ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገሊኣቶም ዝዝከሩሉ መዳያት

ገሊኣቶም ዝዝከሩሉ መዳያት

ገሊኣቶም ዝዝከሩሉ መዳያት

ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዓመት ይገብር: ዳዊት ካብ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ይሃድም ነበረ። ዳዊት: ናባል ንዝበሃል ሓያሎ መጓሰ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝነበርኦ ሃብታም ሰብኣይ እንጌራን ማይን ክህቦ ሓተቶ። ከም ሓቂ እኳ ዳዊትን ሰዓብቱን ንመጓሰ ናባል ዕቝባ ዀይነምወን ብምንባሮም ንናባል ጽቡቕ ገይሮምሉ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: ናባል ዋላ ሓንቲ ኽህቦም ፍቓደኛ ኣይነበረን። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነቶም ዳዊት ዝለኣኾም ሰባት ተሪር ቃላት ተዛረቦም። ናባል ንርእሱ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘእትዋ ነይሩ: ከመይሲ ዳዊት ተዋሪዱ ስቕ ዝብል ሰብኣይ ኣይነበረን።—1 ሳሙኤል 25:5, 8, 10, 11, 14

እቲ ናባል ዘርኣዮ ባህሪ ምስቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልሙድ ዝዀነ ነጋይሽ ናይ ምቕባል ባህሊ ዝቃዶ ኣይነበረን። ስለዚ: ናባል እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘጥረየ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ” ከምኡውን “ወዲ ብልያል” ወይ “ነቓጽ” (ትርጕም 1990) እዩ ዝብሎ። ስሙ ድማ “ጽሉል” ዝብል ትርጕም ነበሮ: ነዚ ባህርያት እዚ ኸኣ እዩ ኣንጸባሪቑ። (1 ሳሙኤል 25:3, 17, 25) ብኸምዚ ኽትዝከር ምደለኻዶ፧ ምስ ካልኦት ሰባት: ብፍላይ ከኣ ምስ ውጹዓት ኣብ ዘሎካ ርክብ ጨካንን ነቓጽን ዲኻ፧ ወይስ ሕያዋይን ተቐባል ጋሻን ሓላዪን ኢኻ፧

ኣቢጋይል—ኣስተውዓሊት ሰበይቲ

ናባል ብሰንኪ እቲ ዘርኣዮ ናይ ጭካነ ባህሪ ኣብ ሽግር እዩ ኣትዩ። ዳዊትን 400 ዝዀኑ ሰቡን ኣስያፎም ተዓጥቁ: ንናባል ሕርሕራይ ገይሮም ክቐጽዕዎ ድማ ተበገሱ። ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ነዚ ዅሉ ሰምዐት። ግጭት ከም ዝለዓል ድማ ተረድአት። እሞ ደኣ እንታይ ገበረት፧ ቀልጢፋ እኹል መግብን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ኣዳልያ ንዳዊትን ሰቡን ክትረኽቦም ወጸት። ምስ ረኸበቶም: ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ደም ንኸየፍስስ ለመነቶ። ልቢ ዳዊት ለስለሰ። ነቲ ልመናኣ ሰሚዑ ኻብቲ ዝሓሰቦ ተመልሰ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ናባል ሞተ። ዳዊት ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ኣቢጋይል ርእዩ ብምንባሩ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ።—1 ሳሙኤል 25:14-42

ኣቢጋይል እንታይ ዓይነት ስም እያ ኣጥርያ፧ “ኣስተውዓሊት” እያ ነይራ። ወረጃን ብልሓተኛን እውን እያ ነይራ: መዓስን ብኸመይን ስጕምቲ ኽትወስድ ከም ዘለዋ ኸኣ ትፈልጥ ነበረት። ነቲ ዓሻ ሰብኣያን ነቶም ኣብ ቤታ ዝነበሩን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ብተኣማንነት ስጕምቲ ወሰደት።ንሳ ድሕሪ ግዜ ሞይታ እያ: ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ብምንባራ ግን ስማ ይዝከር ኣሎ።—1 ሳሙኤል 25:3

ጴጥሮስ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ሓዲጉ፧

ሕጂ ብሓሳብና ናብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ተመሊስና ብዛዕባ እቶም 12 ሃዋርያት የሱስ እሞ ንሕሰብ። እቲ ኣብ ገሊላ ዓሳ ብምግፋፍ ዝናበር ዝነበረ ጴጥሮስ ወይ ኬፋ ብዘይ ጥርጥር ሓደ ኻብቶም ስምዒቶም ዘይሓብኡን ውዑያትን ዝበሃሉ እዩ ነይሩ። ዝስምዖ ንምድርጓሕ ዕጅብ ዘይብሎ ውዑይ እዩ ነይሩ። ንኣብነት: እቲ የሱስ ንእግሪ ደቀ መዛሙርቱ ዝሓጸበሉ ኣጋጣሚ ኽንዝክር ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ እግሩ ንኽሕጸብ ተራኡ ምስ በጽሐ እንታይ እዩ ዝበለ፧

ጴጥሮስ ንየሱስ “ጐይታይ: ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ድማ “ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን: ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስ ግን “ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ” በሎ። ኣብዚ ጴጥሮስ ብሃወኽ ኣትሪሩ እተዛረቦ እሞ ኣስተብህለሉ። የሱስ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧

“ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ: ምሳይ ግደ የብልካን” በሎ። ድሕርዚ ስምኦን ጴጥሮስ “ጐይታይ: ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር: ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን” በለ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ናብቲ ሓደ ጫፍ ከደ! እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ ተንኰል ኰነ ምትላል ከም ዘይነበሮ ኵሉ ሰብ እዩ ዝፈልጥ።—ዮሃንስ 13:6-9

ጴጥሮስ በቲ ኣብ ሰባት ልሙድ ዝዀነ ድኻም እውን ይዝከር እዩ። ንኣብነት: ገሊኣቶም ሰባት ነቲ እተፈርዶ የሱስ ብዓል ናዝሬት ሰዓቢኡ ኔርካ ኢሎም ምስ ከሰስዎ: ኣብ ቅድሚኦም ንክርስቶስ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ። ጌጋኡ ምስ ፈለጠ ግን ኣምሪሩ በኸየ። ስምዒቱ ወይ ጣዕሳኡ ምግላጽ ኣየፍርሆን እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ከም ዝኸሓደ ዝገልጽ ዛንታ ኣብ ወንጌል ክጸሓፍ እተኻእለ እውን ነቲ ዝገበሮ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም እዩ ክኸውን ዝኽእል! ትሑት ብምንባሩ ጕድለቱ ይእመን ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ኣሎካዶ፧—ማቴዎስ 26:69-75፣ ማርቆስ 14:66-72፣ ሉቃስ 22:54-62፣ ዮሃንስ 18:15-18, 25-27

ጴጥሮስ ንክርስቶስ ምስ ከሓዶ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ንብዙሓት ኣይሁድ ብትብዓት ሰበኸሎም። እዚ ድማ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ኣብኡ ምትእምማን ከም ዝነበሮ ዘርኢ መረጋገጺ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:14-21

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ጴጥሮስ ኣብ ካልእ መፈንጠራ ኣተወ። ኣይሁድ ኣሕዋት ናብ ኣንጾክያ ቅድሚ ምምጽኦም ጴጥሮስ ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ኣመንቲ ከይተሰከፈ ይሕወስ ከም ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። ደሓር ግን ነቶም ካብ የሩሳሌም ዝመጹ “ሰብ ግዝረት ፈሪሁ” ኻብቶም ኣህዛብ ርእሱ ፈለየ። ጳውሎስ ነቲ ጴጥሮስ ዘርኣዮ ናይ ገጽ ርአ ባህሪ ኣቃልዖ።—ገላትያ 2:11-14

እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰዓብቲ የሱስ ሓዲጎምዎ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ ወሳኒ እዋን ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተቢዑ ሓሳቡ ዝገለጸ መን ድዩ፧ እዚ ዝዀነ የሱስ ስጋኡ ብዛዕባ ምብላዕን ደሙ ብዛዕባ ምስታይን ዘለዎ ኣገዳስነት ሓድሽ ነገር ምስ ገለጸ እዩ። ‘ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም: ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ: ህይወት የብልኩምን’ በሎም። ዝበዝሑ ኣይሁዳውያን ሰዓብቲ የሱስ በዚ ተዓንቀፉ “እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ: መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ “ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።”—ዮሃንስ 6:50-66

ኣብዚ ወሳኒ እዋን የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ብምባል ልቢ ዝትንክፍ ሕቶ ሓተቶም። ጴጥሮስ ድማ “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ኢሉ መለሰሉ።—ዮሃንስ 6:67-69

ጴጥሮስ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ገዲፉ፧ ብዛዕባኡ ዘንበበ ዘበለ ዅሉ በቲ ቕንዕናኡ: ግልጽነቱ: ብተኣማንነቱ: ከምኡውን በቲ ድኽመቱ ንኽእመን ዘለዎ ድሉውነት ይምሰጥ እዩ። ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ስም ኰን እዩ ገዲፉ!

ሰባት ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዮም ዝዝክሩ፧

ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ሰዓብቱ ብምንታይ እዮም ዝዝክርዎ፧ ፍጹምን ሓጢኣት ዘይብሉን ብምንባሩ ምስ ሰብ ዘይቀርብ ድዩ ነይሩ፧ ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑስ ንስልጣኑ ብዘይ ግቡእ ተጠቒሙሉ ድዩ፧ ሰዓብቱ ንኽእዘዝዎ ኣፈራሪህዎምን ኣገዲድዎምን ድዩ፧ ካልኦት ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ኣመና ኻብ ምጭናቑ እተላዕለ ዘይዋዘ ድዩ ነይሩ፧ ስራሕ ኣመና ዝበዝሖ ብምንባሩ ንዝደኸሙን ዝሓመሙን ወይ ንሕጻናት ግዜ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ ካብ ካልእ ዓሌት ንእተወልዱ ሰባት ከምኡውን ከምቲ መብዛሕትኦም ሽዑ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝገብርዎ ዝነበሩ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዝርኢ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ዛንታኡ እንታይ እዩ ዝነግረና፧

የሱስ ንሰባት ይግደሰሎም ነበረ። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ መጽናዕቲ ምስ እንገብር ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንልሙሳት ኰነ ንሕሙማት ከም ዘሕወየ ኢና እንፈልጥ። ነቶም ስኡናት ንምሕጋዝ ይጽዕር ነበረ። ንቘልዑ ይግደሰሎም ብምንባሩ ንደቀ መዛሙርቱ “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ . . . ኣይትኽልእዎም” ኢሉ ተዛረቦም። ድሕሪኡ የሱስ “ሐቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።” ምስ ቈልዑ ግዜ ተሕልፍ ዲኻ ወይስ ብስራሕ ትሑዝ ብምዃንካ ምህላዎም እውን ትርስዖ ኢኻ፧—ማርቆስ 10:13-16፣ ማቴዎስ 19:13-15

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እቶም ኣይሁድ በቲ ኣብቲ ሕጊ ዘይርከብ ሃይማኖታዊ ስርዓታቶም ሕግታቶምን ተጻዒኖም ነበሩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ህዝቢ ከቢድ ጾር የሰክምዎም ነበሩ: ባዕላቶም ግን በጻብዖም ክትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን ነበሩ። (ማቴዎስ 23:4፣ ሉቃስ 11:46) የሱስ ግን ካብዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ እተፈልየ ዝነበረ! “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ድማ በለ።—ማቴዎስ 11:28-30

ሰባት ምስ የሱስ ክዀኑ ኸለዉ ፍዅስ ይብሎም ነበረ። ንደቀ መዛሙርቱ ዝስምዖም ንኸይገልጹ ኣየፈራርሆምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ዝስምዖም ንኽዛረቡ ሕቶታት ይሓቶም ነበረ። (ማርቆስ 8:27-29) ክርስትያን ሽማግለታት እውን ንርእሶም ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ምስ ዝሓቱ ሰናይ እዩ:- ‘ኣመንቲ ብጾተይ ብዛዕባይ ተመሳሳሊ ስምዒት ድዩ ዘለዎም፧ ካልኦት ሽማግለታት ብሓቂ ዝኣምኑሉ ነገር ድዮም ዝነግሩኒ ወይስ ከምዚ ንምግባር ይወላወሉ እዮም፧’ ሽማግለታት ተቐረብቲ: ዘረባ ሰብ ዝሰምዑ: ከምኡውን ልኡማት ክዀኑስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ! ተሪር ምዃን ሰባት ዝስምዖም ዘበለ ብጋህድን ከይሓባብኡን ንኸይዛረቡ እዩ ዝገብር።

የሱስ ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተዀነ: ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ኣይተጠቕመሉን። ኣብ ክንድኡስ: ንሰማዕቱ ብዝግባእ የረድኦም ነበረ። ንኣብነት: ነቲ ፈሪሳውያን “ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧” ብእትብል ሕቶ ገይሮም ክጠልፍዎ ዝፈተኑሉ ግዜ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። የሱስ እቲ ገንዘብ ኣርእዩኒ ድሕሪ ምባል: “እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ንሱ: “እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በሎም። (ማቴዎስ 22:15-21) ነቲ ሕቶኦም ቀሊል ርትዓዊ መልሲ ምሃብ እኹል እዩ ነይሩ።

የሱስ ይዋዘዶ ነይሩ እዩ፧ ገሊኣቶም ኣንበብቲ ነቲ የሱስ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ: ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል ብምባል እተዛረቦ ኸንብቡ ኸለዉ ቝሩብ ዋዛ እተሓወሶ ዘረባ ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። (ማቴዎስ 19:23, 24) ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ምግናን እዩ። ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ እተጋነነ መግለጺ እተጠቕመሉ ድማ እቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እናረኣኻ: ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግን ክትርኢ ዘይምኽኣል ዝበሎ እዩ። (ሉቃስ 6:41, 42) እወ: የሱስ ተሪር ስነ-ስርዓት ክሕሎ ኣለዎ ዝብል ኣይነበረን። ለዋህን ተቐራብን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ውጥረት ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን ዋዛ ዘለዎ ዘረባ ምዝራብ ነቲ ዅነታት ከፋዅሶ ይኽእል እዩ።

የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ድንጋጽ

ደቂ ኣንስትዮ ናብ የሱስ ክቐርባ ኸለዋ ኸመይ ይስምዐን ነበረ፧ ብዙሓት እሙናት ደቂ ኣንስትዮ: እንተላይ ኣዲኡ ማርያም: ይስዕባኦ ምንባረን ኣየጠራጥርን እዩ። (ሉቃስ 8:1-3፣ 23:55, 56፣ 24:9, 10) ደቂ ኣንስትዮ ንየሱስ ንክቐርባኦ ይፈርሃ ስለ ዘይነበራ እኳ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ሓንቲ ሓጢኣተኛ” ሰበይቲ ንእግሩ ብንብዓታ ሓጸበቶ: ቅዱይ ቅብኢውን ለኸየቶ። (ሉቃስ 7:37, 38) ካልእ ንነዊሕ ዓመታት ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ: ምእንቲ ኽትፍወስ ኢላ ብመንጎ ብዙሓት ሰባት ሓሊፋ ኽዳኑ ተንከፈት። የሱስ ከኣ ስለታ እምነታ ነኣዳ። (ማቴዎስ 9:20-22) እወ: ደቂ ኣንስትዮ ንየሱስ ክቐርባኦ ኣየጸግመንን እዩ ነይሩ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ዔላ ኣዘራረባ። ኣዝያ ስለ እተገረመት “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ: ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧” በለቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ርክብ ኣይነበሮምን። የሱስ ግን ብዛዕባቲ “ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ” ዝምልከት ዘደንቕ ሓቂ መሃራ። የሱስ ነታ ሰበይቲ ኣይከበዳን። ምስኣ ብምዝራቡ እተዋረደ ዀይኑ እውን ኣይተሰምዖን።—ዮሃንስ 4:7-15

የሱስ በቲ ዘርኣዮ ብዙሕ ለውሃት: እንተላይ በቲ ጥቕሚ ርእሱ ናይ ምስዋእ ባህሪኡ ይዝከር እዩ። መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ንዅሎም እቶም ሰዓብቱ ክዀኑ ዝደልዩ ስርዓታቱ ሂብዎም እዩ። ንስኻኸ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣስኣሰሩ እትስዕብ፧—1 ቈረንቶስ 13:4-8፣ 1 ጴጥሮስ 2:21

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት ብምንታይ እዮም ዝዝከሩ፧

ኣብዚ ግዜና በሽሓት ዝቝጸሩ እሙናት ክርስትያናት ገለ ምስ ኣረጉ: ገለ ድማ ብንኣሽቱኦም ሞይቶም እዮም። እንተዀነ ግን: ጽቡቕ ስም እዮም ሓዲጎም። ከምታ ኣሪጋ ዝሞተት ክሪስታል እትበሃል ሓብቲ ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ብፍቕሮምን ሰብ ዝፈትዉ ብምንባሮምን እዮም ዝዝከሩ። ከምቲ ኣብ 40ታት ዕድመኡ ዝሞተ ዲርክ ዝኣመሰሉ ኸኣ: በቲ ፍሽሑው ገጾምን ብፍታው ዝዓዩ ምንባሮምን እዮም ዝዝከሩ።

ብዛዕባቲ ኣብ ስጳኛ ዝነብር ዝነበረ ሆሴ እስከ ንርአ። ብ1960ታት ኣብታ ሃገር ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ሆሴ ብዓል ሓዳርን ሰለስተ ኣዋልድ ዝነበርኦን እዩ ነይሩ። ኣብ ባርሴሎና ጽቡቕ ስራሕ ነበሮ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ ብሱላት ክርስትያን ሽማግለታት የድልዩ ነበሩ። ሆሴ ነቲ ቐዋሚ ስርሑ ገዲፉ ምስ ስድራቤቱ ናብ ማላጋ ገዓዘ። ኣብኡ ዝበዝሕ ግዜ ስራሕ ስለ ዘይነበሮ: ንሱን ስድራኡን ከቢድ ቍጠባዊ ጸገማት ኣሕለፉ።

እንተዀነ ግን: ሆሴ ብተኣማንነቱ: ኣብ ኣገልግሎት ብዝገደፎ ጽቡቕ ኣብነት: ከምኡውን ብሓገዝ እታ ካርሜላ ዝስማ ሰበይቱ ነዋልዱ ጽቡቕ ገይሩ ብምዕባዩ እዩ ዝፍለጥ። ዓብዪ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኽግበር ከሎ እሞ ዝውድብ ሰብ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ሆሴ ሓላፍነት ንምስካም ወትሩ ድሉው ነበረ። እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ 50ታት ዕድመኡ ኸሎ ከቢድ ሕማም ሓመመ: ሞተ ኸኣ። ይኹን እምበር: እሙንን ጻዕራምን ሽማግለ ከምኡውን ፈቃር ሰብኣይን ኣቦን ዝብል ስም እዩ ሓዲጉ።

ስለዚ: ንስኻኸ ብምንታይ ኢኻ ኽትዝከር፧ ትማሊ እንተ ትመውት ኔርካ: ሎሚ መዓልቲ ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ይብሉ ምሃለዉ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ዅላትና ኣብ እንገብሮ ዘበለ ንኸነመሓይሽ ከተለዓዕለና ትኽእል እያ።

ጽቡቕ ስም ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ከም እኒ ፍቕሪ: ዓቕሊ: ለውሃት: ህድኣት: ከምኡውን ርእስኻ ምግታእ ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ኣብ ምንጽብራቕ ወትሩ ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና። (ገላትያ 5:22, 23) እወ: ብዘይጥርጥር “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ።”—መክብብ 7:1፣ ማቴዎስ 7:12

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣቢጋይል ኣስተውዓሊት ብምንባራ እያ እትዝከር

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ ውዑይ ግን ከኣ ቅኑዕ ብምንባሩ እዩ ዝዝከር

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ምስ ቈልዑ ግዜ የሕልፍ ነበረ