የሆዋ—ኣምላኽ ሓቂ
የሆዋ—ኣምላኽ ሓቂ
“ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ: ኣድሒንካኒ ኢኻ።” —መዝሙር 31:5
1. ኣብቲ ሓሶት ዘይነበረሉ እዋን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝነበረ ዅነታት ከመይ ይመስል ነበረ፧
ሓቂ ዘይኰነ ነገር ዘይዝረበሉ እዋን ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ብዓይኒ ዘይርአ ሰማያት ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዘገልግሉ ፍጹማት ሰማያውያን ፍጥረታት ነበሩ። (መዝሙር 31:5) ሓሶት ወይ ምትላል ዝበሃል ኣይነበረን። የሆዋ ንመንፈሳውያን ደቁ ሓቂ ዝዀነ ነገር ይነግሮም ነበረ። ከምዚ ዝገብር ዝነበረ ኸኣ ስለ ዘፍቅሮምን ንድሕንነቶም ኣጸቢቑ ስለ ዝግደስን እዩ። ኣብ ምድሪ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ነበረ። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም: በቲ ዝመረጾ መራኸቢ መስመር ኣቢሉ ንጹርን ዘየማትእን ሓቅን ዝዀነ መልእኽቲ የመሓላልፈሎም ነበረ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን እዩ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ!
2. ሓሶት ዘተኣታተወ መን እዩ: ስለምንታይከ፧
2 ኣብ መወዳእታኡ ግን ሓደ ኻብ ደቂ ኣምላኽ ዝነበረ መንፈሳዊ ፍጡር ብድፍረት ንየሆዋ ዝጻረር ኰነ። እዚ ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ መንፈሳዊ ፍጡር: ካልኦት ከምልኽዎ ደለየ። ዕላማኡ ንምውቃዕ ከኣ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ንምእታው ሓቂ ዘይኰነ ነገር ኣተኣታተወ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ሓሳዊ: ንሓሶትውን ኣቦኣ’ ዀነ።—ዮሃንስ 8:44
3. ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ሰይጣን እተዛረቦ ሓሶት እንታይ ምላሽ ሃቡሉ: እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧
3 ሰይጣን ብተመን ኣቢሉ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ካብታ እተኸልከለት ፍረ እንተ በሊዓ: ከም ዘይትመውት ነገራ። እዚ ግን ሓሶት እዩ ነይሩ። ምስ በልዐት ከም ኣምላኽ ከም እትኸውንን ክፉእን ጽቡቕን ከም እትፈልጥን እውን ነገራ። እዚውን ሓሶት እዩ ነይሩ። ሄዋን ቅድሚኡ ሓሶት ዝበሃል ሰሚዓ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ ኻብቲ ተመን ዝሰምዓቶ ነገር ምስቲ ኣምላኽ ንኣዳም ሰብኣያ ዝነገሮ ነገር ከም ዘይሰማማዕ ፈሊጣ ኽትከውን ኣለዋ። ኰይኑ ግን: ንየሆዋ ዘይኰነስ ንሰይጣን ክትኣምን ደለየት። ምሉእ ብምሉእ ስለ እተሓብለት ከኣ ካብታ ፍረ ወሲዳ በልዐት። ጸኒሓ ንኣዳም ሃበቶ: ንሱውን ካብታ ፍረ በልዐ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣዳም እውን ከም ሄዋን ሓሶት ዝበሃል ሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ: ይኹን እምበር: ንሱ ኣይተሓብለን። (1 ጢሞቴዎስ 2:14) ብተግባራቱ ንፈጣሪኡ ኸም ዝነጸጎ እዩ ኣርእዩ። እዚ ንደቅሰብ ዘምጽኦ ሳዕቤን ከቢድ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ዘይምእዛዝ: ኣብ ኵሎም ዘርኡ ሓጢኣትን ሞትን ከምኡውን ብልሽውናን ብዙሕ ጸበባን ኣስፋሕፍሐ።—ሮሜ 5:12
4. (ሀ) እቲ ሰይጣን ኣብ ኤድን እተዛረቦ ሓሶት እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ብሰይጣን ንኸይንታለል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
4 ሓሶት እውን ኣስፋሕፍሐ። እቲ ኣብ ገነት ኤድን እተዘርበ ሓሶት ኣብ ሓቅነት የሆዋ እተገብረ መጥቃዕቲ ምዃኑ ኸነስተውዕለሉ ኣሎና። ሰይጣን: ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ጽቡቕ ነገር ብምሕባእ የታልል ከም ዘሎ ገይሩ እዩ ኸሲሱ። ርግጽ እዩ: እዚ ሓቂ ኣይኰነን። ኣዳምን ሄዋንን ብዘይምእዛዞም ረብሓ ኣይረኸቡን። ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝበሎም ሞቱ ደኣ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ንየሆዋ ብምጽላም ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ብምቕጻሉ ዘመናት ጸኒሑ ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተመሪሑ ሰይጣን “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ምዃኑ ጸሓፈ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን ድያብሎስ ንኸየታልለና: ኣብ ሓቅነት የሆዋን ቃሉን ምሉእ ምትእምማን ክህልወና ኣለዎ። ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምነት ብምዕባይን ብምድልዳልን ካብ ምትላልን ሓሶትን ናይቲ ተጻራሪኡ ርእስኻ ኣጽኒዕካ ኽትሕሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
የሆዋ ነታ ሓቂ ይፈልጣ
5, 6. (ሀ) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ፍልጠት እዩ ዘለዎ፧ (ለ) ፍልጠት ደቅሰብ ምስ ፍልጠት የሆዋ ኽወዳደር ከሎ ኸመይ እዩ፧
5 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ዅሉ ዝፈጠረ” ምዃኑ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጾ። (ኤፌሶን 3:9) ‘ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዅሉን ዝገበረ’ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:24) የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ ዅሉ ነገራት ሓቂ ይፈልጥ እዩ። ንመረዳእታ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ርአ:- ብዛዕባ ሓደ ናይ ቤቱ ንድፊ ባዕሉ ኣውጺኡ ንዅሉ እቲ ዕዮ ህንጸት ባዕሉ ዝሃነጸ ሰብ እሞ ሕሰብ። ነታ ቤት ውሽጣን ውሻጠኣን እዩ ዝፈልጣ: ብዛዕባኣውን ካብ ዝዀነ ይኹን ብማዕዶ ዝዕዘብ ሰብ ዝሰፍሐ ምርዳእ ኣለዎ። ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝነደፍዎን ዝሰርሕዎን ነገር ይፈልጡ ኻብ ኰኑ: ብተመሳሳሊውን ፈጣሪና ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮ ዅሉ ነገራት ይፈልጥ እዩ።
6 ነብዪ ኢሳይያስ ንስፍሓት ፍልጠት የሆዋ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ብጽቡቕ ገለጾ:- “ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዝሰፈረ: ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝአከበ: ነኽራን ብሚዛን: ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ፧ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ: ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ፧ ምስ መን ተማኸረ፧ ኣእምሮ ዝሀቦ: እቲ ቕኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ: ፍልጠት ዘፍለጦ: መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርአዮኸ መን እዩ፧” (ኢሳይያስ 40:12-14) ብሓቂ የሆዋ “ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ” ከምኡውን “ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ” እዩ። (1 ሳሙኤል 2:3፣ እዮብ 36:4፣ 37:16) ምስኡ ኽንወዳደር ከለናስ ፍልጠትና ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣዝዩ ውሑድ እዩ! ደቅሰብ ዘደንቕ ፍልጠት እኳ እንተ ኣከቡ: ብዛዕባ ፍጥረት ዘሎና ምርዳእ ‘ካብቲ መገዲ ኣምላኽ ሓደ ጫፍ’ እውን ኣይከውንን እዩ። ምስ “ነጕዲ” ከም ዝወዳደር “ሕሽዅሽዅ” እዩ።—እዮብ 26:14
7. ዳዊት ብዛዕባ ፍልጠት የሆዋ እንታይ ኣፍልጦ እዩ ዝሃበ: ንሕናኸ ነየናይ ኢና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ዘሎና፧
7 የሆዋ ፈጣሪና ኻብ ኰነ: ኣጸቢቑ ይፈልጠና እዩ። ንጉስ ዳዊት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ኣፍልጦ ሃበሉ:- “ጐይታየ: ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ: ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ: እንሆ: ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ: ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር: ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” (መዝሙር 139:1-4) ልክዕ እዩ: ዳዊት: ደቅሰብ ዝደለይዎ ኽመርጹ ኸም ዝኽእሉ: ማለት ኣምላኽ እንተ ኽንእዘዞ ወይ ከይንእዘዞ ምርጫ ኸም ዝሃበና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20፣ እያሱ 24:15) እንተዀነ ግን: የሆዋ ኻብቲ ንገዛእ ርእስና ጌርና እንፈልጣ ንላዕሊ እዩ ዝፈልጠና። እቲ ንዓና ዝሓይሽ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ: መገድና ኽመርሓና ኸኣ ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 10:23) እወ: ሓቂ ንኽምህረና: ጥበበኛታትን ሕጉሳትን እውን ንኽገብረና ኢሉ ኻብ የሆዋ ንላዕሊ እተዳለወ መምህር: ክኢላ: ወይ ኣማኻሪ ኣይንረክብን ኢና።
የሆዋ ሓቀኛ እዩ
8. የሆዋ ሓቀኛ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧
8 ሓቂ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ: ሓቂ ምዝራብ ወይ ሓቀኛ ምዃን ዘጠቓልል እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ድያብሎስ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን።” (ዮሃንስ 8:44) ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ‘በዓል ብዙሕ ሓቂ’ እዩ። (ዘጸኣት 34:6) ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ሓቀኛ ምዃኑ ብቐጻሊ እዩ ዝምስክር። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣምላኽ ክሕሱ ኸም ዘይክእልን’ ‘ዘይሕሱ ምዃኑን’ ጸሓፈ። (እብራውያን 6:18፣ ቲቶስ 1:2) ሓቂ ኣገዳሲት ክፍሊ ባህሪ ኣምላኽ እያ። የሆዋ ሓቀኛ ብምዃኑ: ክንኣምኖን ክንውከሎን ንኽእልን ኢና፣ ንእሙናቱ ፈጺሙ ኣየታልሎምን እዩ።
9. ስም የሆዋ ምስ ሓቂ ዝተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧
9 ስም የሆዋ ንገዛእ ርእሱ እውን ንሓቅነቱ ዝምስክር እዩ። ስም ኣምላኽ “ዝኸውን” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ በብግዜኡ ንዅሉ እቲ እተመባጽዖ ዝፍጽም ምዃኑ እዩ ዝገልጾ። ከምዚ ኽገብር ዝኽእል ዋላ ሓደ ኻልእ የልቦን። የሆዋ እቲ ዝለዓለ ብምዃኑ: ዕላማኡ ንኸይወቅዕ ክዓግቶ ዝኽእል የለን። የሆዋ ሓቀኛ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዅሉ እቲ ዝበሎ ንኽፍጽም ዘኽእል ሓይልን ጥበብን ዘለዎ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ።
10. (ሀ) እያሱ ንሓቅነት የሆዋ ብዓይኑ ዝረኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንስኻኸ እንታይ መብጽዓታት ኣምላኽ ክፍጸም ርኢኻ፧
10 እያሱ ሓደ ኻብቶም ንሓቅነት የሆዋ ብዝምልከት ዘደንቕ ፍጻመታት ብዓይኖም ዝረኣዩ ብዙሓት ሰባት እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ ግብጺ ዘውረዶ ዓሰርተ መዓት ኣቐዲሙ በብሓደ እናተነበየ ኽፍጽሞ ኸሎ: እያሱ ኣብታ ሃገር ነበረ። ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽኦም ዝኣተዎ መብጽዓ ኽፍጽሞ ኸሎ ከምኡውን ናብ ምድሪ ተስፋ ብምምራሕ ነቶም እተዋግእዎም ሓያላት ሰራዊት ከነኣናውያን ክስዕሮም ከሎ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። እያሱ ኣብ ኣጋ ሙማቱ ንዓበይቲ እስራኤል “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በሎም። (እያሱ 23:14) ነቲ እያሱ ዝረኣዮ ተኣምራት እኳ እንተ ዘይረኣኻ: ኣብ ህይወትካ ንሓቅነት መብጽዓ ኣምላኽ ዝረኣኻሉ እዋንዶ ኣሎ፧
የሆዋ ነታ ሓቂ ይገልጻ
11. የሆዋ ንደቅሰብ እቲ ሓቂ ኽገልጸሎም ከም ዝደሊ ዘርእየና እንታይ እዩ፧
11 ብዛዕባ ሓደ ሰፊሕ ፍልጠት ዘለዎ ግን ከኣ ንውሉዳቱ ብዙሕ ዘይዛረቦም ወላዲ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ኸምዚ ወላዲ እዚ ብዘይምዃኑ ኣይተማስወሉንዶ፧ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንደቅሰብ እኹል ሓበሬታ ይህቦም እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት “መምህር” ኢሉ እዩ ዝጽውዖ። (ኢሳይያስ 30:20 ትርጕም 1990) ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ነቶም ክሰምዕዎ ብዙሕ ድሌት ዘይብሎም እውን መልእኽቱ የብጽሓሎም እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንህዝቅኤል ክሰብኽ ክልእኮ ኸሎ እቶም ሰባት ከም ዘይቅበልዎ ይፈልጥ ነበረ። “ኣታ ወዲ ሰብ: ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም” ድማ በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን “ግምባሮም ተሪር: ልቦም ሓራን እዩ እሞ: ቤት እስራኤልሲ ኺሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝዀኑ: ንኣኻ ኣይኪሰምዑኻን እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቖ። እዚ ኣጸጋሚ ዕዮ እኳ እንተ ነበረ: ህዝቅኤል ብተኣማንነት እዩ ፈጺምዎ: ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ ንድንጋጽ የሆዋ እዩ ኣንጸባሪቑ። ንስኻውን እቲ ዕዮ ስብከት ኣጸጋሚ ዀይኑ እንተ ረኺብካዮ እሞ ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪልካ: ንሱ ከምቲ ንነብዪ ህዝቅኤል ዘበርትዖ ንዓኻውን ከም ዘበርትዓካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ህዝቅኤል 3:4, 7-9
12, 13. የሆዋ ንደቅሰብ ብኸመይ እዩ መልእኽቱ ኣመሓላሊፍሎም፧
12 የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዝደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ብነብያት: ብመላእኽቲ: አረ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እውን ተዛሪቡ እዩ። (እብራውያን 1:1, 2፣ 2:2) የሱስ ንጲላጦስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ ተዛረቦ። ጲላጦስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንድሕነት ዝገብሮ ምድላው ብቐጥታ ኻብ ወዲ ኣምላኽ ንኽመሃር ዘኽእሎ ብቐሊሉ ዘይርከብ ኣጋጣሚ ረኺቡ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ሰብኣይ እዚ ካብ ሓቂ ኣይነበረን: ካብ የሱስ እውን ክመሃር ኣይደለየን። የግዳስ: ብምሕጫጭ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃንስ 18:37, 38) ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ተግባር ኰን እዩ ዝፈጸመ! ይኹን እምበር: ብዙሓት ነቲ የሱስ ዝኣወጆ ሓቂ ሰሚዖም እዮም። ንደቀ መዛሙርቱ “ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ: ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ: ብጹኣት እየን” በሎም።—ማቴዎስ 13:16
13 የሆዋ ንሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቂብዋ: ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ከኣ ንኽመሃርዋ ኣጋጣሚ ኸፊትሎም ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንነገራት ከምቲ ዘለዎ እዩ ዝገልጾ። ንባህርያትን ዕላማታትን ትእዛዛትን ኣምላኽ ከምኡውን ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ይገልጽ እዩ። የሱስ ናብ የሆዋ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልይ ዝበለ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ ጥራይ እዩ ብመሪሕነት መንፈስ ናይቲ ዅሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ተጻሒፉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንደቅሰብ እተዋህበ ክቡር ውህበት ስለ ዝዀነ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ኣኽቢሮም እዮም ዝርእይዎ። እምበኣር ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንባብና ጥበብ እዩ።
ኣብ ሓቂ ጽናዕ
14. የሆዋ ክገብሮ ኻብ እተመባጽዖ ነገራት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል: ንምንታይከ ኢና ኽንኣምኖ ዘሎና፧
14 ነቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዝነግረና ነገራት ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ንሱ ኸምቲ ኣብኡ ገሊጽዎ ዘሎ ዓይነት ኣምላኽ እዩ: ነቲ ኽገብሮ እየ ዝበሎ ኸኣ ክገብሮ እዩ። ኣብ የሆዋ ንኽንውከል እኹል ምኽንያት ኣሎና። የሆዋ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን . . . ሕነ ኺፈድዮም” ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ ኽንኣምኖ ይግባእ። (2 ተሰሎንቄ 1:8) ነቶም ጽድቂ ዝስዕቡ ኸም ዘፍቅሮም: ነቶም እምነት ዘለዎም ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ምዃኑ: ከምኡውን ንጻዕርን ጫውጫውን ሞትን ከጥፍኦ ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። እዛ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐስናያ መብጽዓኡ እተተኣማምን ምዃና ንምርግጋጽ ንሃዋርያ ዮሃንስ “እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ” ዝብል መምርሒ ብምሃብ ኣትረራ።—ራእይ 21:4, 5፣ ምሳሌ 15:9፣ ዮሃንስ 3:36
15. ሰይጣን እንታይ ሓሶት እዩ ዘስፋሕፍሕ፧
15 ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር የሆዋ እዩ። ኣብ ክንዲ ንሰባት ፍልጠት ዝህብ የታልል። ሰባት ካብ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዘላግሱ ንምግባር: ብዙሕ ሓሶት እዩ ዝጥቀም። ንኣብነት: ሰይጣን: ኣምላኽ ካባና ርሑቕን ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስቓይ ዘይስምዖን ከም ዝዀነ ጌርና ንኽንኣምን እዩ ዝደልየና። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንፍጡራቱ ኣጸቢቑ ኸም ዝሓልየሎምን ብኽፍኣትን መከራን ከም ዝጕህን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-30) ሰይጣን ንሰባት መንፈሳዊ ሸቶታት መጥፍኢ ግዜ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸእምኖም እዩ ዝደሊ። ብኣንጻሩ ግን: ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ብምባል የረጋግጸልና። ብዘይካዚውን “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” እውን ይገልጸልና።—እብራውያን 6:10፣ 11:6
16. ክርስትያናት ንቑሓት ክዀኑን ኣብ ሓቂ ኽጸንዑን ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
16 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰይጣን “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ገሊኣቶም ሰባት ልክዕ ከም ሄዋን ብሰይጣን ድያብሎስ ምሉእ ብምሉእ ይታለሉ እዮም። ገሊኣቶም ግን ከምቲ ዘይተሓብለ ግን ከኣ ኰነ ኢሉ ዘይምእዛዝ ዝመረጸ ኣዳም እዮም። (ይሁዳ 5, 11) ስለዚ: ክርስትያናት ንቑሓት ክዀኑን ኣብ ሓቂ ኽጸንዑን ኣለዎም።
የሆዋ “ልግሚ ዜብላ እምነት” እዩ ዝደሊ
17. ሞገስ የሆዋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
17 የሆዋ ኵሉ መገድታቱ ሓቂ ስለ ዝዀነ: እቶም ዘምልኽዎ እውን ሓቀኛታት ክዀኑ እዩ ዝደልዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 15:1, 2) ነቶም ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝሰምዕወን ኣይሁድ እቲ ቕዱስ ከረን የሆዋ ኽጥቀስ ከሎ ከረን ጽዮን እዩ ኣብ ኣእምሮኦም ዝመጾም፣ ዳዊት ናብቲ ኣብዚ ኸረን እዚ ዝተኸሎ ድንኳን እዩ ነቲ ታቦት ኪዳን ዘደየቦ። (2 ሳሙኤል 6:12, 17) እቲ ኸረንን እቲ ድንኳንን ነቲ የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ዝነብረሉ ቦታ እዩ ዘመልክት። ሰባት ናብኡ ብምቕራብ ሞገሱ ንኽረኽቡ ይልምኑ ነበሩ።
18. (ሀ) ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንምዃን እንታይ ከነማልእ ኣሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
18 ዝዀነ ይኹን ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ዝደሊ ሰብ ብኸናፍሩ ጥራይ ዘይኰነስ “ብልቡ” እውን ሓቂ ኽዛረብ ኣለዎ። ሓቅነት ካብ ልቢ ዝምንጭ ስለ ዝዀነ: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ቅኑዕ ልቢ ኽህልዎምን “ልግሚ ዜብላ እምነት” ከም ዘላቶም ከርእዩን ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 1:5፣ ማቴዎስ 12:34, 35) ዓርኪ ኣምላኽ መታለሊ ወይ ጠባሪ ኣይኰነን: ከመይሲ የሆዋ ‘ንጠባሪ ይፍንፍኖ እዩ።’ (መዝሙር 5:6) ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ብምምሳል ሓቀኛታት ክዀኑ እዮም ዝጽዕሩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትምርምር እያ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• የሆዋ ብዛዕባ ዅሉ ነገራት እቲ ሓቂ ዝፈልጥ ስለምንታይ እዩ፧
• የሆዋ ሓቀኛ ምዃኑ ዘርእየና እንታይ እዩ፧
• የሆዋ ነታ ሓቂ ዝገልጻ ብኸመይ እዩ፧
• ንሓቂ ብዝምልከት እንታይ ክንገብር እዩ ዝግብኣና፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣምላኽ ሓቂ ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮ ዅሉ ነገራት ይፈልጥ እዩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
መብጽዓታት የሆዋ ፍጻመኡ ኽረክብ እዩ