ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ዝፍጸም ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ እንኽእል መብጽዓታት

ከም ዝፍጸም ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ እንኽእል መብጽዓታት

ከም ዝፍጸም ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ እንኽእል መብጽዓታት

ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይተፈጸመ መብጽዓታት ንረክብ ኢና። መንግስታት ምስ ካልኦት ንኸይጋጨዋ ዝገበረኦ ውዕል ብተደጋጋሚ ብምፍራስ ንህዝበን ናብ ዘሰቅቕ ውግኣት ኣእትየንኦ እየን። ሓደ ግዜ ናፖልዮን “መንግስታት ወይ ክግደዳ ኸለዋ ወይ ከኣ ንጥቕመን ክኸውን ከሎ ጥራይ እየን መብጽዓታተን ዝሕልዋ” በለ።

ውልቀ-ሰባት ዝኣትዉዎ መብጽዓታትከ ይሕሎ ድዩ፧ ሓደ ሰብ ቃሉ ምስ ዘይሕሉ ኽሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን እዩ! ብፍላይ እትፈልጦን እትኣምኖን ሰብ እንተ ዀይኑ: ብዙሕ እዩ ዘጕህየካ። ልክዕ እዩ: ሰባት መብጽዓታቶም ክፍጽሙ ዘይክእሉ ወይ ድሌት ዘይብሎም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ መንጎ መብጽዓታት ሰባትን መብጽዓታት ኣምላኽን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ዘሎ! ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ምሉእ ብምሉእ ክትተኣማመነሉን ትውክልቲ ኽትገብረሉን ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽ ዝኣተዎ ዝዀነ ይኹን መብጽዓ ውሕስነቱ እተረጋገጸ እዩ። እወ: ብርግጽ ይፍጸም እዩ። ኢሳይያስ 55:11 ነቲ ባይታ ዘይወድቕ ቃል ኣምላኽ ኣመልኪታ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ትብል።

እምበኣር: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ብርግጽ ኣብኡ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሃዋርያ ዮሃንስ “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” በለ። (ራእይ 21:3, 4) ምስቲ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ዝብል ቃላት የሱስ ተሰማሚዕካ ትነብር እንተደኣ ሃሊኻ: ነዚ በረኸታት እዚ ኽትረኽቦ ኢኻ።—ዮሃንስ 17:3