ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳርካ ኸደልድሎ ይኽእል እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳርካ ኸደልድሎ ይኽእል እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳርካ ኸደልድሎ ይኽእል እዩ

ገሊኣቶም ሰባት “ሓዳር” እትብል ቃል ክሰምዑ ኸለዉ ባህ እዩ ዝብሎም። ንገሊኣቶም ግን ሕማም ርእሲ እያ እተለዓዕለሎም። ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር “ፍትሕቲ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ኵሉ ሳዕ ብጽምዋ ምስ ተበላዕኩ እየ: እተረሳዕኩ ዀይኑውን ይስምዓኒ” በለት።

ንኽፋቐሩን ንኽፋተዉን ዝመሓሉ ሰብ ሓዳር ኣዝዮም ከም ዝረሓሓቑ ኽገብሮም ዝኽእል እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ረቛሒታት: ሓዳር እንታይ ከም ዘጠቓልል ዘይተማህሩ ምዃኖም እዩ። ሓደ ናይ ሕክምና ጋዜጠኛ “ዋላ ሓንቲ ስልጠና ኸይተዋህበና ኢና ሓዳር እንገብር” በለ።

ዝበዝሑ ሰባት ብዛዕባ ሓዳር ዘይፈልጡ ምዃኖም በቲ ኣብ ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ.: ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ ዘበገሶ: “ሃገራዊ ፕሮጀክት ሓዳር” ዘካየዶ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ እዩ። እቶም ዳይረክተራት ናይቲ ፕሮጀክት ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ዝበዝሑ ኻብዞም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሰባት ሓጐስ ኣብ ዘይብሉ ሓዳር ወይ ምስ እተፋትሑ ወለዲ እዮም ዓብዮም። ሕማቕ ሓዳር እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም: ጽቡቕ ሓዳር ከመይ ምዃኑ ግን ኣይፈልጡን እዮም። ገሊኣቶም ንጽቡቕ ሓዳር ‘ኣንጻር ናይ ወለደይ’ ኢሎም ጥራይ እዮም ክገልጽዎ ዝኽእሉ።”

እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ንክርስትያናት ናይ ሓዳር ጸገማት ከጋጥሞም ኣይክእልን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። አረ: ገሊኣቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትሲ “ፍትሕ ኣይትድለ” ተባሂሎም ብቐጥታ ኽመዓዱ ኣድልይዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:27) እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ክልተ ዘይፍጹማት ሰባት ዘቝምዎ ሓዳር ጸገማት ከም ዝህልዎ ንጹር እኳ እንተዀነ: ሓገዝ ግን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሰብኡትን ኣንስትን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ርክቦም ከመሓይሹ ይኽእሉ እዮም።

ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓዳር መምርሒ መጽሓፍ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እቲ መስራቲ ሓዳር ብመንፈሱ ገይሩ ዘጽሓፎ ብምዃኑ: ስርዓታቱ ንኽጠቕመና ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” በለ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤትካን ዝነበረ ፍቕሪ ኽሃስስ ጀሚሩ ድዩ፧ ኣብ ፍቕሪ ዘይብሉ ሓዳር እተኣሰርካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ሓንቲ 26 ዓመት ዝገበረ ሓዳር ዘለዋ ሰበይቲ “ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ዘስዕቦ ስቓይ ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኰነን። ቀጻልን ዘየቋርጽን እዩ” በለት። ብሓዳር ዘይዕጉብ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ክንዲ ስቕ ኢልካ እትርኢ ንምዕራዩ ንምንታይ ስጕምቲ ዘይትወስድ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ኰነ ነንስቲ ኣብ ሓዳሮም ብኸመይ ከም ዝሕግዞም: ብፍላይ ከኣ ኣብ ቃል ኪዳኖም ብኸመይ ከም ዝጠቕሞም ትገልጽ እያ።