“ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ”
“ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ”
“ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ።” (ማቴዎስ 10:8) የሱስ ንሃዋርያቱ ብስራት ክሰብኩ ኽልእኮም ከሎ: እዚ መምርሒ እዚ ሃቦም። እቶም ሃዋርያት ነዚ መምርሒኡ ስዒቦምዎዶ፧ እወ: የሱስ ካብ ምድሪ ምስ ከደ እውን ከይተረፈ ነዚ መምርሒ እዚ ይስዕቡ ነበሩ።
ንኣብነት: እቲ ጠንቋሊ ዝነበረ ስምኦን ነቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ተኣምራት ንምግባር ዘለዎም ሓይሊ ምስ ረኣየ: ነቲ ሓይሊ እቲ ብገንዘብ ክዕድጎ ሃቀነ። ጴጥሮስ ግን ንስምኦን “ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሐሰብካ: ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ” ኢሉ ገንሖ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:18-20
ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከም ናይ ጴጥሮስ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብገንዘብ ዝመጸ ጾር ክዀኖም ይኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን: ንርእሱ ዘድልዮ ንምምላእ በእዳዉ ይዓዪ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3) ስለዚ ድማ ኣፉ መሊኡ እቲ ብስራት ንሰብ ቈረንቶስ “ብኸምኡ” ኸም ዝሰበኸሎም ክዛረብ ከኣለ።—1 ቈረንቶስ 4:12፣ 9:18
እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና በሃልቲ “ብኸምኡ” ንኽህቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። እወ: ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን “ብዋጋ ይምህሩ” ኣለዉ። (ሚክያስ 3:11) ገሊኣቶም መራሕቲ ሃይማኖት ካብተን መጓሰኦም ብዝኣከብዎ ገንዘብ ሃብታማት ኰይኖም እዮም። ብ1989 ሓደ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝነብር ሰባኺ ን45 ዓመት ማእሰርቲ ተፈርዶ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ካብ ሰዓብቱ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ብምጥፍፋኡን ገለ ኻብቲ ገንዘብ ኣባይቲ ንምዕዳግ: ማካይን ንምግዛእ: ንዕረፍቲ ንምጋሽ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣየሩ ምሹው ዝዀነ ሰፈር ከልቢ ንምዕዳግ እውን ብምውዓሉ” እዩ።—ፒፕልስ ደይሊ ግራፊክ: 7 ጥቅምቲ 1989
ኣብ ጋና ብመሰረት እታ ብ31 መጋቢት 1990 ዝወጸት ጋንያን ታይምስ ሓደ ናይ ሮማ ካቶሊክ ካህን ኣብ ሓደ ቤተ-ክርስትያን ንእተኣከበ ገንዘብ ኣልዒሉ ናብቶም ተኣከብቲ መሊሱ ፋሕ ኣበሎ። እታ ጋዜጣ “ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ዓበይቲ ኸም ምዃኖም መጠን ዝያዳ ገንዘብ ከዋጽኡ እዩ ትጽቢት ዝግበረሎም ነይሩ” ብምባል ትገልጽ። ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ምጥላዕን ካልእ ገንዘብ ዝረኽባሉ መገድታትን ብምስፍሕፋሕ ኣባላተን ናብ ስስዐ ገጾም ከም ዝኸዱ እንተ ገበራ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።
ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሱስን ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱን እዮም ክመስሉ ዝጽዕሩ። ደሞዝ ዝኽፈሎም ኣቕሽሽቲ የብሎምን። ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ንኻልኦት ናይ ምንጋር ሓላፍነት ዘለዎ ኣገልጋሊ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት “ማይ ህይወት” ብናጻ ኣብ ምብጻሕ ይሳተፉ ኣለዉ። (ራእይ 22:17) በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ‘ገንዘብ ዘይብሎም’ እውን ከይተረፉ ኻብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙ ይኽእሉ። (ኢሳይያስ 55:1) ዓለምለኻዊ ዕዮኦም ብፍታው ብዝወሃብ ወፈያ ዝሽፈን እኳ እንተዀነ: ገንዘብ ግን ኣይልምኑን እዮም። ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃኖም መጠን: “ብቓል ኣምላኽ ዚነግዱ” ኣይኰኑን: የግዳስ ‘ብኣምላኽ ተላኢኾም ብቕንዕና’ ይዛረቡ።—2 ቈረንቶስ 2:17 ትርጕም 1990
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወጻኢኦም ንኻልኦት ክድግፉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ድራኸ ዘሕደረሎምከ እንታይ እዩ፧ ብኸምኡ ምሃብ ክበሃል ከሎ: ነቲ ጻዕርታቶም ዋላ ሓንቲ ዓስቢ ኣይጽበዩን ማለት ድዩ፧
ነቲ ሰይጣን ዘበገሶ ሕቶ ዝወሃብ መልሲ
ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብቐዳምነት ንየሆዋ ኸሐጕሱ ባህጊ ስለ ዘለዎም ደኣ እምበር: ንኽህብትሙ ኢሎም ኣይኰኑን ዘገልግሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ቅድሚ ዘመናት ዘበገሶ ሕቶ መልሲ ኽህቡሉ ይኽእሉ። ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ ዝበሃል ጻድቕ ሰብኣይ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ብምባል ኣብ የሆዋ ኸሰሶ። መሊሱውን እዮብ ንኣምላኽ ዘገልግሎ ኣምላኽ ብእተፈላለየ ነገራት ዕቝባ ስለ ዝዀኖ ጥራይ እዩ በለ። እዮብ ነዚ ጥሪቱ እንተ ተሓዲጉ: ንኣምላኽ ኣብ ገጹ ክኽሕዶ ምዃኑ ሰይጣን ተዛረበ።—እዮብ 1:7-11
ነዚ እተላዕለ ሕቶ መልሲ ንምርካብ: ሰይጣን ንእዮብ ምእንቲ ኽፍትኖ “ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ እኔኹ” ብምባል ኣምላኽ ፈቐደሉ። (እዮብ 1:12) ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ እዮብ: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ዝወረደ እኳ እንተ ወረዶ: እሙን ኰነ። “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ።—እዮብ 27:5, 6
ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምላኽቲ እውን ምስ ናይ እዮብ ዝመሳሰል ባህሪ እዮም ዘንጸባርቑ። ንኣምላኽ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ብስጋ ንኽርብሑ ኢሎም ኣይኰኑን።
ኣምላኽ ብናጻ ዝሃበና ዘይንበቕዖ ሕያውነት
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ብኸምኡ ዝህቡሉ’ ኻልእ ምኽንያት ከኣ ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም እውን ካብ ኣምላኽ ‘ብኸምኡ ስለ እተቐበሉ’ እዩ። ደቅሰብ ዘበልና ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦና ኣዳም ኣብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ኢና ዘለና። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ወዱ መስዋእቲ ዀይኑ ንኽሞተልና ምድላው ገበረ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣምላኽ ዓብዪ ነገር እዩ ኸፊሉ። ደቅሰብ ብርግጽ ነዚ ዝበቕዑ ኣይኰኑን። እወ: እዚ ኣምላኽ ዝሃቦ ውህበት እዩ።—ሮሜ 4:4፣ 5:8፣ 6:23
ኣብ ሮሜ 3:23, 24 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ” በሎም። እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም እውን “ብኸምኡ” እዮም ውህበት ዝቕበሉ። እዚ ውህበት እዚ ኸም ፍቑር ኣምላኽ መጠን ጻድቕ ኴንካ ንኽትቍጸር ዘኽእል ፍሉይ ክብሪ እውን ዘጠቓልል እዩ።—ያእቆብ 2:23፣ ራእይ 7:14
ኣብ ርእሲ እዚውን በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ: ኵሎም ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንክዀኑ የኽእሎም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ: ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ” በለ። (ኤፌሶን 3:4-7) ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመሰረት እቲ ዘይበቕዕዎ ወይ ብጻዕሮም ክረኽብዎ ዘይክእሉ ምድላው ናብዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ተጸውዑ: ነዚ ምድላው እዚ ንኻልኦት ብምንጋሮም ገንዘብ ክኽፈሎም ክጽበዩ ኣይክእሉን እዮም።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ብስስዐ ከም እትሰሓብ ዝገብር ድዩ፧
ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ንክርስትያናት ብዘይ ገለ ዓስቢ ኸገልግልዎ ይጽበ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” በሎም። (እብራውያን 6:10) የሆዋ ዘይፍትሓዊ እውን ኣይኰነን። (ዘዳግም 32:4) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም’ እዩ። (እብራውያን 11:6) እንተዀነ ግን: ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብስስዐ ከም እትሰሓብ ዝገብርዶ ኣይኰነን፧—ሉቃስ 23:43
ፈጺሙ ኸምኡ ኣይኰነን። ቅድም ቀዳድም: እቲ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ባህጊ ኣምላኽ ዘመነጮ እዩ። ነዚ ተስፋ እዚ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝገለጸሎም ንሱ ባዕሉ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15-17) ኣዳምን ሄዋንን ነዚ ተስፋ እዚ ምስ ኣጥፍኡ ንዘርኦም ተስፋ ንኽህልዎም እውን ምድላው ገበረሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኣምላኽ ብቓሉ ኣቢሉ “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ሮሜ 8:21) ስለዚ: ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ሙሴ ‘ናብቲ ዓስቢ እንተ ጠመቱ’ ጌጋ ኣይገበሩን። (እብራውያን 11:26) ኣምላኽ ነዚ ዓስቢ እዚ ኸም ጉቦ ገይሩ ኣይኰነን ኣቕሪብዎ። ነቶም ዘገልግልዎ ዘበሉ ኻብ ዘለዎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ዝህቦም። (2 ተሰሎንቄ 2:16, 17) “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና።”—1 ዮሃንስ 4:19
ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘለዓዕለና ቕኑዕ ድራኸ
ይኹን እምበር: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንኣምላኽ ንኸገልግሉ ዝድርኾም ነገር ወትሩ ኽምርምርዎ ኣለዎም። ኣብ ዮሃንስ 6:10-13: የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ ንዝበዝሑ ሰባት ከም ዝመገበ ነንብብ ኢና። ድሕርዚ ገሊኣቶም ብስስዐ ተደሪኾም ንየሱስ ክስዕብዎ ጀመሩ። የሱስ ከኣ “እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 6:26) ድሕርዚ ድሕሪ 30 ዓመት ኣቢሉ ገሊኣቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት “ብቕንዕና ዘይኰነስ” ብስስዐ ተደሪኾም ንኣምላኽ የገልግልዎ ነበሩ። (ፊልጲ 1:17) ገሊኣቶም ‘በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘይተታሕዙ’ ሰባት ካብቲ ምስ ክርስትያናት ዝነበሮም ርክብ ገለ ረብሓ ኽረኽቡሉ ደለዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:3-5
ኣብዚ ግዜና እውን ሓደ ክርስትያን ንዘለኣለም ኣብ ገነት ክነብር ስለ ዝደሊ ጥራይ ዘገልግል ምስ ዝኸውን: ብስስዐ ተደሪኹ የገልግል ኣሎ ኽበሃል ይከኣል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን እዚ መንፈሳዊ ውድቀት ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ካብቲ ትጽቢት እተገበረሉ ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሐ ስለ ዝመስል: መወዳእታ ደንጕዩ ብምባል ‘ክጽልኦ’ ይኽእል ይኸውን። (ገላትያ 6:9) አረ ኣቐዲሙ ስጋዊ ነገራት ብምስውኡ እውን የማርር ይኸውን። የሱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ዝብል መዘኻኸሪ ሂቡና እዩ። (ማቴዎስ 22:37) እወ: ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘገልግለሉ ቐንዲ ምኽንያት ፍቕሪ እንተ ዀይኑ: ንእተወሰነ ግዜ ጥራይ ከገልግሎ ኢሉ ኣይሓስብን እዩ። ንየሆዋ ንዘለኣለም ከገልግሎ እዩ ቈራጽነት ዝገብር! (ሚክያስ 4:5) ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኢሉ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኣየጣዕሶን እዩ። (እብራውያን 13:15, 16) እቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ: ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ንኽህቦ ይድርኾ።—ማቴዎስ 6:33
ኣብዚ ግዜና ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ናብ ኣገልግሎት የሆዋ ‘ፈትዮም መጺኦም’ ኣለዉ። (መዝሙር 110:3) ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧ እንተ ዘይኴንካ: ኣምላኽ ንጹህ ፍልጠት ሓቂ፣ (ዮሃንስ 17:3) ካብ ባርነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ምዃን፣ (ዮሃንስ 8:32) ከምኡውን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት የቕርበልካ ኸም ዘሎ ኣስተንትነሉ። (ራእይ 21:3, 4) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዅሉ በረኸት ካብ ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ብኸምኡ ኸም እትቕበል ክምህሩኻ ይኽእሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብቐዳምነት ንየሆዋ ኸሐጕሱ ባህጊ ስለ ዘለዎም ደኣ እምበር: ንኽህብትሙ ኢሎም ኣይኰኑን ዘገልግሉ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣምላኽ ብኸምኡ ዘዳለዎ ውህበት በጅነት ንክርስትያናት ነቲ ብስራት ብኸምኡ ንኽነግሩ ይድርኾም