ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማርቲን ሉተር--ታሪኽ ህይወቱን ዝሓደጎ ውርሻን

ማርቲን ሉተር--ታሪኽ ህይወቱን ዝሓደጎ ውርሻን

ማርቲን ሉተር—ታሪኽ ህይወቱን ዝሓደጎ ውርሻን

መጽሔት ታይም “ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ነቲ ጐይታኡ የሱስ ክርስቶስ ሓዲግካ: ከም [ማርቲን ሉተር] ገይሩ ብዙሕ መጻሕፍቲ እተጻሕፈሉ ሰብ የለን” በለት። ሉተር እተዛረቦ ዘረባን ዝገበሮ ነገራትን ንተሓድሶ ኣለዓዒሉ እዩ። እዚ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እዚ “ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ መሰረታዊ ለውጢ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ንሃይማኖታዊ ዅነታት ኣውሮጳ ንኽልወጥን ኣብታ ኣህጉር ማእከላይ ዘመን ንኸብቅዕን ኣበርክቶ ገበረ። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ናይ ጀርመን ቋንቋ እውን መሰረት ኣንቢሩ እዩ። እቲ ንሱ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቶም ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ልዕሊ ዅሉ ዝውቱር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ማርቲን ሉተር እንታይ ዓይነት ሰብኣይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ኣውሮጳ ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ዝኸኣለኸ ብኸመይ እዩ፧

ሉተር ምሁር ኰነ

ማርቲን ሉተር ኣብ ሕዳር 1483 ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ኢስሌበን ተወልደ። ኣቦኡ ሰራሕተኛ ናይ ዕደና ነሓሲ እኳ እንተ ነበረ: ንማርቲን ጽቡቕ ትምህርቲ ንኽረክብ ዘኽእሎ ገንዘብ ነበሮ። ብ1501 ማርቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢርፈርት ክመሃር ጀመረ። ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ንመጀመርታ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበ። “እቲ መጽሓፍ ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ: ሓደ መዓልቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብምጥራይ ንኽባረኽ ተስፋ እገብር” ከኣ በለ።

ሉተር ወዲ 22 ዓመት ከሎ: ኣብ ኢርፈርት ዝርከብ ገዳም እንዳ ኣጉስቲን ኣተወ። ጸኒሑ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዊተንበርግ ብስነ-ሃይማኖት ናይ ዶክተር መዓርግ ረኸበ። ሉተር ሞገስ ኣምላኽ ንኽረክብ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዝስምዖ ነይሩ: ሓድሓደ እዋን ሕልናኡ ስለ ዝወቕሶ ጭንቀት ኣሕዲሩ ነበረ። እንተዀነ ግን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ጸሎት: ከምኡውን ምስትንታን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣተኛታት ዘለዎ ኣረኣእያ ብዝያዳ ንኽርድኦ ኣኽኣሎ። ሞገስ ኣምላኽ ብጻዕሪ ዘይኰነስ: ነቶም ዝኣምኑ ብጸጋ ማለት ብዘይበቕዕዎ ሕያውነት ከም ዝወሃብ ኣስተውዓለ።—ሮሜ 1:16፣ 3:23, 24, 28

ሉተር እቲ ሓድሽ ምርዳኡ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ብኸመይ ክድምድም ከኣለ፧ ብታሪኽ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያንን መጽናዕቲ ሓድሽ ኪዳንን ፕሮፌሰር ዝዀነ ከርት ኣላንት “እቲ ሓድሽ ፍልጠቱ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ካልእ ሓሳባት ዝጻረር እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንተነሉ: ብምሉኡ ዝሰማማዕ ኰይኑ ድማ ረኸቦ” ኢሉ ጸሓፈ። ድሕነት ብእምነት ደኣ እምበር ብግብሪ ወይ ንስሓ ብምእታው ከም ዘይርከብ ዝገልጽ ሰረተ-እምነት ቀንዲ መሰረት ትምህርትታት ሉተር ኰነ።

ብዛዕባ ስርየት ዝነበረ ኣረኣእያ ኣቘጥዖ

ሉተር ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሓጢኣተኛታት ዘለዎ ኣረኣእያ ዝነበሮ ምርዳእ ምስ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ኣጋጨዎ። እቲ ግዜ እቲ: ሓጢኣተኛታት ዘበሉ ድሕሪ ሞት ንእተወሰነ ግዜ ኸም ዝቕጽዑ ብሰፊሑ ዝእመነሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ይኹን እምበር: ገንዘብ ብምኽፋል እቲ ጳጳስ ብዘለዎ ስልጣን ስርየት ስለ ዝገብር: እቲ ናይ መቕጻዕቲ ግዜ ኽሓጽር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ነበረ። ከም ዮሃን ተትሰል ዝኣመሰሉ ሸየጥቲ ንሊቀ-ጳጳሳት ኣልበርት ብዓል ማይንዝ ብምውካል ንተራ ሰባት ስርየት ብምሻጥ ብዙሕ መኽሰብ ዘለዎ ንግዲ ጀመሩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ስርየት ናይ ምዕዳግ ተግባር ኣብ መጻኢ ንእትፍጽሞ ሓጢኣት መድሕን ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ።

ሉተር ስርየት ክሽየጥ ብምርኣዩ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ሰባት ምስ ኣምላኽ ዋጋ ዕዳጋ ኽገብሩ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ቀውዒ 1517 ነታ ቤተ-ክርስትያን ብቝጠባውን ሰረተ-እምነታውን ሃይማኖታውን ብልሽውና ብምኽሳስ ነተን ውሩያት 95 ድርሳናቱ ጸሓፈ። ሉተር ዕልዋ ዘይኰነስ ተሓድሶ ይደሊ ብምንባሩ: ቅዳሕ እዚ ድርሳናቱ ንሊቀ-ጳጳሳት ኣልበርት ብዓል ማይንዝን ንእተወሰኑ ምሁራትን ሰደደሎም። ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ: ተሓድሶ ኣብ 1517 ወይ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ኸም እተጀመረ ይገልጹ።

እንተዀነ ግን: ሉተር ጥራይ ኣይኰነን ንጌጋታት እታ ቤተ-ክርስትያን ዘቃልዐ። ሓደ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን ኣቐዲሙ እቲ ናይ ቸክ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ምንቅስቓስ ፈላሚ ዝዀነ ያን ሁስ ነቲ ስርየት ናይ ምሻጥ ተግባር ኰኒንዎ ነይሩ። ቅድሚ ሁስ እውን እንተዀነ: ጆን ዊክሊፍ ዝበሃል እንግሊዛዊ እታ ቤተ-ክርስትያን እትስዕቦ ገሊኡ ስርዓታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ብግዜ ሉተር ዝነበሩ ኢራመስ ብዓል ሮተርዳምን ቲንደል እቲ እንግሊዛውን ተሓድሶ ኽግበር ጻውዒት ይገብሩ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ሳላ እታ ዮሃንስ ጉተንበርግ ኣብ ጀርመን ዝመሃዛ ሓታሚት ማሽን: ሉተር ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኻብቶም ተሓድሶ ዝጀመሩ ንላዕሊ ዝያዳ ጽልዋን ዝርጋሐን ረኸበ።

ጉተንበርግ ዝሰርሓ ሓታሚት ማሽን: ካብ 1455 ኣትሒዛ ኣብ ማይንዝ ትሰርሕ ነበረት። እቲ ዘመን እቲ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ኣብ 60 ከተማታት ጀርመንን ኣብ 12 ካልኦት ሃገራትን ሓተምቲ ማሽናት ነበራ። ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ንሓፋሽ ብዛዕባ ዘገድስ ነገራት ብቕልጡፍ ሓበሬታ ኽመጾ ጀመረ። እተን ሉተር ዘውጽአን 95 ድርሳናት ምናልባት ብዘይ ፍቓዱ እየን ተሓቲመን እተዘርግሓ። እቲ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ ኽትገብር ኣለዋ ዝብል ሕቶ ኣብ ሓደ ኸባቢ ተወሲኑ ኣይተረፈን። የግዳስ ሰፊሕ ዝርጋሐ ረኸበ: ማርቲን ሉተር ከኣ ብሃንደበት ኣብ ጀርመን ኣዝዩ ስሙይ ኰነ።

“ጸሓይን ወርሕን” ስጕምቲ ወሰዳ

አውሮጳ ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ኢድ ክልተ ሓያላት እያ ነይራ። እዚኣቶም ከኣ ሓደ እቲ ቕዱስ ናይ ሮማ ሃጸያዊ ግዝኣት ክኸውን ከሎ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን እያ ነይራ። እቲ ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ሉተራውያን ነበር ሃንስ ሊልየ “ሃጸይን ጳጳስን ከም ጸሓይን ወርሕን እዮም ነይሮም” በለ። እንተዀነ ግን: መኖም ከም ጸሓይ: መኖም ከም ወርሒ ምንባሩ የማትእ እዩ። ኣብ መጀመርታ መበል 16 ዘመን: ክልቲኦም ካብ መጠን ንላዕሊ ስልጣን ሒዞም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ለውጢ ኣንጸላልዩ ነበረ።

ጳጳስ ሊዮ ዓስራይ ንሉተር እቲ ዘቕረቦ 95 ድርሳናት ጌጋ ምዃኑ እንተ ዘይተኣሚኑ ኽውግዞ ምዃኑ ኣፈራርሆ። ሉተር በዚ ዕጅብ ከይበሎ ነቲ እቲ ጳጳስ ንኸፈራርሆ ዝለኣኸሉ ናይ ኣዋጅ ወረቐት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣቃጸሎ: ነቶም መሳፍንቲ ኸኣ እቲ ጳጳስ ይሰማማዕ ኣይሰማማዕ ብዘየገድስ ነታ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ ኽገብሩላ ዘተባብዕ ተወሳኺ ጽሑፋት ጸሓፈ። ብ1521 ጳጳስ ሊዮ ዓስራይ ንሉተር ወገዞ። ሉተር ጕዳዩ ብግቡእ ከይተሰምዐ ክዅነን ጌጋ ምዃኑ ምስ ተቓወመ: ሃጸይ ቻርለስ ሓምሻይ ነዚ ናይ ተሓድሶ ምንቅስቓስ መራሒ ኣብ ከተማ ዎርምዝ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ እቲ ሃጸይ ክቐርብ ጸውዖ። ሉተር ኣብ ሚያዝያ 1521 ካብ ዊተንበርግ ናብ ዎርምዝ ን15 መዓልቲ ኽጐዓዝ ከሎ ልክዕ ተዓዊቱ ኸም ዝኣተወ ጅግና ዀይኑ እዩ ተዓጂቡ ኸይዱ። ሓፋሽ ይድግፎ ነበረ: ኣብ ፈቐዶኡ ዝርከቡ ሰባት ድማ ክርእይዎ ይደልዩ ነበሩ።

ሉተር ኣብ ከተማ ዎርምዝ ኣብ ቅድሚ ሃጸይን መሳፍንትን ተወካሊ ጳጳስን ቈመ። ብ1415 ያን ሁስ ኣብ ኮንስታንስ ኣብ ተመሳሳሊ መጋባእያ ቐሪቡ: ኣብ ዕንጸይቲ ድማ ተቓጺሉ እዩ። ሉተር ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕቲ እታ ቤተ-ክርስትያንን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ቀሪቡ: እቶም ተጻረርቱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ምዃኑ ኽሳዕ ዘየረጋገጹሉ ተጋግየ ኸም ዘይብል ገለጸ። ይኹን እምበር: በቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ናይ ምዝካር ክእለቱ እውን ክወዳደሮ ዝኽእል ኣይነበረን። እቲ ኣዋጅ ዎርምዝ ዝበሃል ሰነድ ኣብቲ መጋባእያ መወዳእታ እንታይ ከም እተወሰነ ይገልጽ እዩ። ንሉተር ገበነኛ ምዃኑን ጽሑፋቱ ኸም እተኣገደን ውሳነ ተገበረ። ድሕርዚ ሉተር ብጳጳስ እተወገዘን ብሃጸይ ገበነኛ ጌርካ ዝርአን ብምዃኑ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ወደቐት።

ካብዚ ቐጺሉ ኣዝዩ ዘደንቕን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ነገር ኣጋጠመ። ሉተር ናብ ዊተንበርግ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ፍረደሪክ ብዓል ሳክሶን ዝበሃል ገባር-ሰናይ ንሉተር ከም እተጨውየ ኣምሲሉ ወሰዶ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጸላእቱ ኽረኽብዎ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ተሓብአ። ሉተር ናብቲ ኣብ እተገለለ ቦታ ዝርከብ ግምቢ ቫርትበርክ ብሕቡእ ተወስደ። ኣብኡ ኸኣ ጭሕሙ ኣንውሐ: ስሙ ብምቕያር ከኣ ያንከር ዮርግ ተባህለ።

“መጽሓፍ ቅዱስ መስከረም” ልዑል ተጠላብነት ረኸበ

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓሰርተ ወርሒ ሉተር ካብ ሃጸይን ጳጳስን ተሓቢኡ ኣብ ግምቢ ቫርትበርግ ይነብር ነበረ። እታ ቨልተርበ ቫርትበርግ ዘርእስታ መጽሓፍ “እቲ ኣብ ቫርትበርግ ዘሕለፎ እዋን ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዝመሃዘሉን እዋን እዩ ነይሩ” ትብል። ሓደ ኻብቲ ዝዓመሞ ዓበይቲ ዕማማት: ነቲ ናይ ኢራስመስ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ጀርመን ተርጒሙ ምዝዛሙ እዩ። እዚ ትርጕም እዚ ብሉተር ከም እተተርጐመ ኸይተገልጸ ኣብ መስከረም 1522 ስለ እተሓትመ: “መጽሓፍ ቅዱስ መስከረም” ተባሂሉ ተጸውዐ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዋጋኡ ሓደ ጒልደርን ፈረቓን ማለት ማዕረ ናይ ሓደ ዓመት መሃያ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ እኳ እንተ ነበረ: ኣዝዩ ልዑል ተጠላብነት ግን ረኸበ። ኣብ ውሽጢ 12 ወርሒ 6,000 ቅዳሓት ተሓትመ: 2 ሳዕ ድማ እንደገና ተሰናደወ፣ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 12 ዓመት ከኣ 69 ሳዕ ከም ብሓድሽ ተሰናደወ።

ብ1525 ማርቲን ሉተር ንካታሪና ፎን ቦራ እትበሃል ፈላሲት ዝነበረት ሰበይቲ ተመርዓዋ። ካታሪና ቤታ ኣብ ምምሕዳር ወሓለ: ነቲ ሰብኣያ ዝነበሮ ናይ ልግሲ መንፈስ እውን እትድግፍ ነበረት። ኣብ እንዳ ሉተር ብዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቁን ጥራይ ዘይኰኑስ: ፈትውቱን ተማሃሮን ስደተኛታትን ምስኡ ይነብሩ ነበሩ። ሉተር ኣብ ግዜ እርጋኑ ኸም ኣማኻሪ መጠን ክብረት ብምርካቡ እቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩ ምሁራት ንዝዛረቦ ነገራት ይጽሕፍዎ ነበሩ። እዚ ጽሑፋት እዚ ተኣኻኺቡ ሉተርስ ቲሽረይደን (ሉተር ኣብ መኣዲ እተዛረቦ ዘረባ) ብዝብል ኣርእስቲ ተሓትመ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ ቋንቋ ጀርመን ደድሕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዝርጋሐ ዝነበራ እያ ነይራ።

ክኢላ ተርጓምን ብዙሕ ጽሑፋት ዘዳለወ ጸሓፍን

ብ1534 ሉተር ንናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ተርጒሙ ዛዘመ። ኣጸሓሕፋኡ ላዛ ዘለዎን ሰዋስው ዝስዕብን ኣብ ምግባር ሚዛኑ ዝሓለወ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ተራ ሰባት ዝርድእዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸዳሉ ኣበርክቶ ገበረ። ሉተር ብዛዕባ ናይ ኣተራጕማ ሜላኡ ኽገልጽ ከሎ “ነታ ኣብ ቤት ዘላ ኣደ: ነቶም ኣብ ጐደና ዘለዉ ቘልዑ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ተራ ሰብ ክንሓቶም ኣሎና፣ ድሕሪኡ ኣፍ ኣፎም ንጥምት: ብኸመይ ከም ዝዛረቡ ንርኢ: ብእኡ መሰረት ድማ ንትርጕም” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ምሉእ ጀርመን ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ጽሑፍ ቋንቋ መሰረት ኣንበረ።

ሉተር ከም ተርጓሚ መጠን ጥራይ ዘይኰነስ: ከም ጸሓፊ እውን በሊሕ እዩ ነይሩ። ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ሓደ ጽሑፍ ይጽሕፍ ነበረ። ገለ ኻብዚ ድማ ሞገተ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ሓያል እንተ ነይሩ: ዕድመ ምስ ወሰኸ እውን ፈጺሙ ኣይለዘበን። እቲ ጸኒሑ ዝጸሓፎ ቴማታት እናገደደ እዩ ኸይዱ። ብመሰረት ሌክሲኮን ፉወር ቴኦሎጊ ኡንድ ኪርኸ እቲ ሉተር ዝጸሓፎ ጽሑፋት “ሕሉፍ ሕርቃኑ:” “ትሕትናን ፍቕርን ከም ዝጐድሎ:” ከምኡውን “ብርቱዕ ተልእኾ ዘለዎ ዀይኑ ኸም ዝስምዖ” ዘንጸባርቕ ነበረ።

እቶም ገባሮ ውግእ ምስ ኣለዓዓሉ እሞ እተን ብመሳፍንቲ ዝግዝኣ ዓድታት ብደም ምስ ኣጥለቕለቓ: ሉተር ብዛዕባ እቲ ናዕቢ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ ተሓትተ። እቶም ገባሮ ነቶም ዝገዝእዎም መሳፍንቲ ንኽጻረሩ እኹል ምኽንያት ነይርዎምዶ፧ ሉተር ነቲ ሓፋሽ ዘሐጕስ መልሲ ብምሃብ ናይ ብዙሓት ደገፍ ክረክብ ኣይፈተነን። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ክእዘዙ ኸም ዝግባእ ይኣምን ነበረ። (ሮሜ 13:1) ብጋህዲ ድማ እቲ ናዕቢ ብሓይሊ ኽዕምጸጽ ከም ዘለዎ ተዛረበ። “ዝኽእል ዘበለ: ይውጋእ: ይውቃዕ: ይቕተል” በለ። ሃንስ ሊልየ እዚ መልሲ እዚ “እቲ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝነበሮ ህቡብነት” ኣጥፍኣሉ በለ። ብዘይካዚ: ሉተር ብዛዕባ እቶም እምነቶም ናብ ክርስትና ምልዋጥ ዝኣበዩ ኣይሁድ ዝጸሓፎ ቴማ: ብፍላይ ከኣ እታ ኣብ ኣይሁድን ሓሶቶምን ዘርእስታ ቴማኡ: ጸረ-ሴማውያን ዝብል ስም ከም ዝወሃቦ ገይሩ እዩ።

ሉተር ዝሓደጎ ውርሻ

እቲ ብኸም እኒ ሉተርን ካልቪንን ዝዊንግሊን እተለዓዓለ ተሓድሶ: ናብ ምምስራት ፕሮተስታንት መርሐ። ሉተር ንእምነት ፕሮተስታንት ዘውረሶ ቐንዲ ውርሻ ብእምነት ኢኻ እትድሕን ዝብል ትምህርቱ እዩ። ኣብ ጀርመን ዝነበራ ግዝኣታት ወይ ንፕሮተስታንት ወይ ንካቶሊክ ዝድግፉ ብምዃን ተኸፋፈላ። ናይ ፕሮተስታንት ሃይማኖት ኣብ ስካንዲናቭያ: ስዊዘርላንድ: እንግሊዝ: ከምኡውን ኣብ ኔዘርላንድ ኣስፋሕፍሐ: ብዙሕ ደገፍ ድማ ረኸበ። ኣብዚ ግዜ እዚ በማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣለዉዎ።

ብዙሓት ንእምነት ሉተር ዘይድግፉ ሰባት ከይተረፉ ኣኽቢሮም እዮም ዝርእይዎ። እታ ኣብ ግዝኣታ ኢስሌበን: ኢርፈርት: ዊተንበርግ: ከምኡውን ዋርትበርግ ሓቚፋ ዝነበረት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ነበር: ብ1983 ነቲ መበል 500 ዓመት ልደት ሉተር ኣኽቢራ እያ። እዛ ሶሻሊስት ሃገር እዚኣ ኣብ ታሪኽን ባህልን ጀርመን ዘደንቕ ሰብ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበት። ብዘይካዚውን: ሓደ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ምሁር ነቲ ሉተር ዘሕደሮ ጽልዋ ኣሕጽር ኣቢሉ ኽገልጾ ኸሎ “ድሕሪ ሉተር ዝመጸ ኸምኡ ዝበለ ሰብ የልቦን” በለ። ፕሮፌሰር ኣላንት ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዛዕባ ማርቲን ሉተርን ተሓድሶን ዝገልጽ 500 ዝኸውን ሓድሽ ጽሑፋት ይወጽእ እዩ: እዚ ኸኣ ብዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ዝርከብ ዓበይቲ ቛንቋታት እዩ ዝሕተም።”

ማርቲን ሉተር በሊሕ: ዘደንቕ ናይ ምዝካር ክእለት ዘለዎ: ሓያሎ ቓላት ዝፈልጥ: ከምኡውን ብዙሕ ጽሑፋት ዘዳለወ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። ዓቕሊ ዘይብሉን ንኻልኦት ዝንዕቕን እውን እዩ ነይሩ: ነቲ ግብዝና ዀይኑ እተራእዮ ኸኣ ኣበርቲዑ ይጻረሮ ነበረ። ኣብ ለካቲት 1546 ኣብ ኢስሌበን ክመውት ምስ ቀረበ: ነቲ ንኻልኦት ዝመሃሮ ትምህርታት ንባዕሉ ብዝግባእ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ እንተ ዀይኑ ፈተውቱ ሓተትዎ። ንሱ ድማ “እወ” ኢሉ መለሰ። ሉተር ሞይቱ እዩ: ብዙሓት ግን እምነቱ ይስዕቡ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ሉተር ነቲ ስርየት ናይ ምሻጥ ተግባር ተጻረሮ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Mit freundlicher Genehmigung: Wartburg-Stiftung

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሉተር እቶም ተጻረርቱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ምዃኑ ኽሳዕ ዘየረጋገጹሉ ተጋግየ ኸም ዘይብል ገለጸ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book The Story of Liberty, 1878

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እታ ሉተር መጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐመላ ኣብ ግምቢ ዋርትበርግ እትርከብ ክፍሊ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Both images: Mit freundlicher Genehmigung: Wartburg-Stiftung

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book Martin Luther The Reformer, 3rd Edition, published by Toronto Willard Tract Depository, Toronto, Ontario

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book The History of Protestantism (Vol. I)