ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብዕቱብዶ ትደልዮ ኣለኻ፧

ንየሆዋ ብዕቱብዶ ትደልዮ ኣለኻ፧

ንየሆዋ ብዕቱብዶ ትደልዮ ኣለኻ፧

ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብስራት ምስኡ ኣብ ባቡር ንዝጓዓዙ ሰባት ከካፍሎም ደለየ። (ማርቆስ 13:10) እንተዀነ ግን: ብፍርሂ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ኣይከኣለን። በዚ ተስፋ ቘሪጹዶ፧ ኣይፋሉን: ከይተሓለለ ብዛዕባዚ ጸለየ: ብኸመይ ዝርርብ ከም ዝጅምር ከኣ ተለማመደ። የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎቱ ብምምላስ ብርታዐ ሃቦ።

ንየሆዋን በረኸቱን ክንደሊ ኸለና: ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቱብነት የድልየና። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም [“ብዕቱብ:” NW] ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” በለ። (እብራውያን 11:6) ንየሆዋ ምድላይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እታ “ብዕቱብ ዝደልይዎ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ግሲ ጽዑቕን ብርቱዕን ጻዕሪ ምግባር እያ እተመልክት። እዚ ድማ ብምሉእ ልብናን ሓሳብናን ነፍስናን ሓይልናን ምዕያይ ዘጠቓልል እዩ። ንየሆዋ ብዕቱብ ንደልዮ እንተደኣ ሃሊና: ዘይንግደስ: ልግመኛታት: ወይ ሃካያት ኣይንኸውንን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ምድላዩ ናይ ሓቂ ቕንኣት ኢና እነርኢ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:17

ንየሆዋ ብዕቱብ ዝደለዩ ሰባት

ቅዱሳት ጽሑፋት ሓያሎ ኣብነታት ናይቶም ንየሆዋ ንምድላይ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩ ሰባት ዝሓዘ እዩ። ሓደ ኻብዚኣቶም ምስቲ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ ኣምላኽ እተቓለሰ ያእቆብ እዩ። ያእቆብ ምስ ኣምላኽ ስለ ‘እተቓለሰ:’ ስለ ዝጸንዐ: ወይ ስለ ዝጸዓረ ስሙ እስራኤል (ምስ ኣምላኽ ዝቃለስ) ተባህለ። ስለቲ ዕቱብ ጻዕሩ ድማ እቲ መልኣኽ ባረኾ።—(ዘፍጥረት 32:24-30)

ካልእ ኣብነት እትዀነና ድማ እታ ን12 ዓመት ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረ ‘ብዙሕውን እተሰቀየት’ ስማ ዘይተጠቕሰ ገሊላዊት ሰበይቲ እያ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ንኻልኦት ሰባት ክትትንኪ ኣይነበራን። እንተዀነ ግን: ተቢዓ ንየሱስ ንኽትረኽቦ ኸደት። “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ: ክሐዊ እየ” ትብል ነበረት። ብመንጎ እቶም ንየሱስ ‘ዝስዕብዎን ዝደፍእዎን ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ’ ኽትሓልፍ ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣላ። ክዳን የሱስ ምስ ተንከፈት: ‘ዓይኒ ደማ ኸም ዝነቐጸ’ ተፈለጣ: ካብቲ ሕዱር ሕማማ ሓወየት። የሱስ “መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ ፈርሀት። ድሕሪኡ ግን ብለውሃት “ጓለየ: እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ: ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ” በላ። እቲ ጻዕራ ድማ ዓስቢ ረኸበ።—ማርቆስ 5:24-34፣ ዘሌዋውያን 15:25-27

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ሓንቲ ከነኣናዊት ሰበይቲ: የሱስ ንጓላ ንኸሕውየላ ኣጽኒዓ ለመነቶ። የሱስ ነቲ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ዘይግቡእ ምዃኑ መለሰላ። ንኣይሁድ ዕሽሽ ብምባል እስራኤላውያን ዘይኰኑ ቈላሕታ ኽህብ ከም ዘይክእል እዩ ዝገልጽ ነይሩ። እቲ እተዛረቦ ምስላ ዋላ እኳ እንተ ተረድኣ: “እወ ጐይታይ: ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” ኢላ ለመነቶ። የሱስ በቲ እምነታን ቅንዕናኣን ተደሪኹ “ኣቲ ሰበይቲ: እምነትኪ ዓባይ ኢያ: ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ” በላ።—ማቴዎስ 15:22-28

እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም እንተ ዝሕለሉ ነይሮም እንታይ መጋጠሞም፧ ኣብ መጀመርታ ዕንቅፋት ምስ ኣጋጠሞም ወይ ተቐባልነት ምስ ሰኣኑ: ተስፋ እንተ ዝቘርጹ ነይሮም ነቲ ዝረኸብዎ በረኸታት ምረኸቡዶ፧ ኣይምረኸቡን! እዚ ኣብነታት እዚ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኸይተሓለልና ኽንሓትት ዝመሃሮ ትምህርቲ ግቡእ ምዃኑ: ኣረ ንየሆዋ ኽንደልዮ ኸለና እሞ ኣድላዪ ምዃኑ ዘነጽር እዩ።—ሉቃስ 11:5-13

ከምቲ ፍቓዱ

ኣብቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ብተኣምር ብዛዕባ ምሕዋይ ዝገልጽ ጸብጻባት: እተን ኣንስቲ ዝደለይኦ እተፈጸመለን ሳላቲ ዕቱብ ጻዕረን ጥራይ ድዩ፧ ኣይኰነን: እቲ ኽገብረለን ዝሓተትኦ ሕቶ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ክኸውን ነይርዎ። የሱስ: ወዲ ኣምላኽን መብጽዓ እተገብረሉ መሲህን ምዃኑ ዘደንቕ መርትዖ ንከቕርብ እዩ ተኣምር ናይ ምግባር ሓይሊ እተዋህቦ። (ዮሃንስ 6:14፣ 9:33፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:22) ብዘይካዚ: እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ነቲ የሆዋ ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዘፍስሶ ብዙሕ በረኸት እውን መርኣዪ እዩ።—ራእይ 21:4፣ 22:2

ሕጂ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዝስዕቡ ዘበሉ ኸም ምፍዋስን ብቛንቋታት ምዝራብን ዝኣመሰለ ተኣምር ናይ ምግባር ሓይሊ ኽህልዎም ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 13:8, 13) ኣብዚ ግዜና ክኸውን ካብ ዝደልዮ ነገራት ሓደ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽስበኽን ‘ኵሉ ሰብውን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመጽእን’ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ልባዊ ጸሎት እንተ ኣቕሪቦምን እንተ ጽዒሮምን ዝደለይዎ ንኽማልኣሎም ክጽበዩ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኣቶም ሰባት ‘ፍቓድ ኣምላኽ እንተ በዚ እንተ በቲ ዝፍጸም ካብ ኰነ: ስለምንታይ እየ ኽጽዕር ዘድልየኒ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እቲ ሰባት ዝገብርዎ ጻዕርታት ብዘየገድስ የሆዋ ዕላማኡ ኽወቅዕ ዝኽእል ምዃኑ ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ: ውልቀ-ሰባት ፍቓዱ ኽገብሩ ኽርኢ ኸሎ ግን የሐጕሶ እዩ። የሆዋ ብሓደ ቤት ዝሰርሕ ሰብኣይ ክምሰል ይከኣል እዩ። እቲ ቤት ዝሰርሕ ሰብኣይ ንድፊ ናይታ ቤት ኣለዎ: ይኹን እምበር ንምስራሕ ዘድልዮ ናይ ህንጸት ኣቝሑ ኻብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ እዩ ዝጥቀም። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ኣብዚ ግዜና ኽፍጽሞ ዝደልዮ ውጥን ኣለዎ: ነቶም ብፍታው ዝመጹ ኣገልገልቱ ኽጥቀም ድማ የሐጕሶ እዩ።—መዝሙር 110:3፣ 1 ቈረንቶስ 9:16, 17

ንኣብነት: ቶሺዮ ናይ ዝበሃል መንእሰይ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተወ: ኣብቲ ፍሉይ ዞባኡ ብእተኻእሎ መጠን ብዙሕ ምስክርነት ክህብ ደለየ። መጽሓፍ ቅዱሱ ኻብኡ ኣይፈልያን ነበረ: ኣብነታዊ ክርስትያን ንምዃን ከኣ ጻዕሪ ገበረ። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት ንደቂ ኽፍሉ ዝርርብ ንኽህብ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። ቶሺዮ ሓገዝ ክረክብ ናብ የሆዋ ጸለየ: ኵላቶም ደቂ ኽፍሉ ነቲ “ዕድመይ ምሉእ ፓይነር ንምዃን ዘሎኒ ሸቶ” ዝብል ዝርርቡ ጽን ኢሎም ብምስምዖም እውን ብዙሕ ተሓጐሰ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከም ዝድሊ ገለጸ። ሓደ ኻብቶም ተማሃሮ ምስ ቶሺዮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ፍቓደኛ ዀነ: ዕቤት ብምግባር ድማ ናብ ጥምቀት በጽሐ። እቲ ቶሺዮ ምስ ጸሎቱ ብምስምማዕ ዝገበሮ ዕቱብ ጻዕሪ ብዙሕ ዓስቢ ኣምጺኡሉ እዩ።

ክሳዕ ክንደይ ዕቱብ ኢኻ፧

ንየሆዋን በረኸቱን ብዕቱብ ትደሊ ኸም ዘሎኻ ብእተፈላለየ መገዲ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ: ከም ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብግቡእ ምድላው ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብግቡእ ተዳሊኻ ሓሳብ ብምሃብ: ዘነቓቕሕ ዝርርብ ብምቕራብ: ከምኡውን ፍረ ዘለዎ መርኣያታት ብምቕራብ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ትደልዮ ኸም ዘለኻ ተርኢ። ኣገልግሎትካ ብምምሕያሽ እውን ዕቱብነትካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ነቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ እትረኽቦም ምቕሉል ክትከውን ምኸኣልካዶ፧ ንዞባኻ ዝሰማማዕ ውጽኢታዊ መእተዊኸ ኽትጥቀም ምኸኣልካዶ፧ (ቈሎሴ 3:23) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንእተማህሮ ዘበለ ብምሉእ ልቡ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኰይኑ ንኸገልግል ሓላፍነታት ክቕበል ይኽእል ይኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 2, 12, 13) ኣብ እተፈላለየ ዕዮታት ድሉው ኴንካ ብምግልጋል: ካብ ምሃብ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህንጸት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምዕያይ ወይ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምግልጋል ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብቕዓት ዘሎካ ንጽል ሰብኣይ እንተ ዄንካ: ኣብቲ ንመንፈሳውያን ሰብኡት ንፉዓት ጓሶት ንክዀኑ ዘዕጥቖም ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ። ምርዑው እንተ ዄንካ ኸኣ ሚስዮናዊ ብምዃን ንየሆዋ ብዝያዳ ኸተገልግሎ ሓያል ባህጊ ኸም ዘሎካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልዩሉ ቦታ እውን ክትግዕዝ ትኽእል ትኸውን።—1 ቈረንቶስ 16:9

እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ኣብቲ እተገልግለሉ መዳይ እተንጸባርቖ መንፈስ እዩ። ዝወሃበካ ሓላፍነት ብዘየገድስ: ብዕቱብን ብትግሃትን “ብግሩህ ልብን” ዕየ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:46፣ ሮሜ 12:8) ንእተዋህበካ ዘበለ ኣገልግሎት ንየሆዋ ውዳሰ ንኸተምጽኣሉ ዘሎካ ህንጥዮት እተርእየሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ርኣዮ። የሆዋ ንኽሕግዘካ ኸየባተኽካ ጸሊ: ዝከኣለካ ዘበለ ዅሉ ድማ ግበር። ድሕሪኡ ብዙሕ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ።

ዕቱብ ጻዕሪ ዓስቢ የምጽእ

እቲ ነቶም ምስኡ ዝጐዓዙ ዘበሉ ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ትብዓት ንኽረክብ ዝጸለየ ክርስትያን ሰብኣይ ትዝክሮዶ፧ የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ድሌቱ ባሪኹሉ እዩ። እቲ ሓው ዝርርብ ንምጅማር ዘኽእሎ ባህ ዘብል ኣቀራርባ ተለማመደ። ንሓደ ኣብ መንጎ ሰባት ብዛዕባ ዘሎ ሓርፋፍ ርክብ ዘተሓሳስቦ ሰብኣይ ንምምስካር መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ክጥቀም ከኣለ። ኣብ ባቡር ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበረሉ: እዚ ድማ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መገዲ ጸረገ። ብሓቂ እምበኣር የሆዋ ስለቲ ዕቱብ ጻዕሩ ባሪኽዎ እዩ!

ንስኻውን ንየሆዋ ብዕቱብ ደሊኻዮ እንተ ዄንካ: ተመሳሳሊ ፍረ ረኺብካ ትኸውን። ኣብ ዝዀነ ይኹን እትዓዮ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ብምሉእ ልብኻ እንተ ዓዪኻን ብትሕትና እንተ ጸኒዕካን: የሆዋ ምስ ዕላማኡ ብምስምማዕ ክጥቀመልካን ብዙሕ በረኸት ከፍስሰልካን እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እዛ ሰበይቲ እዚኣ እንተ ትሕለል ነይራ ፍረ ምረኸበትዶ፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንኽባርኸካ ኸየባተኽካ ትልምኖ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ብዕቱብ ትደልዮ ኸም ዘለኻ ብኸመይ ተርኢ፧