ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምእንቲ ጽድቂ ዝስጐጉ

ምእንቲ ጽድቂ ዝስጐጉ

ምእንቲ ጽድቂ ዝስጐጉ

“ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ: . . . ብጹኣን እዮም።”—⁠ማቴዎስ 5:10

1. የሱስ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝቐረበ ስለምንታይ እዩ: እንታይከ እዩ ዝበለ፧

 “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ።” (ዮሃንስ 18:37) የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ቅድሚ እቲ ንይሁዳ ዝገዝእ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝበሃል ሮማዊ ኣመሓዳሪ እዩ ተዛሪብወን። የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝቐረበ: ብምርጫኡ ወይ ተዓዲሙ ኣይኰነን። የግዳስ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ሞት ዝግብኦ ገበነኛ ተባሂሉ ብሓሶት ተኸሲሱ እዩ ቐሪቡ።​—⁠ዮሃንስ 18:29-31

2. የሱስ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ: እዚኸ እንታይ ኣስዓበሉ፧

2 የሱስ: ጲላጦስ ክፈትሖ ወይ ክቐትሎ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 19:10) እዚ ግን ንጲላጦስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ካብ ምዝራብ ኣይዓገቶን። ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረት: እቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዝነበሮ ሰብኣይ ንምምስካር ተጠቕመሉ። ይኹን እምበር: ንሞት ተፈርደ: ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ድማ ስቓይ ብዝመልኦ መገዲ ሰማእት ኰነ።​—⁠ማቴዎስ 27:24-26፣ ማርቆስ 15:15፣ ሉቃስ 23:24, 25፣ ዮሃንስ 19:13-16

ምስክርዶ ወይስ ሰማእት፧

3. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን እታ “ሰማእት” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ነበራ: ኣብዚ ግዜና ግን እንታይ ትርጕም እያ ሒዛ ዘላ፧

3 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ነታ ሰማእት እትብል ቃል ክሰምዑ ኸለዉ ካብተን ጥሩፍ ወይ ኣኽራሪ ዝብላ ቓላት ብዙሕ እትፍለ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። እቶም ምእንቲ ዝኣምኑሉ ነገር: ብፍላይ ከኣ ምእንቲ ሃይማኖታዊ እምነቶም: ክሞቱ ድሉዋት ዝዀኑ ሰባት ግብረ⁠-​ሽበራውያን ወይ ንሕብረተሰብ ዘስግኡ እዮም ዝብል ጥርጣረታት ኣሎ። ይኹን እምበር: እታ ሰማእት እትብል ቃል ካብታ “ምስክር” ዝትርጕማ ናይ ግእዝ ቃል ዝመነጨት እያ: ከም ኣብ መጋባእያ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ነቲ ዝኣምነሉ ሓቂ ዝምስክር ሰብ ማለት እዩ። እታ ቓል እቲኣ “ምስክርነት ንምሃብ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብ” ወይ ህይወትካ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ምስክርነት ምሃብ ዝብል ትርጕም ዝሓዘት ግን ደሓር እያ።

4. የሱስ ሰማእት ዝዀነ ብቐዳምነት በየናይ መዳይ እዩ፧

4 የሱስ ብቐዳምነት በቲ ናይ ቀደም ትርጕም ናይታ ሰማእት እትብል ቃል ማለት ምስክር ብምዃን እዩ ሰማእት ኰይኑ። ከምቲ ንጲላጦስ ዝበሎ “ንሓቂ ኽምስክር” እዩ መጺኡ። እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ካብ ህዝቢ እተፈላለየ ምላሽ እዩ ኣምጺኡሉ። ገለ ኻብቶም ተራ ሰባት በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ውሽጦም ስለ እተተንከፈ ብየሱስ ኣመኑ። (ዮሃንስ 2:23፣ 8:30) እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ: ብፍላይ ከኣ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ግን ነቲ ምስክርነቱ ኣበርቲዖም ተቓወምዎ። የሱስ ነቶም ዘይኣምኑ ዝነበሩ ኣዝማዱ እናኣመልከተ “ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከአላን: ንኣይ ግና: ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ: ትጸልኣኒ እያ” በለ። (ዮሃንስ 7:7) የሱስ ንሓቂ ብምምስካሩ: ቝጥዓ መራሕቲ እታ ሃገር ኣለዓዓለ: እዚ ድማ ሞት ኣስዓበሉ። እወ: “እሙን ሓቀኛ ምስክር (ሰማእት)” ነበረ።​—⁠ራእይ 3:14

“ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ”

5. የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዛዕባ መስጐጕቲ እንታይ እዩ ዝበለ፧

5 የሱስ ከቢድ መስጐጕቲ ወሪድዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰዓብቱ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዘጋጥሞም እውን ኣጠንቂቕዎም ነበረ። ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ነቶም ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከቱ ዝነበሩ ሰማዕቱ ኸምዚ በሎም:- “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ: መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። . . . ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።”​—⁠ማቴዎስ 5:10-12

6. የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ኽልእኮም ከሎ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧

6 ጸኒሑ የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ኽልእኮም ከሎ “ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም: ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን: ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ: ካብ ሰብ ተጠንቀቑ” በሎም። እንተዀነ ግን: መራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ኣይኰኑን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝሰጕዎም። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ እዩ:- “ሓው ንሓዉ: ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ: ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ።” (ማቴዎስ 10:​17, 18, 21, 22) ታሪኽ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንሓቅነት እዚ ቓላት እዚ ዘረጋግጽ እዩ።

ብተኣማንነት ብምጽናዖም ዝገደፍዎ ታሪኽ

7. እስጢፋኖስ ሰማእት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ: እስጢፋኖስ ብዛዕባ ሓቂ ኽምስክር ከሎ ዝሞተ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ኰነ። “ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ: ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።” እቶም ሃይማኖታውያን ጸላእቱ “ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:8, 10) ብቕንኢ ተደሪኾም: ንእስጢፋኖስ ናብቲ ሳንሄድሪን ዝበሃል ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ጐቲቶም ወሰድዎ: ኣብኡ ኸኣ ምስቶም ብሓሶት ዝኸሰስዎ ተማጐተ: ሓያል ምስክርነት ድማ ሃበ። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ጸላእቱ ነዚ እሙን ምስክር እዚ ቐተልዎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 7:59, 60

8. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠሞም እንታይ እዮም ገይሮም፧

8 ድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ ኣብታ “ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጕ ኰነ። ብዘይ​ ሃዋርያት ከኣ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:1) እቲ መስጐጕቲ ነቲ ክርስትያናት ዝህብዎ ምስክርነት ደው ኣቢልዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ከምቲ እቲ ጸብጻብ ዝነግረና “እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:4) ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ክብል ከሎ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ነይርዎም ክኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) እዞም እሙናትን ተባዓትን ደቀ መዛሙርቲ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም: ብሰንኪ እዚውን ብዙሕ ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ንሓቂ ካብ ምምስካር ዓዲ ኣይወዓሉን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:19-21

9. ኣብቶም ሰዓብቲ የሱስ ዝወርድ ዝነበረ ዕረፍቲ ዘይህብ መስጐጕቲ እንታይ እዩ፧

9 እቲ ጸገማት ዕረፍቲ ዝህብ ኣይነበረን። ፈለማ እቲ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ክቕተል ከሎ ብዓይኑ ዝረኣየ ንምቕታሉ ድማ ሰሚሩ ዝነበረ ሳውል “ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ: ኣአሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም: ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ።” (ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2) ድሕሪኡ ኣብ 44 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ “ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሔ። ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 12:1, 2

10. ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ራእይ ዮሃንስን ብዛዕባ መስጐጕቲ እንታይ ጸብጻብ ኢና እንረክብ፧

10 እቲ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እቲ ደሓር ሃዋርያ ዝዀነ ኣቐድም ኣቢሉ ግን ሰጓጕ ክርስትያናት ዝነበረ: ብ65 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉውን በቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ኔሮ ሰማእት ኰይኑ ተቐቲሉ ክኸውን ዝኽእል ጳውሎስን ካልኦት እሙናት ክርስትያናትን ዘሕለፍዎ ዘየቋርጽ ፈተናታት: ማእሰርቲ: ከምኡውን መስጐጕቲ ዝሓዘ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:23-27፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:6-8) ኣብታ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን እተጻሕፈት መጽሓፍ ራእይ: እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ኣብ ጳጥሞስ እትበሃል ደሴት ከም እተሓየረ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። መጽሓፍ ራእይ ‘ኣንቲጳስ: እቲ እሙን ምስክር’ ኣብ ጴርጋሞስ ‘ከም እተቐትለ’ እውን ትገልጽ እያ።​—⁠ራእይ 1:9፣ 2:13

11. እቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዘሕለፍዎ ነገራት: ንሓቅነት እቲ የሱስ ንመስጐጕቲ ብዝምልከት እተዛረቦ ቓላት ዘረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧

11 እዚ ዅሉ ንሓቅነት እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እዩ ዘረጋግጽ። (ዮሃንስ 15:20) እቶም እሙናት ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ዝሃቦም መዝነት ንምፍጻም ብስቓይ ኰነ ኣብ ኣራዊት ብምድርባይ ኰነ ወይ ብኻልእ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኽሞቱ እውን ከይተረፈ ድሉዋት እዮም ነይሮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:8

12. ንክርስትያናት ዝወርዶም መስጐጕቲ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወርድ ዘስካሕክሕ ነገራት ታሪኽ ጥራይ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተ ሃልዩ: ብዙሕ እዩ ተጋግዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ እቲ ብዙሕ ጸገማት ዘሕለፈ ጳውሎስ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ጴጥሮስ ከኣ ብዛዕባ መስጐጕቲ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ክሳዕ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ኣገባብ እዚ: ህዝቢ የሆዋ ብሰብ ይጽልኡ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ: ኣብ ትሕቲ ውልቀ⁠-​መለኽቲ ስርዓታት ኰነ ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት: ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብን ብደረጃ ጕጅለን መስጐጕቲ ኣሕሊፎም እዮም።

ስለምንታይ እዮም ዝጽልኡን ዝስጐጉን፧

13. ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ መስጐጕቲ ብዝምልከት ወትሩ ክዝክርዎ ዘለዎም እንታይ እዩ፧

13 ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ ንኽሰብኩን ንኽእከቡን ተዛማዲ ናጽነትን ሰላምን እኳ እንተለዎም: እቲ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ [“ተለዋዋጢ:” NW] እዩ” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መዘኻኸሪ ግን ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 7:31) ነገራት ቐልጢፉ ኽሓልፍ ወይ ክቀያየር ስለ ዝኽእል: ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መንፈሳውን ምድላው እንተ ዘይጌርና ኽንዕንቀፍ ንኽእል ኢና። ንርእስና ንምዕቋብ ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ምግባር ዘገልግለና ኣገዳሲ ነጥቢ: ሰላም ዝፈትዉን ሕጊ ዘኽብሩን ክርስትያናት ስለምንታይ ከም ዝጽልኡን ከም ዝስጐጉን ወትሩ ብንጹር ምዝካር እዩ።

14. ጴጥሮስ ክርስትያናት ዝስጐጉሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ እንታይ እዩ ዝበለ፧

14 ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብቲ ኻብ 62-64 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ዅሎም ክርስትያናት ፈተናን መስጐጕትን ኣብ ዘሕልፉሉ እዋን ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጠቒሱ ነይሩ። “ኣቱም ፍቁራተይ: በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ: ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም: ኣይትገረሙ” በለ። ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ንምብራህ ከኣ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ: ወይስ ከም ሰራቒ: ወይስ ከም ገባር እከይ: ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና: ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር: ኣይሕፈር” በለ። ጴጥሮስ: ክርስትያናት ፈጸምቲ ገበን ኰይኖም ዘይኰነስ ብመንነቶም መከራ ይወርዶም ከም ዘሎ ገለጸ። ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት ኣብቲ “ዕያግ ርኽሰት” እንተ ዘንገርግሩ: ብሓጐስ ምተቐበልዎም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰይኖም ክመላለሱ ስለ ዝጽዕሩ: መከራ ይጸግቡ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና እውን እቲ ዅነታት ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።​—⁠1 ጴጥሮስ 4:4, 12, 15, 16

15. ኣብዚ ግዜና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ክልተ ዝጋጮ ነገራት እዩ ዘጋጥሞም ዘሎ፧

15 ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታቶምን ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታትን ዘርእይዎ ሓድነትን ምትሕብባርን: ስለቲ እቲ ቕንዕናኦምን ትግሃቶምን: ስለቲ ኣብነታዊ ዝዀነ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣካይዳኦምን ናብራ ስድራ​ቤቶምን: ከምኡውን ስለቲ ባህ ዘብል ትርኢቶምን ጠባዮምን ብዕሊ ይነኣዱ እዮም። a በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ካብ 28 ኣብ ዘይውሕዳ ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዶም ወይ ቀይዲ ተገይሩሎም ኣሎ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ምእንቲ እምነቶም ኣካላዊ መጥቃዕትን ጕድኣትን ይወርዶም ኣሎ። እዞም ብዝነኣድ ባህሪኦም ዝፍለጡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀይድታት ዝግበረሎምን መጥቃዕቲ ዝወርዶምን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነዚ ዘፍቀደኸ ስለምንታይ እዩ፧

16. ኣምላኽ ንህዝቡ መስጐጕቲ ንኽወርዶም ዘፍቀደሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

16 ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ዝርከብ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዝብል ቃላት ክንርስዕ የብልናን። እወ: እዚ ቕድሚ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን እተላዕለ ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት ዝምልከት ሕቶ እዩ። እቶም ኣብ ሓያሎ ዘመናት ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ምስክርነት እኳ እንተ ኣቕረቡ: ሰይጣን ከምቲ ብግዜ እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ዝገበሮ ንየሆዋ ኻብ ምጽራፍ ኣየቋረጸን። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5) ነቲ ዝዛረቦ ነገራት መርትዖ ንምቕራብ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ ናይ መወዳእታ ፈተነኡ ኸኣ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዓ ቘይማ ብምህላዋን እሙናት ተገዛእታን ወኪላታን ኣብ መላእ ምድሪ ብምህላዎምን: ዓበድበድ ይብል ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ዝወርዶም ጸበባ ዀነ ጸገማት ብዘየገድስ ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ይቕጽሉ ድዮም፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብውልቁ ኽምልሳ ዘለዎ ሕቶ እያ፧​—⁠ራእይ 12:12, 17

17. የሱስ “እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ” ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

17 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ዘጋጥም ፍጻመታት ክነግሮም ከሎ: የሆዋ ንኣገልገልቱ መስጐጕቲ ኽወርዶም ዘፍቅደሉ ኻልእ ምኽንያት ገሊጹ እዩ። “ናብ ነገስታትን ሹማምትን ኬብጽሑኹም እዮም። እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 9፣ ሉቃስ 21:12, 13) የሱስ ንባዕሉ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስክርነት ሂቡ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ‘ናብ ነገስታትን ሹማምንትን በጺሑ እዩ።’ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተመሪሑ ድማ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ሰብ ምስክርነት ንኽህብ ኢሉ “ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:11፣ 25:8-12) ኣብዚ ግዜናውን ብተመሳሳሊ ፈታኒ ዅነታት ንሰበ⁠-​ስልጣንን ንህዝብን ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ መገዲ ኸፊቱ እዩ። b

18, 19. (ሀ) ንፈተናታት ምጽዋር ብኸመይ እዩ ዝጠቕመና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

18 ኣብ መወዳእታ ኸኣ ፈተናን ጸበባን ምሕላፍ ብብሕቲ ኽጠቕመና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንክርስትያናት ብጾቱ “ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር [ፍለጡ]” ብምባል ኣዘኻኸሮም። እወ: መስጐጕቲ ንእምነትና ኸጽርያን ብዝያዳ ኸጽንዓናን ይኽእል እዩ። ስለዚ: መስጐጕቲ ኣየፍርሃናን እዩ: ካብኡ ንምህዳም ወይ ደው ከም ዝብል ንምግባር ከኣ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ኣይንጥቀምን ኢና። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ያእቆብ “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኢና እንስዕብ።​—⁠ያእቆብ 1:2-4

19 ኣብ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መስጐጕቲ ዘጋጥመሉን የሆዋ ነዚ ዝፈቐደሉን ምኽንያት ንኽርድኣና ቓል ኣምላኽ ዝሕግዘና እኳ እንተዀነ: እዚ ግን መስጐጕቲ ንኽንጻወሮ ቐሊል ከም ዝኸውን ኣይገብሮን እዩ። ንዝመጽእ መስጐጕቲ ንኽንጻወሮ ብርታዐ ዝህበና እንታይ እዩ፧ መስጐጕቲ ኸጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 15 ታሕሳስ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-9፣ ናይ 1 ሚያዝያ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-23adj፣ ከምኡውን ናይ 22 ታሕሳስ 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 6-13 ርአ።

b ናይ 8 ጥሪ 2003 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-11 ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ ሰማእት ዝዀነ ብቐዳምነት በየናይ መዳይ እዩ፧

• መስጐጕቲ ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

• ከምቲ ጴጥሮስ ዝገለጾ ቀዳሞት ክርስትያናት እተሰጐጉ ስለምንታይ እዮም፧

• የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ መስጐጕቲ ኽወርድ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ገበርቲ ኽፉእ ብምዃኖም ዘይኰነስ ብመንነቶም መከራ ወረዶም

ጳውሎስ

ዮሃንስ

ኣንቲጳስ

ያእቆብ

እስጢፋኖስ