ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓንቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ሃይማኖት ብርግጽ ኣላ

ሓንቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ሃይማኖት ብርግጽ ኣላ

ሓንቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ሃይማኖት ብርግጽ ኣላ

የሱስ ክርስቶስ ሓንቲ ሃይማኖት ወይ ጉባኤ ጥራይ እዩ ኣቚሙ። እታ ጉባኤ እቲኣ መንፈሳዊት ስድራ​ቤት እያ ነይራ። እዚ ማለት ከኣ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እተመርጹ: ማለት እቶም ኣምላኽ ከም ‘ውሉዱ’ እተቐበሎም ሰባት እተኣኻኸቡላ እያ ነይራ።​—⁠ሮሜ 8:16, 17፣ ገላትያ 3:26

ኣምላኽ ንህዝቡ ናብ ሓቅን ህይወትን ንምምራሕ ሓንቲ መገዲ ጥራይ ከም እተጠቕመ የሱስ ምሂሩ ነይሩ። ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ንምብራህ: ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ እንገብሮ ጻዕሪ ምስ መገዲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።”​—⁠ማቴዎስ 7:13, 14፣ ዮሃንስ 14:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:11, 12

ዝሰመረት ጉባኤ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ “ኸምዚ ሕጂ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ክንዛረብ ከለና እንሓስቦ ኣብ መላእ ዓለም እተወደበት ማሕበር” ከም ዝነበረት ጌርና ኽንውስዳ ኸም ዘይብልና ዘ ኒው ዲክሸነሪ ኦቭ ቲኦሎጂ ትገልጽ። ስለምንታይ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ መልሲ ኽትህብ ከላ “ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መላእ ዓለም እተወደበ ማሕበረሰብ ኣይነበረን” በለት።

እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስዚ ኣብዚ ግዜና እንርእዮ ኣጸቢቑ እተወደበ ኣሰራርሓ ቤተ⁠-​ክርስትያን እትመሳሰል ከም ዘይነበረት ኵሉ ሰብ ዝሰማምዓሉ እዩ። እንተዀነ ግን: ጥርንፍቲ እያ ነይራ። ኵለን እተን ጉባኤታት ተፈላልየን ኣይኰናን ዝመሓደራ ነይረን: የግዳስ ንስልጣን እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ተቐቢለንኦ ነበራ። እቲ ብሃዋርያትን ብሽማግለታት ጉባኤ የሩሳሌምን ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል እታ ጉባኤ ኸም “ሓደ ስጋ” ክርስቶስ ብሓድነት ንኽትቅጽል ሓገዘ።​—⁠ኤፌሶን 4:4, 11-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:22-31፣ 16:4, 5

እታ ሓንቲ ናይ ሓቂ ጉባኤ እንታይ ኰነት፧ ጸኒሓ ዓባይ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ድያ ዀይና፧ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብምምቕቓል እዘን ሕጂ እንርእየን ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ድያ ፈጢራ፧ ወይስ ካልእ ነገር እዩ ኣጋጢምዋ፧

‘ስርናይን ክርዳድን’

ነዚ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ: የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነቲ ኣብ መጻኢ ክኸውን እተዛረቦ ነገራት እስከ ተጠንቂቕና ንመርምር። ኣብዚ መዳይ እዚ: የሱስ እታ ዘቘማ ጉባኤ ብኻልእ ክትወሓጥ ምዃና ይፈልጥ ምንባሩ: እቲ ዅነታት ከኣ ንዘመናት ክቕጽል ከም ዝፈቐደ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን።

ነታ ንሱ ዘቘማ ጉባኤ ምስ “መንግስተ ሰማያት” ብምትሕሓዝ ከምዚ በለ:- “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጸቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ: ጸላኢኡ መጸ: ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ: ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፤ ጐይታይ: ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፤ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገብሮ: በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፤ ኬድና ኽንአርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎም፤ ኣይፋልኩምን: ክርዳድ ክትአርዩ ኸሎኹምሲ: ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፤ ቅድም ነቲ ኽርዳድ: እረይዎ: ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ: ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ አክብዎ: ክብሎም እየ።”​—⁠ማቴዎስ 13:24-30

የሱስ: “እቲ ዘርኢ ዚዘርእ” ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ገለጸ። “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ” ንናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ የመልክት። እቲ “ጸላኢ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። “እቲ ኽርዳድ” ከኣ ናብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኾም ዝኣተዉ ናይ ሓሶት ክርስትያናት እዮም። እቲ ‘ስርናይን ክርዳድን’ ክሳዕ እቲ ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ዝመጽእ “ቐውዒ” ብሓደ ኽዓብዩ ምዃኖም ተዛረበ። (ማቴዎስ 13:37-43) እዚ ዅሉ እንታይ ማለት እዩ፧

እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተበላሸወት

ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጀመረ ናይ ክሕደት ትምህርትታት ነታ ጉባኤ ኽብክላ ጀመረ። እቶም ከሓድቲ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ” ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ከም ውጽኢት ናይዚ: ብዙሓት ክርስትያናት ‘እምነቶም ከሓዱ።’ ‘ናብ ጽውጽዋያት እውን ተመልሱ።’​—⁠1 ጢሞ​ቴዎስ 4:1-32 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

ዘ ኒው ዲክሸነሪ ኦቭ ቲኦሎጂ ኣብ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. “ናይ ካቶሊክ ክርስትና ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ወግዓዊ . . . ሃይማኖት ኰነት” በለ። እዚ ኸኣ ምስ እምነት እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣጸቢቑ ዝጻረር ናይ ሃይማኖትን መንግስትን ምትሕውዋስ ነበረ። (ዮሃንስ 17:16፣ ያእቆብ 4:4) እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ ጽሑፍ ወሲኹ: ድሕሪ ግዜ “ብ[ሉይ] ኪ[ዳን] ምስ ኒዮፕላቶኒዝም ንምትሕንፋጽ ካብ ዘሎ ህርፋን ተላዒልካ ግቡእ ብዘይ​ኰነ መገዲ እተገብረ ጻዕሪ ዘሕደሮ ጽልዋ” ንብምሉኡ ኣቃውማ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ዝበዝሕ ካብቲ መሰረታዊ እምነታታን ኣጸቢቑ ኸም ዝቐየሮ ገለጸ። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ዝበሎ: ናይ ሓሶት ክርስትና እናሰሰነ ክኸይድ ከሎ እቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ተዓብጡ።

ሰማዕቲ የሱስ ክርዳድ ክበቍል ከሎ ምስ ስርናይ ኣጸቢቑ ስለ ዝመሳሰል ካብ ስርናይ ምፍላዩ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ: የሱስ ንእተወሰነ ግዜ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ክርስትያናት ምፍላዮም ኣጸጋሚ ክኸውን ምዃኑ እዩ ዘረድእ ነይሩ። እዚ ማለት ግን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፈጺማ ትጠፍእ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ: የሱስ ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ኽመርሖም ምዃኑ ተመባጺዑ እዩ። (ማቴዎስ 28:20) እቲ ስርናይ ከም ዝዓቢ እውን ገሊጹ እዩ። ንነዊሕ ዘመናት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብውልቆም ኰነ ብጕጅለ ንትምህርትታት ክርስቶስ ጠቢቖም ንምስዓብ ዝከኣሎም ዅሉ ኸም ዝገበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን: ሓንቲ ብንጹር እትርአ ማሕበር ኣየቘሙን። እዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣብ ስም የሱስ ክርስቶስ ጸርፍን ውርደትን ዘምጽአ ናይ ክሕደት ሃይማኖት ከም ዘይተመሳሰሉ እተረጋገጸ እዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:1, 2

‘ሰብኣይ ዓመጻ ይግለጽ’

ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መለለዪ ዝኸውን ነገር ጠቒሱ ነይሩ። “ቅድም ክሕደት ከይኰነ: እቲ . . . ሰብኣይ ዓመጻ . . . ከይተገልጸ: እታ መዓልቲ እቲኣ [መዓልቲ የሆዋ] ኣይትመጽእን እያ እሞ: ብዝዀነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ተሰሎንቄ 2:2-4) እዚ “ሰብኣይ ዓመጻ” እዚ: እቶም ኣብ “ክርስትና” ኣብ መንበረ⁠-​ስልጣን ዝቕመጡ ኣቕሽሽቲ ብሓፈሻ እዮም። a

እቲ ኽሕደት ጳውሎስ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። እቶም ሃዋርያት ምስ ሞቱን እቲ ገይሮምዎ ዝነበሩ ቐይዲ ምስ ተኣልየን እቲ ኽሕደት ብቕልጡፍ ዓበየ። እዚ ድማ በቲ “ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ: ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን” ከም ዝልለ ጳውሎስ ገለጸ። (2 ተሰሎንቄ 2:6-12) እዚ መግለጺ እዝስ ነቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እተራእዩ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝገብርዎ ነገራት ብልክዕ ዝገልጽዶ ኸይኰነ፧

መራሕቲ ካቶሊክ: ናይ ሮማ ካቶሊክ በይና ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝዀነት ዝገልጽ ሓሳቦም ደገፍ ከቕርቡ ኸለዉ: እቶም ኣቡናቶም “ነቶም ኣብ መጀመርታ ዝነበሩ ቐዳሞት ሃዋርያት በብተራ እናተተክኡ ዝመጹ ብምዃኖም ምሳታቶም እተኣሳሰሩ እዮም” ይብሉ። ከም ሓቂ ግን እዚ ሓሳብ እዚ ታሪኻዊ ዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የብሉን። እቲ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ ዝቘመ ምምሕዳር ቤተ⁠-​ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ምንባሩ ዝገልጽ ዘእምን መርትዖ የለን።​—⁠ሮሜ 8:9፣ ገላትያ 5:19-21

እተን ተሓድሶ ብዝብል ዝቘማ ኻልኦት ኣብያተ⁠-​ክርስትያንከ ናብቲ እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝገደፈቶ መገዲ ተመሊሰን ድየን፧ ንንጽህና እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤኸ እንደገና ኣቚመንኦ ድየን፧ ድሕሪ ናይ ተሓድሶ ምንቅስቓስ: ብዙሓት ተራ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ክረኽብዎ ኸም ዝኸኣሉ ዝክሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እዘን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን እዚኣተን ግጉይ ሰረተ⁠-​እምነት ምምሃር ከም ዝቐጸላ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። b​—⁠ማቴዎስ 15:7-9

የሱስ እታ ንሱ ዝመስረታ ናይ ሓቂ ጉባኤኡ ኣብቲ መወዳእታ ዓለም ኢሉ ዝጸውዖ እዋን ብርግጽ እንደገና ኸም እትቐውም ተነብዩ ምንባሩ ግን ኣስተብህል። (ማቴዎስ 13:30, 39) ካብ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንርእዮ ኸኣ ኣብቲ መወዳእታ ዓለም እተባህለ ግዜ ኢና ዘለና። (ማቴዎስ 24:3-35) እዚ ኸምዚ ኻብ ኰነ: ነፍሲ ወከፍና ‘እታ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣየነይቲ እያ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይግባእ። እዛ ሃይማኖት እዚኣ ብቐሊሉ እትልለ ኽትከውን ኣለዋ።

ምናልባት ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዝረኸብካያ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ነዚ ኸተረጋግጽ ኣሎካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኸምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ: ሕጂ እውን ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ እያ ዘላ። እታ እትስዕባ ዘለኻ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝገደፈቶ ኣብነት ጠቢቓ እትስዕብ ወይ ዘይትስዕብ ምዃና: ንትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ከኣ ብተኣማንነት እትሕሉ ወይ ዘይትሕሉ ምዃና ንምፍላጥ ግዜ ወሲድካ መርሚርካ ዲኻ፧ እንተ ዘይመርሚርካ: ንምንታይ ሕጂ ነዚ ዘይትምርምሮ፧ ነዚ ንምግባር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሕግዙኻ ድሉዋት እዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:11

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ መንነት “ሰብኣይ ዓመጻ” ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ 3/2/111 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 1-9 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

b ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ (እንግሊዝኛ) ገጽ 306-28 ዝርከብ “ተሓድሶ​—⁠እቲ ምድላይ ሓድሽ ኣንፈት ሓዘ” ዝብል ኣርእስቲ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምስላ ብዛዕባ እታ ናይ ሓቂ ጉባኤ እንታይ እዩ ዝምህረና፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እታ እትስዕባ ዘለኻ ሃይማኖት ብዛዕባ ስብከትን መጽናዕትን ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነት ትስዕብ ድያ፧