ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎካ፧

እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎካ፧

እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎካ፧

ብዛዕባ ዝሞተ ሰብ ታሪኽ ህይወትን ዝፈጸሞ ዕማማትን ዝገልጽ ንውሕ ዝበለ ጸብጻብ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ንገዛእ ርእስኻ ‘ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ኰን ይብሉ ይዀኑ፧’ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ንምዃኑኸ ምስ ሞቱ ብምንታይ ከም ዝዝከሩ ዝሓስቡ ሰባት ይርከቡዶ እዮም፧ ስለዚ: ነዚ ሕቶታት እዚ በዚ ዝስዕብ ምቕራቡ ይሓይሽ:- ትማሊ እንተ ትመውት ኔርካ: ሎሚ መዓልቲ ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ይብሉ ምሃለዉ፧ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎካ፧ እቶም ዝፈልጡኻ ሰባትን ኣምላኽን ብምንታይ ክዝክሩኻ ኢኻ እትደሊ፧

ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ መክብብ ዝጸሓፈ ጥበበኛ ሰብኣይ “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ” በለ። (መክብብ 7:1) መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ምላድ እትበልጽ ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ክውለድ ከሎ: ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ስም የብሉን። ኣብቲ ግዜ እቲ ታሪኽ ህይወቱ ባዶ እዩ። ብህይወት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ግን ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ስም የጥሪ። ነቶም ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ ዓመታት ጽቡቕ ስም ዘጥረዩ: መዓልቲ ሞቶም ካብ መዓልቲ ምላዶም ትበልጽ ክበሃል ይከኣል እዩ።

ስለዚ: ኣብ ቅድሜና ምርጫ ተነቢሩልና ኣሎ። አረ: ኣብ መዓልታዊ ናብራናስ ኣብ ግዜ ሞትና ንስምና ዝትንክፍ: ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባና ንዘለዎ ኣረኣእያ ዝምልከት: ምርጫታት ይቐርበልና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ እብራዊ ጸሓፊ “መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ: ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 10:7) ኣምላኽ ንበረኸት ክዝክረናስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!

ጥበበኛታት እንተ ዄንና: ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስ ከነሐጕሶ ኢና ሸቶ እንገብር። እዚ ኸኣ ነቲ ክርስቶስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ” ብምባል እተዛረቦ መሰረታዊ ስርዓት ምስዓቡ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 22:37-40

ገሊኣቶም ገበርቲ ሰናይ ብምንባሮም: ሰብኣውነት ብምንጽብራቖም: ንመሰላት ደቅሰብ ዝጣበቑ ብምንባሮም: ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ: ስነ-ፍልጠት: ሕክምና: ወይ ኣብ ካልእ ዓውድታት ብዝፈጸምዎ ዕማም እዮም ዝዝከሩ። ንስኻ ግን ብምንታይ ኢኻ ኽትዝከር እትደሊ፧

እቲ ስኮትላንዳዊ ገጣሚ ሮበርት በርንስ (1759-96) ከምቲ ኻልኦት ዝርእዩና ጌርና ንርእስና ንኽንርእያ ኣምላኽ ክእለት እንተ ዝህበና ነይሩ ብምባል ተመነየ። ንርእስኻ ብሚዛናዊ መገዲ ብምርኣይ: ኣብ ቅድሚ ሰባትን ኣምላኽን ጽቡቕ ስም ኣሎኒ ኽትብል ትኽእልዶ፧ ካብቲ ኣብ ስፖርት ወይ ኣብ ስራሕ እንዓሞ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ዕማማት: እቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ እተረጋገጸ እዩ። ስለዚ: ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ: ማለት ኣዘራርባናን ጠባይናን ኣካላዊ ምንቅስቓስናን: እንታይ ጦብላሕታ እዩ ዝገድፈሎም፧ ከም ተቐረብቲ ዲና እንርአ ወይስ ካብ ሰብ ከም እንርሕቕ፧ ከም ሕያዎት ዲና እንርአ ወይስ ከም ጨካናት፧ ከም ልኡማት ዲና እንርአ ወይስ ከም ተረርቲ፧ ከም ፈቃራትን ለዋሃትን ዲና እንርአ ወይስ ግዲ ኸም ዘይብሎም ስግንጢር፧ ብነቐፌታ እንሃሲ ኴንና ዲና እንርአ ወይስ ብምኽሪ እነተባብዕ፧ እምበኣር ጽቡቕ ስም ምእንቲ ኸነጥሪ ጥንቲ ኻብ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ኻብ ዘለዉን ኣብነታት እንታይ ከም እንመሃር እስከ ንርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርት በርንስ ከምቲ ኻልኦት ዝርእዩና ጌርና ንርእስና ንኽንርእያ ኣምላኽ ክእለት እንተ ዝህበና ነይሩ ብምባል ተመነየ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book A History of England