ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኻታት እናደኸዩ ይኸዱ ኣለዉ

ድኻታት እናደኸዩ ይኸዱ ኣለዉ

ድኻታት እናደኸዩ ይኸዱ ኣለዉ

“ዝበዝሑ ኣባላቱ ኣብ ድኽነትን ከርፋሕ ናብራን እናነበሩ ዝብልጽግን ሕጉስ ዝኸውንን ሕብረተሰብ የለን።”

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እቲ ናይ ስነ-ቝጠባ ኽኢላ ኣዳም ስሚዝ ኣብ መበል 18 ዘመን እተዛረቦ እዩ። ብዙሓት ሰባት ሓቅነት እዚ ዘረባኡ ሕጂ ዝያዳ ንጹር ከም ዝዀነ ይኣምኑሉ እዮም። ኣብ መንጎ እቶም ርኹባትን ስኡናትን ዘሎ ጋግ ኣመና እዩ ሰፊሑ ዘሎ። ኣብ ፊሊፒንስ ሲሶ ኻብቶም ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ሓደ ዶላር ኣመሪካ እዮም ዝረኽቡ: ኣብ ሃብታማት ሃገራት ግን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ሓደ ዶላር ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ሕቡራት ሃገራት ዘዳለዎ ጸብጻብ ሰብኣዊ ምዕባለ 2002 ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ 5% ዝዀኑ ዝሃብተሙ ሰባት ዝረኽብዎ ኣታዊ ምስቲ ናይቶም 5% ዝዀኑ ዝደኸዩ ሰባት ዝረኽብዎ ኣታዊ ኽነጻጸር ከሎ ብ114 ግዜ ዝተዓጻጸፍ እዩ” በለ።

ገሊኣቶም ጣዕሚ ናብራ ኽህልዎም ከሎ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ግን ኣብ ፈቐዶኡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንእሽቶ መጽለሊ ሰሪሖም እዮም ዝነብሩ። ገሊኣቶም ከኣ ነዚኣውን ክረኽብዋ ስለ ዘይከኣሉ: ኣብ ጐደናታት ባኮ ወይ ፕላስቲክ ኣንጺፎም ይነብሩ። መብዛሕትኦም ዓቕሞም ብዝፈቕደሎም መጠን ሃለኽለኽ ኢሎም ንመነባብርኦም ዝኸውን ሒደት ይምእርሩ። ንኣብነት: ካብ ጐሓፍ ይኣርዩ: ከቢድ ጽዕነት የጐዓዕዙ: ወይ ፋብሪካታት እንደገና ዝጥቀማሉ እተደርበየ ነገራት ይኣርዩ።

ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ፍልልይ: ኣብተን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ኣይኰነን ዝርከብ። ናይ ዓለም ባንክ ‘ኣብ ኵሉ ሃገራት ድኻታት ኣለዉ’ በለ። ሃገራት ክሳዕ ክንደይ ሃብታማት ይኹና ብዘየገድስ: ካብ ባንግላድሽ ክሳዕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድራር ዕለቶምን ዘጽልሉላ ቤትን ንምርካብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ዘሕልፉ ሰባት ኣለዉ። ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ነቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. ቤት ጽሕፈት ቈጸራ ህዝቢ ኣብ 2001 ዘውጽኦ ጸብጻብ ብምጥቃስ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ይሰፍሕ ምህላዉ ሓበረት። ከምዚ ድማ በለት:- “እቶም ዝሃብተሙ ሓደ ሕምሲት ክፍሊ እቲ ህዝቢ: ፍርቂ ናይቲ ዓሚ ዅለን ስድራቤታት ዝረኸብኦ ኣታዊ የእትዉ። . . . እቶም ዝደኸዩ ሓደ ሕምሲት ከኣ 3.5 ሚእታዊት ይረኽቡ።” ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ዅነታት ምስዚ ዝመሳሰል ወይ ካብዚ ዝገድድ እዩ። ናይ ዓለም ባንክ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ 57 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ መዓልቲ ብትሕቲ ኽልተ ዶላር ኣመሪካ እዩ ዝነብር።

ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ ኣብ 2002 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በቲ ኣሕሉቖም ብዘተሓታትት መገዲ ኸም ዝሃብተሙ ዝገልጽ ጸብጻባት ተረቢሾም እዮም። እዞም ሓለፍቲ ኩባንያታት ብርኡይ መገዲ ሕጊ እኳ እንተ ዘይጠሓሱ: ንብዙሓት ሰባት ግን ከምቲ መጽሔት ፎርቹን ዝበለቶ “ኣዝዩ ሓለፍ ብዝበለን ብዘይቅቡልን መገዲ ኸም ዝሃብተሙ” ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። ገሊኣቶም ሰባት ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣብ ድኽነት ከለዉ በማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ኣብ ኢድ ሒደት ውልቀ-ሰባት ምእታዉ ኣይወሓጠሎምን እዩ።

ድኽነት ንሓዋሩዶ መናብርትና ክኸውን እዩ፧

ከምዚ ኽበሃል ከሎ: ድኽነት ንምጥፋእ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ኣይግበርን እዩ ዘሎ ማለት ኣይኰነን። ካብ ቅኑዕ ሓሳብ እተበገሱ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሓገዝ ዝህባ ውድባትን ለውጢ ንኽግበር ውጥን ኣቕሪቦም እዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ሓቂ ወትሩ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። ምምሕያሽ ንምግባር ሓያል ጻዕርታት እኳ እንተ ተገብረ: ጸብጻብ ሰብኣዊ ምዕባለ 2002 ከም ዝገልጾ ግን “ሓያሎ ሃገራት ካብቲ ቕድሚ 10: 20: ገሊኣተን ከኣ ካብቲ ቕድሚ 30 ዓመት ዝነበርኦ ኣብ ዝገደደ ድኽነት እየን ዘለዋ።”

እዚ ግን ነቶም ድኻታት ተስፋ ዘይብሎም ድዩ ዝገብሮም፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከተንብባ ንዕድመካ። ኣብኡ ኸኣ ኣብዚ እዋን እዚ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ጥበብ ከምኡውን ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ሓሲብካሉ ዘይትፈልጥ መፍትሒ ኽትረክብ ኢኻ።