ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ክኢላ ምዃን

ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ክኢላ ምዃን

ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ክኢላ ምዃን

ፐጊ: ወዳ ነቲ ምንኣሱ ሓዉ ተሪር ዘረባ ኽዛረቦ ኸሎ ምስ ኣስተውዓለት: “ንሓውኻ ኸምዚ ኢልካ ኽትዛረቦስ ግቡእዶ ይመስለካ፧” ኢላ ሓተተቶ። ቀጺላውን “ርኣዮ እሞ ኸመይ ተበሳጭዩ ኸም ዘሎ” በለቶ። ስለምንታይ እያ ኸምዚ ኢላቶ፧ ንወዳ ኣብ ኣዘራርባኡ ኽኢላ ምእንቲ ክኸውንን ንስምዒት ካልኦት ምእንቲ ኽሓልን እያ ኽትምህሮ እትጽዕር ዝነበረት።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብዕድመ ኻብኡ ዝንእስ ዝነበረ ብጻዩ ጢሞቴዎስ “ንዅሉ ለዋህ [ወይ “ክኢላ”]” ክኸውን ኣተባብዖ። ጢሞቴዎስ ከምዚ ምስ ዝገብር ንስምዒት ካልኦት ኣይጐድእን እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) ኣብ ኣዘራርባ ኽኢላ ኽትከውን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ከተመሓይሽ ትኽእል፧ ካልኦት ነዚ ንኸማዕብሉኸ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

ክኢላ ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ክኢላ ምዃን ክበሃል ከሎ ንሓደ ተኣፋፊ ዅነት ተረዲእካ ሕያውነት ዝመልኦ ወይ ንዕኡ ዝሰማማዕ ነገር ምግባር ወይ ምዝራብ ማለት እዩ። ሓደ ክኢላ ሰብ ንስምዒት ካልኦት ሰባት ክርዳእን ተግባራቱን ቃላቱን ብኸመይ ከም ዝትንክፎም ከስተውዕልን ይኽእል እዩ። ከምዚ ንምግባር ግን ብልሓት ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦት ንኸይትጐድእ ናይ ሓቂ ድሌት ምህላው እውን ዝሓትት እዩ።

እቲ ገሓዚ ዝበሃል ጊልያ ኤልሳእ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽኢላ ዘይምንባሩ ኣብ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ንረኽቦ። እታ ወዳ ኣብ ኣእዳዋ ዝሞታ ሹናማዊት ሰበይቲ ምጽንናዕ ደልያ ናብ ኤልሳእ መጸት። ከመይ ከም ዘላ ምስ ሓተታ “ደሓን” ኢላ መለሰት። ናብቲ ነብዪ ምስ መጸት ግን “ገሓዚ . . . ኪደፍኣ ቐረበ።” ኤልሳእ ግን “ነፍሳ እተመረረት እያ እሞ: ሕደጋ ደኣ” በሎ።—2 ነገስት 4:17-20, 25-27

ገሓዚ ኣብዚ ህዉኽ ዝዀነን ኣተሓሕዛ ዘይከኣለሉን ስለምንታይ እዩ፧ ልክዕ እዩ: ምስ ሓተታ እታ ሰበይቲ ስምዒታ ኣይገለጸትን። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ንዝረኸብዎ ሰብ ስምዒቶም ኣይገልጹን እዮም። ይኹን እምበር: ኵነታታ ብኻልእ መገዲ ንጹር ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከመይሲ: ኤልሳእ ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘላ ኸይተዛረበቶ ኸስተውዕለሉ ኸሎ ገሓዚ ግን ኣየስተውዓለሉን ወይ ከኣ ዕሽሽ ኢልዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንብዙሓት ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብ ክኢላታት ንኸይኰኑ ዝገብሮም ምኽንያት ይሕብረና። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስርሑ ጥራይ ኣመና ምስ ዝግደስ: ነቶም ምስኡ ርክብ ዘለዎም ሰባት ዘድልዮም ነገር ናይ ዘይምስትውዓል ወይ ናይ ዘይምሕላይ ዝንባለ ብቐሊሉ የሕድር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ: ከምቲ ሓደ ኣብ ሰዓቱ ኽበጽሕ ዝደለየ ግን ከኣ ንተጓዓዝቲ ኽማላእ ደው ዘይበለ መራሕ ኣውቶቡስ እዩ ዝኸውን።

ከም ገሓዚ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ዘይክኢላታት ምእንቲ ኸይንኸውን: ናይ ሓቂ ስምዒት ካልኦት ስለ ዘይንፈልጥ ሕያውነት ንኸነርእዮም ክንጽዕር ኣሎና። ነቲ ብዛዕባ ውሽጣዊ ስምዒቶም ክሕብር ዝኽእል ምልክታት ንምስትውዓል ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ከምኡውን ብሕያውነት ክንዛረቦም ወይ ሓደ ነገር ክንገብረሎም ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኽእለትካ ብኸመይ ከተመሓይሽ ትኽእል፧

ንስምዒት ሰባት ምርዳእ

የሱስ ንስምዒት ሰባት ብምርዳእን ብሕያውነት ብኸመይ ክሕዞም ከም ዘለዎ ብምስትውዓልን ዝመጸ ብሉጽ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ኣብ ቤት ስምኦን ዝበሃል ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ: “ኣብታ ዓዲ” እተፈልጠት “ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ” ቐረበቶ። እዚኣውን ከምታ ሹናማዊት ዋላ ሓንቲ እኳ እንተ ዘይተዛረበት: ካብቲ ዝገበረቶ ነገራት ግን እንታይ ይስምዓ ምንባሩ ንጹር ነበረ። “ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ [ንየሱስ] ደው ኢላ እናበኸየት: በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት: ብጸጕሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም: ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።” የሱስ እዚ ዅሉ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣስተውዓለ። ስምኦን ዋላ ሓንቲ ቓል እኳ እንተ ዘየውስአ: “እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ: እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ: መን ከመይ ዘመሰለትውን ምዃና ምፈለጣ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ይሓስብ ከም ዘሎ ተረድአ።—ሉቃስ 7:37-39

የሱስ ነታ ሰበይቲ እንተ ዝሰጓ ወይ ንስምኦን “ኣታ ደንቆሮ: ትንሳሕ ከም ዘላዶ ኣይትርእን ኢኻ፧” እንተ ዝብሎ ኽስዕብ ዝኽእል ጕድኣት እሞ ሕሰቦ። ኣብ ክንድኡስ የሱስ ንስምኦን ሓደ ምስላ ነገሮ። እዚ ምስላ እዚ ብዛዕባ ንሓደ ሰብ ብዙሕ: ንሓደ ኻልእ ከኣ ሒደት ገንዘብ ኣለቂሑ ዝነበረ እሞ ዝሓደገሎም ሰብኣይ ነበረ። ድሕሪኡ “ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ስለዚ: የሱስ ንስምኦን ኣብ ክንዲ ዝዅንኖ: ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕኑዕ መልሲ ብምሃቡ ነኣዶ። ድሕሪኡ ነቲ ናይ ሓቂ ስምዒት እታ ሰበይትን ነስሓኣ ዝገለጸትሉ መገድን ንኸስተውዕል ብሕያውነት ንስምኦን ኣረድኦ። የሱስ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ: ስምዒታ ኸም እተረድኦ ብሕያውነት ሓበራ። ሓጢኣታ ኸም እተሓድገላ ድሕሪ ምግላጽ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ: ብሰላም ኪዲ” በላ። እዚ ንሰባት ኣብ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ኽኢላ ምዃኑ ዘንጸባረቐሉ ቓላት: ነታ ሰበይቲ ቕኑዕ ነገር ንምግባር ቈራጽነት ንኽትገብር ክሳዕ ክንደይ ኣተባቢዕዋ ዀን ክኸውን ኣለዎ! (ሉቃስ 7:40-50) የሱስ ኣብ ኣዘራርባኡ ኽኢላ ዝነበረ ንስምዒት ሰባት ስለ ዝዕዘብን ብድንጋጽ ስለ ዝቐርቦምን እዩ።

ከምቲ የሱስ ንስምኦን ዝሓገዞ: ንሕናውን ነቲ ሰባት ከይተዛረቡ ስምዒቶም ዝገልጹሉ መገዲ ኽንፈልጦን ድሕርዚ ንኻልኦት እውን ከነረድኦምን ንኽእል ኢና። ተመክሮ ዘለዎም ኣገልገልቲ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ክምህርዎም ይኽእሉ እዮም። ነቲ ብስራት ንሓደ ሰብ ድሕሪ ምንጋሮም: ንስምዒታት እቲ ዝረኸብዎ ሰብ ዝሕብር ነጥብታት ክመያየጥሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሰብ ሓፋር: ተጠራጣሪ: ቍጡዕ: ወይ ብስራሕ ትሑዝ ድዩ ነይሩ፧ ብሕያውነት ንምቕራቡ ዝሓሸ መገዲ እንታይ እዩ፧ ሽማግለታት እውን ነቶም ኣብ ኣዘራርባኦም ክኢላ ብዘይምዃኖም ንሓድሕዶም ዝጐናፈጡ ኣሕዋትን ኣሓትን ክሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ንስምዒት ካልእ ንኽርዳእ ሓገዝ የድልዮ እዩ። እቲ ሰብ እተዋረደ: ዕሽሽ እተባህለ: ወይ ካልኦት ብጌጋ እተረድእዎ ኰይኑ ድዩ ዝስምዖ፧ ሕያውነት ምርኣዩ ጽቡቕ ከም ዝስምዖ ኽገብር ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

ወለዲ ንደቆም ደንገጽቲ ንክዀኑ ምስ ዘሰልጥንዎም ሰናይ እዩ: ከመይሲ ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብ ክኢላታት ንክዀኑ ኽሕግዞም ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ወዲ ፐጊ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ገጹ በርበረ መሲሉ: ሻንፎቱ ጀሊዑ: ኣዒንቱውን ቅጽርጽር ኢሉ ምስ ረኣዮ: ከመይ ይስምዖ ኸም ዘሎ ተረድኦ። ከምቲ ኣዲኡ እተጸበየቶ ኸኣ በቲ ዝገበሮ ተጣዕሰ: ነቲ ሽግር ድማ ፈትሖ። ክልቲኦም ደቂ ፐጊ ነቲ ብንእሽቶኦም ዝሰልጠኑሉ ባህሪ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ እዮም: ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ከኣ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ጓሶት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም ኣብ ዝዓይዎ ዕዮን ጽቡቕ ፍረ ዘፍርዩ ዀኑ።

ንሰባት ከም እትርድኣሎም ኣርኢ

ብፍላይ ሓደ ሰብ ገለ ነገር ዝበደለካ ዀይኑ ምስ ዝስምዓካ: ክትቀርቦ ኸለኻ ኽእለት ከድልየካ እዩ። ብቐሊሉ ኽብሩ ኽትንክፎ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ብንጹር ክትንእዶ የድሊ። ኣብ ክንዲ እትነቕፎ: ኣብቲ ሽግር ኣተኵር። እቲ ተግባራቱ ብኸመይ ከም ዝተንከፈካ ግለጸሉ: እንታይ ለውጢ ኽገብር ከም እትደልዮ ድማ ብንጹር ሓብሮ። ድሕሪኡ ኽትሰምዖ ድሉው ኩን። ምናልባት ብጌጋ ተረዲእካዮ ኔርካ ትኸውን።

ሰባት ዋላውን ምስቲ ሓሳቦም እንተ ዘይተሰማማዕካ ሓሳባቶም ክትርድኣሎም ግን ይደልዩ እዮም። የሱስ ነቲ ንማርታ ኣጨኒቕዋ ዝነበረ ነገር ከም እተረድኦ ብዘንጸባርቕ መገዲ እዩ ተዛሪብዋ። “ማርታ: ማርታ: ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ” በላ። (ሉቃስ 10:41) ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ብዛዕባ ጸገማቱ ኽዛረብ ከሎ: ነቲ ሽግሩ ኸይሰማዕካ ፍታሕ ኣብ ክንዲ እትነግሮ: ነቲ ጸገሙ ደጊምካ ብምዝራብ ወይ ብቓላትካ ነቲ ዘማርረሉ ጕዳይ ብምጥቃስ ከም እተረዳእካዮ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ከም እተረዳእካዮ ብሕያውነት እተርእየሉ መገዲ እዩ።

ክትብሎ ዘይብልካ ነገራት ፍለጥ

ንግስቲ ኣስቴር ነቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ዝኣለሞ ውዲት ንኸፍሽሎ ንሰብኣያ ኽትሓቶ ምስ ደለየት: ብዓል ቤታ ባህ ኣብ ዝብሎ እዋን ንኽትዛረቦ ምድላዋት ገበረት። ድሕሪኡ ኸኣ እያ ነቲ ተኣፋፊ ጕዳይ ዝገለጸትሉ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይተዛረበቶ ነገር ከም ዘሎ ምፍላጥና እውን ሓደ ነገር ይምህረና እዩ። ብዓል ቤታ በቲ እኩይ ውዲት ብእተወሰነ ደረጃ ተሓታቲ ምዃኑ ብዘይምግላጻ ኽኢላ ምዃና ኣርኣየት።—ኣስቴር 5:1-8፣ 7:1, 2፣ 8:5

ብተመሳሳሊውን ንሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ሓንቲ ሓብቲ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ: ቀልጢፍካ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ምዝራብ: ብዛዕባ ዘገድሶ ነገራት ንምንታይ ዘይትሓቶ፧ ሓድሽ ሰብ ናብ መአከቢና ዘይግቡእ ክዳን ተኸዲኑ ኽመጽእ ከሎ ወይ ሓደ ሰብ ንነዊሕ እዋን ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ዝመጽእ: ብዛዕባ ኣከዳድናኡ ወይ ብዛዕባ ምጥፍኡ ኣብ ክንዲ ምዝራብ መርሓባ ኢልካ ተቐበሎ። ሓድሽ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ግጉይ ኣረኣእያ ምስ ዝህልዎ እውን ብኡንብኡ ኸተዐርዮ ዘይምፍታን ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 16:12) ክኢላ ምዃን ክበሃል ከሎ: ክትዛረቦ ዘይብልካ ነገራት ብምፍላጥ ሕያውነት ምንጽብራቕ እውን ዘጠቓልል እዩ።

ዝፍውስ ዘረባ

ኣብ ኣዘራርባኻ ኽኢላ ምስ እትኸውን: ዋላ እውን ሰባት ንውሽጣዊ ስምዒትካ ብጌጋ ተረዲኦምዎን ቅር ኢልዎምን እንተ ሃለዉ: ምሳታቶም ጽቡቕ ርክብ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሰብ ኤፍሬም ንጊዴዎን ‘ብሓይሊ ምስ ተኸራኸርዎ:’ ነቲ ዘጋጠመ ነገራት ብንጹር ብምግላጽን ሰብ ኤፍሬም ዝፈጸምዎ ነገር ካብ ልቡ ብምንኣድን ብኽእለት መለሰሎም። ንምንታይ ከም ዝሓረቑ ስለ እተረድኦ ንኣዘራርባኡ ኽኢሉሉ እዩ: ትሕትናኡ ኸኣ ኣህደኣቶም።—መሳፍንቲ 8:1-3፣ ምሳሌ 16:24

ቃላትካ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝትንክፎም ወትሩ ሕሰበሉ። ኣብ ኣዘራርባኻ ኽኢላ ንኽትከውን እትገብሮ ጻዕሪ ነቲ ኣብ ምሳሌ 15:23 ተገሊጹ ዘሎ በረኸት ከም እትረክብ ይገብረካ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ: እወ: ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።”

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንውሉዳቶም ንሰባት ዝሓልዩ ክዀኑ ኽምህርዎም ይኽእሉ እዮም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያን ኣገልገልቲ ነቶም ሓደስቲ ኣብቲ ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ ክኢላታት ክዀኑ ኽምህርዎም ይኽእሉ እዮም