ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ከየባተኽኩም ጸልዩ። . . . ብዅሉ ኣመስግኑ።”—1 ተሰሎንቄ 5:17, 18

1, 2. ዳንኤል ንጸሎት ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮ ብኸመይ ኣርኣየ: እዚኸ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

 ነብዪ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ናይ ምጽላይ ልማድ ነበሮ። ኣብ መስኰት እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ብብርኩ ተምበርኪኹ: ገጹ ናብ የሩሳሌም ገይሩ ልመናኡ የቕርብ ነበረ። (1 ነገስት 8:46-49፣ ዳንኤል 6:10) ንዳርዮስ ንጉስ ሜዶን እንተ ዘይኰይኑ ንኻልእ ምልማን ክልኩል ምዃኑ ኻብ ንጉስ ኣዋጅ ምስ ወጸ እውን ከይተረፈ: ዳንኤል ካብዚ ኣቕዋሙ ፈልከት ኣይበለን። እዚ ጸሎት ዘዘውትር ሰብኣይ እዚ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ይእቶ ኣይእቶ ብዘየገድስ ከየባተኸ ናብ የሆዋ ይምህለል ነበረ።

2 የሆዋ ንዳንኤል ብኸመይ እዩ ዝርእዮ ነይሩ፧ ገብርኤል መልኣኽ ንጸሎት ዳንኤል ክምልስ ምስ መጸ: ነቲ ነብዪ “ኣዚኻ ፍትዊ” ብምባል ገለጾ። (ዳንኤል 9:20-23) የሆዋ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል: ንዳንኤል ጻድቕ ምዃኑ እዩ ጠቒስዎ። (ህዝቅኤል 14:14, 20) እቲ ዳንኤል ኣዘውቲሩ ዝጽልዮ ዝነበረ ጸሎት ኣብ ነዊሕ ዓመታት ምስ ኣምላኽ ጽኑዕ ርክብ ንኽህልዎ ኣኽኢልዎ እዩ: ነዚውን ዳርዮስ ኣስተውዓለሉ።—ዳንኤል 6:16

3. ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ዘሕልፎ ተመክሮ ኸም እተራእየ: ጸሎት ንጽህናና ንኽንሕሉ ዝሕግዝና ብኸመይ እዩ፧

3 ኣዘውቲርና ምጽላይ ከቢድ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ እውን ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ቻይና ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ: ንሓሙሽተ ዓመት ድማ ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኽእሰር እተፈርዶ ሃሮልድ ኪንግ ዝበሃል ሓው እሞ ንውሰድ። እዚ ሓው እዚ ተመክሮኡ ኸዘንቱ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ካብ ብጾተይ እኳ እንተ ፈለዩኒ: ካብ ኣምላኽ ክፈልየኒ ዝኽእል ግን ዋላ ሓደ ኣይነበረን። . . . ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ዳንኤል ብምዝካር ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ብብርከይ ተምበርኪኸ ዓው ኢለ ኸም ዝጽሊ: በታ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ዝሓልፍ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክሰምዕ ይኽእል ነይሩ። . . . ኣብቲ እዋን እቲ መንፈስ ኣምላኽ ነእምሮይ ናብ ኣዝዩ ጠቓሚ ነገራት መሪሕዎ: ህድኣት ንኽስምዓኒ ድማ ኣኽኢሉኒ። ጸሎት እዚ ዘይበሃል መንፈሳዊ ብርታዐን ምጽንናዕን ሂቡኒ እዩ!”

4. ብዛዕባ ጸሎት ዝምልከት እንታይ ሕቶታት ኢና ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንመያየጠሉ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ “ከየባተኽኩም ጸልዩ። . . . ብዅሉ ኣመስግኑ” ይብል። (1 ተሰሎንቄ 5:17, 18) ነዚ ምዕዶ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት እስከ ንሕሰበሉ:- ንጸሎትና ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ናብ የሆዋ ኣዘውቲርና ንኽንጽሊ ዝገብረና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧ ብሰንኪ ዝፈጸምናዮ ጌጋ ናብ ኣምላኽ ንኽንጽሊ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ብጸሎት ኣቢልና ዕርክነትና ነደልድል

5. ጸሎት እንታይ ፍልይ ዝበለ ዕርክነት ንኽህልወና እዩ ዝሕግዘና፧

5 የሆዋ ኸም ዓርኩ ወይ ፈታዊኡ ገይሩ ኽርእየካ ትደሊ ዲኻ፧ ንኣብርሃም ከም ፈታዊኡ ይርእዮ ምንባሩ ተዛሪቡ እዩ። (ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23) ንዓና እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ከነማዕብል እዩ ዝደልየና። አረ ንኽንቀርቦ እውን ጻውዒት የቕርበልና እዩ። (ያእቆብ 4:8) እዚ ጻውዒት እዚ ነቲ ንምጽላይ እተዋህበና ፍሉይ መሰል ተጠንቂቕና ንኽንሓስበሉ ኣይድርኸናንዶ፧ ምስ ሓደ ክቡር ናይ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ይትረፍዶ ምትዕርራኽስ: ንምዝራቡ ቘጸራ ንምሓዝ እኳ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ! እቲ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ግን ኣብ ዝደለናዮ ግዜ ኸይተሰከፍና ብጸሎት ክንቀርቦ እዩ ዘተባብዓና። (መዝሙር 37:5) ከየባተኽና ምጽላይና ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንኽህልወና እዩ ዝሕግዝ።

6. ብዛዕባ ‘ኣዘውቲርካ ምጽላይ’ ካብቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

6 እንተዀነ ግን: ንጸሎት ብቐሊሉ ዕሽሽ ክንብሎ ንኽእል ኢና። መዓልታዊ ናብራ ዘምጽኦ ጸቕጥታት ጥራይ ነቓልቦና ብምውሳድ ናብ ኣምላኽ ንምጽላይ ከም ዘይንጽዕር ክገብረና ይኽእል እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣዘውቲርኩም ጸልዩ” ኢሉ ኣተባብዖም: ንሱውን ከምኡ ገበረ። (ማቴዎስ 26:41 NW) ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ: ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዘራረበሉ ግዜ ግን ነበሮ። ሓድሓደ ግዜ “ኣንጊሁ ተንሲኡ: ገና ለይቲ ኸሎ” ይጽሊ ነበረ። (ማርቆስ 1:35) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከኣ ምስ መሰየ ምስ የሆዋ ንምዝርራብ ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ይኸይድ ነበረ። (ማቴዎስ 14:23) የሱስ ወትሩ ንጸሎት ግዜ ይምድብ ነበረ: ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 2:21

7. ንሰማያዊ ኣቦና መዓልታዊ ንኽንዛረቦ ኽድርኸና ዘለዎ እንታይ ኵነታት እዩ፧

7 ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጸገማትን ፈተናታትን ከጋጥመና ኸሎ ከምኡውን ውሳነታት ክንገብር ከለና: ናይ ብሕቲ ጸሎት ንኸነቕርብ ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና። (ኤፌሶን 6:18) ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና መምርሒ የሆዋ ምስ እነናዲ: ዕርክነትና ኸም ዝዓቢ ኣየጠራጥርን እዩ። ክልተ ኣዕሩኽ ንሓደ ጸገም ብሓባር እንተ ተጋጢሞምዎ: ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዕርክነት ብዝያዳ ደይኰነን ዝድልድል፧ (ምሳሌ 17:17) ንሕናውን ናብ የሆዋ ምስ እንጽጋዕን ሓገዙ ምስ እንረክብን ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ይድልድል እዩ።—2 ዜና መዋእል 14:11

8. ካብቲ ነህምያን የሱስን ሃናን ዝገደፍዎ ኣብነት: ብዛዕባ ንውሓት ጸሎትና እንታይ ኢና እንመሃር፧

8 ኣምላኽ ነቲ ናብኡ እነቕርቦ ጸሎት ንውሓቱ ኽንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ወይ ክንደይ ሳዕ ክንጽሊ ኸም ዘሎና ደረት ዘይምግባሩስ ከመይ ዘሐጕስ ኰን እዩ! ነህምያ ንንጉስ ፋርስ ልመናኡ ቕድሚ ምቕራቡ ኣሕጽር ኣቢሉ ብልቡ ጸለየ። (ነህምያ 2:4, 5) የሱስ እውን ንኣልኣዛር ንኸተንስእ ሓይሊ ንኽረክብ ናብ የሆዋ ሓጺር ጸሎት ኣቕረበ። (ዮሃንስ 11:41, 42) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ሃና ንየሆዋ ልባ ኸተፍስሰሉ ኸላ ‘ጸሎታ ኣንውሐት።’ (1 ሳሙኤል 1:12, 15, 16) ናይ ብሕቲ ጸሎትና ከከም ኣድላይነቱን ከከም ኵነታትናን ሓጺር ወይ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

9. ጸሎትና ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ዘሎና ውዳሰን ምስጋናን ዘጠቓልል ክኸውን ዝግባእ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓያሎ ጸሎት ነቲ የሆዋ ዘለዎ ልዑል ቦታን ነቲ ዘደንቕ ግብርታቱን ብሞሳ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። (ዘጸኣት 15:1-19፣ 1 ዜና መዋእል 16:7-36፣ መዝሙር 145) ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እቶም 24 ሽማግለታት: ማለት እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማይ ቍጽሮም ምስ መልአ: “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” እናበሉ ንየሆዋ ኽውድስዎ ረኣየ። (ራእይ 4:10, 11) ንሕናውን ንፈጣሪና ኣዘውቲርና ንኽንውድሶ ምኽንያት ኣሎና። ውሉድ ነቲ ወለዱ ዝገበሩሉ ጽቡቕ ነገር ካብ ልቡ ኸመስግኖም ከሎ ብዙሕ እዮም ዝሕጐሱ። ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ብሞሳ ምስ እነስተንትነሉን ካብ ልቢ ዝመነጨ ምስጋናና ምስ እንገልጽን ጸሎትና ኣጸቢቑ ይመሓየሽ እዩ።

‘ከየባተኽና ክንጽሊ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10. ጸሎት ንእምነትና ኣብ ምድልዳል እንታይ ግደ ኣለዎ፧

10 ኣዘውቲርና ምጽላይ ንእምነትና ኣገዳሲ እዩ። የሱስ “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” ኸም ዝግባእ ብምስላ ድሕሪ ምግላጹ: “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” በለ። (ሉቃስ 18:1-8) ካብ ልቢ ዝመነጨ ትርጕም ዘለዎ ጸሎት: እምነት የደልድል። ኣብርሃም ውሉድ ከይወለደ እናኣረገ ምስ ከደ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንኣምላኽ ተዛረቦ። የሆዋ ድማ ንሰማይ ክጥምት እሞ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ንኸዋኽብቲ ክቘጽር ሓተቶ። ድሕሪኡ “ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ” ብምባል ኣረጋገጸሉ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብርሃም ብየሆዋ “ኣመነ: ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።” (ዘፍጥረት 15:5, 6) ብጸሎት ኣቢልና ልብና ንየሆዋ እንተ ኸፊትናሉ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና መረጋገጺ እንተ ተቐቢልና: ከምኡውን እንተ ተኣዚዝናዮ: ንእምነትና ኸደልድላ እዩ።

11. ጸሎት ንጸገማትና ንኽንዋጽኣሉ ኽሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ጸሎት ንጸገማትና ንኽንዋጽኣሉ እውን ይሕግዘና እዩ። መዓልታዊ ህይወትና ጾር ኰይኑዶ ይስምዓና እዩ: ኵነታትናኸ ንኽንጻወሮ ዘሸግር ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ይብለና። (መዝሙር 55:22) ኣጸጋሚ ውሳነ ኸጋጥመና ኸሎ: ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ነቶም 12 ሃዋርያቱ ቕድሚ ምምራጹ ምሉእ ለይቲ ብብሕቱ ኽጽሊ ሓደረ። (ሉቃስ 6:12-16) ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት እውን ‘ረሃጹ ኸም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነጥብ’ ኣበርቲዑ ጸለየ። (ሉቃስ 22:44) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ‘ንኣምላኽ ብምፍራሁ ድማ ተሰምዐ።’ (እብራውያን 5:7) ንሕናውን ከየባተኽና ኻብ ልቢ እነቕርቦ ጸሎት ንኣጸጋሚ ዅነታትን ፈተናታትን ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና እዩ።

12. ካብቲ ጸሎት እነቕርበሉ መገዲ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዝግደሰልና ብኸመይ ነርኢ፧

12 ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ ንኽንቀርቦ ዝድርኸና ኻልእ ምኽንያት: ንሱውን ዝቐርበና ምዃኑ እዩ። (ያእቆብ 4:8) ንየሆዋ ልብና ምስ እንኸፍተሉ: ብዛዕባ ዘድልየና ነገራት ከም ዝግደሰልናን ከም ዝሓልየልናን ይስምዓናዶ ኸይኰነ፧ ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዘፍቅረና ንርኢ። የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ኸም ሰማያዊ ኣቦኦም መጠን ናብኡ ዘቕርብዎ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ናይ ምስማዕ ሓላፍነት ንኻልእ ኣየካፈለን። (መዝሙር 66:19, 20፣ ሉቃስ 11:2) ‘ንሱ ይሓልየልና ስለ ዝዀነ ድማ ንዅሉ ሓልዮትና ኣብኡ ኸነውድቖ’ ጻውዒት ኣቕሪቡልና እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

13, 14. ከየባተኽና ንኽንጽሊ እንታይ ምኽንያታት እዩ ዘሎና፧

13 ጸሎት ንኣገልግሎት ሓያል ቅንኢ ኸም ዝሓድረና ይገብር: ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር ኣገልግሎትና ደው ንኸነብል ክደፋፍኣና ኸሎ ኸኣ የበራትዓና። (ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31) ጸሎት ካብ “ፍሕሶ ሰይጣን” እውን የዕቍበና እዩ። (ኤፌሶን 6:11, 17, 18) መዓልታዊ ንዘጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ኽንቃለስ ከለና: ኣምላኽ ንኸጽንዓና ብቐጻሊ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ኣብቲ የሱስ ዝጠቐሶ ናይ ኣብነት ጸሎት: ንየሆዋ “ካብ ክፉእ [ማለት ሰይጣን ድያብሎስ] ኣድሕነና” ዝብል ልመና ኣእትዩ ኣሎ።—ማቴዎስ 6:13

14 ነቲ ሓጥእ ዝንባለና ንምቍጽጻር ኵሉ ሳዕ ንጽሊ እንተደኣ ዄንና: ሓገዝ የሆዋ ኽንረክብ ኢና። “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዝብል መረጋገጺ ድማ ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ሃዋርያ ጳውሎስ ንባዕሉ እኳ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ የሆዋ ብርታዐ ረኺቡ እዩ። “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኸኣ በለ።—ፊልጲ 4:13፣ 2 ቈረንቶስ 11:23-29

ጕድለት እኳ እንተ ሃለወና: ጸሎት ነዘውትር

15. ነቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ መዐቀኒታት ምስ ዘይነማልእ እንታይ ከጋጥመና ይኽእል፧

15 ጸሎትና ምእንቲ ኽስማዕ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ክንነጽጎ የብልናን። ሃዋርያ ዮሃንስ “ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና: ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና” በለ። (1 ዮሃንስ 3:22) ነቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ መዐቀኒታት እንተ ዘየማሊእና ግን እንታይ ኢና እንኸውን፧ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ምስ ሓጥኡ ተሓብኡ። ንሕናውን “ካብ ገጽ” የሆዋ ኽንሕባእ: ጸሎት ድማ ክንገድፎ ንደሊ ንኸውን። (ዘፍጥረት 3:8) ክላውስ ዝበሃል ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎ ገያሺ ተዓዛቢ “ዳርጋ ዅሉ ሳዕ እቶም ካብ የሆዋን ማሕበሩን ቀስ እናበሉ ዝጠፍኡ ሰባት ዝውስድዎ ቐዳማይ ስጕምቲ: ጸሎት ምግዳፍ ምዃኑ ኣስተውዒለ እየ” በለ። (እብራውያን 2:1) ሆሴ ኣንኻል ከምዚ እዩ ኣጋጢምዎ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ድማ ከምዚ በለ:- “ዳርጋ ንሸሞንተ ዓመት ዝኸውን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ናብ የሆዋ ኣይጽልን እየ ነይረ። ዋላ እውን ከም ሰማያዊ ኣቦይ ገይረ እናረኣኽዎ ንኽዛረቦ ብቕዓት ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ።”

16, 17. ኣዘውቲርካ ምጽላይ ንመንፈሳዊ ድኻምና ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ዘርኢ ኣብነታት ሃብ።

16 ገሌና ብሰንኪ መንፈሳዊ ድኻምና ወይ ብምእባስና ንኽንጽሊ ዘይንበቅዕ ኰይኑ ኽስምዓና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ግዜ እዚ ኢና ነቲ ንኽንጽሊ እተገብረልና ምድላው ኣጸቢቕና ኽንጥቀመሉ ዘሎና። ዮናስ ካብቲ እተዋህቦ ዕዮ ሃደመ። ይኹን እምበር: ‘ካብ መከራኡ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ: ንሱ ኸአ መለሰሉ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይኑ ኣእወየ: ንሱውን ድምጹ ሰምዐ።’ (ዮናስ 2:3) ዮናስ ምስ ጸለየ: የሆዋ ንጸሎቱ መለሰሉ: ብመንፈስ ከኣ ጠዓየ።

17 ሆሴ ኣንኻል እውን ሓገዝ ደልዩ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ልበይ ኸፊተ ንኣምላኽ ይቕረ ኽብለለይ ለመንክዎ። ንሱውን ሓጊዙኒ እዩ። ብዘይ ጸሎት ናብ ሓቂ ኣይምተመለስኩን ነይረ። ኣብዚ እዋን እዚ መዓልታዊ ኣዘውቲረ እየ ዝጽሊ: ነቲ ዝጽልየሉ እዋን ድማ ብናፍቖት እየ ዝጽበዮ።” ንኣምላኽ ብዛዕባ ጌጋታትና ብግልጺ ንኽንዛረቦን ይቕረ ንኽብለልና ብትሕትና ንኽንልምኖን ክንስከፍ የብልናን። ንጉስ ዳዊት ሓጢኣቱ ምስ ተናዘዘ: የሆዋ ይቐረ በለሉ። (መዝሙር 32:3-5) የሆዋ ኽሕግዘና ደኣ እምበር ክዅንነና ኣይኰነን ዝደሊ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ዝገብሩልና ጸሎት እውን ‘ብዙሕ ስለ ዘስልጥ:’ ብመንፈሳዊ ኽሕግዘና ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:13-16

18. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርሒቖም እኳ እንተ ዀብለሉ: ብዛዕባ እንታይ እዮም ክተኣማመኑ ዝኽእሉ፧

18 ኣየናይ ኣቦ እዩ ንሓደ ወዱ ጌጋ ድሕሪ ምግባሩ ሓገዝን ምኽርን ደልዩ ምስ መጾ ዘይቅበሎ፧ እቲ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝገልጽ ምስላ: ካብ ኣምላኽ ኰብሊልና ዝረሓቕና እኳ እንተ ረሓቕና: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ግን ናብኡ ኽንምለስ ከለና ኸም ዝሕጐስ ይገልጸልና። (ሉቃስ 15:21, 22, 32) የሆዋ ‘ኣዝዩ ይቕረ ስለ ዝብል:’ ንዅሎም እቶም ጌጋ ዝፍጽሙ ኽጽውዕዎ እዩ ዝምሕጸኖም። (ኢሳይያስ 55:6, 7) ዳዊት እተወሰነ ኸቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ፈጸመ: “ዎ ኣምላኽ: ንጸሎተይ ጽን በል: ካብ ምህለላይውን ኣይትተሐባእ” ብምባል ናብ የሆዋ ተማህለለ። ብተወሳኺውን “ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቝዝም እህህውን እብል አሎኹ: [የሆዋ] ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” በለ። (መዝሙር 55:1, 17) እዝስ ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ዀነ እዩ ዝዀነና!

19. ጸሎትና መልሲ ዘይረኸበ ዀይኑ ምስ ዝስምዓና: ኣምላኽ ስለ ዘይሰመሮ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ኽንጐዪ ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧

19 ልመናና ብኡንብኡ መልሲ እንተ ዘይረኸበኸ፧ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ምዃኑን ብስም የሱስ ኣቕሪብናዮ እንተ ዄንናን ከነረጋግጽ ኣሎና። (ዮሃንስ 16:23፣ 1 ዮሃንስ 5:14) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነቶም ጸሎቶም ዘይተሰምዐ ክርስትያናት: ‘ብኽፉእ ስለ ዝለመኑ’ ምዃኖም ገለጸሎም። (ያእቆብ 4:3) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ጸሎትና መልሲ ዘይተዋህቦ ስለ ዝመሰለና: ኣምላኽ ስለ ዘይሰመሮ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ኽንጐዪ የብልናን። ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ዝህቦም መልሲ ንጹር ክሳዕ ዝዀነሎም ደጋጊሞም ክጽልዩ ይደሊ እዩ። የሱስ “[ኣዘውቲርኩም:” NW] ለምኑ: ይወሀበኩም” በለ። (ማቴዎስ 7:7) ስለዚ: ‘ጸሎት ከነዘውትር’ ኣሎና።—ሮሜ 12:12

ኣዘውቲርና ንጸሊ

20, 21. (ሀ) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ናብ ዝፋን ጸጋ የሆዋ መዓልታዊ ምስ እንቐርብ እንታይ ኢና እንረክብ፧

20 ኣብዘን “ክፉእ ዘመን” ዝበሃላ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘጋጥም ጸቕጥታትን ጸገማትን እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ሓሳብና እውን ብዘጋጥመና ፈተናታት ክወሓጥ ይኽእል እዩ። ከየባተኽና ምጽላይና ግን ጸገማትን ፈተናታትን ተስፋ ዘቝርጽ ነገራትን እኳ እናተበራረየልና ኽነሱ: ህይወትና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸተተኵር ይሕግዘና። እቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ መዓልታዊ ጸሎት እቲ ዘድልየና ደገፍ ክዀነና ይኽእል እዩ።

21 እቲ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ የሆዋ ንኽሰምዓና ግዜ ሓጺርዎ ኣይፈልጥን። (መዝሙር 65:2) ንሕናውን ንኽንጽሊ ግዜ ሓጺሩና ኽንብል የብልናን። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ዝኸበረ እዩ። እምበኣር ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ። “ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ: ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።”—እብራውያን 4:16

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸሎት ካብ ነብዪ ዳንኤል እንታይ ኢኻ እትመሃር፧

• ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ብኸመይ ከነደልድሎ ንኽእል፧

• ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ናብ የሆዋ ንኽንጽሊ ዘይንበቅዕ ኰይኑ ምስ ዝስምዓና: እዚ ኻብ ምጽላይ ክዓግተና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ነህምያ ነቲ ንጉስ ቅድሚ ምዝራቡ ብልቡ ሓጺር ጸሎት ጸለየ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሃና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ጸሎታ ኣንውሐት’

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ቕድሚ ምምራጹ ምሉእ ለይቲ ኽጽሊ ሓደረ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ምሉእ መዓልቲ ንኽንጽሊ ዝድርኸና ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና