ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነት ዘደልድልን ዘተባብዕን ዛንታ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

እምነት ዘደልድልን ዘተባብዕን ዛንታ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

እምነት ዘደልድልን ዘተባብዕን ዛንታ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት መስጐጕቲ ዝወረዶም: ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ይስጐጉ እዮም። (ማቴዎስ 10:22፣ ዮሃንስ 15:20) ንውሓት ኰነ ኽብደት ናይቲ ኣብታ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ን52 ዓመት እተኣገደላ ዩክረይን ዘጋጠመ መስጐጕቲ ኽንርኢ ኸለና ግን ከምዚ ዓይነት መስጐጕቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዳርጋ ኣየጋጠመን።

ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዛንታ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘንትያ ኣላ። ኣብ ከቢድ ጸበባ እተራእየ እምነት: ትብዓት: ከምኡውን ብርታዐ ዝገልጽ ዛንታ እዩ። ካብዚ ቐጺሉ ኣብ ዩክረይን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተቐበሎ መግለጺ ሞሳ እንሆ:-

“ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ኣንቢበ ወዲአያ እየ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸም​ክምዎ ንጥፈታት ከንብብ ከለኹ: ንብዓተይ ምዕጋት እዩ ኣብዩኒ። ካብቲ ቕንኣት ዝመልኦ ኣብነትኩምን ሓያል እምነትኩምን ብዙሕ ምትብባዕ ከም ዝረኸብኩ ኸፍልጠኩም እፈቱ። ኣባል ሓንቲ መንፈሳዊት ስድራ​ቤት ምዃንና ተሓቢነ። ካብ መዓሙቝ ልበይ ዝፈልፈለ ምስጋና ይብጻሕኩም!”​—⁠ኣንድሬ ኻብ ፈረንሳ

“ነታ ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ብዝምልከት ንዓኻትኩም ኰነ ንየሆዋ ዘሎኒ ምስጋና ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ብዛዕባ እቶም ነተን ብሉጽ ዓመታት ህይወቶም ኣብ ቤት ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ዘሕለፍዎ ኣሕዋት ዝገልጽ ሓያሎ ተመክሮታት ከንብብ ከለኹ: ንብዓት ስዒሩኒ። ትብዓቶም አድንቖ እየ። ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን 27 ዓመት እኳ እንተ ገበርኩ: ካብዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ክመሃር እኽእል እየ። ነቲ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዘለኒ እምነት ኣደልዲሉለይ እዩ።”​—⁠ቬራ ኻብ ዩጎስላቭያ ነበር

“እዚ ዅሉ ምጽራር ይወርደኩም ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብጽንዓትኩምን ብተኣማንነትኩምን ጽቡቕ ኣብነት ስለ ዝገደፍኩም: ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኽጽሕፈልኩም ከለኹ ሓጐስ እዩ ዝስምዓኒ። ኣብ የሆዋ ዘለኩም ምሉእ ምትእምማንን እሙናት ንኽትኰኑ ዘለኩም ቈራጽነትን ኣኽቢሩኩም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ፈተናታት ከጋጥመኩም ከሎ ዘርኣኽምዎ ትሕትና: የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዘይሓድግ ዝነበረኒ እምነት ኣደልዲሉለይ። ሳላቲ ብትብዓትኩምን ብሓቦኹምን ብጽንዓትኩም ዝገደፍኩምዎ ጽቡቕ ኣብነት: ነቲ ዘጋጥመና ንኣሽቱ ጸገማት ብቐሊሉ ኽንቅበሎ ንኽእል ኣሎና።”​—⁠ቱቴሪሂያ ኻብ ፈረንሳይ ፖሊነዥያ

“ነታ ዓመት መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ: ክጽሕፈልኩም ተደሪኸ። ብዅሉ እቲ ዘተባብዕ ተመክሮታት ውሽጠይ ተተንኪፈ እየ። ኣባል እታ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ሓይሊ ብዝህበና ፈቃርን ረዳእን ኣቦ እትምራሕ እምንትን ሓድነት ዘለዋን ማሕበር ብምዃነይ ሓበን ተሰሚዑኒ። ኣዝዮም ብዙሓት ዘደንቑ ኣገልገልቲ የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ብምሕላፎምን ህይወቶም ብምስኣኖምን ሓዚነ እየ። እንተዀነ ግን: ሳላቲ ትብዓቶምን ቅንኣቶምን ብዙሓት ሰባት ንሓቅን ነቲ ፈቃር ኣቦናን ስለ ዝፈለጡ ተሓጒሰ እየ።”​—⁠ኮለት ካብ ነዘርላንድስ

“ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብዛ ዓመት መጽሓፍ ዝርከብ ብዛዕባ ዩክረይን ዝገልጽ ዛንታ ድሕሪ ምንባብና ልብና ኸም እተተንከፈ ንምግላጽ ክንጽሕፈልኩም ተደሪኽና። ኣቱም እሙናት ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ ኸቢድ ጸገማት ዘደንቕ ናይ ጽንዓት ኣብነት ሓዲግኩም ኢኹም። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ተገሊጹ ዘሎ: ድያብሎስ እዚ ዅሉ እከይ ተግባራት እኳ እናገበረ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣዝዮም ብዙሓት እሙናት ኣሕዋት ንጽህናኦም ብዘይ​ምብልሻዎምሲ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ።”​—⁠ኣለን ካብ ኣውስትራልያ

“ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣሕዋት ምስ ኣንበብኩ ኣዒንተይ ቅጽርጽር በላ። ብዙሕ ነገራት እዮም ተጸሚሞም የሕሊፎም: ንዓመታት ዝቐጸለ ማእሰርቲ: ስቓይ: ጭቈና: ከምኡውን ካብ ስድራቤት ምፍልላይ ገለ ኻብዚ ኽጥቀስ ይከኣል። ንዅሎም እቶም ኣብተን ጉባኤታትኩም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋት ኣዝየ ኸም ዘፍቅሮምን ከም ዘኽብሮምን ክገልጽ እደሊ። ብትብዓቶምን ብጽንዓቶምን ተሓጒሰ እየ። ሓይሊ ዝሃቦም መንፈስ የሆዋ ምዃኑ እፈልጥ እየ። የሆዋ ቐረባና እዩ: ክሕግዘና ኸኣ እዩ ዝደሊ።”​—⁠ሰርጂ ኻብ ሩስያ

“ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ: በኸኹ። ኣብ ጉባኤና ዝርከቡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዛዕባኹም ይዛረቡ እዮም። ኣዚና ኣኽቢርና ኢና እንረእየኩም። ክፍሊ ናይዛ ዓባይ መንፈሳዊት ስድራ​ቤት ክኸውን ምኽኣለይ ኣዝዩ እዩ ዘሐጕሰኒ።”​—⁠ዩንሂ ኻብ ደቡብ ኮርያ

“በቲ ንየሆዋን ንመንግስቱን ዘለኩም እምነት: ጽንዓት: ከምኡውን ዘይቅየር ፍቕሪ ውሽጠይ ተተንኪፈ እየ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዘሎና ሓርነትን የሆዋ ዘዳልወልና ዘሎ ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግብን ምምሳው ንርስዖ ኢና። ንስኻትኩም ግን ከምኡ ኣይገበርኩምን። ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተ ሃልዩና: ንዅሉ ዓይነት ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ሓይሊ ኸም ዝህበና እቲ ብእምነትኩም ዝገደፍኩምዎ ኣብነት ንኸነስተውዕል ሓጊዙና።”​—⁠ፓውሎ ኻብ ብራዚል

“ነቲ ኣብ ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ዝወጸ ተመክሮታትኩም ከንብቦ ኣጋጣሚ ረኸበ ነይረ። ውሽጠይ እዩ ተሰሚዑኒ: ብፍላይ ከኣ ተመክሮ ናይ ሓብትና ሊድያ ኩርዳስ ልበይ ተንኪፍኒ እዩ። ነዛ ሓብቲ እዚኣ ፍሉይ ፍቕሪ እዩ ሓዲሩኒ።​—⁠ኒድያ ኻብ ኮስታ ሪካ

“ሎሚ ነታ ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ኣንቢበ ወዲአያ። ከንብባ ኸለኹ ኣብ የሆዋ ዘለኒ እምነት ደልዲሉ። እቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ መሪሕነት ንዝነበሩ ጥርጣረ ብዛዕባ ምዝራእ ዝገልጽ ተመክሮ ፈጺመ ኣይክርስዖን እየ። ነቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣሕዋት ፈጺምና ኽንጥርጥሮም ከም ዘይግባእ እዩ ምሂሩኒ። ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም! እዚ መንፈሳዊ መግቢ ዘተባብዕ እዩ: ነቲ እምነትና ዝፍተነሉ እዋን ድማ ዘዳልወና እዩ።”​—⁠ለቲስያ ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

“ነዛ ብልጽቲ ዓመት መጽሓፍ ብምርካብና ነማስወሉ ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣሕዋትና ንመጀመርታ ግዜ እዮም ኣንቢቦምዎ። ኣብዚ ዘለዉ ኣሕዋት ተተባቢዖም እዮም። ብዙሓት ክርስትያናት: ብፍላይ ከኣ መንእሰያት: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝገብርዎ ንጥፈታት ወሲኾምሉ እዮም። ገሊኣቶም ስርዓታውያን ወይ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ኵላቶም በቶም ኣብ ግዜ እገዳ ንየሆዋ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ተተባቢዖም እዮም።”​—⁠ኣብ ዩክረይን ናይ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ

ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣሕዋትና ዘርኣይዎ ተኣማንነት ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝቢ የሆዋ ብርግጽ ኣተባቢዕዎም እዩ። ነቲ ኣብ ዓዓመት ኣብ ዓመት መጽሓፍ ዝወጽእ ዘተባብዕ ዛንታታት ኣዘውቲርካ ምንባብ: ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን እዚ እምነትናን ጽንዓትናን እነደልድለሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።​—⁠እብራውያን 12:1