ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንድኻታት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ

ንድኻታት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ

ንድኻታት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ

ሱስ ክርስቶስ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንድኻታት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ነበሮ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት: ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር “ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ: ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 11:5) እንተዀነ ግን: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድኻታት ዝስበኽ ብስራት ኣሎዶ፧ እወ: ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣሎ!

ዓለም ብሓፈሻ ንድኻታት ዕሽሽ ኢላቶምን ረሲዓቶምን እኳ እንተላ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ: ተስፋ መስኪን ንዘለኣለም ኣይኪጠፍእን እዩ” ብምባል ይመባጽዓሎም። (መዝሙር 9:18) እታ ናይ ሓቂ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ግዝኣት ምስ ኣጥፍኣቶ: እዚ ዘጸናንዕ ቃላት ፍጻሜኡ ኽረክብ እዩ። (ዳንኤል 2:44) እቲ ንጉስ ናይዛ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነ የሱስ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:13, 14

ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ዝህሉ ዅነታት መነባብሮ ከመይ ዝበለ እዩ ክኸውን፧ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዝነብሩ: ጻማ ጻዕሮም ክረኽቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሚክያስ 4:3, 4 “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። መንግስቲ ኣምላኽ ንሕማምን ሞትን እውን ከተጥፍኦ እያ። (ኢሳይያስ 25:8) ከመይ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ዀን እዩ ክኸውን! እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓታት ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ብምዃኑ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ዝህበና ናይ ተስፋ መልእኽቲ: ነቲ ብድኽነት ክመጽእ ዝኽእል መዓልታዊ ጸገማትና ንኽንዋጽኣሉ እውን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት: ብሰንኪ ድኽነት ንርእስና ኣመና ኣትሒትና ንርኢ እንተ ዄንና: ነዚ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ይሕግዘና። ሓደ ስኡን ክርስትያን ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ማዕረ እቲ ሃብታም ክርስትያን ከም ዝዀነ: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሮ መጽናዕቲ ይፈልጥ እዩ። ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ኣምላኽ “ኵላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ: . . . ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን” ዝብል ንረክብ ኢና። (እዮብ 34:19) ኣምላኽ ንኽልቲኦም ብማዕረ እዩ ዘፍቅሮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35