ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ዘረባ ይሃንጽ

መንፈሳዊ ዘረባ ይሃንጽ

መንፈሳዊ ዘረባ ይሃንጽ

“እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።”—ኤፌሶን 4:29

1, 2. (ሀ) ሰባት ዘለዎም ናይ ምዝራብ ክእለት ክሳዕ ክንደይ ክቡር እዩ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልሳኖም ብኸመይ እዮም ክጥቀሙላ ዝደልዩ፧

 “ሰባት ዘለዎም ናይ ምዝራብ ክእለት ምስጢር እዩ፣ ኣምላኽ ዝሃቦም ተኣምር ድማ እዩ።” ነዚ ዝጸሓፈ ሉትቪኽ ኰህለር ዝበሃል ኣዳላዊ መዝገበ-ቓላት እዩ። ምናልባት ነዚ ኽቡር ውህበት ኣምላኽ ኣቕሊልና ንርእዮ ንኸውን። (ያእቆብ 1:17) እንተዀነ ግን: ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ክዛረብ ዘይክእል ምስ ዝኸውን: እዚ ውህበት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ኽርድኣና ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ምዝራብ ዝሰኣነ ብዓል ቤት ዘለዋ ጆኣን እትበሃል ሰበይቲ “ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልማድና ኣዝዩ የቀራርበና ብምንባሩ: ንዝርርብና ናይ ብሓቂ እየ ዝናፍቖ!” በለት።

2 ምስ ሰባት እንገብሮ ዘረባ ዕርክነት ከደልድል: ዘይምርድዳእ ከወግድ: ንእተደቝሱ ኸተባብዕ: እምነት ከደልድል: ከምኡውን ንህይወት መቐረት ክውስኸላ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ስቕ ኢልካ ብወዝቢ ብዝዝረብ ዘረባ ዝመጽእ ኣይኰነን። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” በለ። (ምሳሌ 12:18) ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን ዘረባና ኣብ ክንዲ ዝጐድእን ዘፍርስን: ጥዕና ዘምጽእን ዝሃንጽን ክኸውን ኢና እንደሊ። ንልሳንና ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ምስ ሰባት ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ንውዳሰ የሆዋ ኽንጥቀመላ እውን ንብህግ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵሉ መዓልቲ ብኣምላኽ ንሕበን: ስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 44:8

3, 4. (ሀ) ንዘረባና ብዝምልከት ኵላትና እንታይ ጸገም ኣሎና፧ (ለ) እንዛረቦ ዘረባ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

3 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን” ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ። ብተወሳኺውን “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ: ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” ብምባል ኣዘኻኸረ። (ያእቆብ 3:2, 8) ዋላ ሓደ ኻባና ፍጹም የለን። ዋላ እኳ ሰናይ ዘረባ ንኽንዛረብ እንተ ሓለንና: ዘረባና ወትሩ ኣይኰነን ንኻልኦት ዝሃንጽ ወይ ንፈጣሪና ውዳሰ ዘምጽኣሉ። ስለዚ: ክንዛረብ ከለና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ: የሱስ “ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ: ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ: ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 12:36, 37) እወ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዘረባና ተሓተትቲ ይገብረና እዩ።

4 ሓደ ኻብቲ ጐዳኢ ዘረባ ኸነርሕቐሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ: መንፈሳዊ ነገራት ምዝራብ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም እንኽእል: ብዛዕባ እንታይ ክንዛረብ ከም እንኽእል: ከምኡውን ካብ ዝሃንጽ ዘረባ እንታይ ረብሓ ኸም እንረክብ እትገልጽ እያ።

ንልብኻ ኣስተብህለሉ

5. ዝሃንጽ ዘረባ ኣብ ምዝራብ ልቢ ኣገዳሲ ግደ ዘለዋ ብኸመይ እያ፧

5 ዝሃንጽ ዘረባ ምእንቲ ኽንዛረብ: ፈለማ ዘረባና ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኸም ዘንጸባርቕ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና። የሱስ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” በለ። (ማቴዎስ 12:34) ብኻልእ ኣበሃህላ: ብዛዕባ እቲ ዘገድሰና ነገራት ኢና ኽንዛረብ እንደሊ። ስለዚ: ንርእስና ኸምዚ ዝስዕብ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና:- ‘ዘረባይ ብዛዕባ ልበይ እንታይ እዩ ዝገልጽ፧ ምስ ኣባላት ስድራቤተይ ወይ ምስ ኣመንቲ ብጾተይ ክኸውን ከለኹ: ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ድየ ዘተኵር ወይስ ኣብ ስፖርት: ክዳን: ፊልም: መግቢ: ዝዓደግክዎ ነገራት: ወይ ካልእ ቆሎ ጥጥቖ፧’ ምናልባት ከይተረድኣና ኣብቲ ኻልኣይ ቦታ ዝወሃቦ ነገራት ነተኵር ንህሉ ንኸውን። ቀዳምነት ንእንህቦ ነገር ምስ እነተዓራሪ ንዘረባናን ህይወትናን የመሓይሾ እዩ።—ፊልጲ 1:10

6. ምስትንታን ኣብ ዘረባና እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

6 ካልእ ንእንዛረቦ ነገር ከነመሓይሸሉ እንኽእል መገዲ: ብዕላማ ምስትንታን እዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንምሕሳብ ኰነ ኢልና ጻዕሪ እንተ ጌርና: መንፈሳዊ ዘረባ ቐልጢፉ እዩ ዝመጸልና። ንጉስ ዳዊት ነዚ ኣስተውዒልሉ ነይሩ። ከመይሲ “ዎ እግዚኣብሄር: . . . ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። (መዝሙር 19:14) ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን “[ዎ ኣምላኽ] ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” በለ። (መዝሙር 77:12) ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ዘተኰረ ልብን ኣእምሮን ውዳሰ ዝመልኦ ቓላት እዩ ዝፍልፍል። ኤርምያስ ነቲ የሆዋ ዝመሃሮ ነገራት ሒዙ ስቕ ክብል ኣይከኣለን። (ኤርምያስ 20:9) ንሕናውን ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣጸቢቕና ንሓስብ እንተደኣ ዄንና: ብዛዕባኡ ኢና እንዛረብ።—1 ጢሞቴዎስ 4:15

7, 8. ሃናጺ ዘረባ ንምዝራብ እንታይ መዛረቢ ጕዳያት እዩ ጽቡቕ ክኸውን ዝኽእል፧

7 ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እንተ ሃልዩና: ዝሃንጽ ዘረባ ንኽንዛረብ እኹል መዛረቢ ጕዳያት ይህልወና እዩ። (ፊልጲ 3:16) ዓበይቲ ኣኼባታት: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጽሑፋት: ከምኡውን ዕለት ጥቕስን ኣብኡ እተዋህበ ሓሳባትን መዛረቢ ዝዀነና መንፈሳዊ ነገራት ዝሓዘ እዩ። (ማቴዎስ 13:52) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንረኽቦ ተመክሮታት እውን ብመንፈሳዊ የነቓቕሓና እዩ።

8 ንጉስ ሰሎሞን በቲ ኣብ እስራኤል ዝረኣዮ እተፈላለየ ዓይነት ኣእዋምን እንስሳታትን ኣዕዋፍን ዓሳታትን ተገሪሙ እዩ። (1 ነገስት 4:33) ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ምዝራብ የሐጕሶ ነበረ። ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ምዝራብ ዘሐጕሶም እኳ እንተዀነ: መንፈሳዊ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ከም ምዃኖም መጠን ኣዘውቲሮም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር ምዝራብ ዝያዳ እዩ ዘሐጕሶም።—1 ቈረንቶስ 2:13

“ብእኡ ሕሰቡ”

9. ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ እንታይ ምዕዶ እዩ ዝሃቦም፧

9 መዛረቢ ጕዳይና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝሃቦም ምዕዶ እንተ ስዒብና: ዘረባና ንኻልኦት ዝሃንጽ ክኸውን እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።” (ፊልጲ 4:8) ጳውሎስ ኣብዚ ጠቒስዎ ዘሎ ነገራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ “ብእኡ ሕሰቡ” ብምባል ብቐጻሊ ኽሓስብዎ ኣተባብዖም። ልብናን ኣእምሮናን በዚ ነገራት እዚ ኽንመልኦ ኣሎና። ስለዚ: ነዚ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ሸሞንተ ነጥብታት በብሓደ ምስ እነተኵረሉ ኣብ ዘረባና ብኸመይ ክሕግዘና ኸም ዝኽእል ንርአ።

10. ዘረባና ሓቂ ዘበለ ከጠቓልል ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 እቲ ሓቂ ዘበለ ተባሂሉ ዘሎ: ሓሶት ዘይኰነ ትኽክል ሓበሬታ ዝብል ትርጕምውን ዝሓዘ እኳ እንተዀነ: ኣብዚ ግን ነቲ ኸም ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ዝኣመሰለ ቅኑዕን ዝእመንን ነገር እዩ ዘመልክት። ስለዚ: ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዝመሰጠና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ: ብዛዕባ ዘነቓቕሓና ኣብ ኣኼባ ዝቐረበ ዝርርብ: ወይ ብዛዕባ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ዝጠቐመና ምዕዶ ኽንዛረቦም ከለና: ሓቂ ዘበለ ኢና እንዛረብ ዘሎና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ‘ብሓሶት ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ’ ሓቂ ዝመስል ጠዋይ ሓበሬታ ኣይንቕበሎን ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:20) ኣብ ርእሲ እዚውን በላበለው ኣይነናፍስን ወይ ዘይተረጋገጸ ተመክሮታት ኣይንዛረብን ኢና።

11. ብዛዕባ እንታይ ርዝነት ዘለዎ ነገራት ኢና ኽንዛረብ እንኽእል፧

11 እቲ ርዝነት ዘለዎ ተባሂሉ ዘሎ: ቆሎ ጥጥቖን ዘይረብሕ ዘረባን ዘይኰነስ ኣብ ባይታ ዘይወድቕን ኣገዳስን ዘረባ ማለት እዩ። ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና: ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ወሳኒ እዋን: ከምኡውን ኣካይዳና ኣጸቢቕና ብዛዕባ ምምልላስ ዝገልጽ ነገራት ዘጠቓለለ እዩ። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርዝነት ዘለዎ ነጥብታት ምስ እንዘራረብ: ብመንፈሳዊ ንቑሓት ንኽንከውን ዘሎና ቘራጽነት ነደልድሎ: ንጽህናና ንሕሉ: ከምኡውን ነቲ ብስራት ምስባኽ ኣይነቋርጽን። እወ: ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ባህ ዘብል ተመክሮታትን ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ዘዘኻኽረና ህሉው ኵነታትን ንመዛረቢ ዝዀነና ብዙሕ ኣገዳሲ ነጥብታት ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:27፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

12. ኣብቲ ጳውሎስ ቅኑዕን ንጹህን ዘበለ ንኽንሓስብ ዝሃቦ ምዕዶ ብምምርኳስ: ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንዛረብ ዘይብልና፧

12 እታ ቕኑዕ እትብል ቃል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃን ወይ መዐቀኒታቱ ምምላእ እያ እተመልከት። እታ ንጹህ ተባሂላ ዘላ ኸኣ በተሓሳስባን ብጠባይን ንጹህ ምዃን ተመልክት። ሕሜት: ጽዩፍ ዋዛ: ወይ ብዕሉግ ቃላት ኣብ ዘረባና ቦታ የብሉን። (ኤፌሶን 5:3፣ ቈሎሴ 3:8) ክርስትያናት ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ትምህርቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኽዝረብ ከሎ ብጥበብ ካብቲ ቦታ ይርሕቑ እዮም።

13. ተፈታዊ ዘበለን ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለን ዝበሃል ዘረባ እንታይ ምዃኑ ኣብነታት ሃብ።

13 ጳውሎስ ብዛዕባ ተፈታዊ ዘበለ ኽንሓስብ ክምሕጸነና ኸሎ: ባህ ዘብልን ዘደስትን ጕዳይ ክንሓስብ: ወይ ከኣ ጽልኢ: ምረት: ወይ ምቅንናእ ዘይኰነስ ፍቕሪ ዘለዓዕል ነገራት ክንሓስብ ማለቱ እዩ። ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ ድማ ነቲ ጽቡቕ ስም ወይ ዘሐጕስ ወረ ዘመልክት እዩ። ጽቡቕ ወረ ኽበሃል ከሎ ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኵሉ ሳዕ ዝወጽእ ታሪኽ ህይወት ናይ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘጠቓልል እዩ። ነዚ እምነት ዘደልድል ዓንቀጻት ድሕሪ ምንባብካ እቲ ዘሕደረልካ ጦብላሕታ ንምንታይ ንኻልኦት ዘይተካፍሎም፧ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ዓወት ምስማዕ ብዙሕ እዩ ዘተባብዕ። ከምዚ ዘኣመሰለ ዘረባ ኣብ ጉባኤ ፍቕርን ሓድነትን እዩ ዝሃንጽ።

14. (ሀ) ደግነት ንኸነንጸባርቕ እንታይ እዩ ዘድልየና፧ (ለ) ኣብ ዘረባና ንእዶ ኸነእቱ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ጳውሎስ “ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ” እውን ኢሉ እዩ። ደግነት ተባሂሉ ዘሎ ንሰናይ ነገር ወይ ብስነ-ምግባር ብሉጽ ዝዀነ ነገር ዘመልክት እዩ። ከናፍርና ብቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክምራሓን: ካብቲ ቕኑዕን ንጹህን ደግነትን ከይወጻ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ንእዶ ድማ ዝድነቕ ማለት እዩ። ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ዝርርብ እንተ ሰሚዕካ ወይ ብተኣማንነቱ ኣብነት ዝኸውን እንተ ርኢኻ: ነቲ ሰብ ኰነ ንኻልኦት ብዛዕባኡ ተዛረቦም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ በቲ ዝነበሮም ሰናይ ባህርያት ብተደጋጋሚ ይንእዶም ነበረ። (ሮሜ 16:12፣ ፊልጲ 2:19-22፣ ፊልሞን 4-7) ብዘይካዚውን: እቲ ፈጣሪና ዝገበሮ ነገራት ብሓቂ ዝነኣድ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣኺሉ ዝተርፍ ሃናጺ መዛረቢ ነጥብታት ኣሎና።—ምሳሌ 6:6-8፣ 20:12፣ 26:2

ዝሃንጽ ዘረባ ተዛረብ

15. ወለዲ ምስ ደቆም ትርጕም ዘለዎ መንፈሳዊ ጕዳይ ኣልዒሎም ንኽዘራረቡ ዝእዝዞም ኣየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ እዩ፧

15 ዘዳግም 6:6, 7 ከምዚ ትብል:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” እዚ ትእዛዝ እዚ ወለዲ ምስ ደቆም ትርጕም ዘለዎ መንፈሳዊ ጕዳይ ኣልዒሎም ንኽዘራረቡ እተዋህበ ምዃኑ ንጹር እዩ።

16, 17. ክርስትያናት ወለዲ ኻብቲ የሆዋን ኣብርሃምን ዝገደፍዎ ኣብነት እንታይ ክመሃሩ ይኽእሉ፧

16 የሱስ ብዛዕባ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኽመያየጥ ከሎ: ነዊሕ ከም እተዘራረቡ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ . . . እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ” በሎም። (ዮሃንስ 12:49፣ ዘዳግም 18:18) ኣብርሃም እውን ንይስሃቅ ወዱ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝባረኾም በረኸትን ብዛዕባ ኣቦታቶምን ንምንጋር ብዙሕ ሰዓታት ወሲዱ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝርራብ ንየሱስ ኰነ ንይስሃቅ ብትሕትና ንፍቓድ ኣምላኽ ንኽግዝኡ ኸም ዝሓገዞም ዘጠራጥር ኣይኰነን።—ዘፍጥረት 22:7-9፣ ማቴዎስ 26:39

17 ንደቅና እውን ብዛዕባ ዝሃንጽ ነገራት ከነዘራርቦም ከድልየና እዩ። ወለዲ ዋላ እኳ ብስራሕ ትሑዛት እንተዀኑ: ምስ ደቆም ንምዝርራብ ግዜ ኽረኽቡ ኣለዎም። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ንምንታይ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ምስ ስድራቤትኩም ብሓባር ንኽትምገቡ መደብ ዘይተውጽኡ፧ ኣብ መኣድን ድሕሪኡን ንመንፈሳዊ ጥዕና ናይ ስድራቤትኩም ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ዝኽእል ሃናጺ ምይይጥ ንኽትገብሩ ኣጋጣሚ ኽትረኽቡ ኢኹም።

18. ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ዘምጽኦ ረብሓታት ዝገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።

18 ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝዕድሜኡ ኣለኻንድሮ ወዲ 14 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮ ጥርጣረታት ክዝክር ከሎ: ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ብሰንኪ እቲ መማህርተይን መምህራነይን ዝገበሩለይ ጽልዋ: ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽን ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስን እጠራጠር ነበርኩ። ወለደይ ብትዕግስቲ ንኸረድኡኒ ሓያሎ ሰዓታት ኣሕሊፎም እዮም። እዚ ዝርርብ እዚ ነቲ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ዝነበረኒ ጥርጣረታት ንኸወግድ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ህይወተይ ጽቡቕ ውሳነታት ንኽገብር እውን ኣኽኣለኒ።” ኣብዚ እዋን እዚኸ ከመይ ኣሎ፧ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ክሳዕ ሕጂ ምስ ስድራይ እየ ዝነብር። እንተዀነ ግን: ብስራሕ ትሑዛት ብምዃንና ኣነን ኣቦይን ብሕት ኢልና ንኽንዘራረብ ግዜ ምርካብ የጸግመና እዩ። ስለዚ: ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ናብ ስርሑ ኸይደ ምስኡ ብሓባር ንበልዕ። ነቲ ሽዑ እነዕልሎ ዕላል ብሓቂ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።”

19. ኵላትና መንፈሳዊ ዘረባ ኽንዛረብ ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧

19 ምስ ኣመንቲ ብጾትና እንገብሮ ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ መንፈሳዊ ዝርርብ ኣኽቢርና ደይኰንናን እንርእዮ፧ ኣብ ኣኼባታትና: ኣብ ግራት ኣገልግሎት: ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ: ከምኡውን ኣብ ጕዕዞ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ንምዝርራብ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ንኸዘራርቦም ብሃንቀውታ ይጽበ ነበረ። ‘በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት:—ናትኩምን ናተይን: ኣባኹምን ምሳኹምን:—ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ ኽርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ’ ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 1:11, 12) ዮሃንስ ዝበሃል ክርስትያን ሽማግለ እውን ከምዚ በለ:- “ምስ ክርስትያናት ብጾትና እንገብሮ መንፈሳዊ ዕላል ኣገዳሲ እዩ። ንልብና የሐጕሶ: መዓልታዊ ጾርና ድማ የፋዅሰልና እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብዛዕባ ህይወቶምን ብተኣማንነት ንኽጸንዑ ዘኽኣሎም እንታይ ምዃኑን እሓቶም እየ። ኣብ ሓያሎ ዓመታት ምስ ብዙሓት ተዘራሪበ እየ: ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኣብ ህይወተይ ምምሕያሽ ንኽገብር ዝሕግዝ ጥበብ ወይ ፍልጠት ኣካፊሎምኒ እዮም።”

20. ሓናኽ ሰብ እንተ ኣጋጢሙና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 መንፈሳዊ ዕላል ምስ ኣበገስካ እቲ ሰብ ዘይግደስ እንተ መሰለኸ፧ በዚ ኣይትተሓለል። ምናልባት ኣብ ካልእ እዋን ዝምሽእ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ትኽእል ትኸውን። ሰሎሞን “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” በለ። (ምሳሌ 25:11) ነቶም ሓናኻት ተረድኣሎም። “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ: ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ።” a (ምሳሌ 20:5) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ካልኦት ዘንጸባርቕዎ ኣረኣእያ ነቲ ንልብኻ ዝትንክፎ ነገራት ካብ ምዝራብ ክዓግተካ የብሉን።

መንፈሳዊ ዘረባ ዓስቢ ኣለዎ

21, 22. ዘረባና ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምስ ዝኸውን እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧

21 ጳውሎስ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ኢሉ መዓደ። (ኤፌሶን 4:29፣ ሮሜ 10:10) እንገብሮ ምይይጥ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ምምራሑ ጻዕሪ ዝሓትት ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ብዙሕ ዓስቢ ግን ኣለዎ። መንፈሳዊ ዘረባ ምዝራብ እምነትና ንኻልኦት ንኸነካፍልን ንሕውነትና ንኸነደልድልን የኽእለና።

22 እምበኣር: ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምዝራብ ክእለት ንኻልኦት ንምትብባዕን ንኣምላኽ ንምውዳስን ንጠቐመሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ንዓና ኸሐጕሰና ንኻልኦት እውን ከተባብዖም እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ የሆዋ ንእንዛረቦ ዘረባ ጽን ኢሉ ስለ ዝሰምዕን ንልሳንና ብግቡእ ክንጥቀመላ ኸለና ባህ ስለ ዝብሎን: ንልቡ ነሐጕሶ። (መዝሙር 139:4፣ ምሳሌ 27:11) ዕላልና መንፈሳዊ ምስ ዝኸውን: የሆዋ ኸም ዘይርስዓና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብዚ ግዜና ንየሆዋ ዘገልግሉ ሰባት ኣመልኪቱ “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” እዩ ዝብል። (ሚልክያስ 3:16፣ 4:5) እምበኣር: ዘረባና ዝሃንጽ ክኸውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ እስራኤል ዝነበረ ገሊኡ ዒላታት ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ ነይሩ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብ ጊብዖን 25 ሜትሮ ዝዕምቈቱ መዕቈሪ ማይ ረኺቦም እዮም። እዚ ኸኣ ሰባት ናብ ታሕቲ ወሪዶም ማይ ምእንቲ ክቐድሑ: ብኽቢ እተሰርሐ መደያይቦ ኣለዎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እንዛረቦ ዘረባ ብዛዕባና እንታይ እዩ ዝገልጽ፧

• ብዛዕባ እንታይ ዝሃንጽ ነገራት ኢና ኽንዛረብ እንኽእል፧

• ዘረባና ኣብ ስድራቤትን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤን እንታይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ፧

• ሃናጺ ዘረባ እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዝሃንጽ ዘረባ ኣብዚ ዝስዕብ ነገራት የተኵር:-

“ሓቂ ዘበለ”

“ርዝነት ዘለዎ ዘበለ”

“ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ”

“ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ”

[ምንጪ ስእሊ]

Video cover, Stalin: U.S. Army photo; Creator book cover, Eagle Nebula: J. Hester and P. Scowen (AZ State Univ.), NASA

ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መኣዲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንምዕላል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍት