ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ ጸበባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወከል

ብግዜ ጸበባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወከል

ብግዜ ጸበባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወከል

“ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።”—⁠መዝሙር 46:1

1, 2. (ሀ) ብኣፍና ኣብ ኣምላኽ ንውከል ጥራይ ምባል ኣኻሊ ዘይምዃኑ እንታይ ኣብነት ይሕብረና፧ (ለ) ኣብ የሆዋ ንውከል ካብ ምባል ንላዕሊ ኽንገብር ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብ ኣምላኽ ምውካል: ካብ ክትገብሮ ኽትብሎ ይቐልል። ንኣብነት: “ኣብ ኣምላኽ ንውከል” ዝብል ቓላት ኣብ ናይ ሕ.መ.ኣ. ባጤራ ኽጸሓፍ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ገይሩ ኣሎ። a ብ1956 ናይ ሕ.መ.ኣ. ሓጋጊ ኣካል እዘን ቃላት እዚኣተን ሃገራዊ ጭርሖ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸም ዝዀና ዝገልጽ ሕጊ ኣውጽአ። እቲ ዘገርም ግን: ኣብታ ሃገር እቲኣ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ካብ ኣብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብ ገንዘብን ስጋዊ ጥሪትን ብዝያዳ ይውከሉ።​—⁠ሉቃስ 12:16-21

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ግን ኣብ የሆዋ ንውከል ካብ ምባል ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ከምቲ “እምነት ብዘይ​ ግብሪ ምውትቲ” ዝዀነት: ኣብ ኣምላኽ ንውከል ዝብል ዝዀነ ይኹን ዘረባ እውን ብተግባርና እንተ ዘይደጊፍናዮ ትርጕም የብሉን። (ያእቆብ 2:26) ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ: ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና: ካብ ቃሉ መምርሒ ኽንደሊ ኸለና: ከምኡውን ካብ ማሕበሩ መምርሒ ኸነናዲ ኸለና ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ኸም እነርኢ ተማሂርና ኔርና። ብግዜ ጸበባ ብኸመይ ነዚ ሰለስተ ስጕምትታት ክንወስድ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ካብ ስራሕ ምስ እትወጽእ ወይ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ

3. ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ እንታይ ቍጠባዊ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞም: ኣምላኽ ንኽሕግዘና ፍቓደኛ ምዃኑኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

3 ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ክርስትያናት ዘበልና እውን እቲ ንኻልእ ህዝቢ ዘጋጥም ቍጠባዊ ጸገማት የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለዚ: ብሃንደበት ካብ ስራሕ ክንወጽእ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ብሒደት ደሞዝ ንነዊሕ ሰዓታት ክንሰርሕ ንግደድ ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ‘ንስድራ​ቤትና’ ዘድሊ ንምምላእ ኣጸጋሚ ክዀነና ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ክሕግዘና ፍቓደኛ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! የሆዋ ኻብ ኵሉ እቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘጋጥመና ጸገማት ዘየዕቍበና እኳ እንተዀነ: ኣብኡ እንተ ተወኪልና ግን እተን ኣብ መዝሙር 46:1 ዝርከባ “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ” ዝብላ ቓላት ኣባና ኽውዕላ እየን። እንተዀነ ግን: ቍጠባዊ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኸም እንውከል ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

4. ቍጠባዊ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: እንታይ ንኽወሃበና ኽንጽሊ ንኽእል: የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ብኸመይ ይምልሰሉ፧

4 ሓደ ኻብቲ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል እነርእየሉ መገዲ ናብኡ ብምጽላይ እዩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እንታይ ኢና እንጽሊ፧ ቍጠባዊ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ብዝያዳ ጥበብ የድልየና ይኸውን። እምበኣር: ጥበብ ንኽወሃበና ኽንጽሊ ይግባእ። ቃል የሆዋ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (ያእቆብ 1:5) እወ: ቅኑዕ ውሳነን ምርጫን ምእንቲ ኽንገብር: የሆዋ ነታ ንፍልጠትናን ምርዳእናን ምስትውዓልናን ንኽንጥቀመሉ እተኽእለና ጥበብ ንኽህበና ንሕተቶ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ከም ዝሰምዖ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ነቶም ብምሉእ ልቦም ኣብኡ ዝእመኑ ወይ ዝውከሉ ኣካይዳኦም ከቕንዓሎም ድሉው እዩ።​—⁠መዝሙር 65:2፣ ምሳሌ 3:5, 6

5, 6. (ሀ) ቍጠባዊ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ካብ ቃል ኣምላኽ ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ካብ ስራሕ ምስ እንወጽእ: ጭንቀትና ንምፍኳስ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

5 ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል እነርእየሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ምድላይ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መዘኻኸሪታቱ “ኣዝዩ እሙን” ምዃኑ ብተግባር እተራእየ እዩ። (መዝሙር 93:5) እዚ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፍ ኣስታት 1,900 ዓመት ይገብር ተጻሒፉ እኳ እንተ ተወድአ: ንቝጠባዊ ጸቕጥታት ንኽንዋጽኣሉ ዘኽእል ትውክልቲ ዝግበሮ ማዕዳን ዓሚቝ ምስትውዓልን ዝሓዘ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበብ እስከ ንርአ።

6 ነዊሕ ይገብር እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “እቲ ዓያዪ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ: ጥዑም ድቃስ ይድቅስ: ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን” በለ። (መክብብ 5:12) ነቲ ዘጥረናዮ ንብረት ንምጽጋን: ንምጽራይ: ንምክንኻን: ከምኡውን ንምሕላው ግዜን ገንዘብን ይሓትት እዩ። ስለዚ: ካብ ስራሕ ምስ እንወጽእ: ብሓቂ ዘድልየና ነገር ኣየናይ ምዃኑን እንተ ጐደለ እውን ብዙሕ ለውጢ ዘየምጽእ ኣየናይ ምዃኑን ብምምማይ ንኣነባብራና ምልስ ኢልና ንኽንምርምር ኣጋጣሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ጭንቀት ንምንካይ: ገለ ለውጥታት ክንገብር የድልየና ይኸውን። ንኣብነት: ኣነባብራና ኸነቕልሎ ንኽእልዶ: ምናልባት እውን ናብ ዝነኣሰ ቤት ክንግዕዝ ወይ ዘየድሊ ጥሪት ከነወግድ ንኽእልዶ፧​—⁠ማቴዎስ 6:22

7, 8. (ሀ) ዘይፍጹማት ሰባት ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዝጭነቑ የሱስ ዝፈልጥ ምዃኑ ብኸመይ ገለጸ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ዘየድሊ ጭንቀት ንኸነወግድ የሱስ እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዩ ዝሃበና፧

7 የሱስ ኣብቲ ኣብ ኸረን ዝሃቦ ስብከት “ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ” በለ። b (ማቴዎስ 6:25) የሱስ ዘይፍጹማት ሰባት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ምርካብ ከም ዘጨንቖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባዚ ኻብ ‘ጭንቀት’ ክንናገፍ እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ድለዩ” በለ። ዘጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ: ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ከምዚ እንተደኣ ጌርና: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዅሉ እቲ መዓልታዊ ዘድልየና መሰረታዊ ነገራት ‘ይውስኸልና።’ እንተ በዚ እንተ በቲ: ዘድልየና ነገራት የማልኣልና።​—⁠ማቴዎስ 6:33

8 የሱስ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ኢሉውን መዓደ። (ማቴዎስ 6:34) ጽባሕ ሓደ ነገር እንተ ኣጋጠመኒ ኢልካ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ ጥበባዊ ኣይኰነን። ሓደ ምሁር “እቲ ኣብ መጻኢ ብሓቂ ዘጋጥመና ነገራት ከምቲ እንፈርሆ ኣይኰነን” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቐዳማይ ቦታ እንህቦ ነገራት ንኸነተኵረሉ ዝህበና ምኽሪ ብትሕትና ምስዓብን ንጽባሕ ብዘይ​ምጭናቕን ዘየድሊ ጭንቀት ከነወግድ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:6, 7

9. ቍጠባዊ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ካብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘውጽኦ ጽሑፋት እንታይ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል፧

9 ቍጠባዊ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘውጽኦ ጽሑፋት ብምምርማር እውን ኣብ የሆዋ ከም እንውከል ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:45) መጽሔት ንቕሑ! ንቝጠባዊ ጸገማት ክንዋጽኣሉ ዝሕግዘና ዓንቀጻት ብተደጋጋሚ ሒዛ ትወጽእ እያ። እታ “ካብ ስራሕ ምስ እትወጽእ እንታይ ፍታሕ ክትረክብ ትኽእል፧” ዘርእስታ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1991 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ: ብዙሓት ሰባት ስራሕ ኣብ ዘይረኽቡሉ እዋን ብቝጠባውን ስምዒታውን መዳይ ሃዲኦም ንኽነብሩ ዘኽኣሎም ሸሞንተ ነጥብታት ጠቒሳ ኣላ። c ልክዕ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ነጥብታት በቲ ንኣገዳስነት ገንዘብ ክህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ ሚዛኑ ኽሕሉ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብታ ሕታም እቲኣ “ካብ ገንዘብ ዝበልጽ ነገር” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።​—⁠መክብብ 7:12

ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ዘጋጥም

10. ከቢድ ሕማም ከጋጥም ከሎ ኣብ የሆዋ ምውካል ዝከኣል ምዃኑ ንጉስ ዳዊት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ከቢድ ሕማም እናሃለወካ ኣብ የሆዋ ምውካል ዝከኣል ነገር ድዩ፧ ብርግጽ ይከኣል እዩ! የሆዋ ህዝቡ ኽሓሙ ኸለዉ ይስምዖ እዩ። ክሕግዞም እውን ድሉው እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት እስከ ንርአ። ኣምላኽ ሓደ ጻድቕ ክሓምም ከሎ እንታይ ከም ዝገብረሉ ዳዊት ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ንባዕሉ ከቢድ ሕማም ኣጋጢምዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። “ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ” በለ። (መዝሙር 41:1, 3, 7, 8) ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ምንቕ ኣይበለን: ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ንጉስ ካብ ሕማሙ ሓወየ። እሞ ደኣ ናይ ጥዕና ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ብኸመይ ኢና ኣብ ኣምላኽ እንውከል፧

11. ክንሓምም ከለና: ንሰማያዊ ኣቦና እንታይ ኢልና ኽንልምኖ ንኽእል፧

11 ኣብ እንሓመሉ እዋን ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል እነረእየሉ ሓደ መገዲ ሕማምና ንኽንክእሎ ምእንቲ ኽሕግዘና ብጸሎት ምልማን እዩ። ኵነታትና ኸም ዝፈቕዶ እተወሰነ ጥዕና ንምርካብ ዘኽእለና ሓገዝ ምእንቲ ኸነናዲ “ጥበብ” ንኽህልወና ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 3:21) ነቲ ሕማምና ንኽንጻወሮ ዘኽእለና ዓቕልን ትዕግስትን ክንገብር ምእንቲ ኽሕግዘና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ንዕኡ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽልን ሚዛንና ንኸይንስሕትን ብርታዐ ንኽህበና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 4:13) ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ምሕላው: ኣብዚ እዋን እዚ ብህይወት ካብ ምንባር ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንጽህናና እንተ ሓሊና: እቲ ዓስቢ ብምሃብ ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽ ፍጹምን ጥዕና ዘለዎን ዘለኣለማዊ ህይወት ክህበና እዩ።​—⁠እብራውያን 11:6

12. ንሕክምና ብዝምልከት ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እዩ፧

12 ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ: ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ንኽንደሊ እውን ይድርኸና እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ስርዓታት ንሕክምና ብዝምልከት ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ን“ጥንቈላ” ኸም ዝዅንኖ ብምፍላጥና: ምስ ሓተታ መናፍስቲ ኻብ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ምርመራ ዀነ ሕክምና ንርሕቕ ኢና። (ገላትያ 5:19-21፣ ዘዳግም 18:10-12) እቲ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ዝብል ማዕዳ እውን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትውክልቲ ዝግበሮ ጥበብ እዩ። (ምሳሌ 14:15) ስለዚ: ንሕክምና ብዝምልከት ኣብ ክንዲ ‘ንዅሉ ቓል እንኣምን:’ ብጥበብ ዝእመን ሓበሬታ ነናዲ። ከምዚ ዝኣመሰለ “ጥንቃቐ:” ነቲ ዘሎና ኣማራጺታት ተጠንቂቕና ንኸነመዛዝንን ኣብ ፍልጠት ተመርኲስና ንኽንውስንን የኽእለና።​—⁠ቲቶስ 2:12

13, 14. (ሀ) ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጥዕና ብዝምልከት እንታይ ሓጋዚ ዓንቀጻት እዩ ወጺኡ፧ (ኣብ ገጽ 17 ዝርከብ ሳጹን ርአ።) (ለ) ሕዱር ሕማም ንኽንዋጽአሉ ዘኽእለና እንታይ ምኽሪ እዩ ኣብ ናይ 22 ጥሪ 2001 ንቕሑ! ዝርከብ፧

13 ኣብቲ እቲ እሙን ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር እውን ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኸነርኢ ንኽእል። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንእተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገማትን ሕማማትን ብዝምልከት ሓበሬታ ሒዘን ወጺአን እየን። d ሓድሓደ ግዜ እዘን መጽሔታት እዚኣተን ንእተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገማት: ሕማማት: ከምኡውን ስንክልና ናይ እተዋጽኡሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ዛንታ ሒዘን ወጺአን እየን። ኣብ ርእሲ እዚ: ገሊአን ዓንቀጻት ንሕዱር ሕማም ክኢልካዮ ንኽትነብር ዝሕግዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባትን ግብራዊ ማዕዳን ኣቕሪበን እየን።

14 ንኣብነት: ናይ 22 ጥሪ 2001 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገበራ “ንዝሓመሙ ዝኸውን ምጽንናዕ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት። እተን ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዝወጻ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ሓጋዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ንነዊሕ ዓመታት ሕዱር ሕማም ምስ ዝነበሮም ሰባት እተገብረ ቃለ⁠-​መጠይቕ ሒዘን ነበራ። እታ “ንሕማምካ ኽኢልካዮ ምንባር​—⁠ብኸመይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ሃበት:- ብዛዕባ ሕማምካ ብእተኻእለካ መጠን ኣጸቢቕካ ፍለጥ። (ምሳሌ 24:5) ክትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት: እንተላይ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ሸቶታት ኣውጽእ፣ እንተዀነ ግን: ነቲ ኻልኦት ክበጽሕዎ ዝኽኣሉ ሸቶታት ብምሉኡ ኽትበጽሖ ትኽእል ማለት ዘይምዃኑ ኣስተውዕል። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ ገላትያ 6:4) ርእስኻ ኣይትፍለ። (ምሳሌ 18:1) ካልኦት ክበጽሑኻ ክመጹ ኸለዉ: ባህ ከም ዝብሎም ግበር። (ምሳሌ 17:22) ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋን ምስ ጉባኤኡን ወትሩ ተቐራረብ። (ናሆም 1:7፣ ሮሜ 1:11, 12) ነቲ የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ዝህበና ትውክልቲ ዝግበሮ መምርሒ ኣይነማስወሉንዶ ኢና፧

ስጋዊ ድኽመት ምውጋዱ ምስ ዘሸግረና

15. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ምስ ድኽመታት ዘይፍጹም ስጋኡ ዝገበሮ ቓልሲ ኽዕወት ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ: ንሕናኸ እንታይ መረጋገጺ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብ ስጋይ: ሰናይ ከም ዜልቦ: እፈልጥ አሎኹ” በለ። (ሮሜ 7:18) ጳውሎስ ምስ ባህግታትን ድኽመታትን ዘይፍጹም ስጋና ምቅላስ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኻብ ተመክሮ ይፈልጦ ነይሩ። ይኹን እምበር: ከም ዝዕወት ምትእምማን ነበሮ። (1 ቈረንቶስ 9:26, 27) ብኸመይ፧ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል እዩ ዝዕወት። ስለዚ ኸኣ እዩ “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ኽብል ዝኸኣለ። (ሮሜ 7:24, 25) ንሕናኸ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኣሎናዶ፧ ንሕናውን ምስ ስጋዊ ድኽመትና ቃልሲ ኣሎና። ምስዚ ድኽመታት እዚ ኽንቃስ ከለና: ብቐሊሉ እምንቶና ኸነጥፍእን ‘ፈጺምና ኣይክንዕወትን ኢና’ ኢልና ኽንሓስብን ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ከም ጳውሎስ ብሓቂ ኣብ የሆዋ ደኣ እምበር ኣብ ሓይልና ዘይንጽጋዕ እንተ ዄንና: ንሱውን ክሕግዘና እዩ።

16. ስጋዊ ድኽመትና ምውጋዱ ምስ ዘሸግረና: እንታይ ንኽወሃበና ኢና ኽንጽሊ ዝግባእ: ድኽመትና እንተ ደጊሱናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ሓደ ስጋዊ ድኽመት ምውጋዱ ምስ ዘሸግረና: ንየሆዋ ብጸሎት ብምልማን ኣብኡ ኸም እንውከል ነርኢ። የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንኽሕግዘና ኽንልምኖ ኣሎና። (ሉቃስ 11:9-13) ፈሊና ነታ ኽፍሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ርእስኻ ምግታእ ንኽህበና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (ገላትያ 5:22, 23) እቲ ዘጸግመና ነገር እንተ ደጊሱና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ፈጺምና ኽንሕለል ኣይግባእን። እቲ መሓሪ ኣምላኽና ይቕረ ንኽብለልናን ሓገዙ ንኽህበናን ብትሕትና ናብኡ ኻብ ምጽላይ ኣይንሰልኪ። የሆዋ ነቲ ብሰንኪ ናይ ገበን ስምዒት ዝፍጠር “ስቡርን ቅጥቁጥን” ልቢ ፈጺሙ ኣይነጽጎን እዩ። (መዝሙር 51:17) ብቕንዕናን ብእተጣዕሰ ልብን እንተ ለሚንናዮ: ንፈተናታትና ንኽንቃለሶ ክሕግዘና እዩ።​—⁠ፊልጲ 4:6, 7

17. (ሀ) ብዛዕባ እቲ እንቃለሶ ዘለና ድኻም የሆዋ ኸመይ ከም ዝስምዖ ምሕሳብ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቀልጢፍና እንዅሪ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ጥቕሲ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ መልሓስና ንምቍጽጻርከ፧ ዘይጥዑይ መዘናግዒ ንምርሓቕከ፧

17 ካብ ቃሉ ሓገዝ ደሊና ምርምር ብምግባር እውን ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ መሐበሪ ወይ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ መሐበሪ ጌርና: ‘የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዝቃለሶ ዘለኹ ዓይነት ድኻም ከመይ ይስምዖ፧’ ንዝብል ሕቶ መልሲ ኸነናዲ ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዝስምዖ ምፍላጥና: ንዕኡ ንምሕጓስ ዘሎና ባህጊ የደልድሎ። በዚ ኸምዚ: ከም ናቱ ስምዒት ይህልወና: ማለት ነቲ ንሱ ዝጸልኦ ነገራት ንጸልእ። (መዝሙር 97:10) ገሊኣቶም ክርስትያናት ነቲ ዘለዎም ድኻም ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮኦም ምሓዝ ዝሕግዝ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንኣብነት: ብቐሊሉ እንዅሪ ዲና፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከም ምሳሌ 14:17 ከምኡውን ኤፌሶን 4:31 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ክንዝክር ንኽእል ኢና። ልሳንና ንኽንቈጻጸራ ተጸግመና ድያ፧ ከም ምሳሌ 12:18 ከምኡውን ኤፌሶን 4:29 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ክንሽምድድ ንኽእል ኢና። ዘይጥዑይ መዘናግዒ ንፈቱ ዲና፧ ከም ኤፌሶን 5:3 ከምኡውን ቈሎሴ 3:5 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ንኽንዝክር ክንጽዕር ንኽእል ኢና።

18. ድኻምና ንምስናፍ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንሓትት ከሕፍረና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

18 ካብቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ሽማግለታት ሓገዝ ምድላይ ኣብ የሆዋ ኸም እንጽጋዕ እነርእየሉ ተወሳኺ መገዲ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ከመይሲ: እዞም ‘ውህበት ሰብ’ እዚኣቶም: የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ነባጊዑ ንኸዕቍብን ንኽከናኸንን ዝገብሮም ምድላው እዮም። (ኤፌሶን 4:7, 8, 11-14) ልክዕ እዩ: ንድኻምና ብዝምልከት ሓገዝ ምሕታት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ሽማግለታት ኣትሒቶም ከይርእዩና ብዝብል ፍርሂ ንሓፍር ንኸውን። እንተዀነ ግን: እዞም ብመንፈስ ብሱላት ሰብኡት ሓገዝ ንምሕታት ትብዓት ብምንጽብራቕና ኸም ዘኽብሩና ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሽማግለታት ምስተን መጓሰ ኣብ ዘለዎም ርክብ ንባህርያት የሆዋ እዮም ከንጸባርቑ ዝጽዕሩ። እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝህቡና ዘጸናንዕን ግብራውን ምኽሪ ዀነ መምርሒ ንድኻምና ንምስናፍ የበራትዓና ይኸውን።​—⁠ያእቆብ 5:14-16

19. (ሀ) ሰይጣን ኣብዚ ኣገባብ እዚ ንኸንቱነት ህይወት ንምንታይ እዩ ኽጥቀመሉ ዝደሊ፧ (ለ) ትውክልቲ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ: እንታይ ቈራጽነት ኢናኸ ኽንገብር ዝግባእ፧

19 ሰይጣን ሓጺር ግዜ ኸም ዝተረፎ ኸም ዝፈልጥ ኣይንረስዕ። (ራእይ 12:12) ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ኸንቱ ህይወት ተስፋ ንኸቝርጸናን ንኸሐልለናን ክጥቀመሉ ይደሊ እዩ። ኣብቲ ኣብ ሮሜ 8:35-39 ተጠቒሱ ዘሎ ኸምዚ ዝብል ቃላት ምሉእ እምንቶ ይሃልወና:- “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ . . . ጭንቀትዶ: ጸበባዶ: ስደትዶ: ጥሜትዶ: ዕርቃንዶ: ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ እሞ: በዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” እዝስ ከመይ ዝበለ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር ዘንጸባርቕ ሓያል መግለጺ ዀን እዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ግን ካብ ስምዒት ንላዕሊ እዩ ዘጠቓልል። የግዳስ: ኣብ መዓልታዊ ናብራና ሓሲብና እንገብሮ ውሳነታት ዘጠቓልል እዩ። እምበኣር: ብግዜ ጸበባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ቈራጽነት ንግበር።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ ቤተ⁠-​ግምጃ ጸሓፊ ሳልመን ፒ. ቼስ ኣብቲ ብ20 ሕዳር 1861 ናብቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. ሰልዲ ዝሰርሕ ትካል ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከምዚ በለ:- “ብሓይሊ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ብርእሳ ሓያል ክትከውን እትኽእል ሃገር የላን: ብዕቝባኡ እውን እንተ ዘይኰይኑ ደሓን ክትረክብ እትኽእል ሃገር የላን። እቲ ህዝብና ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ትውክልቲ ኣብ ናይ ሃገርና ሰናቲም ክጸሓፍ ኣለዎ።” ከም ውጽኢት ናይዚ “ኣብ ኣምላኽ ንው​ከል” ዝብል ጭርሖ ንመጀመርታ ግዜ ብ1864 ኣብ ናይ ሕ.መ.ኣ. ሰናቲም ወጸ።

b እታ ኣብዚ ተገሊጻ ዘላ ጭንቀት “ንዅሉ ናይ ህይወት ሓጐስ እተጥፍእ ሻቕሎት” ተባሂላ ኣላ። እዚ ኣብዚ “ኣይትጨነቑ” ዝብል ኣተራጕማ ክንጭነቕ ከይንጅምር እውን ከመልክት ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝበሎ “እታ ናይ ግሪኽ ግሲ ህሉው ትእዛዝ: ማለት ሓደ ኽግበር ዝጸንሐ ነገር ንኸተቋርጾ እትሕብር እያ።”

c እተን ሸሞንተ ነጥብታት እዘን ዝስዕባ እየን:- (1) ኣይትሸበር፣ (2) ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ይሃሉኻ፣ (3) ንሓድሽ ዓይነት ስራሕ ኣእምሮኻ ኽፉት ግበሮ፣ (4) ከም ጐረቤትካ ዘይኰነስ ከም ቤትካ ንበር፣ (5) ኣብ ዕዳ ኸይትኣቱ ተጠንቀቕ፣ (6) ሓድነት ስድራ​ቤትካ ሓሉ፣ (7) ርእስኻ ኣይትደርቢ፣ (8) ነታ ዘላትካ ብዝግባእ ኣመቓርሕ።

d እዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ዝዳለዋ መጽሔታት ዓይነት ሕክምና ናይ ብሕቲ ምርጫ ምዃኑ ኣፍልጦ ስለ ዝህባ: ንሓደ ዓይነት ሕክምና ዝድግፋ ወይ ዘተባብዓ ኣይኰናን። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ዓይነት ሕማም ወይ ናይ ጥዕና ጸገም ዝገልጻ ዓንቀጻት ነቲ ህሉው ሓቅታት ከም ዘለዎ እየን ዘቕርባኦ።

ትዝክሮዶ፧

• ቍጠባዊ ጸገማት ምስ ዘጋጥመና: ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ዘጋጥመና: ኣብ ኣምላኽ ምውካልና ብኸመይ ነርኢ፧

• ስጋዊ ድኻም ምውጋዱ ምስ ዘሸግረና: ብሓቂ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ነዚ ዓንቀጻት እዚ ትዝክሮዶ፧

ኣብ ጥዕናና ዘጋጥመና ጸገማት ምስ ዘጨንቐና: ብዛዕባ እቶም ናይ ጥዕና ጸገማት ወይ ስንክልና ኽኢሎም ዝነበሩ ሰባት ምንባብ የተባብዓና እዩ። እዘን ዝስዕባ ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጻ ዓንቀጻት እየን።

ድርቡይ: ግናኸ ኣይጠፋእኩን።​—⁠ናይ 1 ሕዳር 1995 ግምቢ ዘብዐኛ

ሕማም ደዌ እኳ እንተ ሓዘኒ ህይወተይ ሕጕስን ብመንፈስ እተባረኸን ኢዩ።​—⁠ናይ 1 ሚያዝያ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ

ጓልኩም ሽኮርያ ኣለዋ!​—⁠ሚያዝያ-ሰነ 2000 ንቕሑ!

ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም: ተቐያያሪ ንዝዀነ ባህሪ ዘመልክት ባይፖላር ዲስኦርደር እትምልከት ዓንቀጽ።​—⁠ናይ 1 ታሕሳስ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ

ሎይዳ ካብቲ ንነዊሕ ግዜ ውሒጥዋ ዝነበረ ስቕታ ሓራ ወጸት: ኣብ ናይ ሓንጐል መልመስቲ ዘተኰረ።​—⁠ናይ ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2000 ንቕሑ!

ምስ ሕማም ኤንዶሜትርዮሲስ ዝገበርክዎ ቃልሲ።​—⁠ናይ ሚያዝያ-ሰነ 2001 ንቕሑ!

ጸማምን ዓይነ⁠-​ስዉርን እኳ እንተ ዀንኩ ዕቝባ ረኺበ ኢየ።​—⁠ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2001 ንቕሑ!

ንኻልኦት ምግልጋል ንስቓይካ የፍኵሶ።​—⁠ናይ 1 ሓምለ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ስራሕ ምስ እንወጽእ: ንኣነባብራና ዳግም ምምርማር ጥበባዊ እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ የሆዋ ምውካል ንሓደ ሰብ ብኸመይ ንሽግራቱ ክጻወር ከም ዘኽእሎ: ካብ ታሪኽ ህይወት ሎይዳ ኽንርኢ ንኽእል (ኣብ ገጽ 17 ዝርከብ ሳጹን ርአ )

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንድኻምና ንኸነሰንፎ ሓገዝ ንምሕታት ክንሓፍር የብልናን