ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንስድራቤት የሕብራ • • •

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንስድራቤት የሕብራ • • •

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንስድራቤት የሕብራ

ማርያን ምንኣሳ ሓብታ ሉሲን ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ዘመደን ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን: ማርያ ጓል 13 ዓመት ነበረት። እቲ ዘመደን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ብዛዕባ ናይ ምንባር ተስፋ እውን ነገረን። እዚ ስለ ዝመሰጠን ምስኡ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከዳ። ማርያ በቲ ኣብኡ ዝወሃብ ንጹር ትምህርቲ ተመሰጠት። ምስቲ መዝሙር እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ትምህርቲ ዳርጋ ዘይወሃቦ ቤተ-ክርስትያን ከተወዳድሮ ኸላ እተፈልየ እዩ ነይሩ። እዘን ቈልዑ እዚኣተን ነዊሕ ከይጸንሓ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዓ ጀመራ።

እቲ ሁጎ ዝበሃል ዓብዪ ሓወን ኣብ ፍልስፍናን ፍልቀትን ተገዳስነት ነበሮ። ኣምላኽ የለን ዝብል ድማ ነበረ። ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ግን ነታ ህይወት ብኸመይ መጺኡ፧ ብፍልቀትዶ ብፍጥረት  a ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣንበበ። ኣብ ካልእ ሃይማኖት ክረኽቦ ዘይክእል መልሲ ድማ ረኸበ። ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ወድአ: ነታ ኣብ ኣምላኽ ዘሕደራ ሓዳስ እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ምስ ኣሓቱ ናብ ኣኼባታት ብምኻድን ኣደልደላ። ማርያን ሉሲን ብ1992 ማለት ካብቲ ሓቂ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰምዓሉ ኽልተ ዓመት ጸኒሐን ተጠምቃ: ሓወን ድማ ድሕሪአን ክልተ ዓመት ጸኒሑ ተጠምቀ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: እቶም ውፉያት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝነበሩ ወለደን ኣብ ሓቂ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ነቲ ደቆም ናብ ቤቶም ዝዕድምዎም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ ጽቡቕ ባህርን ግቡእ ኣከዳድናን የድንቕዎ እኳ እንተ ነበሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ቅጭ የምጽኡሎም ነበሩ። ኣብ መኣዲ ኣብ ዝቐርቡሉ እዋን ደቆም ኣብ ኣኼባታት እተማህርዎ ኽዘራረቡሉ ክሰምዕዎም ከለዉ: ንኽፈልጡ ሃንቀውታ ሓደሮም።

እንተዀነ ግን: ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ጥንቈላ ተገዳስነት ነበሮም። እቲ ኣቦ ሰኽራምን ንሰበይቱ ዝወቅዕን ነበረ። እታ ስድራቤት ክትበታተን ቅሩብ ተሪፍዋ ነበረ። ድሕርዚ: ሓደ እዋን እቲ ኣቦ ሰኺሩ ብዝፈጸሞ ተግባራት ንኽልተ ሰሙን ተኣስረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመረ። ኣብኡ ድማ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ዝሃቦ ምልክት ኣንበበ። እዚ ብዙሕ ሕቶ ኣበገሰሉ: ድሕሪኡ ንሱን ሰበይቱን ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከዱ: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ድማ ፍቓደኛታት ኰኑ። ሓቂ ምስ ፈለጡ: ነቲ ምስ ጥንቈላ ዝተሓሓዝ መጻሕፍቶም ብምሉኡ ኣጥፍእዎ: ስም የሆዋ ብምጽዋዕ ድማ ካብ መጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ዕረፍቲ ረኸቡ። ኣብ ባህሪኦም እውን ዓብዪ ለውጢ ኽገብሩ ጀመሩ።

ብ1999 ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቦሊቭያ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ሁጎ ንወለደን ከጠምቖም ከሎ ኽርእያ ኸለዋ ማርያን ሉሲን እተሰምዐን ስምዒት ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ክልቲኣተን ብዛዕባ የሆዋን መብጽዓታቱን ንፈለማ ግዜ ኻብ ዝሰምዓ ትሽዓተ ዓመት ዝኸውን ሓሊፉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንሳተንን ሁጎን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዮም። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንስድራቤቶም ሓድነት ስለ ዘምጽኣላስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ኰን እዩ ተሰሚዕዎም!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።