ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ኣመስግኖ

ንየሆዋ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ኣመስግኖ

ንየሆዋ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ኣመስግኖ

ክርስትያናዊ ኣኼባታት የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ ድልዱላት ንክዀኑ ዝገበረሎም ምድላው እዩ። ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ኣኼባ ብምእካብ: ነዚ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል። ኣብ ርእሲ እዚውን: ነሕዋትና “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ኣጋጣሚ ንረክብ: እዚ ኸኣ ፍቕርና እነንጸባርቐሉ ኣገዳሲ መገዲ እዩ። (እብራውያን 10:24፣ ዮሃንስ 13:35) እንተዀነ ግን: ከመይ ጌርና ኢና ነሕዋትና ኣብ ኣኼባታት እነነቓቕሖም፧

ሓሳባት ሃብ

ንጉስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም: ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ። እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ።” “ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ: ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ።” “ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ: እንሆ: ከናፍረይ ኣይዐጾኹን።”​—⁠መዝሙር 22:​22, 25፣ 35:18፣ 40:9

ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ክርስትያናት ንኣምልኾ ኣብ ዝእከቡሉ እዋን ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምነትን ብዛዕባ ኽብሩን ይገልጹ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ንሓድሕዶም ይተባብዑ: ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ድማ ይነቓቕሑ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ካብቲ ዳዊትን ጳውሎስን ዝነበሩሉ እዋን ሓያሎ ዘመናት ስለ ዝሓለፈ: ‘መዓልቲ [የሆዋ] ትቐርብ ከም ዘላ ንርኢ ኣሎና።’ (እብራውያን 10:​24, 25) እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ናብ ጥፍኣት ይቐርብ ኣሎ: ሽግራት እውን እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይ​ፈልጥ መገዲ ‘ትዕግስቲ የድልየና እዩ።’ (እብራውያን 10:​36) ኣብዚ መዳይ እዚ ኣሕዋትና እንተ ዘይኰይኖም ንኽንጸንዕ ዝሕግዘና እሞ መን እዩ፧

ኣብዚ ግዜና እውን ልክዕ ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ: ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ንእምነቱ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ወይ ጉባኤ ንኽገልጽ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሉ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ንዅሉ እተኸፍተ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝቐርብ ሕቶታት ሓሳብ ምሃብ እዩ። እዚ ዝህቦ ጥቕሚ ኣትሒትካ ኽርአ የብሉን። ንኣብነት: ጸገማት ብኸመይ ከም እትሰግሮ ወይ እተወግዶ ዝገልጽ ሓሳባት ኣሕዋትና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽስዕቡ ዝገበርዎ ቈራጽነት የደልድሎ። ነቲ ሓሳባቱ ዘይተገልጸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታት ዘነጽር ወይ ካብ ናይ ብሕቲ ምርምር እተረኽበ ነጥብታት ዝሓዘ ሓሳባት ምሃብ: ንኻልኦት ዝሓሸ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንኸማዕብሉ የተባብዖም።

ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ክንህብ ከለና ንርእስናን ንኻልኦት ከም እንጠቅም ምፍላጥና: ንዅላትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሳባት ንምሃብ ከይንሓንኽ ወይ ቍጡባት ከይንኸውን ይድግፈና። ብፍላይ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ኣኼባ ምእካብ ኰነ ተሳትፎ ኣብ ምግባር መሪሕነት ክወስዱ ትጽቢት ስለ ዝግበረሎም: ሓሳባት ክህቡ ኣለዎም። ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣብዚ መዳይ ክርስትያናዊ ንጥፈት እዚ ጸገም እንተ ሃልይዎ: ብኸመይ ምምሕያሽ ክገብር ይኽእል፧

ንኸተመሓይሽ ዝሕግዘካ ነጥብታት

ክፍሊ ኣምልኾና ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣብ ጀርመን እትነብር ክርስትያን ሓብቲ ንእትህቦ ሓሳባት ብኸመይ ከም እትርእዮ ኽትገልጽ ከላ “ነቲ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ እምነቶም ንኸይገልጹ ዝገብሮ ጻዕሪ ብብሕቲ ዝህቦ መልሲ እዩ” በለት። ሓደ ምስዛ ሓብቲ ኣብ ሓደ ጉባኤ ዝእከብ ካብ ዝጥመቕ ነዊሕ ዘይገበረ ሓው “ሓሳብ ክህብ እንተ ዀይነ: ብዙሕ እየ ዝጽሊ” በለ።

ብዝግባእ ተዳሎ። ነቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ኣቐዲምካ እንተ ዘይተዳሊኻሉ: ሓሳባት ንኽትህብ ከሸግረካ እዩ: እትህቦ ሓሳባት እውን ክሳዕ ክንድቲ ጠቓሚ ኣይከውንን እዩ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ሓሳባት ንኽትህብ ዝሕግዝ ነጥብታት ኣብታ በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኤጁኬሽን (እንግሊዝኛ) ገጽ 70: ኣብ ናይ ሰነ 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 2 ዝርከብ ሕቶ ሳጹን: ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-18 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። a

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ሓሳብ ንምሃብ ሸቶ ግበር። እዚ ማለት ብዝሕ ዝበለ መልስታት ተዳሊኻ ምኻድ ዝሓትት እዩ። ከመይሲ ኢድካ ደጋጊምካ ምስ እተልዕል: እቲ ዝመርሕ ሓው ኣጋጣሚ ንኽህባካ ዝሰፍሐ ዕድል ይህልወካ። ምናልባት እውን ኣቐዲምካ ነየኖት ሕቶታት ክትምልስ ከም እተዳለኻ ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ብፍላይ ጀማሪ እንተደኣ ዄንካ: እዚ ብዙሕ ክጠቕመካ እዩ። “ኣብ ዓብዪ ማሕበር” ወይ ጉባኤ ኢድካ ሓፍ ምባል ዝኸብድ እኳ እንተዀነ: እታ ንኽትምልሳ እተዳለኻያ ቝጽሪ ምዃናን እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝመርሕ ኢድካ ሓፍ ከተብል ከም ዝጽበየካን ምፍላጥካ ሓሳብ ንኽትህብ ከተባብዓካ እዩ።

ሓሳብ ንምሃብ ክሳዕ መወዳእታ ኣይትጸበ። ንሓደ ዝኸብደካ ዕዮ ይጽንሓለይ ምባል መፍትሒ ኣይኰነን። ኣብ መጀመርታ ናይቲ ምይይጥ ሓሳብ ምሃብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ መጀመርታ ሓሳብ ንምሃብ ዘጋጠመካ ዕንቅፋት ሓንሳእ ምስ ሰገርካ: ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ሓሳብ ንምሃብ ዝቐለለ እዩ ዝኸውን።

ዝጥዕም ኮፍ መበሊ ምረጽ። ገሊኣቶም ኣብ ቅድሚት ሸነኽ ኮፍ ምስ ዝብሉ ሓሳብ ንኽህቡ ይቐሎም። ብዙሕ ዝርብሽ ነገራት ኣይህሉን: እቲ ዝመርሕ ሓው ድማ ብቐሊሉ ይርእዮም። ኣብ ቅድሚት እንተደኣ ኾፍ ኢልካ: ብፍላይ እታ ጉባኤ ዝዘውር ማይክሮፎን ዘይትጥቀም ምስ እትኸውን: ንዅሉ ምእንቲ ኽስማዕ ዓው ኢልካ ተዛረብ።

ጽን ኢልካ ስማዕ። ከምዚ ምግባር ሓደ ሰብ ንዝበሎ ሓሳብ ንኸይትደግም ይሕግዘካ። እቲ ኻልኦት ዝህብዎ ሓሳባት ጥቕሲ ወይ ተወሳኺ ሓሳባት የዘኻኽረካ ይኸውን። ሓሓሊፍካ ሕጽር ዝበለ ተመክሮ ምንጋር ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ትምህርቲ መብርሂ ክዀኖ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።

ብናትካ ኣበሃህላ ምምላስ ተለማመድ። ካብቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ እተወሰነ ሓሳብ ምንባብ ነታ ቕንዕቲ መልሲ ኸም ዝረኸብካያ ይሕብር: ሓሳብ ንምሃብ እውን በዚ ምጅማር ጽቡቕ እዩ። ብናትካ ኣበሃህላ ምምላስ ግን ነቲ ነጥቢ ኸም እተረዳእካዮ የርኢ። እቲ ኣብ ጽሑፋትና ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ቃላት ክጥቀስ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ጽሑፋቶም ዝወጽእ ከየስተውዓሉ ዝደግሙ ኣይኰኑን።

ምስቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ዝተሓሓዝ ሓሳብ ሃብ። ምስቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ዘይተሓሓዝ ሓሳብ ምሃብ ካብቲ ቐንዲ ሓሳባት ከም እትእለ ስለ ዝገብር ግቡእ ኣይኰነን። እቲ እትህቦ ሓሳባት ምስቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ሓሳባት ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ: ነቲ ብመንፈስ ዝሃንጽ ምይይጥ ዘራጕድ ይኸውን።

ንኸተተባብዕ ሸቶ ግበር። ሓደ ኻብቲ ሓሳብ እንህበሉ ኣገዳሲ ምኽንያታት ንኻልኦት ንምትብባዕ ስለ ዝዀነ: ንኻልኦት ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ካብ ምዝራብ ክንቍጠብ ኣሎና። ብተወሳኺውን: ንብምሉኡ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ክንዲ እትሽፍን: ንኻልኦት ገለ ግደፈሎም። ነዊሕ ወይ እተሓላለኸ መልሲ ነቲ ፍረ ነገር ይዓባብጦ እዩ። ብሒደት ቃላት እትዛረቦ ሓጺር መልሲ ግን ዝያዳ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል: ነቶም ሓደስቲውን ሓጺር መልሲ ንኽህቡ የተባብዖም።

እቶም ኣኼባታት ዝመርሑ ዘለዎም ግደ

ንምትብባዕ ብዝምልከት እቲ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ሓው ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዝወሃብ ሓሳብ ተጠንቂቑ ብምስማዕን ኣብ ካልእ ነገራት ከየድሃበ ነቲ ሓሳብ ዝህብ ሰብ ብኣቓልቦ ብምጥማትን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘለዎ የርኢ። ተጠንቂቑ ብዘይ​ምስማዑ ነቲ ኽበሃል ዝጸንሐ ምስ ዝደግሞ ወይ እተመለሰ ሕቶ እንደገና ምስ ዝሓትት: ግቡእ ኣይኰነን።

እቲ ዝመርሕ ሓው ነቲ እተዋህበ ሓሳባት ወትሩ እተወሰነ ቓላት ቅይር እናኣበለ ዝዛረብ እንተ ዀይኑ: ተስፋ ዘቝርጽ እዩ ዝኸውን። ከመይሲ እቲ ሓሳብ ጕድለት ዘለዎ እዩ ዘምስል። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን እቲ ዝወሃብ ሓሳባት ንተወሳኺ ኣገዳሲ ነጥቢ ንምሃብ መገዲ ዝኸፍት ምስ ዝኸውን ዘተባብዕ እዩ። ‘ነዚ ኣብ ጉባኤና ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧’ ወይ ‘ነዚ ኽበሃል ዝጸንሐ እትድግፍ ጥቕሲ ኣየነይቲ እያ፧’ ዝብል ሕቶታት ጠቓሚ ሓሳባት ንኽትህብ ዘተባብዕ እዩ።

ልክዕ እዩ: ብፍላይ ሓደስቲ ወይ ሓፋራት ሓሳብ ክህቡ ኸለዉ: ክነኣዱ ይግባእ። በቲ ናእዳ ምእንቲ ኸይሓፍሩ ከምኡውን እቲ ዝመርሕ ሓው ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከመሓይሽዎ ዘለዎም ነጥብታት ምእንቲ ኽነግሮም: እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ብብሕቲ ኸዘራርቦም ይኽእል እዩ።

ኣብ ዕላል ሓደ ሰብ ንሱ ጥራይ ክዛረብ ዝደሊ እንተ ዀይኑ: ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ። እቶም ሰማዕቱ ስምዒቶም ክገልጹ ኣይደልዩን እዮም። ምናልባት እንተ ሰምዕዎ እውን ብጎቦ ልቦም እዮም ዝሰምዕዎ። እቲ ዝመርሕ ሓው ዓሰርተ ሳዕ ሓሳባት ብምሃብ ነቲ ምይይጥ እንተ ዓብሊልዎ ኸኣ ተመሳሳሊ ጸገም እዩ ዝፍጠር። ይኹን እምበር: ተወሳኺ ሕቶታት ብምሕታት ነቶም ተኣከብቲ ሓሳቦም ከም ዝገልጹ ኽገብሮምን ነተሓሳስባኦም ከነቓቕሖን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብጥንቃቐ ክትጥቀመሉ ይግባእ።

እቲ ዝመርሕ ሓው ነቲ መጀመርታ ኢዱ ዘውጽአ ሰብ ንኽምልስ ኣጋጣሚ ኽህቦ ኣይግደድን እዩ። ነቲ መጀመርታ ኢዱ ዘውጽአ ጥራይ ዝህብ እንተ ዀይኑ ግን እቶም ሓሳባቶም ንኽጥርንፉ ቍሩብ ግዜ ዘድልዮም ሰባት ተስፋ ክቘርጹ ይኽእሉ እዮም። ንሕጽር ዝበለ ግዜ ብምጽባይ: ነቲ ሓሳብ ዘይሃበ ሰብ ዕድል ይህቦ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንኣሽቱ ቘልዑ ኻብ ምርድኦም ንላዕሊ ዝዀነ ሕቶ ንኽምልሱ ኣጋጣሚ ብዘይ​ምሃብ ምስትውዓል የንጸባርቕ።

ዘይቅኑዕ መልሲ እንተ ተዋሂቡኸ፧ እቲ ዝመርሕ ሓው ነቲ መልሲ ዝሃበ ሰብ ከሕፍሮ የብሉን። ዝዀነ ይኹን ሓሳብ: ዘይቅኑዕ ሓሳብ እውን ይኹን: እተወሰነ ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ዝመርሕ ሓው ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ መዳይ ብሜላ ብምጥቃስ: ነታ ሕቶ ብኻልእ መልክዕ ብምሕታት: ወይ ተወሳኺ ሕቶ ብምሕታት: ነቲ ዝመለሰ ሰብ ከየሕፈረ ነታ መልሲ ኸዐርያ ይኽእል እዩ።

እቲ ዝመርሕ ሓው ነቶም ተኣከብቲ ሓሳባት ንኽህቡ ኸተባብዕ ኢሉ ‘ተወሳኺ ሓሳብዶ ኣለኩም፧’ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ሕቶታት እንተ ገደፎ ዝሓሸ እዩ። ‘ክሳዕ ሕጂ ዘይመለሰ እንተ ሃልዩ: እዚኣ ናይ መወዳእታ ዕድል እያ’ ዝብል ዘረባ ብቕንዕና ተበጊስካ ይበሃል ይኸውን: ሓሳብ ንምሃብ ዘተባብዕ ግን ኣይኰነን። ኣሕዋትና ኣብቲ ኣኼባ ኣቐዲሞም መልሲ ብዘይ​ምሃቦም ዝበደሉ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም ክግበር የብሉን። የግዳስ: ነቲ ዝፈልጥዎ ብፍቕሪ ተደሪኾም ከካፍሉ ስለ ዝግባእ: ነዚ ንምግባር ክተባብዑ እዩ ዘለዎም። ብዘይ​ካዚ: እቲ ዝመርሕ ሓው ንሓደ ሰብ ሓሳብ ክህብ ዕድል ድሕሪ ምሃቡ: “ድሕሪኡ: ሓው እገለ ሓሳብ ክህበና እዩ” ወይ “ድሕሪኡ: ሓብትና እገሊት ሓሳብ ክትህበና እያ” ክብል ኣይግባእን። እቲ ዝመርሕ ሓው ፈለማ ነቲ ዝወሃብ ሓሳብ ክሰምዖ: ድሕሪኡ ተወሳኺ ሓሳብ እንተ ኣድልዩ ኽውስን ይግባእ።

ሓሳብ ምሃብ ፍሉይ መሰል እዩ

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ንመንፈሳውነትና ኣድላዪ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ ድማ ፍሉይ መሰል እዩ። ኣብዚ ፍሉይ ዝዀነ ንየሆዋ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ናይ ምውዳስ ተግባር ብዝያዳ ብእተሳተፍና መጠን: ነቲ ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት ብዝያዳ ንስዕቦ: ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ድማ ኣርዚንና ንርእዮ። ኣብ ኣኼባታት ምስታፍ ነሕዋትና ኸም እነፍቅሮምን ክፍሊ እቲ ዓብዪ ማሕበር የሆዋ ኸም ዝዀንናን እዩ ዘርኢ። ‘እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርኢ’ ኸለኻ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንተ ዘይኰይኑ ኣበይ ኢኻ እሞ ኽትከውን እትምነ፧​—⁠እብራውያን 10:25

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስማዕን ሓሳብ ምሃብን ኣገዳሲ እዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዝመርሕ ሓው ንነፍሲ ወከፍ ዝወሃብ ሓሳብ ናይ ብሓቂ ኸም ዝግደስ የርኢ