ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧

ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧

ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧

“ከምቲ ሓደ ክርስቶስ ጥራይ ዘሎ: ከምኡ ድማ ሓደ ኣካል ክርስቶስን ሓንቲ መርዓት ክርስቶስን እያ ዘላ፣ ንሳ ኸኣ ‘ሓንቲ ካቶሊካዊት ናይ ሃዋርያት ቤተ⁠-​ክርስትያን እያ።’ ”​—⁠ዶሚነስ የሱስ

ዮሴፍ ራትዚንገር ዝበሃል ካርዲናል ናይ ሮማ ካቶሊክ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ከም ዘላ ዘመልክት ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያኑ ትምህርቲ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ ገሊጽዎ። እታ ሃይማኖት እቲኣ “ሓንቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክርስቶስ ክትከውን ከላ: ንሳ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እያ” በለ።

“ብሓቂ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣይኰናን”

ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ እቲ ዶሚነስ የሱስ ዝበሃል ሰነድ “ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሃይማኖታት ጸብለል ንምባል ወይ ንኻልኦት ሃይማኖታት ዘሕስር ኣይኰነን” እኳ እንተ በሉ: መራሕቲ ሃይማኖት ፕሮተስታንት ግን ነቲ ሰነድ ኣትሪሮም እዮም ተቓዊሞምዎ። ንኣብነት: ኣብ ሰነ 2001 ኣብታ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ እትርከብ ከተማ ቤልፋስት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ዋዕላ ፕረስባይተርያውያን: ሓደ ኣገልጋሊ ኸም ዝገለጾ እቲ ሰነድ ክወጽእ ዝኸኣለ “ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እተፈጥረ ሓያል ጕጅለ . . . እቲ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን እተኣታተወ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘፍርሆ እዩ።”

ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣየርላንድ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሮቢን ኢምስ ዝበሃል ኣቡን: እቲ ሰነድ ነቲ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ዝነበረ ኣተሓሳስባ ዝቕይሮ እንተ ዀይኑ: ‘ኣዝዩ ኸም ዝጕሂ’ ገለጸ። ብዛዕባቲ ንእተወሰነ ሰረተ⁠-​እምነት ካቶሊክ ዝነጸጋ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን “ብሓቂ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣይኰናን” ዝብል ቫቲካን ዘውጽኣቶ መግለጺ ድማ “እዚ ንዓይ ጸርፊ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ” በለ።

እቲ ዶሚነስ የሱስ ዝበሃል ሰነድ ንኽወጽእ ዘለዓዓለ እንታይ እዩ፧ ናይ ሮማ ካቶሊክ መራሕቲ በቲ ሃይማኖታዊ ተዛማድነት ማለት በቲ ሃይማኖታዊ ሓቂ ኣብ ውልቀ⁠-​ሰባት እተመርኰሰ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ እተጨነቑ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ዘ ኣይሪሽ ታይምስ “እቲ ሓደ ሃይማኖት ምስ ካልእ ማዕረ እዩ ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ . . . ንካርዲናል ራትዚንገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይርብሾ እዩ ዘሎ” በለት። እዚ ድማ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላ ንኽገልጽ ኣለዓዒልዎ ክኸውን ይኽእል።

ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ምዃንካ ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧

ገሊኣቶም ሰባት ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እያ ዘላ ኻብ ዝብል ሓሳብ ንላዕሊ: ሃይማኖት ከከም ሰቡ እዩ ወይ ኵሉ ሃይማኖታት ማዕረ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ብዝያዳ ቕኑዕን ዝስሕብን ኰይኑ እዩ ዝስምዖም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሃይማኖት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ብሕቲ ምርጫ ዝምርኰስ እዩ። ‘ኣባል ዝዀነት ሃይማኖት ምዃንካ ኣገዳስነት የብሉን’ ይብሉ።

እዚ ኣረኣእያ እዚ ንሃይማኖታት ኣብ ኣእላፍ ጕጅለታት ከም ዝከፋፈላ ዝገብረን እኳ እንተዀነ: ሰፊሕ ኣረኣእያ ኽመስል ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ‘ከምዚ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ሃይማኖታት ምህላወን: ናይ ብሕቲ ናጽነት ዘንጸባርቕ ጥራይ እዩ’ ይብሉ። ስቲቭ ብሩስ ዝበሃል ጸሓፊ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ “ሃይማኖታዊ ምክእኣል” ካብ “ብዛዕባ ሃይማኖት ዘይምግዳስ” ተፈልዩ ዝርአ ኸም ዘይኰነ ገለጸ።​—⁠ኤ ሃውዝ ዲቫይድድ:- ፕሮተስታንቲዝም: ሲኪዝም: ኤንድ ሰኩላራይዜሽን

ኣየናይ ደኣሉ ቕኑዕ ኣረኣእያ፧ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧ እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ጥራይ ድያ፧ ኣምላኽ ንኻልኦት ሃይማኖታት ብማዕረ ድዩ ዝቕበለን፧ እዚ ሕቶታት እዚ ነቲ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ርክብ ዝትንክፍ ብምዃኑ: ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኽንፈልጥ ኣሎና። ነዚ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እንታይ ከም ዝብል እስከ ንመርምር።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Mark Gibson/Index Stock Photography