ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ኢዱ ኸእቱ ኽንጽበዮ ንኽእል ዲና፧

ኣምላኽ ኢዱ ኸእቱ ኽንጽበዮ ንኽእል ዲና፧

ኣምላኽ ኢዱ ኸእቱ ኽንጽበዮ ንኽእል ዲና፧

ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ወዲ 39 ዓመት ዝነበረ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ከም ዝሓመመ ፈለጠ። በዚ ኣዝዩ ስለ እተደቝሰ: ኣምላኽ ንኸሕውዮ ብጸሎት ለመነ። ኣምላኽ ድማ ብነብዪኡ ኣቢሉ “ጸሎትካ ሰሚዔ: ንብዓትካ ርእየ: እንሆ: ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ” ኢሉ መለሰሉ።​—⁠ኢሳይያስ 38:1-5

ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣምላኽ ኢዱ ዘእተወ ስለምንታይ እዩ፧ ዘመናት ኣቐዲሙ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕ ንጉስ ዳዊት “ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን: ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ” ኢሉ ተመባጺዑሉ ነበረ። እቲ መሲህ ካብ ዘርኢ ዳዊት ከም ዝውለድ እውን ኣምላኽ ገሊጹ ነበረ። (2 ሳሙኤል 7:16፣ መዝሙር 89:20, 26-29፣ ኢሳይያስ 11:1) ህዝቅያስ ሓሚሙ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ገና ወዲ ኣይወለደን ነይሩ። ስለዚ: እቲ ንጉሳዊ መስመር ወለዶ ዳዊት ከየቋርጽ ኣስጊኡ ነበረ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣምላኽ ኢዱ ብምእታዉ ነቲ ናብ መሲህ ዝመርሕ መስመር ወለዶ ንምዕቃብ ሓጊዙ እዩ።

ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ ዘመን የሆዋ መብጽዓታቱ ምእንቲ ኽፍጽም ኢሉ: ንህዝቡ ንምድጋፍ ብተደጋጋሚ ኢዱ ኣእትዩ እዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ብዛዕባ ምውጻእ ኣመልኪቱ “እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን: እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም” በለ።​—⁠ዘዳግም 7:8

ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ኣምላኽ ዕላማታቱ ንምፍጻም ኢዱ ኣእትዩ እዩ። ንኣብነት: ሳውል ዝበሃል ኣይሁዳዊ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምስጓጕ ምእንቲ ኽሓድጎ: ኣብታ ናብ ደማስቆ እትወስድ መገዲ ተኣምራዊ ራእይ ርእዩ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ድሕርዚ መገዱ ብምቕያር ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ: ነቲ ብስራት ኣብ ኣህዛብ ኣብ ምዝርጋሕ ድማ ዓብዪ ግደ ኣበርከተ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:1-16፣ ሮሜ 11:13

ኣምላኽ ኢዱ ኸእቱስ ልሙድ ነገር ድዩ፧

ኣምላኽ ኢዱ ኸእቱስ ልሙድ ነገር ድዩ ነይሩ ወይስ ኣብ ፍሉይ ኵነታት ጥራይ እዩ ዝግበር ነይሩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ልሙድ ነገር ዘይምንባሩ ብንጹር ይሕብረና እዩ። ኣምላኽ ነቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ: ንነብዪ ዳንኤል ከኣ ካብ ጕድጓድ ኣናብስ እኳ እንተ ኣድሓኖም: ንኻልኦት ነብያት ግን ካብ ሞት ንኸድሕኖም ኢሉ ስጕምቲ ኣይወሰደን። (2 ዜና መዋእል 24:20, 21፣ ዳንኤል 3:21-27፣ 6:16-22፣ እብራውያን 11:37) ጴጥሮስ ካብቲ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ ዳጒንዎ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ብተኣምራዊ መገዲ ሓራ ኽወጽእ ከሎ: ሃዋርያ ያእቆብ ግን ኣምላኽ ንኸድሕኖ ኢዱ ስለ ዘየእተወ በዚ ንጉስ እዚ ተቐትለ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:1-11) ኣምላኽ ንሃዋርያት ሕሙማት ንኸሕውዩ ምዉታት እውን ከይተረፈ ንኸተንስኡ ሓይሊ ሂብዎም ክነሱ: ነቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘሳቕዮ ዝነበረ ኣካላዊ ሕማም ክኸውን ዝኽእል ‘ናይ ስጋኡ ግራጭ’ ከርሕቐሉ ግን ኣይፈቐደን።​—⁠2 ቈረንቶስ 12:7-9፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:32-41፣ 1 ቈረንቶስ 12:28

እቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ኔሮ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ሓያል መስጐጕቲ ምስ ኣለዓዓለ: ኣምላኽ ነዚ ንኸወግድ ኢዱ ኣየእተወን። ኣብቲ ግዜ እቲ ክርስትያናት ተሳቕዮም: ብህይወቶም ከለዉ ብሓዊ ተቓጺሎም: ከምኡውን ናብ ኣራዊት ተደርብዮም እዮም። ይኹን እምበር: እዚ ምጽራር እዚ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣየገረሞምን: ነቲ ኣብ ህላወ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት እውን ፈጺሙ ኣየዳኸሞን። ከመይሲ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ክቐርቡ ምዃኖምን ምእንቲ እምነቶም ስቓይ ኰነ ሞት ንኽቕበሉ ድሉዋት ክዀኑ ኸም ዘለዎምን ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 10:17-22

ኣምላኽ ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዝገበሮ ሕጂውን እንተዀነ ነገልገልቱ ኻብ ሓደገኛ ዅነታት ከድሕኖም ይኽእል እዩ። እቶም ዕቝባ ኣምላኽ ከም ዝረኸቡ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ከኣ በዚ ኽንቀፉ የብሎምን። እንተዀነ ግን: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣምላኽ ኢዱ ኣእትዩ እዩ ወይ ኣየእተወን ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ኽትዛረብ ግን ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ኣብ ቱሉዝ: ፈረንሳ: ዘጋጠመ ንትጓ ገለ ኣገልገልቲ የሆዋ ቘሲሎም እዮም። በሽሓት ዝቝጸሩ እሙናት ክርስትያናት ከኣ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚን ኮምዩኒስትን ወይ ብኻልእ ዘሕዝን ኣጋጣሚታት ክሞቱ ኸለዉ ኣምላኽ ንምውጋዱ ኢዱ ኣየእተወን። ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ስምረቱ ዝረኸቡ ኻብ ዝወርዶም ጕድኣት ንምድሓን ብሜላ ኢዱ ዘየእቱ ስለምንታይ እዩ፧​—⁠ዳንኤል 3:17, 18

“ጊዜን ኣጋጣምን”

ሓደ ዕንወት ከጋጥም ከሎ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ክትንከፍ ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ እሙን ምዃን ከኣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣየናግፈናን እዩ። ኣብ ቱሉዝ ብሃንደበት ንትጓ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣላንን ሊልያንን ገለ ኸይኰኑ ኽወጹ ኸለዉ: 30 ዝዀኑ ንጹሃት ሰባት ግን ሞቱ: በማእታት ዝቝጸሩ ድማ ጕድኣት ወረዶም። ኣስፊሕና ኽንርኢ ኸለና ኸኣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ዓመጻ: ኣደዳ ዘይጥንቁቓት መራሕቲ ማካይን: ወይ ኣደዳ ውግእ ይዀኑ ኣለዉ። ኣምላኽ ድማ በቲ ዘጋጥሞም ነገራት ተሓታቲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ሰባት “ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ብምባል የዘኻኽረና።​—⁠መክብብ 9:11

ኣብ ርእሲ እዚውን ሰባት ንሕማምን እርጋንን ሞትን እተቓልዑ እዮም። እቶም ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ሞት ዘድሓኖም ወይ ካብ ሕማሞም ብዘይ​ተጸበይዎ መገዲ ዘሕወዮም ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት እውን ከይተረፈ ውዒሉ ሓዲሩ ሙማቶም ዘይተርፍ እዩ። ሕማምን ሞትን ዘይህልወሉን ‘ብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቲ ሰባት ዝድረዘሉን’ እዋን ገና ኣብ መጻኢ እዩ ዝፍጸም።​—⁠ራእይ 21:1-4

እዚ ንኸጋጥም ኣምላኽ ሓሓሊፉ ኢዱ ኸእቱ ጥራይ ዘይኰነስ ሰፊሕን ዘየዳግምን ስጕምቲ ኽወስድ እዩ ዘድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” ብምባል ዝጽውዖ ፍጻመ ይገልጽ እዩ። (ጸፎንያስ 1:14) ሽዑ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኢዱ ብምእታው ንዅሉ እከይ ከጥፍኦ እዩ። ደቅሰብ ኣብ ፍጹም ኵነታት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ክኽፈተሎም እዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።” (ኢሳይያስ 65:17) ምዉታት እውን ከይተረፉ እንደገና ህያዋን ክዀኑ እዮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ንደቅ​ሰብ ኻብ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት እቲ ዝዓበየ ሓዘን ዘምጽአ ጕዳይ ፍታሕ ክግበረሉ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣምላኽ በቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍቕሩን ሰናዩን ኣቢሉ ንጸገማት ደቅሰብ ሓንሳእን ንሓዋሩን ፍታሕ ክገብረሉ እዩ።

ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ኢዱ ዘእትወሉ መገዲ

ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ፍጥረት ክሳቐ ኸሎ ኣምላኽ ግዲ ዘይብሉ ዀይኑ ስቕ ኢሉ ይርኢ ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ ግዜና ኣምላኽ ዓሌታዊ ኰነ ማሕበራዊ መበቈሎም ብዘየገድስ ኵሎም ሰባት ንኽፈልጥዎን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ንኸማዕብሉን ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) የሱስ ነዚ መስርሕ እዚ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ብምባል ገለጾ። (ዮሃንስ 6:44) ኣምላኽ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት በቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልገልቱ ዝሰብክዎ ዘለዉ መልእኽቲ መንግስቱ ኣቢሉ ናብኡ ይስሕቦም እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ኣምላኽ ንህይወት እቶም ብእኡ ንኽምርሑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብቐጥታ ይጸልዎ እዩ። ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ፍቓዱ ንኽርድኡን እቲ ኸማልእዎ ዝሓቶም ብቕዓታት ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎን ‘ልቦም ይኸፍተሎም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 16:14) እወ: ንዕኡን ንቓሉን ንዕላማታቱን ክንፈልጥ ኣጋጣሚ ብምኽፋት: ንነፍሲ ወከፍና ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዝግደሰልና መርትዖ ሂቡ እዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:3

ብዘይ​ካዚ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ንኣገልገልቱ ይድግፎም እዩ። ነዚ ዝገብሮ ግን ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ሓደጋታት ብምንጋፍ ዘይኰነስ: ዝዀነ ይኹን ጸገም ከጋጥሞም ከሎ ንኽዋጽኡሉ ዝሕግዞም መንፈስ ቅዱሱ ከምኡውን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ብምሃብ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ [ብየሆዋ ኣምላኽ] ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ፊልጲ 4:13

ስለዚ: ስለቲ እተዋህበና ህይወትን ስለቲ መከራ ኣብ ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ንኽንነብር እተዋህበና ተስፋን መዓልቲ መዓልቲ ንኣምላኽ ንኸነማስዎ ኣኺሉ ዝተርፍ ምኽንያት ኣሎና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ: ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ኢሉ ሓተተ። “ጽዋእ ምድሓን ክወስድ: ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ” ብምባል ድማ መለሰ። (መዝሙር 116:12, 13) ነዛ መጽሔት እዚኣ ኣዘውቲርካ ምስ እተንብባ: ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮን ሕጂ ዝገብሮ ዘሎን ኣብ መጻኢ ኽገብሮ ዝመደቦን ነገራት ንኽርድኣካ ክትሕግዘካ እያ: እዚውን ኣብዚ እዋን እዚ ሓጐስ: ኣብ መጻኢ ድማ እተረጋገጸ ተስፋ ኸምጽኣልካ ይኽእል።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:8

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

“እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 65:17

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን የሆዋ ንዘካርያስ ብዳርባ እምኒ ኻብ ሙማት ኣየናገፎን . . .

ነቲ ሄሮድስ ኣብ ንጹሃት ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለት እውን ኣይዓገቶን

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓሳረ መከራ ዘይህልወሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ፣ ምዉታት ድማ እንደገና ህያዋን ክዀኑ እዮም