ሕያውነት ይፈቱ ነበረ
ሕያውነት ይፈቱ ነበረ
ንነዊሕ እዋን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሚልተን ጂ. ሄንሸል: ቀዳም 22 መጋቢት 2003 ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኡ ምድራዊ ህይወቱ ወድአ።
ሚልተን ሄንሸል ገና መንእሰይ ከሎ እዩ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ጀሚሩ: ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ንልዕሊ 60 ዓመት ኣገልገለ። ነዊሕ ከይጸንሐ በቲ ምስትውዓሉን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ፍሉጥ ኰነ። ብ1939 ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕተም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመዚዙ ዝነበረ ኤን. ኤች. ኖር ጸሓፊኡ ዀነ። ብ1942 ሓው ኖር ኣብቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕነት ምስ ወሰደ: ንሓው ሄንሸል ሓጋዚኡ ገበሮ። ብ1956 ሓው ሄንሸል ንሉሲል በነት ተመርዓዋ: ብሓባር ድማ ሓጐስን ጸገማትን ኣሕሊፎም እዮም።
ሓው ሄንሸል ክሳዕ እቲ ሓው ኖር ብ1977 ዝሞተሉ ግዜ ምስኡ ይዓዪ ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን ንሓው ኖር እናኣሰነየ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብፍላይ ከኣ ንሚስዮናውያንን ነቶም ኣብ ጨንፈራት ኣብያተ-ጽሕፈት ዘገልግሉን ንምትብባዕ ናብ ልዕሊ 150 ሃገራት ገይሹ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መገሻታት ኣድካሚ ነበረ: አረ ሓድሓደ ግዜስ ሓደገኛ እውን እዩ ነይሩ። ብ1963 ሓው ሄንሸል ኣብ ላይበርያ ኣብ ዝግበር ዓብዪ ኣኼባ ኽበጽሕ ከሎ: ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ብምእባዩ ከቢድ መስጐጕቲ ወረዶ። a በዚ ድምብርጽ ከይበሎ ግን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምስቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምርኻብን ነቶም ኣብታ ዓዲ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ናይ ኣምልኾ ሓርነት ንኽረኽቡ ንምሕጋዝን ናብ ላይበርያ ተመልሰ።
ሓው ሄንሸል ከቢድ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ምፍታሕ በሊሕን ተዓጻጻፍን መስተውዓልን ብምንባሩ እዩ ዝፍለጥ። መሳርሕቱ ድማ ስርዓት ሓልዩ ዝመላለስ: ትሑት: ከምኡውን ተዋዛዪ ብምንባሩ የኽብርዎ ነበሩ። ዘደንቕ ናይ ምዝካር ክእለት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብዙሓት ሚስዮናውያን ኣስማቶም ብምዝካር: በቲ ናይቲ ዝገሸሉ ዓዲ ቛንቋ ሒደት ቃላት ብምዝራብ: ከምኡውን በቲ ዋዛ እተሓወሶ ተረካብ ዘረባኡ የስሕቖም ነበረ።
ሚክያስ 6:8 (NW) የሆዋ ኣምላኽ ‘ሕያውነት ክንፈቱ’ ከም ዝደልየና እያ እተዘኻኽረና። ሚልተን ሄንሸል ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ብምግዳፍ ይዝከር እዩ። ከቢድ ሓላፍነት እኳ እንተ ነበሮ: ተቐራብን ለዋህን ሕያዋይን ነበረ። “ኣብ እትጠራጠሩሉ እዋን: እቲ ቕኑዕ ነገር እቲ ብሕያውነት እትገብርዎ ምዃኑ ኣይትረስዑ” ዝብል ዘረባ ኻብ ኣፉ ኣይጠፍእን ነበረ። እዚ ፍቑር ሓው ካባና ብምፍላዩ ብዙሕ ንሓዝን እኳ እንተዀንና: ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ብምጽናዑ “ኣኽሊል ህይወት” ከም ዝወሃቦ ርግጸኛታት ብምዃንና ግን ንሕጐስ ኢና።—ራእይ 2:10
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 1977 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 171-7 ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኤም. ጂ. ሄንሸል ምስ ኤን. ኤች. ኖር
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ሉሲል በዓልቲ ቤቱ