ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ

ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ

ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ

ብዛዕባ ድኽነት ካብ መላእ ዓለም ሕማቕ ጸብጻባት እኳ እንሰምዕ እንተዀንና: ሓደ ዝጭበጥ ነገር ክግበር ከም ዝከኣል ዝኣምኑ ብሩህ ተስፋ ዘለዎም ግን ኣይተሳእኑን። ንኣብነት: ማኒላ ቡለቲን እትበሃል ጋዜጣ ካብ ባንክ ምዕባለ እስያ ብምጥቃስ “እስያ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ድኽነት ከተጥፍእ ትኽእል እያ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት። እቲ ባንክ ንሰባት ካብ ክቱር ድኽነት ንምውጻእ: ቍጠባዊ ዕቤት ከም መፍትሒ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ።

ካልኦት ውድባትን መንግስታትን እውን ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ብዙሕ ሓሳባትን መደባትን ኣውጺአን ኣለዋ። ገለ ኻብዚ ኸኣ መደባት ማሕበራዊ ውሕስነት ምግባር: ምምሕያሽ ትምህርቲ: እተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝእውድአን ዕዳ ምስራዝ: እተን ብዙሓት ድኻታት ዘለወን ሃገራት ንምህርተን ብዝቐለለ መገዲ ምእንቲ ኽሸጣ ኣቝሑ ናብ ሃገራት ንኽኣቱ ዝፍጠር ዕንቅፋታት ምውጋድ: ከምኡውን ንድኻታት ብዝሓሰረ ዋጋ ኣባይቲ ምድላው ዝብል እዩ።

ኣብ 2000 እተገብረ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2015 ዝብጻሕ ሸቶታት ኣውጽአ። እዚ ኸኣ ክቱር ድኽነትን ጥሜትን ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዘሎ ጕሉሕ ዘይማዕርነትን ምጥፍኡ ዘጠቓልል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሸቶታት ዋላ እኳ ብሉጽ እንተዀነ: ብዙሓት ግን ኣብዛ ሓድነት ዘይብላ ዓለም ክትግበር ምኽኣሉ የጠራጥሮም እዩ።

ድኽነት ንኽትዋጽኣሉ ዘኽእል ግብራዊ ስጕምትታት

ኣብ መላእ ዓለም ምምሕያሽ ክህሉ ብዙሕ ተስፋ ስለ ዘየለ: ካበይ ደኣ እዩ ሓገዝ ዝርከቦ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ኸም እተጠቕሰ ደቅሰብ ኣብዚ እዋን እዚውን ክውከስዎ ዝኽእሉ ምንጪ ጥበብ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ ምንጭታት ሓበሬታ ፍልይ ዘብሎ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈጣሪና ዝመጸ ብምዃኑ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ብሉጽ ጥበብ ማለት ኵሎም ሰባት ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ወትሩ ኽጥቀሙሉ ዝኽእሉ ግብራዊ ስርዓታት ኣሎ። እዚ ስርዓታት እዚ እንተ ተሳዒቡ: ድኻታት ኣብዚ ግዜ እዚውን ከይተረፈ ዝያዳ ዕግበት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እተወሰነ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ብዛዕባ ገንዘብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ” ይብል። (መክብብ 7:12) ፍረ ነገር ናይዚ እንታይ እዩ፧ ገንዘብ ኵሉ ነገር ዘማልእ ኣይኰነን። እተወሰነ ድሕንነት ክህልወካ ኸም ዘኽእል ዘይክሓድ እዩ። እተወሰነ ዘድልየና ነገራት ክንዕድግ ዘኽእለና እኳ እንተዀነ: ናይ ርእሱ ድሩትነት ግን ኣለዎ። ገንዘብ ክዕድጎ ዘይክእል ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ኣሎ። ነዚ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ ምሃብ ንስጋዊ ነገራት ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልና የኽእለና: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ገንዘብ ኣብ ምጥራይ ዘተኰሩ ሰባት ካብ ዘጋጥሞም ብስጭት ንድሕን። ገንዘብ ህይወት ክዕድገልና ኣይክእልን እዩ: ብጥበብ ምምልላስ ግን ሕጂ ንህይወትና ዕቝባ ይዀነና: ንዘለኣለም ንኽንነብር እውን መገዲ ይኸፍተልና።

ከም ቤትካ ንበር። እንብህጎ ዘበለ ዅሉ ናይ ግድን የድልየና እዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዘድልየና ነገራት ቀዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ሓደ ነገር ንህይወትና ዘድሊ ዘይኰነስ እንብህጎ ነገር ጥራይ ኰይኑ ኸሎ: ብሓቂ ኸም ዘድልየና ብምሕሳብ ብቐሊሉ ንርእስና ኸነእምና ንኽእል ኢና። ጥበበኛ ሰብ ነቲ ኣታዊኡ መጀመርታ ንኸም መግቢ: ክዳን: መንበሪ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ዘድልዮ ነገራት እዩ ዝስልዖ። ድሕሪኡ ወጻኢ ቕድሚ ምውጽኡ: እቲ ዝተረፈ ገንዘቡ ተወሳኺ ነገራት ንምዕዳግ ዘኽእሎ እንተ ዀይኑ ይውስን። የሱስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ምስላታቱ: ሓደ ሰብ ‘ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ኽጽብጽብ’ ከም ዝግባእ ሓበረ።—ሉቃስ 14:28

ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ዩፍሮሲና እትበሃል ሰለስተ ውሉዳት ዘለዉዋ ንጽል ወላዲት: ሰብኣያ ቕድሚ ገለ ዓመታት ገዲፍዋ ኻብ ዝኸይድ ኣትሒዙ ንመነባብሮ ዝኸውን ኣታዊ ኽትረክብን ነተን ዝረኸበተን ተጠንቂቓ ኸተካውንን ነበራ። ከምዚ ኽትገብር ከላ ንደቃ ኣብቲ እትዕድጎ ዘበለ ቐዳምነት ዘለዎ ነገር ብኸመይ ክፈልጡ ኸም ዝኽእሉ ኣሰልጠነቶም። ንኣብነት: እቶም ቈልዑ ሓደ ዝፈትዉዎ ነገር ይርእዩ። ንሳ ድማ ኣብ ክንዲ ኣይዕደገልኩምን እዩ እትብሎም: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተረድኦም:- “ነዚ እንተ ደሊኹም ክዕድገልኩም እኽእል እየ: ፈለማ ግን ሓደ ውሳነ ኽትገብሩ ኣሎኩም። ሓደ ነገር ንኽንዕድግ ጥራይ እዩ ገንዘብ ዘሎና። ወይ ነዚ ዝደለኹምዎ ነገር ክዕድገልኩም እየ: ወይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ሩዝ እንበልዖ እተወሰነ ስጋ ወይ ኣሕምልቲ ኽንዕድግ ኢና። ሕጂ ኣየናይ ከም እትደልዩ ወስኑ።” መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ቈልዑ እቲ መልእኽቲ ቐልጢፉ ይርድኦም እሞ ካልእ ነገር ካብ ምዕዳግ መግቢ እንተ ተዓደገ ኸም ዝሓይሽ ይሰማምዑ።

በቲ ዘሎካ ዕገብ። ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስርዓት “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 6:8) ገንዘብ ብገዛእ ርእሱ ሓጐስ ኣየምጽእን እዩ። ብዙሓት ሃብታማት ጕሁያት ክዀኑ ኸለዉ: ብዙሓት ድኻታት ግን ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም። እቶም ድኻታት በቲ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዓጊቦም እዮም ዝነብሩ። የሱስ ኣብቲ ብዝያዳ ዘገድስ ነገራት ብዛዕባ እተተኵር ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ምህላው ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴዎስ 6:22) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓይኒ በቲ ዘሎካ ዕጉብ ንኽትከውን ተኽእለካ። ብዙሓት ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝመስረቱን ናብራ ስድራቤቶም ዘሐጕስ ብምዃኑን—እዚውን ብገንዘብ ዘይዕደግ እዩ—ዕጉባት እዮም።

እዚ ኣብዚ ዝረኣናዮ ነቶም ድኻታት ንዅነታቶም ንኽዋጽኡሉ ዝሕግዞም ሒደት ኣብነታት ዝዀነና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ ዘይተጠቕሰ ብዙሕ ስርዓታት ኣሎ። ንኣብነት: ነቲ ኸም ምትካኽ ሽጋራን ምጥላዕን ዝኣመሰለ ገንዘብ ዘባኽን ወልፍታትን ኣመላትን ምውጋድ፣ ኣብ ህይወት እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገራት ምፍላጥ: ብፍላይ ከኣ መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእ፣ ኣብቲ ብዙሕ ስራሕ ዘይርከቦ ኸባቢታት ዝጠቕመካ ተደላዪ ኽእለት ምጥራይ ወይ ዝጥለብ ነገራት ምሻጥ ክጥቀስ ይከኣል እዩ። (ምሳሌ 22:29፣ 23:21፣ ፊልጲ 1:9-11) መጽሓፍ ቅዱስ “ንጥበብን ምኽርን” ክንጥቀመለን ይምሕጸነና: ከመይሲ ‘ንሳተን ንነፍስና ህይወት እየን።’—ምሳሌ 3:21, 22

መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ሓሳባት ነቶም ምስ ድኽነት ዝቃለሱ ዘለዉ እተወሰነ እፎይታ ኸምጽእ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ መጻኢ ዝሕተት ሕቶታት ግን በዚ ኣይኰነን ዝምለስ። እቶም ድኻታት ንሓዋሩ ብድኽነት ተዋሒጦም ድዮም ክነብሩ፧ እቲ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ፍልልይ ዝዕረየሉ እዋን ደዀን ይመጽእ ይኸውን፧ ብዙሓት ዘይፈልጥዎ ፍታሕ እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህበና

ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ መጽሓፍ ምዃኑ ይኣምኑሉ እኳ እንተዀኑ: ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝፍጸም ዓብዪ ለውጥታት ንጹር ሓበሬታ ኸም ዝህብ ግን መብዛሕትኦም ኣይፈልጡን እዮም።

ኣምላኽ ንጸገማት ደቅሰብ: እንተላይ ንድኽነት ፍታሕ ንምግባር ስጕምቲ ኽወስድ ሓሊኑ ኣሎ። ሰብኣውያን መንግስታት ነዚ ንምፍጻም ክእለት ወይ ድሌት ዘይብለን ምዃነን ስለ እተራእያ: ኣምላኽ ክትክአን እዩ መዲቡ ዘሎ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዳንኤል 2:44 ከምዚ ብምባል ኣትሪሩ ይገልጽ:- “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”

እዘን “መንግስትታት” እዚኣተን ምስ ጠፍኣ: እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ገዛኢ ስጕምቲ ኽወስድ እዩ። እዚ ገዛኢ እዚ ሰብ ዘይኰነስ ከም ኣምላኽ ሓያል ሰማያዊ ኣካል እዩ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘይማዕርነት ንምጥፋእ ዘኽእል ዓብዪ ለውጥታት ንምግባር ከኣ ክእለት ኣለዎ። ኣምላኽ ነዚ ንምግባር ንወዱ እዩ መሪጽዎ ዘሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) መዝሙር 72:12-14 ነዚ ገዛኢ እዚ ኸምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።” እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! ኣብ መወዳእታኡ ራህዋ ኽርከብ እዩ! እቲ ኣምላኽ ዝመዘዞ ገዛኢ ነቶም ድኻታትን መሳኪንን ዝጠቅም ስጕምቲ ኽወስድ እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ድኽነት ዝተሓሓዝ ብዙሕ ጸገማት ክፍታሕ እዩ። መዝሙር 72:16 “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ትብል። ብሰንኪ ድርቂ: ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ: ወይ ብሰንኪ ጕድለት ምምሕዳር: ዋሕዲ መግቢ ኣይክህሉን እዩ።

ካልእ ጸገማት እውን ፍታሕ ክረክብ እዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ተቐማጦ ምድሪ ናይ ርእሶም ቤት የብሎምን። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ከምዚ ዝብል መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።” (ኢሳይያስ 65:21, 22) ኵሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤትን ዘሐጕስ ስራሕን ክህልዎ እዩ። ስለዚ: ኣምላኽ ንድኽነት ምሉእ ብምሉእን ነባርን ፍታሕ ክገብረሉ ምዃኑ እዩ ተመባጺዑ። ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሰፊሕ ጋግ ኣይክህሉን: ሰባት እውን ብህይወት ንምንባር ጥራይ ሃለኽለኽ ኣይክብሉን እዮም።

ነዚ መብጽዓታት እዚ ምስ ሰማዕካ: እዚ እሞ ዘይከውን እዩ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን። ይኹን እምበር: ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ ምስ እትምርምሮ: ኵሉ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዝኣተዎ መብጽዓታት ከም እተፈጸመ ኽትግንዘቦ ኢኻ። (ኢሳይያስ 55:11) ስለዚ: እዚ ፍጻመኡ ኸም ዝረክብ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ነገር: ‘እዚ ኽፍጸም ከሎ ንስኻውን ንኽትጥቀም እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧’ ዝብል እዩ።

ኣብኡ ኽትህሉ ዲኻ፧

እታ መንግስቲ እቲኣ ናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኸም ዜጋታቱ ዝቕበለና ዓይነት ሰባት ክንከውን ኣሎና። ነዚ ብቕዓት እዚ ብኸመይ ከም እነማልእ ግን ብዘይ መምርሒ ኣይገደፈናን። እቲ መምርሒታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና።

እቲ እተመዘዘ ገዛኢ ማለት ወዲ ኣምላኽ ጻድቕ እዩ። (ኢሳይያስ 11:3-5) ስለዚ: እቶም ኣብታ መንግስቱ ብህይወት ዝነብሩ እውን ጻድቃን ክዀኑ እዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። ምሳሌ 2:21, 22 “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ትብል።

ነዚ ብቕዓታት እዚ ብኸመይ ከም እተማልኦ ኽትመሃረሉ እትኽእል መገዲ ኣሎዶ፧ እወ: ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን መምርሒታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ተኻፋሊ ናይዚ ዘደንቕ ተስፋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 17:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ እትገብሮ መጽናዕቲ ንኽሕግዙኻ ድሉዋት እዮም። እምበኣር ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኽትጥቀመሉ እሞ ኣብ መጻኢ ኣባል እቲ ድኽነት ኰነ ምጕዳል ፍትሒ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ክትከውን ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ዩፍሮሲና:- “ነቲ ዘሎኒ ተጠንቂቐ ስለ ዘመቓርሕ ንስድራቤተይ ዘድልዮም ነገራት ንኸማልኣሎም ኣኽኢሉኒ”

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምምስራትን ዘሐጕስ ናብራ ስድራቤት ምህላውን ብገንዘብ ክዕደግ ዝከኣል ኣይኰነን