ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣለዎም
ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣለዎም
“እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ: . . . ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር: . . . ኪኸውን እዩ።”—ሚክያስ 5:7
1. መንፈሳውያን እስራኤል ዘበሉ ምንጪ ዕረፍቲ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧
የሆዋ ዝናብ የዝንም: ኣውሊ ድማ የውርድ እዩ። ደቅሰብ ግን ኣውሊ ወይ ዝናም ከምጽኡ ኢልካ ተስፋ ኽግበረሎም ኣይከኣልን እዩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ነብዪ ሚክያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ: ብደቂ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይገብር: ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር: ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።” (ሚክያስ 5:7) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ “ተረፍ ያእቆብ” መን እዮም፧ እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ማለት እቶም ተረፍ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እዮም። (ገላትያ 6:16) ን“ብዙሓት ህዝብታት” ምድሪ: ከም “ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር” ከምኡውን ከም “ካፋ ኣብ ሳዕሪ” እዮም። እወ: ሕጂ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም በረኸት እዮም። ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኖም መጠን: የሆዋ ንሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ተስፋ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሎም እዮም።
2. ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም እናነበርና ናይ ሓቂ ተስፋ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 እዛ ዓለም እዚኣ ናይ ሓቂ ተስፋ ዘይብላ ምዃና ኸገርመና የብሉን። ከመይሲ: ኣብዛ ሰይጣን ድያብሎስ ዝቈጻጸራ ዓለም ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ: ስነ-ምግባራዊ ውድቀት: ዓመጻ: ቍጠባዊ ቕልውላው: ግብረ-ሽበራ: ከምኡውን ውግእ እንጽበዮ ነገር እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ይፈርሁ እዮም። ንሕና ግን ኣምለኽቲ የሆዋ ብምዃንና ብዛዕባ መጻኢ እተረጋገጸ ተስፋ ስለ ዘሎና: ኣይንፈርህን ኢና። ተስፋና ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ ናይ ሓቂ ተስፋ እዩ። የሆዋ ዝበሎ ዅሉ ኣብ ባይታ ስለ ዘይወድቕ: ኣብኡን ኣብ ቃሉን ምሉእ ምትእምማን ኣሎና።
3. (ሀ) የሆዋ ንእስራኤልን ይሁዳን ንምቕጻዕ ስጕምቲ ኽወስድ ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ሚክያስ ዝጸሓፎ ነዚ ግዜና እውን ዝምልከት ስለምንታይ እዩ፧
3 እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ትንቢት ሚክያስ ብስም የሆዋ ንኽንመላለስ የተባብዓና: ናይ ሓቂ ተስፋ ንኽህልወና ድማ መሰረት ይዀነና። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ሚክያስ ኣብ ዝንበየሉ ዝነበረ እዋን: እቶም ምስ ኣምላኽ ኪዳን እተኣታተዉ ህዝቢ ኣብ ክልተ ተመቒሎም እስራኤልን ይሁዳን ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ ነይሮም: ክልቲኣቶም ህዝብታት ከኣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተዉዎ ኺዳን ዕሽሽ ይብልዎ ነበሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ክልቲአን መንግስታት ስነ-ምግባራዊ ውድቀት: ሃይማኖታዊ ክሕደት: ከምኡውን እዚ ዘይበሃል ፍቕረ-ንዋይ ዓብሊልወን ነበረ። ስለዚ: የሆዋ ስጕምቲ ኽወስድ ምዃኑ ኣጠንቀቖም። ልክዕ እዩ: የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ነቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ህዝቢ እዩ ብቐጥታ ዝምልከት። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት ምስቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነበረ ዅነታት ኣዝዩ ስለ ዝመሳሰል: እቲ ዝጸሓፎ ነገራት ንዓና እውን ይምልከተና እዩ። ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ናይተን ሸውዓተ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ሚክያስ ክንምርምር ከለና እዚ ንጹር ክዀነልና እዩ።
ትሕዝቶ መጽሓፍ ሚክያስ ብሓጺሩ
4. ኣብ ሚክያስ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 3 እንታይ ሓበሬታ ኢና እንረክብ፧
4 ትሕዝቶ መጽሓፍ ሚክያስ ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንርአ። ኣብ ምዕራፍ 1 የሆዋ ነቲ እስራኤልን ይሁዳን ዝፈጸመኦ ዕልወት ኣቃልዐ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ እስራኤል ክትጠፍእ ምዃና: ንይሁዳ ዝወርዳ መቕጻዕቲ ድማ ክሳዕ ደጌታት የሩሳሌም ክበጽሕ ምዃኑ ኣጠንቀቐ። ምዕራፍ 2 እቶም ሃብታማትን ሓያላትን ነቶም ድኹማትን ረዳኢ ዘይብሎምን ከም ዝጨቈንዎም እያ እትገልጽ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ መብጽዓ ኣትዩ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ክእከቡ እዮም። ምዕራፍ 3 የሆዋ ነቶም መራሕቲ ሃገርን ግቡኦም ዘይፈጸሙ ነብያትን መቕጻዕቲ ኸም ዘውርደሎም ትገልጽ። እቶም ሓላቑ ፍርዲ የቕንኑ: እቶም ነብያት ከኣ ብሓሶት ይንበዩ ነበሩ። እዚ ዅሉ እናሃለወ ግን ሚክያስ ነቲ ዝመጽእ ፍርዲ የሆዋ ንምእዋጅ ብመንፈስ የሆዋ ሓይሊ ረኸበ።
5. ኣብ ሚክያስ ምዕራፍ 4ን 5ን እንታይ ፍረ ነገር ኣሎ፧
5 ምዕራፍ 4 በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኵሎም ህዝብታት ናብቲ ልዕል ዝበለ ኸረን ቤት የሆዋ ንኽመሃሩ ኽመጹ ምዃኖም ትንበ። እንተዀነ ግን: ቅድሚኡ ህዝቢ ይሁዳ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን ሓራ ኸውጽኦ እዩ። ምዕራፍ 5 እቲ መሲህ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ክውለድ ምዃኑ ትገልጽ። ንህዝቡ ድማ ብሓጐስ ክጓስዮምን ካብ ጨቈንቲ ህዝብታት ሓራ ኸውጽኦምን እዩ።
6, 7. ኣብ ትንቢት ሚክያስ ምዕራፍ 6ን 7 ንእንታይ ነጥብታት እዩ ዘሎ፧
6 ሚክያስ ምዕራፍ 6 የሆዋ ንህዝቡ ብሕጊ ኸም ዝኸሶም እያ እትገልጽ። የሆዋ እንታይ ስለ ዝገበሮም እዩ እቶም ህዝቡ ዝዓለዉ፧ ዋላ ሓንቲ ኣይገበሮምን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ካብ ዓቕሚ ሰብ ንላዕሊ ኣይኰነን። ኣምለኽቱ ምስኡ ብቕንዕናን ብምሕረትን ብትሕትናን ክመላለሱ እዩ ዝደልዮም። እስራኤልን ይሁዳን ግን ከምዚ ኣብ ክንዲ ዝገብራ: መገዲ ዕልወት ሰዓባ: ሳዕቤኑ ኸኣ ኽዓጽዳ ነበረን።
7 ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ: ሚክያስ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ዝገብርዎ እከይ ኰነነ። እንተዀነ ግን በዚ ኣይተሓለለን: የግዳስ ብየሆዋ ‘ተስፋ ንኽገብር’ ቈረጸ። (ሚክያስ 7:7) ኣብ መወዳእታ እታ መጽሓፍ: የሆዋ ንህዝቡ ምሕረት ከርእዮ ምዃኑ ብምግላጽ እያ እትዛዝም። እዚ ተስፋ እዚ ኸም እተጋህደ ታሪኽ የረጋግጾ እዩ። ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ኣብ ህዝቡ ዘውረዶ መቕጻዕቲ ምስ ኣብቅዐ: ብምሕረቱ ነቶም ተረፍ ናብ ዓዶም መለሶም።
8. ንትሕዝቶ መጽሓፍ ሚክያስ ኣሕጽር ኣቢልካ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
8 የሆዋ ብሚክያስ ኣቢሉ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ትምህርቲ ዀን እዩ ገሊጹልና! እዛ መንፈስ ዝነፈሳ መጽሓፍ እዚኣ የሆዋ ነቶም ነገልግሎ ኢና እናበሉ ብተኣማንነት ዘይመላለሱ ሰባት እንታይ ከም ዝገብሮም ዘርኢ መጠንቀቕታ ኣለዋ። ኣብዚ ግዜና ፍጻመኡ ዝረክብ ዘሎ ትንቢታት እውን ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ተስፋና ድልድልቲ ንምግባር ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ዝገልጽ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ሒዛ ኣላ።
እቲ ሉዓላዊ ጐይታና የሆዋ ተዛረበ
9. ብመሰረት ሚክያስ 1:2 የሆዋ እንታይ ክገብር እዩ ወሲኑ፧
9 ሕጂ እምበኣር ንመጽሓፍ ሚክያስ ብዝርዝር ንመርምራ። ኣብ ሚክያስ 1:2 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም: ስምዑ: ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪ: ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር: እወ: እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ።” ብግዜ ሚክያስ ትነብር ኔርካ እንተ ትኸውን: እዘን ቃላት እዚኣተን ብዘይጥርጥር ኣቓልቦኻ ምሰሓባ ነይረን። እወ: የሆዋ ኻብቲ ቕዱስ መቕደሱ ንእስራኤልን ይሁዳን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዝርከቡ ሰባት ይዛረብ ስለ ዘሎ ኣቓልቦ ሰባት ይስሕባ እየን። ብግዜ ሚክያስ ሰባት ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንነዊሕ እዋን ረሲዖምዎ ነበሩ። እዚ ግን ድሕሪ ሓጺር እዋን ክቕየር ነበሮ። የሆዋ ወሳኒ ስጕምቲ ኽወስድ ቈሪጹ ነበረ።
10. ኣብ ሚክያስ 1:2 ዘሎ ቓላት ንዓና ዘገድሰና ስለምንታይ እዩ፧
10 ኣብዚ ግዜና እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ራእይ 14:18-20 የሆዋ ኻብቲ ቕዱስ መቕደሱ መልእኽቲ ኸም ዝልእኽ ትገልጸልና እያ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ዘየላቡ ስጕምቲ ኽወስድ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓበይቲ ፍጻመታት ስለ ዘጋጥም ድማ ንደቅሰብ ከንቀጥቅጦም እዩ። ሽዑ እቲ ‘ናይ ምሉእ ምድሪ [እኩይ] ኣስካል ወይኒ’ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ክድርበ: ምሉእ ብምሉእ ከኣ ክጠፍእ እዩ።
11. እቲ ኣብ ሚክያስ 1:3, 4 ዘሎ ቓላት ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧
11 የሆዋ እንታይ ከም ዝገብር እሞ ስማዕ። ሚክያስ 1:3, 4 ከምዚ ትብል:- “እንሆ: እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ: ይወርድ: ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ: ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ: ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት: ኣኽራን: ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ: ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ።” የሆዋ ነቲ ሰማያዊ መንበሪኡ ሓዲጉ ቓል ብቓሉ ነኽራንን ጐላጕልን ምድሪ ተስፋ ድዩ ኽረግጽ፧ ኣይፋልን። ከምኡ ኽገብር ኣየድልዮን እዩ። ዕላማኡ ምእንቲ ኽፍጸም ኣትኵሮኡ ናብ ምድሪ ኽገብር ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ብዘይዚውን እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ቃል ብቓሉ ኣብታ ምድሪ ዘይኰነስ ኣብቶም ተቐማጦኣ እዩ ዝወርድ። የሆዋ ስጕምቲ ኽወስድ ከሎ እቶም ዘይእሙናት ዓብዪ ዕንወት ክወርዶም እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣኽራን ከም ስምዒ ዝመክኽን ጐላጕል ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጭደድን ክዀኑ እዮም።
12, 13. ምስ 2 ጴጥሮስ 3:10-12 ብምስምማዕ እንታይ እዩ ንተስፋና ርግጽ ክገብሮ ዝኽእል፧
12 እቲ ኣብ ሚክያስ 1:3, 4 ዝርከብ ትንቢታዊ ቓል ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዝወርድ ዕንወት ዝገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ኻልእ ትንቢት ኣዘኻኺሩካ ይኸውን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:10 ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ:- “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ: ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ: ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ: ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።” ልክዕ ከምቲ ኣብ ትንቢት ሚክያስ ዘሎ ሓሳባት ቃል ብቓሉ ዘይኰነ: እዚ ጴጥሮስ እተዛረቦ እውን ቃል ብቓሉ ነዚ ሰማያትን ምድርን ኣይኰነን ዘመልክት። የግዳስ ነቲ ኣብዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣገባብ ዝወርድ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዘመልክት።
13 እዚ ዕንወት እዚ ኽመጽእ እኳ እንተዀነ: ክርስትያናት ግን ብዛዕባ መጻኢ ልክዕ ከም ሚክያስ ምትእምማን ክህልዎም ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ኣብታ ጴጥሮስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ቐጺለን ኣብ ዝርከባ ቍጽርታት ዘሎ “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ብምባል እቲ ሃዋርያ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ እዮም ምትእምማን ክህልዎም ዝኽእል። (2 ጴጥሮስ ) እዙዝ ልቢ እንተ ኣጥሪና: ኣካይዳና ቕዱስ እንተ ዀይኑ: ብፍርሃት ኣምላኽ እንተ ተመላሊስና: ከምኡውን መዓልቲ የሆዋ ብርግጽ ከም እትመጽእ እንተ ዘይረሲዕና: ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ርግጽ ክኸውን እዩ። 3:11, 12
14. እስራኤልን ይሁዳን መቕጻዕቲ ዝግብአን ስለምንታይ እዩ፧
14 የሆዋ ቐጺሉ ህዝቡ ንምንታይ ክቕጽዑ ኸም ዝግብኦም ገለጸ። ሚክያስ 1:5 ከምዚ ትብል:- “እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፧ ሰማርያዶ ኣይኰነትን፧ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፧ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን፧” እስራኤልን ይሁዳን ሳላ የሆዋ እየን ከም ሃገር ክቘማ ኽኢለን። እንተዀነ ግን: ካብኡ ዓለዋ: እቲ ዕልወተን ከኣ ክሳዕ እቲ ርእሲ ኸተማታተን ማለት ክሳዕ ሰማርያን የሩሳሌምን በጽሐ።
እከይ ኣስፋሕፍሐ
15, 16. ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ሰባት ብምንታይ ዝፈጸምዎ እከይ እዮም ተሓተትቲ ዝነበሩ፧
15 ገለ ኻብቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነብሩ ሰባት ዝፍጽምዎ ዝነበሩ እከይ ኣብ ሚክያስ 2:1, 2 በዚ ዝስዕብ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ:- “እቶም ኣበሳ ዚምህዙ: ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዜዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀነ: ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ። ግራሁ ይደልዩ ይዝርፍዎ ድማ: ኣባይቲ ይደልዩ ይወስድዎውን። ንሰብኣይን ንቤቱን: እወ: ንሰብን ንርስቱን ይጭቍኑ።”
16 ስሱዓት ሰባት ናይ ጐረቤቶም ግርሁን ኣባይትን ብኸመይ ከም ዝምንዝዑ ውዲት ንኽኣልሙ ምሉእ ለይቲ ኸይደቀሱ ይሓድሩ ነበሩ። ወጋሕታ ምስ ኰነ ኸኣ ውዲቶም ንኽፍጽሙ ይጓየዩ። ምስ የሆዋ ዝኣተዉዎ ኺዳን እንተ ዝዝክርዎ: ከምዚ ዓይነት እኩይ ተግባር ኣይምገበሩን ነይሮም። ሕጊ ሙሴ ንድኻታት ዘዕቍብ ስርዓታት ዝሓዘ ነበረ። ብመሰረት እቲ ሕጊ ዝዀነ ይኹን ስድራቤት ውርሱ ንሓዋሩ ኽስእን ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: እዚ ነቶም ስሱዓት ዕጅብ ኣይበሎምን። ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዝርከብ “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ዝብል ቃላት ዕሽሽ በልዎ።
17. እቶም ንኣምላኽ ነገልግል ኣሎና ዝብሉ ንስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ኽህቡ ኸለዉ እንታይ እዩ ዘጋጥሞም፧
17 እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ዝብሉ ሰባት ነቲ መንፈሳዊ ሸቶኦም ስሒቶም ብቐዳምነት ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ክጐዩ ኸለዉ እንታይ ከም ዘጋጥሞም እዩ ዘርኢ። ጳውሎስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ብምባል ኣጠንቀቖም። (1 ጢሞቴዎስ 6:9) ሓደ ሰብ ገንዘብ ምጥራይ ቀንዲ ሸቶኡ ምስ ዝገብሮ: ንናይ ሓሶት ኣምላኽ ማለት ንሃብቲ ወይ ገንዘብ የምልኽ ኣሎ ማለት እዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ከኣ ብዛዕባ መጻኢ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ኣይህብን እዩ።—ማቴዎስ 6:24
18. ነቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ፍቕረ-ንዋይ ዝነበሮም ሰባት እንታይ እዩ ኸጋጥሞም ዝነበሮ፧
18 ብዙሓት ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ስጋዊ ነገራት ምውካል ከንቱ ምዃኑ ብመከራ እዮም ተማሂሮምዎ። ብመሰረት ሚክያስ 2:4 የሆዋ ኸምዚ በለ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባኹም ከምዚ ኢሎም ኪምስሉን ቍዝማ ኪቝዝሙን እዮም: ብጥራስ ተበዝበዝና ነቲ ግደ ህዝበይ ለወጦ: ከመይ ኢሉኸ ኣሕደገኒ: ነቲ ግርሁናስ ንዓለወኛታት ዐደሎ።” እወ: እዞም ሰረቕቲ ኣባይትን ግርሁን እቲ ናይ ስድራቤቶም ውርሲ እውን ከይተረፈ ኽሕደጉ እዮም። ናብ ወጻኢ ሃገር ክውሰዱ: ንብረቶም ከኣ በቶም “ዓለወኛታት” ወይ በህዛብ ክማረኽ እዩ። ሃብቲሞም ንኽነብሩ ዝነበሮም ተስፋ ብምሉኡ ብላሽ ክኸውን እዩ።
19, 20. እቶም ኣብ የሆዋ እተኣመኑ ኣይሁድ እንታይ እዮም እተመኰሩ፧
19 እቶም ኣብ የሆዋ ዝእመኑ ግን ተስፋኦም ከንቱ ኣይክኸውንን እዩ። የሆዋ ንኣብርሃምን ዳዊትን ዝኣተዎ ኺዳን ክፍጽሞ እዩ። ነቶም ከም ሚክያስ ዝኣመሰሉ ንዕኡ ዘፍቅርዎን ብሰንኪ እቲ ብጾቶም ዝፍጽምዎ ዕልወት ዝሓዝኑን ሰባት ከኣ ምሕረት ክገብረሎም እዩ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ናብ ዓዶም ክመልሶም እዩ።
20 እዚ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ምስ ወደቐት: እቶም ተረፍ ኣይሁድ ከኣ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ተፈጸመ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ሚክያስ 2:12 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ናይ መጀመርታ ፍጻመኡ ረኸበ። ኣብኡ የሆዋ ኸምዚ በለ:- “ዎ ያእቆብ: ኣነ ኽእክበካ: ኵለንትናኻ ኽእክብ: ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ: ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ከምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወኻዕታ ኪኸውን እዩ።” የሆዋስ ከመይ ዝበለ ፈቃር ኣምላኽ ኰን እዩ! ንህዝቡ ምስ ቀጽዖም: ነቶም ተረፍ ናብቲ ነቦታቶም ዝሃቦም ምድሪ ተመሊሶም ከገልግልዎ ፈቐደ።
ምስዚ ግዜና ዘለዎ ዓብዪ ምምስሳል
21. ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት ምስቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነበረ ዅነታት ዝመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
21 ነዘን ክልተ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ሚክያስ ክንምርምር ከለና: ምስ ግዜና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝመሳሰል ኣየገረመካንዶ፧ ከምቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ሰባት: ሎሚውን ብዙሓት ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ከም ይሁዳን እስራኤልን ተኸፋፊሎም እዮም: አረ ንሓድሕዶም እውን ይዋግኡ እዮም። ብዙሓት ሃብታማት ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ነቶም ድኻታት ይጭቍንዎም እዮም። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እተዀነነ ተግባራት ሸለል ይብልዎ ኣለዉ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ህዝበ-ክርስትያን ምስተን ዝተረፋ ኣባላት “ዓባይ ባቢሎን” ሓቢራ ኽትጠፍእ ምዃና ምንባዩ እምበኣር ኣየገርመናን እዩ! (ራእይ 18:1-5) ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሚክያስ እሙናት ሰባት ዝነበሩ: ሕጂውን ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ዘገልግልዎ እሙናት ሰባት ኣለዉ።
22. ተስፋኦም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበሩ ኽልተ ጕጅለ ኣየኖት እዮም፧
22 ብ1919 እቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ህዝበ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ወጹ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ንዅሎም ኣህዛብ ክሰብኩ ጀመሩ። (ማቴዎስ 24:14) ብመጀመርታ ነቶም ዝተረፉ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣናደይዎም። ድሕሪኡ ዓብዪ ጭፍራ ናይተን “ኻልኦት ኣባጊዕ” ናባታቶም ወሓዙ: እዞም ክልተ ጕጅለ ኸኣ ‘ሓደ መጓሰ: ጓስኦምውን ሓደ’ ዀኑ። (ዮሃንስ 10:16) ሕጂ ኣብ 234 ሃገራት ንኣምላኽ የገልግልዎ እኳ እንተ ሃለዉ: ኵሎም እዞም ኣምለኽቲ እዚኣቶም ብሓቂ ‘ሓቢሮም’ እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ። ኣብዚ ግዜ እዚ እተን ኣብ ደንበ ዘለዋ ኣባጊዕ “ብርቱዕ ወኻዕታ” የስምዓ ኣለዋ: ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዘጠቓልላ ኸኣ እየን። ተስፋኦም ኣብታ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንምድሪ ገነት እትገብራ መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እምበር: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ኣይኰነን።
23. ተስፋኻ ርግጽ ምዃኑ እትተኣማመን ስለምንታይ ኢኻ፧
23 እታ ናይ መወዳእታ ቝጽሪ ናይ ሚክያስ ምዕራፍ 2 ብዛዕባ እቶም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ “ንጉሶም ቀቅድሚኦም ይሐልፍ: እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ርእሶም ይኸውን” ትብል። የሆዋ ባዕሉ ርእሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንንጉስካ የሱስ ክርስቶስ እናሰዓብካ ብዓወት ክትምርሽሲ ይርኣየካዶ ኣሎ፧ ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ትስእሎ እንተ ዄንካ: ዓወት ከም እትረክብ ክትተኣማመን ኢኻ: ተስፋኻ እውን ርግጽ ይኸውን። ብዛዕባ ትንቢት ሚክያስ ተወሳኺ ነጥብታት ክንምርምር ከለና እዚ ሓሳብ እዚ ብዝያዳ ኽንጽረልካ እዩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ብግዜ ሚክያስ የሆዋ ንይሁዳን እስራኤልን ክቐጽዐን ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ፧
• እቶም ንኣምላኽ ነገልግሎ ኢና ዝብሉ ንስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ኽህብዎ ኸለዉ እንታይ እዩ ዘጋጥሞም፧
• ንሚክያስ ምዕራፍ 1ን 2ን ድሕሪ ምምርማርካ ተስፋኻ ርግጽ ምዃኑ እተኣማመንካ ስለምንታይ ኢኻ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ትንቢት ሚክያስ ብመንፈስ ከበራትዓና ይኽእል
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ዝዀኑን ብጾቶምን ከምቶም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ተረፍ ኣይሁድ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ የስፍሑ ኣለዉ