ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ወትሩ ይሓልየልና

የሆዋ ወትሩ ይሓልየልና

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ወትሩ ይሓልየልና

ኢነለስ ምዛንጋ ዘዘንተወቶ

እዋኑ 1972 እዩ ነይሩ። ዓሰርተ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ናብ ቤትና ጥሒሶም ብምእታው: ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝርከብ ግራት ቃንጫ ሽኮር ጐቲቶም ወሰዱኒ። ኣብኡ ቀጥቀጡኒ: ዝሞትኩ መሲልዎም ድማ ሓዲጎምኒ ኸዱ።

ብዙሓት ኣብ ማላዊ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ መጥቃዕቲ ወሪድዎም እዩ። ስለምንታይ እዩ መስጐጕቲ ወሪድዎም፧ ነዚ ንኽጻወርዎ ዝሓገዞምከ እንታይ እዩ፧ መጀመርታ ታሪኽ ስድራ​ቤተይ ኸዘንትወልኩም።

ብ31 ታሕሳስ 1921 ካብ ሃይማኖታዊት ስድራ​ቤት ተወለድኩ። ኣቦይ ቀሺ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ፕረስባይተርያዊ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነበረ። ኣብ ጥቓ እታ ሊሎንግወ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ማላዊ እትርከብ ንኮማ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ጓል 15 ዓመት ከለኹ: ንኢማስ ምዛንጋ ተመርዓኽዎ።

ሓደ መዓልቲ ዓርኪ ኣቦይ ዝዀነ ቐሺ ኽበጽሓና መጸ። ኣብ ጥቓ ቤትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝነብሩ ምስ ኣስተውዓለ: ምሳታቶም ከይንቀራረብ ኣጠንቀቐና። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከም ዝዀኑን ንሕናውን እንተ ዘይተጠንቂቕና ኣጋንንቲ ኽሓድሩና ኸም ዝኽእሉ ነገረና። በዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣዚና ስለ ዝፈራህና: ናብ ካልእ ቍሸት ገዓዝና። ኣብኡ ድማ ኢማስ ኣብ ሓደ ድኳን ስራሕ ረኸበ። ነዊሕ ከይጸናሕና ግን ኣብ ጥቓና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝነብሩ ፈለጥና!

ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር እዋን እቲ ኢማስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንኽዘራረብ ደረኾ። ንሓያሎ ሕቶታቱ ዘዕግብ መልሲ ድሕሪ ምርካቡ: እቲ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ንዘቕረበሉ ዕድመ ተቐበለ። ፈለማ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ድኳን ይገብርዎ ነበሩ። ደሓር ግን ኣብ ሰሰሙን ኣብ ቤትና ኽገብሩ ጀመሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና ኽመጹ ኸለዉ: እፈርሆም ብምንባረይ ካብ ቤትና ወጺኤ እኸይድ ነበርኩ። ኢማስ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምጽናዕ ኣየቋረጸን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሑ ድማ ኣብ ሚያዝያ 1951 ተጠምቀ። ንኸይንፋታሕ ስለ ዝፈርሀ ግን ከም እተጠምቀ ኣይነገረንን።

ኣጸጋሚ ሰሙናት

ሓደ መዓልቲ ግን ኢለን ካድዛለሮ እትበሃል መሓዛይ: በዓል ቤተይ ተጠሚቑ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ነገረትኒ። በዚ ኣዝየ ተቘጣዕኩ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዘ ምስኡ ምዝራብ ኰነ ንዕኡ መግቢ ምድላው ኣቋረጽኩ። ንመሕጸብ ነብሱ ዝኸውን ማይ ምውራድ ኰነ ምውዓይ እውን ኣበኹ። እዚ ዕዮ እዚ ብባህልና ናይ ሰበይቲ ዕዮ ጌርካ እዩ ዝርአ።

ኢማስ ንሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ምጽማም: ንኽንላዘብ ብሕያውነት ሓተተኒ: ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ዝወሰነሉ ምኽንያት ከኣ ገለጸለይ። ከም እኒ 1 ቈረንቶስ 9:16 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ኣንቢቡ ኣብረሃለይ። በዚ ልበይ ስለ እተተንከፍኩ: ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ክሳተፍ ከም ዘሎኒ ተሰምዓኒ። ስለዚ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ወሰንኩ። በታ ምሸት እቲኣ ነቲ ፍቑር በዓል ቤተይ ጥዑም መግቢ ብምድላው ኣሐጐስክዎ።

ነታ ሓቂ ንኣባላት ስድራ​ቤትናን ንፈተውትናን ምንጋር

ወለድና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓብር ከም ዘሎና ምስ ፈለጡ: ኣበርቲዖም ተጻረሩና። ስድራይ ድሕሪ ደጊም ንኸይንበጽሖም ዝገልጽ ደብዳበ ጸሓፉለይ። እቲ ተግባሮም እኳ እንተ ኣጕሃየና: ኣብቲ የሱስ ብዙሓት መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቦታትን ኣዴታትን ከም እንረክብ ዝኣተዎ መብጽዓ ተኣማመንና።​—⁠ማቴዎስ 19:20

ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅልጡፍ ዕቤት ብምግባር በዓል ቤተይ ካብ እተጠምቀሉ ኣስታት ሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ጸኒሐ ኣብ ነሓሰ 1951 ተጠመቕኩ። ድሕርዚ ነታ ሓቂ ንኢለን መሓዛይ ከካፍላ ተደረኽኩ። እቲ ዘሐጕስ ከኣ ንሳውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ንዘቕረብኩላ ዕድመ ተቐበለት። ኣብ ግንቦት 1952 ኢለን ተጠሚቓ መንፈሳዊት ሓብተይ ብምዃና ምሕዝነትና ዝያዳ ደልደለ። ክሳዕ እዚ ግዜ እዚውን ኣዚና እንቀራረብ ኣዳኖታት ኢና።

ብ1954 ኢማስ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብምዃን ንጉባኤታት ክበጽሕ ተመዘዘ። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድሮ ሽዱሽተ ውሉዳት ነበሩና። ኣብቲ ግዜ እቲ ስድራ ዘለዉዎ ገያሺ ተዓዛቢ ንሓደ ሰሙን ንሓንቲ ጉባኤ ድሕሪ ምብጻሕ: ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ምስ ሰበይቱን ደቁን የሕልፎ ነበረ። ይኹን እምበር: ኢማስ ክገይሽ ከሎ: ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመርሓሎም ሓደራ ኢሉኒ ይኸይድ ነበረ። ምስ ደቅና እንገብሮ መጽናዕቲ ባህ ዘብል ንክኸውን ንጽዕር ነበርና። ንየሆዋን ነቲ ኣብ ቃሉ ዝርከብ ሓቅን ዘሎና ፍቕሪ እውን ካብ ልቢ ብዝመነጨ ስምዒት ንዛረበሉ: ብምሉእና ኣባላት ስድራ​ቤት ከኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ንካፈል ነበርና። እዚ መንፈሳዊ ስልጠና እዚ ንእምነት ደቅና ኣደልደሎ: ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ መስጐጕቲ ንኽዋጽኡሉ ድማ ኣዳለዎም።

ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ጀመረ

ብ1964 ማላዊ ናጽነታ ኣወጀት። ሰበ⁠-​ስልጣን ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ ኻብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ምዃንና ምስ ፈለጡ: ኣባል ናይቲ ሰልፊ ምዃንና ዝገልጽ ካርድ ክንገዝእ ከገድዱና ፈተኑ። a ኣነን ኢማስን ከምዚ ምግባር ስለ ዝኣበና: ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ነቲ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ዝኸውን ቀንዲ መግብና ዝነበረ ግራት ዕፉን ኣብረስዎ። እዞም ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ነቲ ዕፉን ክቘርጽዎ ከለዉ “ኵሎም እቶም ንናይ ካሙዙ [ናይ ፕረዚደንት ባንዳ] ካርድ ምዕዳግ ዝኣብዩ: ሸዊት ዕፉኖም ፍልሖ ኽበልዖ እዩ: ንሳቶም እውን ክበኽዩሉ እዮም” ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ነዚ መግብና እኳ እንተ ሰኣንና: ተስፋ ግን ኣይቈረጽናን። የሆዋ ኸም ዝሓልየልና ይስምዓና ነበረ። ብፍቕራዊ መገዲ ኣበራቲዑና እዩ።​—⁠ፊልጲ 4:12, 13

ኣብ ነሓሰ 1964 ሓደ ለይቲ ምስ ደቀይ ደቂሰ ኸለኹ: ካብ ማዕዶ መዝሙር ሰሚዐ ተበራበርኩ። እቲ መዝሙር እቲ ኻብቶም ጉለዋምኩሉ ዝበሃሉ መናፍስቲ ናይ ዝሞቱ ኣቦታት ከም ዝዀኑ ኣምሲሎም ኣብ ሰባት መጥቃዕቲ ዘውርዱ: ኣዝዮም ዝፍርሁ ምስጢራዊ ባህላዊ ሳዕሳዕቲ እዩ ዝመጽእ ነይሩ። እቶም ማሕበር መንእሰያት ነቶም ጉለዋምኩሉ ንኸጥቅዑና ለኣኹዎም። ተቐላጢፈ ንደቀይ ኣተንሳእክዎም: እቶም ሰባት ናብ ቤትና ቕድሚ ምብጽሖም ድማ ናብ መሮር ሃደምና።

ኣብኡ ተሓቢና ኸለና ብርቱዕ ብርሃን ረኣና። እቶም ጉለዋምኩሉ ነቲ ብሓሰር እተሰርሐ ናሕሲ ቤትና ብሓዊ ኣንደድዎ። ኵሉ ንብረትናን ቤትናን ድማ ብሓዊ ሞኽ በለ። እቶም ሰባት ቤትና ተቓጺላ ኽሳዕ እትውዳእ ኣብኡ ጸኒሖም ክኸዱ ኸለዉ: “ነታ ናይ የሆዋ ምስክር ንኽትስሕነሉ ግርም ጌርና ሓዊ ኣናኺስናላ” ኽብሉ ሰማዕናዮም። ብደሓን ምውጻእና ንየሆዋ ብዙሕ ኣመስገንናዮ። ልክዕ እዩ: ንዅሉ ንብረትና እኳ እንተ ኣጥፍእዎ: ካብ ኣብ ሰብ ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ዝገብረናዮ ቘራጽነት ግን ኣይቀየርዎን።​—⁠መዝሙር 118:8

ጉለዋምኩሉ ኣብቲ ኸባቢ ንዝርከቡ ሓሙሽተ ስድራ​ቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ነገር ከም ዝገበሩ ፈለጥና። ኣብተን ኣብ ጥቓና ዝርከባ ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋት ንኽረድኡና ምስ መጹ እተሰምዓና ሓጐስን ሞሳን መወዳድርቲ ኣይነበሮን! ቤትና ዳግም ሃነጹልና: ንእተወሰነ ሰሙናት ዘድልየና መግቢ ድማ ሃቡና።

መስጐጕቲ ተጋደደ

ኣብ መስከረም 1967 ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓይሊ ኣብ ሓደ ንምእካብ ወፈራ ተገብረ። ጨካናትን ንሕስያ ዘይብሎምን ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ከምኡውን ኣባላት ናይ ማላዊ ፈለምቲ መንእሰያት ጎዞሞ ሒዞም ካብ ቤት ናብ ቤት እናዞሩ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከናድዩ ጀመሩ። ምስ ዝረኽብዎም ከኣ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ካርድ ክዕድጉ ይሓትዎም ነበሩ።

ኣብ ቤትና ምስ መጹ: ናይ ፓርቲ ካርድ ዓዲግና እንተ ዄንና ሓተቱና። ኣነ ድማ “ኣይዓደግኩን። ሕጂ ዀነ ንመጻኢ እውን ኣይዕድግን እየ” በልክዎም። ድሕሪኡ ንዓይን ንበዓል ቤተይን ሒዞም ዋላ ሓንቲ ነገር ክንማላእ ከየፍቀዱ ናብቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ መደበር ፖሊስ ወሰዱና። እቶም ንኣሽቱ ደቅና ኻብ ምህሮ ምስ ተመልሱ: ስለ ዘይረኸቡና ኽሻቐሉ ጀመሩ። እቲ ዳንኤል ዝበሃል በዅሪ ወድና ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ቤት ምስ ተመልሰ: ሓደ ጐረቤትና እንታይ ከም ዘጋጠመ ነገሮ። ብኡንብኡ ንነኣሽቱ ኣሕዋቱ ሒዙ ናብ መደበር ፖሊስ መጸ። እቶም ፖሊስ ኣብ ዓበይቲ ማካይን ጽዒኖም ናብ ሊሎንግወ ኽወስዱና ኽብሉ ኸለዉ እዩ ኣርኪቡና። ስለዚ: ደቅና ምሳና ሒዝናዮም ከድና።

ኣብ ሊሎንግወ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ንይምሰል ቤት ፍርዲ ቘመ። እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንኩም ዲኹም ክትቅጽሉ፧” ኢሎም ሓተቱና። “እወ” ኢልና መለስናሎም። በዚ መልሲ እዚ ብኡንብኡ ንሸውዓተ ዓመት ክንእሰር ተፈርደና። ነቶም ናይታ ማሕበርና “መራሕቲ” እዮም ዝበልዎም ከኣ ን14 ዓመት ክእሰሩ ፈረድዎም።

ብዘይ​ መግብን ድቃስን ሓደ ለይቲ ምስ ሓለፈ: እቶም ኣባላት ፖሊስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ማውል ወሰዱና። ኣብኡ ኸኣ እቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኽፍልታት ብዙሕ ሰብ መሊኡ ብምንባሩ እንድቅሰሉ ቦታ እውን ኣይነበረናን! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንሽንቲ እትኸውን ሓንቲ ሰንኬሎ ጥራይ ይወሃበና ነበረ። እቲ ዝወሃበና መቝነን እውን ብጽቡቕ ዘይተዳለወን ውሑድን ነበረ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን እቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ሰላማውያን ምዃንና ስለ ዘስተውዓሉ: ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኽንከውን ፈቐዱልና። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓንሳእ ስለ ዝነበርና: ንሓድሕድና ንኽንተባባዕን ንኻልኦት እሱራት ጽቡቕ ምስክርነት ንኽንህቦምን ኣጋጣሚ ነበረና። እቲ ዘገርም ግን ንሰለስተ ወርሒ ተኣሲርና ድሕሪ ምጽናሕ: ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ማላዊ ብዝገበሩሉ ጸቕጢ ተፈታሕና።

ኣባላት ፖሊስ ናብ ቤትና ኽንምለስ ኣዘዙና: እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማላዊ ኸም እተኣገዱ እውን ነገሩና። እዚ እገዳ እዚ ኻብ 20 ጥቅምቲ 1967 ኣትሒዙ ኽሳዕ 12 ነሓሰ 1993 ን26 ዓመት ዝኸውን ጸንሐ። እዚ ዓመታት እዚ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ: ብሓገዝ የሆዋ ግን ገለልትነትና ሓሊና ኽንነብር ክኢልና ኢና።

ከም እንስሳ ተሃደንና

ኣብ ጥቅምቲ 1972 መንግስቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ ሓድሽ ማዕበል መስጐጕቲ ኣበገሰ። እቲ ኣዋጅ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ስርሖም ክባረሩ: እቶም ኣብ ኣቝሻት ዝነብሩ ኸኣ ካብ ኣባይቶም ክስጐጉ ምዃኖም ዝገልጽ እዩ ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ከም እንስሳ ኽህደኑ ተጀመረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ንኢማስ ህጹጽ መልእኽቲ ሒዙሉ ናብ ቤትና መጸ: ‘እቶም ማሕበር መንእሰያት ርእስኻ ቈሪጾም ኣብ ዘንጊ ሰቒሎም ናብ ዓበይቲ ዓዲ ኽወስድዎ ውዲት ይኣልሙ ኣለዉ’ በሎ። ኢማስ ቀልጢፉ ካብ ቤት ወጸ: እንተዀነ ግን ቀልጢፍና ንኽንስዕቦ ምድላዋት ድሕሪ ምግባሩ እዩ ኸይዱ። ብኡንብኡ: ንደቀይ ካብ ቤት ትምህርቲ ኽመጹኒ መልእኽቲ ለኣኽኩሎም። ድሕሪኡ ኻብ ቤት ክወጽእ እናተዳለኹ ከለኹ: ዓሰርተ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንኢማስ ደልዮም መጹ። ናብ ቤትና ሰቢሮም ኣተዉ: ኢማስ ከም ዘምለጠ ምስ ፈለጡ: ዓንጾዓንጾ ንዓይ እናጐተቱ ናብ ግራት ቃንጫ ሽኮር ወሰዱኒ: ኣብኡ ድማ በእጋሮም ረጋገጹኒ: ብቓንጫ ሽኮር ገይሮም እውን ቀጥቀጡኒ። ድሕሪኡ ዝሞትኩ መሲልዎም ገዲፎምኒ ኸዱ። ሃለዋተይ ምስ ተፈለጠኒ: እናተፋሓዅኩ ናብ ቤተይ ተመለስኩ።

በታ ምሸት እቲኣ ኢማስ ጸልማት ጕልባብ ብምግባር ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ንኽርእየኒ ናብ ቤትና መጸ። ብዙሕ ተጐዲአ ምስ ረኣየ: ንሱን ሓደ ማኪና ዘለዎ ዓርኩን ቀስ ኢሎም ኣብ ማኪና ሰቐሉኒ። ድሕሪኡ በታ ማኪና ናብ ሓደ ኣብ ሊሎንግወ ዝርከብ ሓው ከድና: ኣብኡ ድማ በብቝሩብ ጠዓኹ: ኢማስ እውን ካብታ ሃገር ንኸነምልጥ መደባት ክገብር ጀመረ።

መዕለቢ ዘይብልና ስደተኛታት

ዲነሲ ጓለይን በዓል ቤታን ሓምሳ ኵንታል እትጽዕን ማኪና ነበረቶም። ሓደ በቲ ዝወረደና መስጐጕቲ ዝሓዝን ዝነበረ ኣባል ናይ ማላዊ ፈለምቲ መንእሰያት ነበር ነታ ማኪና ይሕዛ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ንዓናን ንኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ክሕግዘና ፍቓደኛ ዀነ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከካብ እተሓብኡሉ ቦታ ምሸት ምሸት ኣከቦም። ድሕሪኡ ነቲ ዩኒፎርም ናይ ማላዊ ፈለምቲ መንእሰያት ተኸዲኑ ነታ ማኪና እናዘወረ ፖሊስ ብዝፍትሹሉ ዝነበሩ እተወሰነ ነቝጣታት ሓሊፉ ሒዙና ኸደ። ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው: በማእታት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዛምብያ ምእንቲ ኽሰግሩ ሓገዞም።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሰበ⁠-​ስልጣን ዛምብያ ናብ ማላዊ መለሱና። እንተዀነ ግን: ናብታ ቝሸትና ኽንምለስ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ኵሉ እቲ ሓዲግናዮ ዝኸድና ንብረትና ተዘሪፉ ነበረ። እቲ ናይ ቤትና ዚንጎ እውን ኣይተረፈን። ብሰላም እንነብረሉ ቦታ ስለ ዘይነበረ: ናብ ሞዛምቢክ ከድና: ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ምላንገኒ ድማ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ጸናሕና። ኣብ ሰነ 1975 ግን ኣብ ሞዛምቢክ ዝቘመ ሓድሽ መንግስቲ ነቲ መዓስከር ስደተኛታት ዓጽዩ ናብታ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወርድ ዝነበረ መስጐጕቲ ዘየቋረጸላ ማላዊ ኽንምለስ ኣገደደና። ናብ ዛምብያ ምኻድ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን። ኣብ ዛምብያ ኸኣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ቺጉሙኪረ ኣተና።

ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ብዙሓት ኣውቶቡሳትን ወተሃደራት ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይንን መጺአን ኣብቲ መገዲ ደው በላ: በማእታት ዝቝጸሩ ብዝግባእ እተዓጥቁ ወተሃደራት ዛምብያ ኸኣ ነቲ መዓስከር ስደተኛታት ወረርዎ። ጽቡቕ ኣባይቲ ኸም እተሃንጸልናን ናብኡ ንኽንከይድ ድማ መጓዓዝያ ኸም ዘዳለዉልናን ነገሩና። ሓስዮም ከም ዘዀኑ ፈለጥናዮም። እቶም ወተሃደራት ነቶም ስደተኛታት ናብተን ዓበይቲ ማካይንን ኣውቶቡሳትን ንኽስቀሉ ኽደፍእዎም ጀመሩ: በዚ ድማ እቲ ህዝቢ ረዓደ። እቶም ወተሃደራት በቲ ኣውቶማቲክ ጠበንጃኦም ናብ ሰማይ ክትኵሱ ጀመሩ: በሽሓት ዝቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ብፍርሂ ተበታተኑ።

ኣብ መንጎ እቲ ሕንፍሽፍሽ ኢማስ ወዲቑ ተረግጸ: ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ግን ደጊፉ ኣተንስኦ። እዚ ፍጻመ እዚ መጀመርታ እቲ ዓብዪ መከራ ዀይኑ ተሰምዓና። ኵሎም ስደተኛታት ናብ ማላዊ ገጾም ሃደሙ። ገና ኻብ ዛምብያ ኸይወጻእና ኸለና: ኣብ ሓደ ውሒዝ ምስ በጻሕና እቶም ኣሕዋት ውሒዝ ምእንቲ ኸይወስደና ተተሓሒዝና ከም እንሰግር ገበሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ውሒዝ ግን ብወተሃደራት ዛምብያ ተኸበብና: ብሓይሊ ድማ ናብ ማላዊ መለሱና።

እንደገና ናብ ማላዊ ምስ ተመለስና: መእተዊ ኣይነበረናን። እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ኣኼባታትን ጋዜጣታትን ኣብ ቝሸቱ “ሓደስቲ ሰባት:” ማለት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እንተ መጺኦም ክጥንቀቕ ከም እተነግሮ ሰማዕና። ስለዚ: ኣብቲ ብቐሊሉ ዘይንፍለጠሉ ርእሲ ኸተማ ኽንከይድ ወሰንና። ንእሽቶ ቤት ተኻረና: ኢማስ ከኣ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ብምስጢር ንጉባኤታት ክበጽሕ ጀመረ።

ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምእካብ

እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ዝሓገዘና እንታይ እዩ፧ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እዩ ነይሩ! ኣብቲ ኣብ ሞዛምቢክን ዛምብያን ዝነበርናዮ መዓስከር ስደተኛታት: ብሓሰር እተሰርሐ ናሕሲ ኣብ ዘለዎ ተራ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከይተሰከፍና ንእከብ ነበርና። ኣብ ማላዊ ኣኼባ ምግባር ሓደገኛን ኣጸጋምን እኳ እንተ ነበረ: ብዙሕ ይጠቕመና ግን ነበረ። ምእንቲ ኸይንፍለጥ መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ንእከብ ነበርና። ኣኼባና ኣቓልቦ ሰባት ምእንቲ ኸይስሕብ: ነቲ እቲ ተዛራባይ ዘቕረበልና ዝርርብ ምስጋናና ኽንገልጽ ከለና: ኣብ ክንዲ እነጣቕዕ ንኣእዳውና ነፈሓፍሖ ነበርና።

ጥምቀት ለይቲ እዩ ዝግበር ነይሩ። ኣቢዩድ ወድና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ተጠሚቑ። ድሕሪ ናይ ጥምቀት ዝርርብ: ንሱን ካልኦት ናይ ጥምቀት ሕጹያትን ጸልማት ጕልባብ ገይሮም ናብ ሓንቲ ዅዒቶም ዘዳሉዋ ንእሽቶ ጕድጓድ ኸዱ። ኣብኡ ድማ ተጠምቁ።

እታ ስትርቲ መሕብኢት ዝነበረት ንእሽቶ ቤትና

እቲ እገዳ ኣብ ዝነበረሉ ዳሕረዋይ ዓመታት: ኣብ ሊሎንግወ እትርከብ ቤትና ስትርቲ መሕብኢት ነበረት። ካብቲ ኣብ ዛምብያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝለኣኽ ደብዳበታትን ጽሑፋትን ብምስጢር ናብ ቤትና ይመጽእ ነበረ። ብብሽክለታኦም ገይሮም ከም መበጻጻሕቲ ዀይኖም ዘገልግሉ ኣሕዋት: ነቲ ኻብ ዛምብያ ዝመጸ ደብዳበታት ኰነ ጽሑፋት ናብ እተፈላለየ ዅርናዓት ማላዊ ንምብጻሕ ናብ ቤትና ይመጹ ነበሩ። እቲ ሽዑ ዝመጽእ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ዘገልግል ረቂቕ ወረቐት እዩ ዝሕተም ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቶም መበጻጻሕቲ ኻብቲ ብልሙድ ወረቐት እተዳለወ መጽሔት ክወስድዎ ዝኽእሉ መጠን ብዕጽፊ ንኽወስዱ የኽእሎም ነበረ። እቶም መበጻጻሕቲ እቲ ዝጽናዕ ዓንቀጻት ጥራይ ዝሓዘ ንእሽቶ ግምቢ ዘብዐኛ እውን የበጻጽሑ ነበሩ። እዚ ዓይነት ንእሽቶ መጽሔት እዚ: ኣብ ሓንቲ ወረቐት ጥራይ ስለ ዝዳሎ ኣብ ናይ ካምቻ ጁባ ኽኣቱ ዝኽእል እዩ ነይሩ።

እዞም መበጻጻሕቲ እዚኣቶም ካርቶናት ዝመልአ እተኣገደ ጽሑፋት ሒዞም: ሓድሓደ ግዜ ብጸልማት ብሽክለታኦም እናዘወሩ ክኸዱ ኸለዉ እንተ ዝርከቡ ነይሮም: ምተኣስሩ ወይ ምተቐትሉ። ፖሊስ ዝፍትሹሉ ቦታታትን ካልእ ሓደገኛ ነገራትን እኳ እንተ ነበረ: ኵነታት ኣየር ብዘየገድስ ነሕዋቶም መንፈሳዊ መግቢ ንምብጽጻሕ በማእታት ዝቝጸር ኪሎ ሜተራት ይጓዓዙ ነበሩ። እዞም ፍቑራት መበጻጻሕቲ እዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ ተባዓት ኰን እዮም ነይሮም!

የሆዋ ንመበለታት ይሓሊ

ኣብ ታሕሳስ 1992 ኢማስ ኣብ ናይ ወረዳ ምብጻሕ ዝርርብ እናሃበ ኸሎ: ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወደቐ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ክዛረብ ኣይከኣለን። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ንኻልኣይ ግዜ ኸምዚ ኣጋጠሞ: ሓደ ሸነኽ ኣካሉ ድማ ለመሰ። ጥዕና ብምስኣኑ ብዙሕ ከቢድዎ እኳ እንተ ነበረ: ካብ ጉባኤታት ዝረኸብናዮ ፍቕራዊ ደገፍ ግን ንጭንቀተይ ኣፋዀሰለይ። ብዓል ቤተይ ኣብ ሕዳር 1994 ኣብ 76 ዓመቱ ኽሳዕ ዝመውት ተኸናኺነዮ እየ። ሓዳር ካብ እንገብር 57 ዓመት ጌርና ነበርና: ኢማስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኻብ እገዳ ሓራ ኽንወጽእ ከለና ርእዩ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ እሙን ብጻየይ ብምስኣነይ ክሳዕ ሕጂ እሓዝን እየ።

መበለት ምስ ኰንኩ: ሰብኣይ ጓለይ ንበዓልቲ ቤቱን ሓሙሽተ ደቁን ጥራይ ዘይኰነስ ንዓይ እውን ክኣልየኒ ሓላፍነት ወሰደ። እቲ ዘሕዝን ግን ንሱውን ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምሕማም ኣብ ነሓሰ 2000 ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓለይ ንዓና ዝኸውን መግብን መንበርን ከመይ ገይራ እያ ኽትረክብ፧ የሆዋ ከም ዝሓልየልናን ብሓቂ “ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን” ምዃኑ እንደገና ረኣኹ። (መዝሙር 68:5) ኣብ ምድሪ ብዘለዉ ኣገልገልቱ ገይሩ ሓዳስ ቤት ሃነጸልና። እዛ ቤት ብኸመይ እያ ተሃኒጻ፧ እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ሽግርና ምስ ረኣዩ: ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙናት ቤት ሃነጹልና! ኣብ ካልእ ጉባኤታት ዝርከቡ ነዳቖ ኣሕዋትና ኽሕግዙና መጹ። እታ ዝሃነጹልና ቤት ካብቲ መብዛሕትኦም ዝነብሩሉ ኣባይቲ እትሓይሽ ብምንባራ: ነቲ ዘርኣዩና ፍቕርን ሕያውነትን መግለጺ ኣይረኸብናሉን። እቲ ኣባላት ጉባኤና ዘርኣይዎ ፍቕሪ ንጐረባብትና ጽቡቕ ምስክርነት ኰኖም። ምሸት ክድቅስ ከለኹ: ኣብ ገነት ከም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ! እወ: እታ ጽብቕቲ ሓዳስ ቤትና ብሕጡብን ስሚንቶን እኳ እንተ ተሰርሐት: ብዙሓት ከም ዝበልዎ ግን ብሓቂ ብፍቕሪ እያ ተሃኒጻ።​—⁠ገላትያ 6:10

ዘየቋርጽ ሓልዮት የሆዋ

ተስፋ ዝቘረጽኩሉ እዋን እኳ እንተ ነበረ: ደገፍ የሆዋ ግን ኣይተፈልየንን። ካብቶም ትሽዓተ ደቀይ እቶም ሸውዓተ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ኣለዉ: ጠቕላላ ኣባላት ቤተሰብና ኸኣ 123 በጺሕና ኣሎና። ዝበዝሑ ኻብዚኣቶም ብተኣማንነት ንየሆዋ የገልግሉ ምህላዎም ኣዝየ እየ ዘማስወሉ!

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ 82 ዓመት ዕድመይ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ማላዊ ዝፈጸሞ ነገራት ክርኢ ኸለኹ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ: ብዝሒ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሓደ ናብ ልዕሊ 600 ክበጽሕ ከሎ ርእየ እየ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሊሎንግወ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣሎና: ዘበራትዕ መንፈሳዊ መግቢ እውን ብቐጻሊ ይውሕዝ ኣሎ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 54:17 ዝርከብ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ብምባል ኣምላኽ ዝሃበና መረጋገጺ ኸም እተፈጸመ እየ ርእየ። ንልዕሊ 50 ዓመት ንየሆዋ ድሕሪ ምግልጋል: ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመና: የሆዋ ወትሩ ኸም ዝሓልየልና እተኣማመን እየ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ታሪኽ እቶም ኣብ ማላዊ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 1999 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 149-223 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

በዓል ቤተይ ኢማስ ኣብ ሚያዝያ 1951 ተጠምቀ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እተወሰኑ ተባዓት መበጻጻሕቲ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብፍቕሪ እተሃንጸት ቤት