ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣመንቲ ብጾት ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣመንቲ ብጾት ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣመንቲ ብጾት ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ህዝቢ ጥንታዊት እስራኤል ምስ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታትዮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር: ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:32) ስለዚ: ብዕድመ ንዝደፍአ ምኽባር ምስ ንኣምላኽ ምእዛዝ ዝተሓሓዝ ቅዱስ ግዴታ ነበረ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ: እዚ ቓላት እዚ ግን የሆዋ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮም የዘኻኽረና። (ምሳሌ 16:31፣ እብራውያን 7:18) ንስኻኸ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኣሎካዶ፧ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ነቲ ብዕድመ ዝዓብዮ ፈታዊኡ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ

ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ኣኽብሮት ብዛዕባ ምርኣይ ዘጕልሕ ዛንታታት ኣብ ካልኣይ ነገስት ይርከብ። እዚ ዛንታ እዚ ነብዪ ኤልያስ በቲ ኣጸቢቑ ዝንእሶ ዝነበረ ነብዪ ኤልሳእ ብኸመይ ከም እተተክአ ዝገልጽ እዩ። ኤልያስ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ነብዪ ኰይኑ ኣብ ዘገልገለላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ንርአ።

በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ ብየሆዋ ተመሪሑ ካብ ጊልጋል ናብ ቤት⁠-​ኤል: ካብ ቤት⁠-​ኤል ናብ ያሪኮ: ካብ ያሪኮ ኸኣ ናብ ርባ ዮርዳኖስ ከደ። (2 ነገስት 2:​1, 2, 4, 6) ኣብቲ ዳርጋ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ጕዕዞ: ኤልያስ ንኤልሳእ ካብ ምስዓቡ ንኽምለስ ሰለስተ ሳዕ ተማሕጸኖ። ይኹን እምበር: ከምቲ ቕድሚ ሓያሎ ዘመናት ሩት ጸኒዓ ኻብ ናእሚ ምምላስ ዝኣበየት: ኤልሳእ እውን ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ ምሕዳጉ ኣበየ። (ሩት 1:16, 17) ኤልሳእ ሰለስተ ሳዕ “ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ: ነፍስኻውን ህያው እያ” በለ። (2 ነገስት 2:2, 4, 6) ኣብቲ ግዜ እቲ ንኤልያስ ክሕግዞ ኻብ ዝጅምር ድሮ ሽዱሽተ ዓመት ገይሩ ነበረ። እንተዀነ ግን: ክሳዕ እቲ ዝከኣሎ ንኤልያስ ከገልግሎ ድሌት ነበሮ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኰነ ኸኣ: እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ: እንሆ . . . ኤልያስ . . . ናብ ሰማይ ዐረገ” ይብል። (ቍጽሪ 11) ኤልያስን ኤልሳእን ክሳዕ እታ ኤልያስ ኣብ እስራኤል ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ዝወድኣላ ናይ መወዳእታ ህሞት ይዘራረቡ ነበሩ። እቲ ብዕድመ ንእሽቶ ነብዪ ኻብቲ ብዕድመ ዝዓብዮን ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎን ነብዪ ብእተኻእሎ መጠን ብዙሕ መምርሕን ምትብባዕን ክረክብ ይጽዕር ነበረ። ነቲ ብዕድመ ዝዓብዮ ፈታዊኡ ኣኽቢሩ ይርእዮ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ።

‘ከም ኣቦታትን ኣዴታትን’

ኤልሳእ ነቲ ብዕድመ ዝዓብዮ ነብዪ: ከም ፈታዊኡ ከምኡውን ከም መንፈሳዊ ኣቦኡ ገይሩ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ምፍላጡ ዘጸግም ኣይኰነን። (2 ነገስት 2:12) ኤልያስ ኣብ እስራኤል እተዋህቦ ዕዮ ቕድሚ ምውድኡ: ንኤልሳእ “ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። (ቍጽሪ 9) ስለዚ: ኤልያስ ክሳዕ እታ መወዳእታ ህሞት ንመንፈሳዊ ዅነታት እቲ ዝትክኦ ነብዪን ንቐጻልነት ዕዮ ኣምላኽን ተገዳስነት ኣርኣየ።

ኣብዚ ግዜና ገሊኣቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ፍልጠቶምን ጥበቦምን ንመንእሰያት ብብዝሒ ኸካፈሉ ኸለዉ ነቲ ከም ናይ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝዀነ ባህሪኦም ምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ወለንተኛታት: ነቶም ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ነቲ ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ዘድልዮም ክእለት ንኸጥርዩ ባህ ኢልዎም ይሕግዝዎም እዮም። ብተመሳሳሊ: ንሓያሎ ዓመታት ንጉባኤታት ክበጽሑ ዝጸንሑ ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ነቲ ዘለዎም ብዙሕ ተመክሮ ነቶም ገየሽቲ ኣገልገልቲ ክዀኑ ዝስልጥኑ ክርስትያናት ተሓጒሶም የካፍልዎም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ጥበቦምን ተመክሮኦምን ንሓደስቲ ኣባላት እተን ጉባኤታት ተሓጒሶም ዘካፍሉ ንሓያሎ ዓመታት እሙናት ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ።​—⁠ምሳሌ 2:7፣ ፊልጲ 3:17፣ ቲቶስ 2:3-5

እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ዘርእይዎ ልባዊ ሓልዮት: ባህ ኢሉካ ንኸተኽብሮም ይድርኸካ እዩ። ስለዚ: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣመንቲ ብጾትና ኣብ ምኽባር ኣብነት ኤልሳእ ክንስዕብ ንደሊ ኢና። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘዘኻኸረና: ‘ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ኣቦ: ንኣረገውቲ ኣንስቲ ድማ ከም ኣዴታት’ ጌርና ንርኣዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2) ከምዚ ምስ እንገብር: ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ክርስትያናዊት ማሕበር ብዝግባእ ንኽትዓዪን ዕቤት ንኽትገብርን ዓብዪ ኣበርክቶ ንገብር።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኤልሳእ ክሳዕ እቲ ዝከኣሎ ንኤልያስ ከገልግሎ ባህጊ ነበሮ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሽቱ ዘበሉ ኻብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብዙሕ እዮም ዝጥቀሙ