ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ እምንቶኻ ግበሮ

ንየሆዋ እምንቶኻ ግበሮ

ንየሆዋ እምንቶኻ ግበሮ

“ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ።”—⁠መዝሙር 71:5

1. እቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ምስ እንታይ ብድሆ እዩ እተጋጠመ፧

 ቍመት እቲ ሰብኣይ ካብ ሰለስተ ሜትሮ ዝዛይድ ነበረ። ስለዚ: ኵሎም እቶም ብወገን እስራኤል እተሰለፉ ወተሃደራት ንምግጣሙ እንተ ፈርሁ ዘገርም ኣይኰነን! እዚ ጐልያድ ዝበሃል ፍልስጥኤማዊ ሰብኣይ እዚ ንሓያሎ ሰሙናት ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን ንሰራዊት እስራኤል ምስኡ ዝቃለስ ዝበርትዐ ሰብ ንኽሰዱሉ ብድሆ ብምቕራብ ኣባጨወሎም። ኣብ መወዳእታ: ዝብድሆ ሰብ ተረኽበ: እንተዀነ ግን እዚ ሰብ እዚ ወተሃደር ዘይኰነስ ንእሽቶ ወዲ ነበረ። እቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ጸላኢኡ ምስ ቀረበ መሊሱ ዝደቐቐ መሰለ። አረ ኽብደቱስ ካብቲ ኣጽዋር ጐልያድ ዝፈኵስ እዩ ነይሩ ዝኸውን! ይኹን እምበር: እዚ ንእሽቶ ወዲ ነቲ ገዚፍ ሰብኣይ ገጠመሉ: በዚ ድማ ዘይርሳዕ መርኣያ ትብዓት ኰነ።​—⁠1 ሳሙኤል 17:1-51

2, 3. (ሀ) ዳዊት ንጎልያድ ብምትእምማን ክገጥመሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ እምንቶና ንምግባር ዝሕግዝ እንታይ ክልተ ስጕምትታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

2 ዳዊት ክሳዕ ክንድዚ ኽተብዕ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ጸኒሑ ዳዊት ዝጸሓፎ ቓላቱ እሞ ንርአ:- “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ።” (መዝሙር 71:5) እወ: ዳዊት ንእሽቶ ኸሎ እውን ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ነበሮ። ንጎልያድ ክገጥመሉ ኸሎ “ንስኻ ብሴፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ: ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ” በሎ። (1 ሳሙኤል 17:45) ጐልያድ ኣብቲ ዓብዪ ሓይሉን ኣጽዋሩን ክተኣማመን ከሎ: ዳዊት ግን እምንቶኡ ኣብ የሆዋ ገበረ። ዳዊት እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ኣብ ጐድኑ ብምንባሩ: ግዝፊ እቲ ዝገጥመሉ ሰብ ኰነ ዝሓዞ ኣጽዋር ብዘየገድስ ዘፍርህ ምኽንያት ኣይነበሮን።

3 ብዛዕባ ዳዊት ከተንብብ ከለኻ: ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ዝደልደለ ክኸውን ትምነዶ፧ መብዛሕትና ኸምዚ ዓይነት ትምኒት ኣሎና። እምበኣር: ንየሆዋ እምንቶና ንምግባር ክንወስዶ ዘሎና ኽልተ ስጕምትታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ: ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ንኸይነጥሪ ዕንቅፋት ዝዀነና ነገር ኽንኣልዮን እንደገና ንኸየሸግረና ኽንቈጻጸሮን ኣሎና። ካልኣይ: ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ ከም ዝሓትት ክንፈልጥ ኣሎና።

ነቲ ኣብ የሆዋ እምንቶ ንኸይንገብር ዕንቅፋት ዝኸውን ነገር ምስጋሩ

4, 5. ብዙሓት ሰባት ኣብ የሆዋ እምንቶ ምግባር ዘሸግሮም ስለምንታይ እዩ፧

4 ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ንኸይገብሩ ዕንቅፋት ዝዀኖም እንታይ እዩ፧ ዝበዝሕ እዋን ገሊኣቶም ሰባት ሕማቕ ነገራት ዘጋጥመሉ ምኽንያት ምርድኡ የጸግሞም እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ብዝወርደና መከራ ተሓታቲ ምዃኑ እዮም ተማሂሮም። ብሓደ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ሰባት ምስ ዝሞቱ: ኣቕሽሽቲ ነቶም ግዳያት ኣምላኽ ናብ ሰማይ ከም “ዝወሰዶም” ይዛረቡ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለምና ዝፍጸም ፍጻመታት: እንተላይ ንዅሉ እቲ ዘሕዝን ፍጻመን ክፉእ ተግባርን: ኣቐዲሙ ኸም ዝወሰኖ ይምህሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንጋጽ ዘይብሉ ኣምላኽ እምንቶ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ዘዖረ ሰይጣን ከኣ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ‘ምህሮ ኣጋንንቲ’ ንምስፍሕፋሕ ብርቱዕ ባህጊ እዩ ዘለዎ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:1፣ 2 ቈረንቶስ 4:4

5 ሰይጣን ንሰባት ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ኸጥፍኡ እዩ ዝደሊ። እዚ ጸላኢ ኣምላኽ እዚ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ስቓይ ደቅሰብ ክንፈልጦ ኣይደልየናን እዩ። ሓሳረ መከራ ዘጋጥመሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንተ ተማሂርና ኸኣ ክንርስዖ እዩ ዝደልየና። ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ሓሳረ መከራ ዘጋጥመሉ ሰለስተ ምኽንያታት ደጋጊምና ምምርማሩ ሰናይ እዩ። በዚ ኸምዚ የሆዋ በቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸገማት ተሓታቲ ዘይምዃኑ ንልብና ነእምኖ።​—⁠ፊልጲ 1:9, 10

6. ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:8 ንሰባት መከራ ዘጋጥመሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እያ እትገልጽ፧

6 ሓደ ኻብቲ ኣብ ሰባት መከራ ዝወርደሉ ምኽንያት: ሰይጣን ንንጽህና እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከበላሹ ዝደሊ ብምዃኑ እዩ። ንንጽህና እዮብ ከበላሹ ፈቲኑ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እኳ እንተ ዘይሰለጦ ኣይተሓለለን። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ብምዃኑ: ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ክውሕጦም’ እዩ ዝደሊ። (1 ጴጥሮስ 5:8) እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እዩ! ሰይጣን ንየሆዋ ምግልጋል ከነቋርጽ እዩ ዝደልየና። በዚ ምኽንያት እዚ መስጐጕቲ የለዓዕል። ከምዚ ዝኣመሰለ መከራ ዘሳቒ እኳ እንተዀነ: ንኽንጻወሮ ግን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ነቲ ዝወርደና መከራ ምስ እንጻወሮ: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ኣበርክቶ ስለ እንገብር ንየሆዋ ነሐጕሶ። (እዮብ 2:4፣ ምሳሌ 27:11) መስጐጕቲ ንኽንጻወር የሆዋ ስለ ዘበራትዓና: ኣብኡ ዘሎና እምንቶ መሊሱ ይዓቢ።​—⁠መዝሙር 9:9, 10

7. ገላትያ 6:7 መከራ ዝሃለወሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እያ እትገልጽ፧

7 እቲ ንሰባት መከራ ዘጋጥመሉ ኻልኣይ ምኽንያት: “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ኣብ ዝብል ስርዓት ይርከብ እዩ። (ገላትያ 6:7) ሓድሓደ ግዜ ሰባት ሕማቕ ምርጫታት ብምግባር ይዘርኡ: ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ መከራ ይዓጽዱ። ማኪና ተጠንቂቖም እንተ ዘይመሪሖም: ሓደጋ የጋጥሞም። ብዙሓት ሽጋራ የትክኹ: እዚ ድማ ሕማም ልብን ናይ ሳንቡእ መንሽሮን የስዕበሎም። እቶም ጾታዊ ብዕልግና ዝፍጽሙ ድማ ኣብ መንጎ ስድራ​ቤቶም ዘሎ ርክብ የበላሽዉ: ርእሶም ይድርብዩ: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ይሕዞም: ከምኡውን ዘይተደልየ ጥንሲ ይፍጠር። ሰባት በዚ ጸገማት እዚ ንኣምላኽ የማርሩ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ባዕላቶም ዝፈጸምዎ ሕማቕ ውሳነታት እዩ ነዚ ዘስዕበሎም።​—⁠ምሳሌ 19:3

8. ብመሰረት መክብብ 9:11 ሰባት መከራ ዘጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ ንሰባት መከራ ዘጋጥመሉ ሳልሳይ ምኽንያት ኣብታ ኸምዚ ዝስዕብ እትብል መክብብ 9:11 ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና:- “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም: ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።” ሓድሓደ ግዜ ሰባት ሕማቕ ኣጋጣሚ የጓንፎም እዩ። ብርታዐና ወይ ድኻምና ብዘየገድስ: መከራን ሞትን ብሃንደበት ከጋጠመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብግዜ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ግምቢ ወዲቑ ን18 ሰባት ቀተለ። የሱስ እቲ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ዘጋጠሞም ነገር ኣምላኽ ብኣበሳኦም ዘውረዶ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ገለጸ። (ሉቃስ 13:4) የሆዋ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳረ መከራ ተሓታቲ ኣይኰነን።

9. ብዙሓት ብዛዕባ ሓሳረ መከራ ምርድኡ ዘጸግሞም እንታይ እዩ፧

9 ገለ ኻብቲ መከራ ዘጋጥመሉ ምኽንያታት ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር: ንብዙሓት ምርድኡ ዘጸግሞም ነገር ኣሎ። እዚ ኸኣ ‘የሆዋ ኣምላኽ መከራ ኽህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧’ ዝብል እዩ።

የሆዋ መከራ ኽህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

10, 11. (ሀ) ብመሰረት ሮሜ 8:19-22 “ብዘሎ እቲ ፍጥረት” እንታይ እዩ ዀይኑ፧ (ለ) ነቲ ፍጥረት ንኸንቱ ዘግዝኦ መን ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

10 ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝርከብ ቃላት ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ የብርሃልና እዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ . . . እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን: ንፈልጥ አሎና።”​—⁠ሮሜ 8:19-22

11 ነዚ ንምርዳእ: ፈለማ ንገለ ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኣሎና፧ ንኣብነት: ነቲ ፍጥረት ንኸንቱ ኸም ዝግዛእ ዝገበሮ መን እዩ፧ ገሊኣቶም ሰይጣን: ገሊኣቶም ከኣ ኣዳም ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ክልቲኦም ከም ዝግዛእ ክገብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ነቲ ፍጥረት ንኸንቱ ኸም ዝግዛእ ዝገበሮ: “ብተስፋ” ገይሩ እዩ ዘግዝኦ። እወ: እቶም እሙናት ዘበሉ ኣብ መወዳእታኡ ‘ኻብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኽወጹ’ ምዃኖም ተስፋ ሂብዎም እዩ። ኣዳም ኰነ ሰይጣን ነዚ ተስፋ እዚ ኽህቡ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ጥራይ እዩ እዚ ተስፋ እዚ ኽህበና ዝኽእል። እምበኣር: ነቲ ፍጥረት ንኸንቱ ዘግዝኦ የሆዋ እዩ።

12. “ብዘሎ እቲ ፍጥረት” እተባህለ ንመን ምዃኑ ዘደናግር ብኸመይ እዩ: እዛ ሕቶ እዚኣኸ ብኸመይ ክትምለስ ትኽእል፧

12 ኣብዚ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት” ተባሂሉ ዘሎ ደኣ መን እዩ፧ ገሊኣቶም “ብዘሎ እቲ ፍጥረት” ተባሂሉ ዘሎ: እንተላይ እንስሳታትን ኣትክልትን ሓዊስካ ንብምሉኡ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ፍጥረት ከም ዘመልክት ይገልጹ። እንተዀነ ግን: እንስሳታትን ኣትክልትን “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ክረኽቡ ይኽእሉ ድዮም፧ ኣይፋሎምን። (2 ጴጥሮስ 2:12) “ብዘሎ እቲ ፍጥረት” ክበሃል ከሎ እምበኣር ንደቅ​ሰብ ጥራይ እዩ ዘመልክት። እዚ ፍጥረት እዚ እዩ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት ብሓጢኣትን ሞትን እተተንከፈ: ተስፋ ድማ ዘድልዮ።​—⁠ሮሜ 5:12

13. ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት ንደቅ​ሰብ እንታይ እዩ ኣስዒብሎም፧

13 እቲ ዕልወት ንደቅ​ሰብ እንታይ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡሎም፧ ጳውሎስ ነቲ ሳዕቤናቱ “ኸንቱ” ብእትብል ሓንቲ ቓል ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነዛ ቓል እዚኣ “ሓደ ነገር ኸምቲ እተዓለመሉ ብዘይ​ምዃኑ ኸንቱ ክኸውን ከሎ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ደቅሰብ ንዘለኣለም ብሓባር ከም ሓደ ፍጹም ስድራ​ቤት ኰይኖም ንገነታዊት ምድሪ እናተኸናኸኑ ኽነብሩ እዮም ተፈጢሮም። ኰይኑ ግን: ሓጺርን ስቓይ ዝመልኦን መብዛሕትኡ ግዜ ዘበሳጩን ናብራ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ከምቲ እዮብ ዝበሎ “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ።” (እዮብ 14:1) እዝስ ብሓቂ ኸንቱነት ደይኰነን፧

14, 15. (ሀ) የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዝፈረዶ ፍርዲ ፍትሓዊ ምዃኑ ብኸመይ መርትዖ ኸነቕርብ ንኽእል፧ (ለ) ጳውሎስ እቲ ፍጥረት ንኸንቱ እተገዝአ ‘ብፍቓዱ ኸም ዘይኰነ’ ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሕጂ ‘“እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ንደቅ​ሰብ ነዚ ዘሳቕን ዘበሳጩን ናብራ ዘግዝኦም ስለምንታይ እዩ፧’ ንእትብል ኣገዳሲት ሕቶ ኽንምርምር ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 18:25) ከምዚ ምግባሩ ፍትሓዊ ድዩ ነይሩ፧ እቶም ቀዳሞት ወለድና እንታይ ከም ዝገበሩ እሞ ዘክር። ካብ ኣምላኽ ብምዕላዎም: ምስቲ ንሉዓላውነት የሆዋ ኣብ ሕቶ ዘእተወ ሰይጣን እዮም ወጊኖም። በዚ ተግባሮም ከኣ ሰብ ብዘይ​ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር ገዛእ ርእሱ እናመርሐ እንተ ነበረ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ እዮም ደጊፎም። የሆዋ ነዞም ዓለወኛታት ክፈርዶም ከሎ: ነቲ ዝሓተትዎ ሂብዎም ክበሃል ይከኣል እዩ። ንወድሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ገዛእ ርእሱ ኸመሓድር ፈቐደሉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ደቅሰብ ብተስፋ ንኸንቱ ኸም ዝግዝኡ ኻብ ምፍቃድ ዝሓይሽ ፍትሓዊ ውሳነ ምተረኽበዶ፧

15 ልክዕ እዩ: እዚ ነገርዚ ‘ፍቓድ’ እቲ ፍጥረት ኣይነበረን። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ምርጫና ኸይገለጽና ባሮት ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ኴንና ኢና እንውለድ ዘሎና። የሆዋ ግን ብምሕረቱ ኣቢሉ ንኣዳምን ሄዋንን ንዝተረፈ ዓመታት ህይወቶም ክነብሩን ዘርኦም ክትክኡን ፈቐደሎም። ዘርኦም ብምዃንና ንኸንቱነት ሓጢኣትን ሞትን እንግዛእ እኳ እንተዀንና: ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘይገበርዎ ንኽንገብር ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። ንየሆዋ ኽንሰምዖ ከምኡውን ሰባት ካብ የሆዋ ተፈልዮም ምስ ዝመሓደሩ ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ከንቱነትን ጥራይ ከምጽእ ከሎ: ሉዓላውነቱ ግን ጽድቃውን ፍጹምን ምዃኑ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። (ኤርምያስ 10:23፣ ራእይ 4:11) ሰይጣን ዘለዎ ጽልዋ ድማ ነቲ ሽግራት መሊሱ እዩ ዘጋድዶ። ታሪኽ ደቅሰብ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዝምስክር።​—⁠መክብብ 8:9

16. (ሀ) የሆዋ በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንርእዮ ዘሎና መከራ ተሓታቲ ዘይምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሆዋ ንእሙናት ሰባት እንታይ ተስፋ እዩ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዘዳለወሎም፧

16 እምበኣር: የሆዋ ንደቅ​ሰብ ንኸንቱ ዘግዝኣሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን የሆዋ ምንጪ ናይቲ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ዘጋጥመና ኸንቱነትን መከራን እዩ ማለት ድዩ፧ ነዛ ሕቶ ንምምላስ: ብዛዕባ ንሓደ ገበነኛ ብፍትሓዊ መገዲ ዝፈርዶ ዳኛ እሞ ሕሰብ። እቲ ገበነኛ እተፈርዶ መቕጻዕቲ ክቕጻዕ ከሎ ብዙሕ ክሳቐ ይኽእል እዩ: ነቲ ዳኛ ግን ጠንቂ ስቓዩ ኸም ዝዀነ ገይሩ ክኸሶ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ ድዩ፧ የብሉን! ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ምንጪ እከይ ኣይኰነን። ያእቆብ 1:13 “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ” ትብል። የሆዋ ነዚ ፍርዲ እዚ ኸመሓላልፍ ኸሎ “ተስፋ” እውን ከም ዝሃበ ኣይንረስዕ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ንእሙናት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ከንቱነት ተናጊፎም “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ብምርካብ ዝሕጐሱሉ ምድላው ገይሩ ኣሎ። ንዘለኣለም ኣለም እሙናት ሰባት ደጊም ብዘሎ እቲ ፍጥረት እንደገና ናብቲ ዘሳቒ ኸንቱነት ከይኣቱ ዝብል ሻቕሎት ኣይክህልዎምን እዩ። የሆዋ ነዚ ጕዳይ እዚ ብቕኑዕ መገዲ ብምሓዙ: ንሉዓላውነቱ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝረጋገጽ ክገብሮ እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 25:8

17. ኣብዛ ዓለም መከራ ዝመጸሉ ምኽንያት ምምርማርና ብኸመይ ክትንክፈና ኣለዎ፧

17 ደቅሰብ መከራ ዝወርዶም ዘሎ ምኽንያታት ክንምርምር ከለና: የሆዋ በዚ ዘሎ እከይ ተሓታቲ ንኽንገብሮ ወይ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ንኸነጥፍእ መሰረት ዝዀነና ነገር ንረክብ ዲና፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ነቲ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ዝብል ቃላት ሙሴ ንኸነቃልሕ እዩ ዝድርኸና። (ዘዳግም 32:4) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብምስትንታን: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘሎና ምርዳእ ነሐድሶ። በዚ ኸምዚ ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ: ሰይጣን ኣብ ኣእምሮና ምጥርጣር ንኽዘርእ ዝገብሮ ጻዕሪ ንጻረሮ። እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ ካልኣይ ስጕምቲኸ ብኸመይ ኢና እንወስዶ፧ ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

18, 19. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ብዝብል ቃላት እዩ ብየሆዋ ንኽንእመን ዘተባብዓና: ኣብዚ መዳይ እዚ ግን ገሊኣቶም እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

18 ቃል ኣምላኽ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ይምሕጸነና። (ምሳሌ 3:5, 6) እዚ ባህ ዘብልን ዘተባብዕን ቃላት እዩ። ኣብ መላእ ኣድማስ ካብቲ ፍቑር ሰማያዊ ኣቦና ንላዕሊ ትውክልቲ ኽግበሮ ዝኽእል የልቦን። ይኹን እምበር: ነዘን ኣብ ምሳሌ ዝርከባ ቓላት ካብ ክትገብረን ከተንብበን ይቐልል።

19 ብዙሓት ሰባት ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ግጉይ ምርዳእ ኣለዎም። ገሊኣቶም ነዚ ትውክልቲ እዚ: ኣብ ልቢ ብባህርያዊ ዝፍጠር ናይ ፍስሓ ስምዒት ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ኣምላኽ ምውካል ክበሃል ከሎ: ካብ ዝዀነ ይኹን ጸገም ከዕቍበና: ኵሉ ጸገማትና ኽፈትሓልና: ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘጋጥመና ጸገማት ብኡንብኡ ኸምቲ እንደልዮ ኽፍትሓልና ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ። እዚ ሓሳባት እዚ ግን መሰረት ዘይብሉ እዩ። ትውክልቲ ስምዒት ኣይኰነን: ኣብ ክዉንነት እተመርኰሰ ኸኣ እዩ። ንዓበይቲ ሰባት ትውክልቲ ኽበሃል ከሎ ኰነ ኢልካ ብምስትውዓል ዝግበር ውሳነ እዩ ዘመልክት።

20, 21. ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓልል እዩ፧ ግለጽ።

20 ምሳሌ 3:5 እንታይ ከም እትብል እሞ እንደገና ርአ። ኣብ የሆዋ እምንቶ ምግባር: ኣብ ልቦናኻ ምስ ምጽጋዕ ከም ዝጋጮ ብምግላጽ: ክልቲኡ ኽንገብር ከም ዘይንኽእል ትገልጽ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ነእምሮና ኽንጥቀመሉ ኣይፍቀደልናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ እቲ ነዚ ናይ ምስትውዓል ክእለት ዝሓዘ ኣእምሮና ዝሃበና የሆዋ: ኣብ ኣገልግሎቱ ንኽንጥቀመሉ እዩ ዝጽበየና። (ሮሜ 12:1) እንተዀነ ግን: ኣብ መን ኢና እንጽጋዕ ወይ እንምርኰስ፧ ኣተሓሳስባና ምስ ናይ የሆዋ ኣተሓሳስባ ኣብ ዘይሰማምዓሉ እዋን: ንጥበቡ ኻብቲ ናትና ኣጸቢቑ ዝበልጽ ብምዃኑ ንቕበሎ ዲና፧ (ኢሳይያስ 55:8, 9) ኣብ የሆዋ እምንቶ ምግባር ወይ ምውካል ክበሃል ከሎ ኣተሓሳስባኡ ንኽመርሓና ምፍቃድ ማለት እዩ።

21 ነዚ ንምብራህ:- ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኣብ ድሕሪት ወንበር ሓንቲ ማኪና ኾፍ ኢሉ: ወለዱ ድማ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ይጐዓዙ ኸም ዘለዉ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣቦኡ ነታ ማኪና ይመርሓ ኣሎ። ኣብቲ ጕዕዞ ጸገማት ምስ ዘጋጥም: ንኣብነት እታ ቕንዕቲ መገዲ ኣየነይቲ ምዃና ሕቶ ምስ ዝለዓል ወይ ኵነታት ኣየር ወይ እቲ መገዲ ምስ ዝበላሾ: ሓደ እዙዝን ንወለዱ ዝኣምንን ውሉድ እንታይ እዩ ዝገብር፧ ኣብቲ ኾፍ ኢልዎ ዘሎ ዀይኑ ነቦኡ ነታ ማኪና ብኸመይ ክመርሓ ኸም ዘለዎ መምርሒ ይህቦ ድዩ፧ በቲ ወለዱ ዝገብርዎ ውሳነታት ይጠራጠር ወይ ኣብቲ ኾፍ ኢልዎ ዀይኑ ነቲ መእሰሪ ንኽዕጠቕ ዝህብዎ ትእዛዝ ይጻረርዶ እዩ፧ ኣይፋሉን: ወለዱ ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ: ይተኣማመነሎም እዩ። የሆዋ ግን ፍጹም ኣቦ እዩ። ስለዚ: ብፍላይ ኣጸጋሚ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ምሉእ ብምሉእ እምንቶ ኽንገብረሉዶ ኣይግባእን፧​—⁠ኢሳይያስ 30:21

22, 23. (ሀ) ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸነሕድር ዘሎና ብኸመይ ኢና: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመያየጠሉ፧

22 ይኹን እምበር: ምሳሌ 3:6 ኣጸጋሚ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ኣብ ኵሉ መገድና ንየሆዋ ኽንሓስብ’ ከም ዝግባእ ትሕብር እያ። ስለዚ: እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንገብሮ ውሳነታት ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸም ዘሎና ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ነቲ የሆዋ መፍትሒ ንክዀነና ዝሃበና ብሉጽ መምርሒታት ክንነጽግ: ተስፋ ክንቈርጽ: ወይ ክንስንብድ የብልናን። ፈተናታት ንሉዓላውነት የሆዋ ደገፍና እነርእየሉ: ንሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ተወሳኺ መርትዖ እነቕርበሉ: ከምኡውን ንየሆዋ ዘሐጕሶ ተኣዛዝነትን ካልእ ባህርያትን እነማዕብለሉ ኣጋጣሚ ጌርና ንውሰዶ።​—⁠እብራውያን 5:7, 8

23 ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት እኳ እንተ ኣጋጠመና: ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ወይ ትውክልቲ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነዚ ድማ ብጸሎትና ከምኡውን ነቲ ኻብ ቃል የሆዋን ማሕበሩን ዝወሃበና መምርሒ ብዘሎና ኣረኣእያ ኸነንጸባርቖ ንኽእል። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ግዜና እተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ብኸመይ ኢና ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ከነርኢ ንኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ዳዊት ንየሆዋ እምንቶኡ ኸም ዝገበሮ ብኸመይ ኣርኣየ፧

• ኣብዚ ግዜና ንሰባት መከራ ዘጋጥመሉ ሰለስተ ምኽንያታት እንታይ እዩ: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነዚ ደጋጊምካ ምምርማሩ ጠቓሚ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ንደቅ​ሰብ እንታይ እዩ ዝፈረዶም: እዚ ቕኑዕ ፍርዲ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንየሆዋ እምንቶኡ ገበሮ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ግምቢ ኣብ የሩሳሌም ምስ ወደቐ: የሆዋ በቲ ሓደጋ ተሓታቲ ዘይምዃኑ የሱስ ገለጸ