ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓዳርካ ኸተደልድለሉ እትኽእል መገድታት

ንሓዳርካ ኸተደልድለሉ እትኽእል መገድታት

ንሓዳርካ ኸተደልድለሉ እትኽእል መገድታት

ሓንቲ ጽገና ዘድልያ ቤት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ቀለማ ተቐላሊጡ: ናሕሳ ተበላሽዩ: እቲ ኣብ ቀጽሪ ዘሎ ኣታኽልቲ እውን ዝከናኸኖ ስኢኑ ኣሎ። እዛ ቤት እዚኣ ንሓያሎ ዓመታት ህቦብላ ተጻዊራ ኸም ዝጸንሐትን ቍሊሕ ዝብላ ኸም ዘይረኸበትን ዘጠራጥር ኣይኰነን። እሞ ደኣ ክትፈርስ ድዩ ዘለዋ፧ ናይ ግድን ክትፈርስ ኣለዋ ማለት ኣይኰነን። መሰረታ ድልዱል: ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ጽኑዕ እንተ ዀይኑ: ኽትሕደስ ትኽእል እያ።

እዛ ቤት እዚኣ ንሓዳርካ ኣዘኻኺራትካዶ፧ ከቢድ ሽግራት ንሓያሎ ዓመታት ንሓዳርካ ረቢሽዎ ይኸውን። እንተ ሓዴኹም እንተ ኽልቴኹም ንሓዳርኩም ዕሽሽ ኢልክምዎ እውን ትዀኑ። ከምቲ ንሓንቲ ሳንዲ እትበሃል እተሰምዓ ድማ ይስምዓካ ይኸውን። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ን15 ዓመት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ “ንስሙ ሰብ ሓዳር ንበሃል እምበር ዋላ ሓንቲ ዘራኽበና ነገር ኣይነበረናን። እዚ ኸኣ ኣኻሊ ኣይነበረን” በለት።

ሓዳርካ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ እኳ እንተ በጽሐ: ተሃዊኽካ ኽፈርስ ኣለዎ ኢልካ ኣይትደምድም። ክሕደስ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤትካን ዘሎ ንቓል ኪዳንኩም ዘለኩም ኣረኣእያ እዩ ዝምርኰስ። ቃል ኪዳን ኣብ ግዜ ፈተና ንሓዳር የጽንዖ እዩ። እንተዀነ ግን: ቃል ኪዳን እንታይ እዩ፧ ቃል ኪዳንካ ንኸተደልድልከ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ኽሕግዘካ ዝኽእል፧

ቃል ኪዳን ግዴታ የጠቓልል

ቃል ኪዳን ግዴታ ኸም ዝስምዓካ ወይ ድራኸ ኸም ዝሓድረካ ይገብር እዩ። ሓድሓደ ግዜ እታ ኺዳን እትብል ቃል ንኸም ናይ ንግዲ ውዕል ዝኣመሰለ ነገራት ክጥቀሙላ ንሰምዕ ኢና። ንኣብነት: ሓደ ሃናጺ ኣብቲ ንሓንቲ ቤት ንኽሃንጽ ዝገበሮ ውዕል ተዘርዚሩ ዝርከብ ነገራት ንኽፍጽም ግዴታ ኽስምዖ ይኽእል እዩ። ንዋና እታ ቤት ብቐረባ እኳ እንተ ዘይፈለጦ: ቃሉ ንኽሕሉ ግን ይድረኽ ይኸውን።

ሓዳር ክበሃል ከሎ ንስምዒታት ኣብ ግምት ዘየእቱ ናይ ንግዲ ውዕል እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ቓል ኪዳን ግን ግዴታ ዘጠቓልል እዩ። ንስኻን ብዓልቲ ኺዳንካን ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ብሓንሳእ ንኽትነብሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን መብጽዓ ኣቲኹም ኢኹም። የሱስ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም: ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴዎስ 19:4-6) ጸገማት ክፍጠር ከሎ: ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ነቲ ዝኣተኹምዎ ቓል ኪዳን ንኽትሕልዉ ቈራጽነት ክህልወኩም ኣለዎ። a ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር “ንፍትሕ ከም ኣማራጺ ምርኣይ ምስ ገደፍናዮ እዩ ነገራት ክመሓየሽ ዝጀመረ” በለት።

እንተዀነ ግን: ቃል ኪዳን ክበሃል ከሎ ኻብ ግዴታ ንላዕሊ ዘጠቓልል እዩ። እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧

ተደጋጊፍካ ምንባር ንቓል ኪዳን የደልድሎ

ቃል ኪዳንካ እትሕሉ ምዃን ክበሃል ከሎ: እቶም ሰብ ሓዳር ዘይሰማምዑሉ ነጥብታት ኣይፍጠርን ማለት ኣይኰነን። ግጭት ክፍጠር ከሎ: ምእንቲ እቲ ማሕላ ኢልካ ጥራይ ዘይኰነስ: ብስምዒት እውን እተኣሳሰርኩም ብምዃንኩም ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ሓያል ባህጊ ኽህሉ ኣለዎ። የሱስ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን” በለ።

ምስ በዓልቲ ቤትካ “ሓደ ስጋ” ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ሰብኡት ነንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ከፍቅርወን ከም ዝግባእ’ ጽሒፉ እዩ። (ኤፌሶን 5:28, 29) ስለዚ: “ሓደ ስጋ” ምዃን ክበሃል ከሎ: ንበዓልቲ ቤትካ (ንበዓል ቤትኪ) ኸም ርእስኻ ጌርካ ምርኣይ ተባሂሉ ኽግለጽ ይከኣል እዩ። ሰብ ሓዳር ነተሓሳስባኦም ካብ “ናተይ” ናብ “ናትና:” ካብ “ኣነ” ኸኣ ናብ “ንሕና” ክቕይርዎ ኣለዎም። ሓንቲ ኣማኻሪት “ክልቲኦም ብልቦም ንጽል ምዃን ገዲፎም: ብልቦም ሰብ ሓዳር ክዀኑ ኣለዎም” በለት።

ንስኻን ብዓልቲ ቤትካንከ ‘ብልብኹም ሰብ ሓዳር’ ዲኹም፧ ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር እናነበርካ በዚ መዳይ እዚ ግን “ሓደ ስጋ” ከይትኸውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸጋጥም ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እታ ጊቪን ታይም ኤ ቻንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ግን “ሓዳር ክበሃል ከሎ ምስ ካልእ ሰብ ሓደ ህይወት ምምራሕ ማለት እዩ፣ ክልተ ሰባት ብሓባር ዝገብርዎ ነገራት እናበዝሐ ብዝኸደ ኸኣ ሓዳሮም እናደልደለ ይኸይድ” በለት።

ገሊኣቶም ብሓዳሮም ዘይሕጉሳት ሰባት ምእንቲ ደቆም ክብሉ ወይ ናብራ ምእንቲ ኸይከብዶም ኢሎም ብሓባር ይነብሩ። ገሊኣቶም ከኣ ንፍትሕ ዝቃወሙ ብምዃኖም ወይ ‘ሰብ እንታይ ክብለና’ ካብ ዝብል ፍርሂ ከይተፋትሑ ተጸሚሞምዎ ይነብሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ጸኒዖም ምቕጻሎም ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: ቀንዲ ሸቶኹም ፍቕሪ ዝመልኦ ናብራ ኽህልወኩም ደኣ እምበር ከይፈረሰ ዝነብር ሓዳር ክህልወኩም ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዑ።

ጥቕሚ ርእስኻ ዘይምድላይ ንቓል ኪዳን የደልድሎ

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ክዀኑ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ነዛ ንርእሶም እትጥዕሞም ጥራይ ዝደልዩ ሰባት ይበዝሑ ኣለዉ። ኣብ ሓያሎ ሓዳር ሓደ ነገር ከም እትረክብ ከየረጋገጽካ ዝዀነ ይኹን ነገር ምሃብ ከም ድኻም ጌርካ ይርአ ኣሎ። ኣብ ጥዑይ ሓዳር ግን ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ጥቕሚ ርእሶም ይስውኡ እዮም። ብኸመይ ኢኻ ኸምዚ ኽትገብር እትኽእል፧

‘ካብዚ እንታይ እየ ዝጥቀም፧’ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓትት: ‘ሓዳረይ ንምድልዳል ብብሕተይ እንታይ እገብር ኣለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” እዩ ዝብሎም። (ፊልጲ 2:4) ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስርዓት ከተስተንትነሉ ኸለኻ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበርካዮ ነገራት እስከ ምልስ ኢልካ መርምሮ። ንበዓልቲ ቤትካ ምእንቲ ኽትጠቅም ኢልካ ክንደይ ሳዕ ኢኻ ሕያውነት ዘንጸባርቕ ተግባር ጌርካ፧ ክትዛረበካ ምስ ደለየት: ዋላ እውን ባህ እንተ ዘይበለካ ጽን ኢልካ ሰሚዕካያዶ፧ ኣብቲ ብዝያዳ ንበዓልቲ ቤትካ ዘገድሳ ንጥፈታት ክንደይ ሳዕ ተሳቲፍካ፧ ሰበይቲውን እንተ ዀንኪ ነዚ ነገራት እዚ ንሰብኣይኪ ጌርክሉዶ፧

ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትሓስበሉ ኸለኻ: እቲ ጽቡቕ ተግባርካ ኣቓልቦ ኸም ዘይተገብሮ ወይ ዓስቡ ኸም ዘይረኸበ ኽስምዓካ የብሉን። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ኣብ መብዛሕትኡ ርክባት: ጽቡቕ ምስ እትገብር ካልኦት ጽቡቕ እዮም ዝገብሩልካ: ስለዚ ንብጻይካ ጽቡቕ ንኽገብረልካ ንምትብባዕ: ንስኻ ብዝያዳ ጽቡቕ ግበር” በለ። ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ንሓዳርካ ኣኽቢርካ ኸም እትርእን ነባሪ ኽትገብሮ ከም እትኽእልን ስለ ዘርኢ የደልድሎ እዩ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ምርኣዩ ኣድላዪ እዩ

የሆዋ ኣምላኽ ንተኣማንነት ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ምስቶም [ንዓኻ] እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” እዩ ዝብል። (2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990) ንኣምላኽ እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ: ንሓዳርካ እውን እሙን ምዃን ዘጠቓለለ እዩ።—ዘፍጥረት 2:24

ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ንሓድሕድኩም እሙናት እንተ ዄንኩም: እቲ ሓዳርኩም ስምረት ይህልዎ። ብዛዕባ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኰነ ዓመታት ክትሓስቡ ኸለኹም: እትፈላለዩ ዀይኑ ኣይስምዓኩምን። ምፍልላይ ዝብልዎ ነገር ፈጺምኩም ኣይትሓስብዎን: እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ንሓዳርኩም የደልድሎ። ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር “[ብበዓል ቤተይ] ኣጸቢቐ ክሓርቕ ከለኹ እውን ከይተረፈ: ንፈላለ ደዀን ንኸውን ኢለ ፈጺመ ኣይጭነቕን እየ: የግዳስ በቲ ዘጋጠመና ነገራት እየ ዝጕሂ። ናብ ቀደምና ብኸመይ ከም እንምለስ እየ ዝጭነቕ። ኣብቲ እዋን እቲ: እዚ ብኸመይ ከም ዝኸውን ጥራይ እየ ዘይፈልጥ እምበር: ከም ቀደምና ኸም እንኸውን ዋላ ሓንቲ ምጥርጣር የብለይን” በለት።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ቓል ኪዳን እኳ እንተዀነ: እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ሓያሎ ሓዳር እዚ ጠፊኡ እዩ። ሰብ ሓዳር ሓሪቖም ክዘራረቡ ኸለዉ: እቲ ሰብኣይ “ጠንጢነኪ ክኸይድ እየ!” ወይ “ጽቡቕ ገይራ እትሕዘኒ ኻልእ ደኣ ኽረክብ” ኢሉ ይዛረብ ይኸውን። ወይ ከኣ እታ ሰበይቲ ነዚ ቓላት እዚ ተውስእ ትኸውን። ልክዕ እዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ብልቦም ኣይኰኑን ከምዚ ዝብሉ። ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ልሳን “ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት” ክትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 3:8) ምጕብዕባዕን እዚ እንተ ዘይጌርካ ወይለኻ ምባልን ‘ንሓዳርና ኸም ነባሪ ገይረ ኣይኰንኩን ዝርእዮ። ኣብ ቃሕ ዝበለኒ ግዜ ጠንጢነዮ ክኸይድ እኽእል እየ’ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ምውሳእ ንሓዳር ክብትኖ ይኽእል እዩ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ትርእዮ እንተደኣ ዄንካ: ምስ በዓልቲ ቤትካ ጸገማት ኰነ ዕንቅፋታት ንኽትሰግር ኢኻ ትጽቢት እትገብር። እዚ ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ። ንዓኻ ዀነ ንበዓልቲ ኺዳንካ ድኻምኩምን ጸገማትኩምን ንኽትቅበሉ ከምኡውን ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም ይቕረ ንኽትበሃሃሉ ዝቐለለ እዩ ዝዀነልኩም። (ቈሎሴ 3:13) ሓደ መወከሲ መጽሓፍ “ኣብ ጽቡቕ ሓዳር ክልቴኹም ክትጋገዩ ኢኹም: እዚ ዀይኑ ኽነሱ ግን ሓዳርኩም ምንቕ ኣይብልን እዩ” ይብል።

ክትምርዖ ኸለኻ ንሓዳር ዘይኰነስ ንህያው ሰብ ኢኻ ቃል ኪዳን ኣቲኻ። እዚ ድማ ኣብቲ ሕጂ ኸም ምርዑው መጠን እትሓስቦን እትገብሮን ነገራት ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ኣለዎ። እምበኣር: ምስ ብዓልቲ ቤትካ ምንባር እትቕጽለሉ ምኽንያት ሓዳር ቅዱስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ተበጊስካ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ሰበይቲውን እንተ ዄንኪ ምስ በዓል ቤትኪ ምንባር እትቕጽልሉ ምኽንያት ስለ እተፍቅርዮ ምዃኑስ ኣይትሰማምዕሉንዶ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት: ሰብ ሓዳር ንኽፈላለዩ ብቑዕ ምኽንያት ክህልዎም ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11፣ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 160-1 ተወከስ።) ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ብምኽንያት ዝሙት (ጾታዊ ብዕልግና) ፍትሕ ይፈቅድ እዩ።—ማቴዎስ 19:9

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

ሓዳርካ ንምድልዳል ዘሎካ ቈራጽነት ክሳዕ ክንደይ እዩ፧ ምናልባት ምምሕያሽ ክትገብረሉ እትኽእል ነጥብታት ረኺብካ ትኸውን። ቃል ኪዳንካ ንምድልዳል: ነዚ ዝስዕብ እስከ ፈትኖ:-

ርእስኻ መርምር። ንርእስኻ ‘ብሓቂዶ ልበይ ኣብ ሓዳረይ እዩ: ወይስ ከም ንጽል እየ ዝሓስብን ዝመላለስን ዘለኹ፧’ ኢልካ ሕተት። ብዓልቲ ቤትካ (ብዓል ቤትኪ) ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝስምዖ ፍለጥ።

ነዛ መጽሔት እዚኣ ምስ ብዓልቲ ቤትካ ብሓባር ኴንኩም ኣንብብዋ። ድሕሪኡ ቓል ኪዳንኩም ንምድልዳል ብህድኣት ተመያየጡሉ።

ምስ ብዓልቲ ቤትካ ንቓል ኪዳንኩም ኣብ ዘደልድል ንጥፈታት ተኻፈሉ። ንኣብነት: ናይ መርዓኹም ስእልታትን ካልእ ኣገዳሲ ስእልታትን ርኣዩ። ከምቲ ቕድሚ መርዓኹም ወይ ኣብ መጀመርታ ዓመታት መርዓኹም ብሓባር እትፍጽምዎ ዝነበርኩም ንጥፈታት ግበሩ። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ ንሓዳር ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዓንቀጻት ብሓባር ኣጽንዑ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቃል ኪዳን ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል:-

ግዴታ “ነቲ እተመባጻዕካዮ ፈጽሞ። ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ: ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ።”—መክብብ 5:4, 5

ተደጋጊፍካ ምንባር “እንተ ወደቑ: እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ: ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።”—መክብብ 4:9, 10

ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ምርኣዩ “ፍቕሪ . . . ኵሉ ትጸውር።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 7

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብዓልቲ ቤትካ ኽትዛረበካ ኽትደሊ ኸላ ጽን ኢልካ ትሰምዓዶ፧