧ ዮሲቤስ “ማዕረ ዝዕድሚኦም እንተ ነይሮም: እቲ ኣቦ ኣቦ: እቲ ወዲ ኸኣ ወዲ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። አረ ነታ ‘ኣቦ ኻብ የሱስ ይዓቢ’ እትብል ዮሃንስ 14:28 ከምኡውን ነታ የሱስ በቲ ሓደ በይኑ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ‘እተላእከ’ እትገልጽ ዮሃንስ 17:3 ብምጥቃስ ንእምነቱ ዝድግፍ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እውን ሂቡ እዩ። ንቈሎሴ 1:15 ከምኡውን ንዮሃንስ 1:1 ብምጥቃስ እውን እቲ ሎጎስ ወይ ቃል “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ማለት ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መርትዖ ኣቕረበ።
እቲ ዘገርም ግን ዋዕላ ኒቅያ ኣብ እተዛዘመሉ እዋን ዮሲቤስ ምስዚ ንዝጻረር ኣረኣእያ እዩ ደጊፉ። ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣቕዋሙ ሓዲጉ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ማዕረ ዝዕድሚኦም እዮም ዝብል እምነት ብምቕባል ምስቲ ሃጸይ ተሰማምዐ።
ካብዚ እንወስዶ ትምህርቲ
ዮሲቤስ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ እተለማመጠን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘይርከብ ሰረተ-እምነት ዝደገፈን ስለምንታይ እዩ፧ ፖለቲካዊ ሸቶዶ ነይርዎ ይኸውን፧ ንምዃኑ ኣብቲ ዋዕላ እተኣከበ ስለምንታይ እዩ፧ ኵሎም ኣቡናት እኳ እንተ ተጸውዑ: እተወሰኑ ማለት 300 ዝዀኑ ጥራይ እዮም ተኣኪቦም። ዮሲቤስ መዓርጉ ኽሕሉ ይደሊ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ክብ ኣቢሉ ዝርእዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ዮሲቤስ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ የማን እቲ ሃጸይ እዩ ኾፍ ኢሉ ነይሩ።
ዮሲቤስ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ‘ካብ ዓለም ንኸይኰኑ’ ዝሃቦ ትእዛዝ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ንጹር እዩ። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧” ኢሉ ሓተተ። (ያእቆብ 4:4) ጳውሎስ “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እውን ምስዚ ዝሰማማዕ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14) እምበኣር: “ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን” ከነምልኾ ኸለና: ካብ ዓለም ንፈለ።—ዮሃንስ 4:24
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ዋዕላ ኒቅያ
[ምንጪ ስእሊ]
Scala/Art Resource, NY
[ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of Special Collections Library, University of Michigan