ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም: ንመርዑ ህያብ ምሃብ ልሙድ እዩ። ህያብ ክንህብ ወይ ክንቅበል ከለና: እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧

ህያብ ምሃብ ብቕኑዕ ድራኸ ተበጊስካ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኣብ ዝዀነሉ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ይቕበሎ እዩ። ህያብ ብዛዕባ ምሃብ ብዝምልከት: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብልግሲ ዝህብ የሆዋ ክመስልዎ እዮም ዝተባብዑ። (ያእቆብ 1:17) ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” በለ። ስለዚ: ክርስትያናት ለጋሳት ክዀኑ እዮም ዝተባብዑ።​—⁠እብራውያን 13:16፣ ሉቃስ 6:38

ብዛዕባቲ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ልሙድ ኰይኑ ዘሎ መርዑ ዝደልይዎ ህያባት ዝርዝር ኣቐዲሞም ዝገልጹሉ መዝገብ ብዝምልከትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ መርዓኦም ዝቐረበ ሕጹያት ኣብ ሓደ ህያባት ዝሽየጠሉ ቦታ ከይዶም ኣብኡ ዘሎ ኣቝሑ ድሕሪ ምርኣይ ክቕበልዎ ዝደልዩ ህያባት ኣብ መዝገብ ምጽሓፍ ልሙድ ዝዀነሉ ዓድታት ኣሎ። ኣዝማድን ፈተውትን እዞም ሕጹያት ናብቲ ህያባት ዝሽየጠሉ ቦታ ክኸዱ ይንገሮም እሞ ኣብኡ ኻብቲ መዝገብ ብምሕራይ ይዕድጉ። እዚ ምድላው እዚ ነቲ ወሃቢ ሓንቲ ህያብ ደልዩ ብዙሕ ግዜ ንኸየጥፍእ ስለ ዝሕግዞን ነቶም መርዑ እውን ነቲ ዘይደልይዎ ህያብ ናብቲ ዝገዝኡሉ ቦታ ኣብ ምምላስ ግዜ ኻብ ምጥፋእ ስለ ዝሕግዝ ጥቕሚ ኣለዎ።

እቶም መርዓኦም ዝቐረበ ሕጹያት ነዚ ምድላው እዚ ኽጥቀሙ ዝደልዩ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ናይ ብሕቶም ምርጫ እዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክጥሕስ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ተግባር ክገብር ኣይደልን እዩ። ንኣብነት: እቶም ሕጹያት ክቡር ኣቝሑ ዝሓዘ ዝርዝር እንተ ኣዳልዮም እንታይ እዩ ዝግበሮ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: እቶም ሒደት ገንዘብ ዘለዎም ህያብ ክህቡ ኣይክእሉን ወይ ክቡር ዘይኰነ ህያብ ኣምጺኦም ካብ ዝሓፍሩ ነቲ ዕድመ ንኸይቅበሉ ይግደዱ ይዀኑ። ሓንቲ ክርስትያን ብዛዕባዚ ኣመልኪታ “ጾር እዩ ዀይኑኒ ዘሎ። ለጋስ ክኸውን እኳ እንተ ጸዓርኩ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ነቲ ብምሃብ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ኣጥፊአ እየ” በለት። መርዓ ጓሂ ዘምጽእ ክኸውንሲ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን እዩ!

ርግጽ እዩ: እቶም ህያብ ዝህቡ ሰባት እቲ ህያብ ተቐባልነት ምእንቲ ኽህልዎ: ካብ እተወሰነ ድኳን ክዕድግዎ ኽግደዱ የብሎምን ወይ ከውጽእዎ ዘለዎም ወጻኢ ኣቐዲምካ እተወሰነሎም ኰይኑ ኽስምዖም የብሉን። ከመይሲ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ኣገዳሲ ነገር ናይቲ ዝህብ ልቢ ደኣ እምበር: ዋጋ እቲ ህያብ ከም ዘይኰነ የሱስ ክርስቶስ ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 21:1-4) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ህያብ ምሃብ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:7

ሓደ ህያብ ክትህብ ከለኻ መንነትካ ምግላጽ: ምናልባት ንእሽቶ ካርድ ጽሒፍካ ምስኡ ምልኣኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዅንኖ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብ ገሊኡ ቦታታት መንነት እቲ ህያብ ዝሃበ ሰብ ንዅሉ እቲ ኣብኡ እተኣከበ ሰብ ምግላጽ ልሙድ እዩ። እዚ ባህሊ እዚ ናብ ጸገማት ክመርሕ ይኽእል እዩ። እቶም ህያብ ዝህቡ ናብ ርእሶም ዘየድሊ ኣቓልቦ ምእንቲ ኸይስሕቡ: ስሞም ከይግለጽ ይደልዩ ይዀኑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:3 ዝርከብ “ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ: ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት እዮም ዝዓዩሉ። ገሊኣቶም ከኣ ህያብ ምሃብ ኣብ መንጎ እቲ ወሃብን ተቐባልን ዝተርፍ ብሕታዊ ጕዳይ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ብዘይ​ካዚውን: መንነት እቶም ህያብ ዝሃቡ ሰባት ምግላጽ ውድድር ወይ “ምቅንናእ” ክፈጥር ይኽእል እዩ። (ገላትያ 5:26) ክርስትያናት ንስም እቶም ወሃብቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብምግላጽ ንገሊኣቶም ከም ዝስከፉ ወይ ከም ዝሓፍሩ ኽገብሩ ኣይደልዩን እዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:8

እወ: ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ስርዓታት ተሰማሚዕና ብምምልላስ: ህያብ ምሃብ ዘሐጕስ ከም ዝኸውን ክንገብሮ ንኽእል ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:35