ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓቕልን ዘይምሕላልን ዘፍረዮ ዘሐጕስ ፍረ

ዓቕልን ዘይምሕላልን ዘፍረዮ ዘሐጕስ ፍረ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ዓቕልን ዘይምሕላልን ዘፍረዮ ዘሐጕስ ፍረ

የሱስ ክርስቶስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት “ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዝበዝሕ ክፍልታት ዓለም: ሰባት ብሓፈሻ ኽረኣዩ ኸለዉ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይግደሱ ዀይኖም ኣለዉ። አረ ገሊኣቶምሲ ንሃይማኖት ይንዕቅዎ እዮም።—ማቴዎስ 24:12, 14

ይኹን እምበር: ከምቲ ቐጺሉ ዘሎ ኻብ ቸክ ሪፓብሊክ እተላእከ ተመክሮ ዝሕብሮ: ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብእምነትን ብዓቕልን ነዚ ጸገማት እዚ ይዋጽኡሉ ኣለዉ።

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ማዕጾኣ ኸይከፈተትለን ብደገ ዀይነን ተዛረባኣ። ጸኒሑ እታ ማዕጾ ቝሩብ ፍንቅቕ ኢላ ተኸፍተት እሞ: እታ ሰበይቲ ኢዳ ጥራይ ኣውጺኣ ነቲ እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበርከታላ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተቐበለት። “የቐንየለይ” ኢላ ድማ ነቲ ማዕጾ ዓጸወቶ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ተመሊስናዶ ኽንበጽሓ፧” ኢለን ተወላወላ። ሓንቲ ኻባታተን ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት እያ። እንደገና ኽትበጽሓ ድማ ወሰነት: እንተዀነ ግን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጠማ: እዚ ኸኣ ንዓመት ዝኸውን ቀጸለ።

እታ ፓይነር ኣቀራርባኣ ኽትልውጥ ከም ዘለዋ ድሕሪ ምውሳን: የሆዋ ሓገዝ ንኽህባ ጸለየት። ኣብ ዝቕጽል መጽሔት ከተብጽሓላ ምስ ከደት: ነታ ሰበይቲ ብምቕሉል ኣቀራርባ “ከመይ ቀኒኺ፧ ነዚ መጽሔታት ትፈትውዮዶ ኣለኺ፧” ኢላ ሓተተታ። ፈለማ እታ ሰበይቲ ኣይትምልሰላን እያ ነይራ: ድሕሪ እተወሰነ ምብጻሕ ግን በብቝሩብ ፍዅስ ክብላ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ነቲ ማዕጾኣ ጋህ ኣቢላ ኸፈተቶ: እቲ ዝርርበን ግን ሓጺር ነበረ።

እታ ሰበይቲ ኣብ ኣፍደጊኣ ደው ኢላ ኽትዘራረብ ባህ ከም ዘይብላ እታ ፓይነር ስለ ዘስተውዓለት: ዕላማ እቲ ምብጻሕ ንኽትነግራን መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ፍቓደኛ እንተ ዀይና ንኽትሓትታን ደብዳበ ኽትጽሕፈላ ወሰነት። ኣብ መወዳእታ እታ ፓይነር ንዓመትን መንፈቕን ብዓቕሊ ድሕሪ ምጽዓራ: ነታ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመረታ። ጸኒሓ እታ ሰበይቲ “መጽሔታት ከተምጽእለይ ካብ ዝጀመርክሉ ግዜ ኣትሒዘ ኣብ ኣምላኽ ክኣምን ጀሚረ እየ” ኢላ ምስ ነገረታ: እታ ፓይነር ተገሪማን ተተባቢዓን እያ።

እወ: ዓቕልን ዘይምሕላልን ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዘሐጕስ ፍረ ኸምጽእ ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20