ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

‘ብርእሱ ህይወት ኣላቶ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ክርስቶስ ‘ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ:’ ንሰዓብቱ ኸኣ ብርእሶም ‘ህይወት ከም እትህልዎም’ ገይሩ ይዛረብ እዩ። (ዮሃንስ 5:26፣ 6:53) ይኹን እምበር: እዘን ክልተ ጥቕስታት ሕደ ዓይነት ትርጕም የብለንን።

የሱስ “ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ: ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎ: ህይወት ሀቦ” በለ። ቀቅድሚ እዚ ሓሳባት እዚ: የሱስ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። . . . እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ: እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም: ኢለ ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። ኣብዚ የሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝህቦ ንሰባት ስምረት ኣምላኽ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ፍሉይ ሓይሉ እዩ ዝጠቅስ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ ነቶም ዝሞቱ ኸተንስኦምን ህይወት ክህቦምን ይኽእል እዩ። የሱስ ‘ብርእሱ ህይወት ኣላቶ’ ኽበሃል ከሎ: እዚ ስልጣን እዚ ተዋሂብዎ ማለት እዩ። ልክዕ ከም ኣቦ: ወዲ እውን ብኻልእ ኣበሃህላ “ብርእሱ ውህበት ህይወት ኣላቶ” ክበሃል ይከኣል እዩ። (ዮሃንስ 5:24-26) ሰዓብቱኸ፧

ድሕርዚ ሓደ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ የሱስ ንሰማዕቱ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም: ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ: [“ብርእስኹም” NW] ህይወት ከም ዜብልኩም: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 6:53, 54) ኣብዚ የሱስ ‘ብርእሶም ህይወት ምህላው’ ምስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ምስቲ ‘ብርእሶም ህይወት ምህላው’ ዝብል ዝመሳሰል ኣሰራርዓ ሰዋስው ዘለዎ መግለጺ ኣብ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ካልእ ቦታታት ይርከብ እዩ። እቲ “ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም” ከምኡውን “ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ” ዝብል ሓረጋት ኣብነት ክዀነና ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 9:50፣ ሮሜ 1:27) ኣብዚ መዳይ እዚ: እዘን ሓረጋት ንኻልኦት ጨው ናይ ምሃብ ወይ ዓስቢ ስሕተት ንኻልእ ናይ ምዕዳል ስልጣን ክህልወካ ኣየመልክታን እየን። ኣብ ክንድኡስ ውሽጣዊ ምሉእነት እየን ዘመልክታ። ስለዚ: እቲ ‘ብርእስኻ ህይወት ምህላው’ ዝብል ኣብ ዮሃንስ 6:53 ዝርከብ ሓረግ: ምሉእ ህይወት ምርካብ ማለት እዩ።

የሱስ ንሰዓብቱ ምስቲ ብርእሶም ህይወት ክትህልዎም ዝሃቦ ሓሳብ ብምትሕሓዝ ስጋኡን ደሙን ጠቒሱ ኣሎ። ጸኒሑ ድራር ጐይታ ኽሰርዕ ከሎ: ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን እንደገና ተዛረበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዝኣተዉ: ካብቲ ምሳልያዊ ዘይበዅዐ ቅጫን ወይንን ዝወስዱ ኸኣ መን ምዃኖም ገለጸ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ: እቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ሓድሽ ኪዳን እተኣታተዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ጥራይ እዮም ምሉእ ህይወት ዝረኽቡ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ዘረባ እተዘርበሉ እዋን ዓመት ዝኸውን ናይ ግዜ ፍልልይ ኣሎ። እቶም ነቲ ኣብ ዮሃንስ 6:53, 54 እተመዝገበ ቓላት የሱስ ዝሰምዑ: ብዛዕባ እቲ ንስጋን ደምን ክርስቶስ ዘመልክት ቅጫን ወይንን ጌርካ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም።

ብመሰረት ዮሃንስ ምዕራፍ 6: የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ፈለማ ንስጋኡ ምስ ማና ኣወዳደሮ:- “ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት: ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።” ስጋ የሱስን ደሙን ካብቲ ቓል ብቓሉ ማና ንላዕሊ ኣገዳስነት ነበሮ። ብኸመይ፧ ስጋኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘኽእል “ምእንቲ ህይወት ዓለም” እተዋህበ ብምዃኑ እዩ። a ስለዚ: እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ብርእሶም ህይወት ክትህልዎም’ ዝገልጽ ሓረግ: ንዅሎም እቶም ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኽቡ እዩ ዘመልክት።—ዮሃንስ 6:48-51

ሰዓብቲ ክርስቶስ መዓስ እዮም ብርእሶም ህይወት እትህልዎም ወይ ምሉእ ህይወት ዝረኽቡ፧ ነቶም ቅቡኣት ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይመውት መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ናብ ሰማያዊ ህይወት ክትንስኡ ኸለዉ እዮም ብርእሶም ህይወት እትህልዎም። (1 ቈረንቶስ 15:52, 53፣ 1 ዮሃንስ 3:2) እተን ናይ የሱስ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ድሕሪ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እየን ምሉእ ህይወት ዝረኽባ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ: ተፊቲነን እሙናት ኰይነን ስለ ዝርከባ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብራ ጻድቃን ክዀና እየን።—ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 20:5, 7-10

[እግረ-ጽሑፍ]

a እስራኤላውያንን “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን” ኣብ በረኻ ብህይወት ንኽነብሩ ማና ኣድልይዎም ነይሩ። (ዘጸኣት 12:37, 38፣ 16:13-18) ብተመሳሳሊ: ቅቡኣት ኰኑ ዘይቅቡኣት ክርስትያናት ንዘለኣለም ክነብሩ እንተ ዀይኖም: ኣብቲ እተሰውአ ስጋን ደምን የሱስ ዘለዎ ናይ ምድሓን ክእለት ብምእማን ካብቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ማና ክጥቀሙ ኣለዎም።—ናይ 1 ለካቲት 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 30-1

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ብርእሶም ህይወት ክትህልዎም’ ይከኣል እዩ