ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ

ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ

ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ

“ተግሳጽ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ: ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዝመጸካ፧ እዛ ቓል እዚኣ ንሰባት እተወሰነ ስርዓታት ከም ዝሕልዉ ምግባር: ምስ ዘይሕልዉዎ ኸኣ ምቕጻዖም ተባሂላ እያ እትትርጐም። ሽሕኳ እታ ቓል ብኻልእ መገዲ እውን ክትትርጐም ትኽእል እንተ ዀነት: ብዙሓት ሰባት ግን ንዝዀነ ይኹን ምስ ተግሳጽ ዝተሓሓዝ ነገር ኣሉታዊ ስምዒት እዩ ዘለዎም።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንተግሳጽ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዝጠቕሳ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 3:11) እዘን ቃላት እዚኣተን ንተግሳጽ ብሓፈሻኡ ዘይኰነስ: ን“ተግሳጽ እግዚኣብሄር” ማለት ነቲ ኣብቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ እተመርኰሰ ተግሳጽ እዩ ዘመልክት። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ጥራይ እዩ ብመንፈሳዊ መዳይ ፍረ ዘፍርን ዝጠቅምን ዝበሃግን። ብኣንጻሩ ኸኣ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ እተመስረተን ምስቲ ልዑል ስርዓታት የሆዋ ዝጋጮን ተግሳጽ መብዛሕትኡ ግዜ ሃሳይን ጐዳእን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ተግሳጽ ኣሉታዊ ስምዒት ዘለዎም።

ተግሳጽ የሆዋ ኽንቅበል ምሕጽንታ እተዋህበና ግን ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ተግሳጽ ኣምላኽ ከም መግለጺ እቲ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ዘለዎ ፍቕሪ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ስለዚ: ሰሎሞን “ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ: ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ” በለ።​—⁠ምሳሌ 3:12

ኣብ መንጎ ተግሳጽን መቕጻዕትን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ተግሳጽ እተፈላለየ መልክዕ ኣለዎ። እዚ ድማ መምርሒ: ትምህርቲ: ስልጠና: መግናሕቲ: መአረምታ: ከምኡውን መቕጻዕቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዅሉ መዳያት ተግሳጽ የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ተበጊስካ እያ እትግበር: ሸቶኣ ኸኣ ነቲ ተግሳጽ ዝወሃቦ ንምጥቃም ተባሂሉ እዩ። የሆዋ ኸም መኣረምታ ዝህቦ ተግሳጽ: ንክቐጽዕ ካብ ዝብል ዕላማ ጥራይ እተበገሰ ኣይኰነን።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ኣምላኽ ክቐጽዕ ከሎ ኵሉ ሳዕ ንኽእርም ወይ ንኽምሃር ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዝሓጥኡሉ ግዜ ኣትሒዙ: ሳዕቤናት ዘይምእዛዞም ክዓጽዱ ጀሚሮም እዮም። የሆዋ ኻብ ገነት ኤድን ኣውጽኦም: ዘይፍጹማት ብምዃኖም ከኣ ክሓሙን ክኣርጉን ጀመሩ። ነማእታት ዓመታት ብመከራ ድሕሪ ምንባር: ንሓዋሩ ጠፍኡ። እዚ ዅሉ የሆዋ ዝፈረዶም መቕጻዕቲ እኳ እንተዀነ: ንኽእረሙ ኢሉ ዝሃቦም ተግሳጽ ግን ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ብምሕጣኦምን ዘይንስሑ ብምንባሮምን ክዕረዩ ዝኽእሉ ኣይነበሩን።

ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን: ከምኡውን ምጥሓል ሰራዊት ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ገለ ኻብቲ መቕጻዕቲ የሆዋ እተራእየሉ ኣጋጣሚታት እዩ። እዚ የሆዋ ዝገበሮ ግብርታት እዚ መምርሒ: ትምህርቲ: ወይ ስልጠና ንምሃብ ተባሂሉ ኣይኰነን ተገይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዘውረዶ መቕጻዕቲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ: ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወን: ንኸተማታት ሶዶምን ጎመራን ሓመዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን።”​—⁠2 ጴጥሮስ 2:5, 6

እዚ መቕጻዕቲ እዚ “ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ: ብዛዕባ እዚ ግዜና ኣመልኪቱ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ‘ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ዝፈድየሉ’ ምዃኑ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ንሳቶም ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም” በለ። (2 ተሰሎንቄ 1:8, 9) ከምዚ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ነቶም ዝቕጽዑ ሰባት ንኽመሃሩ ወይ ንኽዕረዩ ተባሂሉ ኸም ዘይወሃብ እተረጋገጸ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንኣምለኽቱ ተግሳጹ ክቕበሉ ጻውዒት ከቕርበሎም ከሎ: ነቲ ንዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ኣይኰነን ዝጠቅስ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ብቐዳምነት ከም ቀጻዒ ገይሩ ዘይጠቕሶ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። የግዳስ: ዝበዝሕ ግዜ ከም ፈቃር መምህርን ብትዕግስቲ ዘሰልጥንን ጌርካ እዩ ዝጥቀስ። (እዮብ 36:22፣ መዝሙር 71:17፣ ኢሳይያስ 54:13) እወ: እቲ ንምእራም ተባሂሉ ዝወሃብ ተግሳጽ ኣምላኽ: ወትሩ ብፍቕርን ዓቕልን እዩ ዝስነ። ክርስትያናት ዕላማ ተግሳጽ ምስ ዝርድኦም: ነቲ ዝወሃቦም ተግሳጽ ብቕኑዕ ኣረኣእያ ንክቕበልዎ ንኻልኦት እውን ብዝግባእ ንኽግስጹ ዝቐለለ ይዀነሎም።

ተግሳጽ ፈቃራት ወለዲ

ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤትን ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤን ብፍላይ ከኣ ከም ወለዲ ዝኣመሰሉ ሓላፍነት ዘለዎም ዘበሉ ዕላማ ተግሳጽ ኣጸቢቑ ኽርድኦም ኣለዎ። ምሳሌ 13:24 “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ: ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” ትብል።

ወለዲ ብኸመይ እዮም ተግሳጽ ክህቡ ዘለዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ብምባል ይገልጽ። (ኤፌሶን 6:4) እዚ ማዕዳ እዚ ኣብተን “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ዝብላ ቓላት እውን ተደጊሙ እዩ።​—⁠ቈሎሴ 3:21

ዕላማ ተግሳጽ ዝርድኦም ክርስትያናት ወለዲ ብጭካነ ኣይኰነን ተግሳጽ ዝህቡ። እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:24 ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት: ወለዲ ተግሳጽ ክህቡ ኸለዉ እውን ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: መሃሪ: ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብቝጥዓ ምጭዳር: ምቍያቝ: ከምኡውን ጸርፊ ወይ ዘነኣእስ ዘረባ ምዝራብ ምስ ፍቕራዊ ተግሳጽ ኣይምደብን እዩ: ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ድማ ቦታ የብሉን።​—⁠ኤፌሶን 4:31፣ ቈሎሴ 3:8

ወለዲ መአረምታ ይህቡ ኽበሃል ከሎ: ብቕልጡፍ ተሪር መቕጻዕቲ ይህቡ ማለት ኣይኰነን። ዝበዝሑ ቘልዑ ኣተሓሳስባኦም ቅድሚ ምቕያሮም ብተደጋጋሚ ማዕዳ ኽወሃቦም የድሊ። በዚ ኸምዚ ወለዲ ተግሳጽ ቅድሚ ምሃቦም ግዜ ወሲዶም ብኸመይ ተግሳጽ ከም ዝህቡ ኣርዚኖም ክሓስቡሉ ኣለዎም። ውሉዳት “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ክዓብዩ ኸም ዘለዎም ክርስዑ የብሎምን። እዚ ኸኣ ሓያሎ ዓመታት ዝወስድ ስልጠና ክኸውን ይኽእል እዩ።

ክርስትያን ጓሶት ብለውሃት ይግስጹ

እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ዝዓዪ እዩ። ከም ፈቃራት ጓሶት መጠን ትምህርትን መምርሕን መግናሕትን ብምሃብ ነተን መጓሰ ክሃንጽወን እዮም ዝጽዕሩ። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ: ነቲ ናይ ሓቂ ዕላማ ተግሳጽ ኣይርስዕዎን እዮም። (ኤፌሶን 4:11, 12) ኣብ መቕጻዕቲ ጥራይ እንተ ኣተኲሮም ግን ነቲ እተጋገየ ሰብ ካብ ምቕጻዕ ሓሊፎም ምንም ኣይገብሩሉን እዮም። ተግሳጽ ኣምላኽ ግን ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዘጠቓልል። ሽማግለታት ብፍቕሪ ተደሪኾም ነቲ እተጋገየ ኸይተሓለሉ እዮም ዝምዕድዎ። ብሓቂ ዝግደሱ ብምዃኖም ከኣ እተፈላለየ ምትብባዕን ስልጠናን ዝህቡሉ ምድላዋት ይገብሩ።

ሽማግለታት ነቶም ተግሳጽ ብቐሊሉ ዘይቅበሉ ኸዘራርብዎም ከለዉ እውን ከይተረፈ ብመሰረት እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:25, 26 ዝርከብ ማዕዳ “ብህድኣት” ወይ ብለውሃት እዮም ዝገንሕዎም። እታ ጥቕሲ “ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ: ንስሓ እንተ ሀቦም: . . . ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም” ብምባል እውን ዕላማ ተግሳጽ ትገልጽ እያ።

ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ዘይንሳሕ በዳሊ ኻብ ጉባኤ ምውጋድ ዘድልየሉ እዋን ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:18-20) ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ስጕምቲ እውን ከይተረፈ: ከም መቕጻዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ተግሳጽ ጌርካ ኽርአ ኣለዎ። ሽማግለታት ሓሓሊፎም ነቶም እተወገዱ እሞ ኣበሳ ኻብ ምፍጻም ዝቝጠቡ ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ክበጽሕዎም ይጽዕሩ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ: ሽማግለታት ምስቲ ናይ ሓቂ ዕላማ ተግሳጽ ብምስምማዕ ነቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽምለስ ክወስዶ ዘለዎ ስጕምትታት ይነግርዎ እዮም።

የሆዋ ፍጹም ፈራዲ እዩ

ወለዲ: ክርስትያን ጓሶት: ከምኡውን ካልኦት ንኽግስጹ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስልጣን እተዋህቦም ሰባት: ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣርዚኖም ክርእይዎ ኣለዎም። ንሓደ ሰብ ፈጺሙ ኣይዕረን እዩ ኢሎም ክፈርዱ የብሎምን። ስለዚ ድማ እቲ ዝህብዎ ተግሳጽ ብቒም ወይ ብጽልኢ ተበጊስካ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ክኸውን የብሉን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኸቢድን ናይ መወዳእታን መቕጻዕቲ ኸም ዝህብ ገይሩ ይጠቕሶ እዩ። አረ: “ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ” እውን ይብል እዩ። (እብራውያን 10:31) እንተዀነ ግን: ኣብዚ መዳይ እዚ ዀነ ኣብ ካልእ መዳያት ዋላ ሓደ ሰብ ንርእሱ ምስ የሆዋ ኸመዓራሪ የብሉን። ዋላ ሓደ ሰብ እውን ኣብ ኢድ ወለዲ ወይ ኣብ ኢድ ሓደ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ምውዳቕ ዘሰክሕ እዩ ኢሉ ንኽሓስብ ምኽንያት የብሉን።

የሆዋ ተግሳጽ ክህብ ከሎ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ሚዛኑ ንኽሕሉ ክእለት ኣለዎ። ደቅሰብ ግን ከምዚ ኽገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣምላኽ ንልቢ ሰብ ከንብብ ስለ ዝኽእል ነቲ ኽዕረ ዘይክእል ሰብ ወሳንን ናይ መወዳእታን መቕጻዕቲ ይህቦ። ሰባት ግን ከምዚ ዓይነት ፍርዲ ኽህቡ ኣይክእሉን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ተግሳጽ ክህቡ ኣብ ዘድልየሉ እዋን: ንምእራም ጥራይ ኢሎም ክገብርዎ ኣለዎም።

ተግሳጽ የሆዋ ምቕባሉ

ኵላትና ተግሳጽ የሆዋ የድልየና እዩ። (ምሳሌ 8:33) አረ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ተግሳጽ ሃንቀው ኢና ኽንብሎ ዘሎና። ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና: ነቲ ኻብ የሆዋ ብቐጥታ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቢሉ ዝመጽእ ተግሳጽ ክንቅበል ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ሓድሓደ ግዜ ግን ክርስትያናት ብጾትና እውን ተግሳጽ ይህቡና እዮም። ንዕላማ እቲ ተግሳጽ ምፍላጡ ብፍታው ንኽንቅበሎ ይሕግዘና እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ቅጽዓት [ተግሳጽ] ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እዩ’ ብምባል ኣፍልጦ ሂቡሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ “ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” በለ። (እብራውያን 12:11) ተግሳጽ የሆዋ መግለጺ እቲ ንዓና ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሩ እዩ። እምበኣር: ተግሳጽ እንተ ተዋሂቡና ወይ ንኻልኦት ተግሳጽ ክንህብ ከለና ንዕላማ ተግሳጽ ኣምላኽ ኣይንረስዕ፣ ነቲ “ህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውን” ዝብል ጥበብ ዝመልኦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምኽሪውን ኣብ ልብና ነሕድሮ።​—⁠ምሳሌ 4:13

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ንኽእረሙ ተግሳጽ ኣይኰነን ዝወሃቦም: የግዳስ ኣምላኽ ይቐጽዖም እዩ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ብፍቕሪ ተደሪኾም ግዜ ብምውሳድ ምርምር ይገብሩን ንእተጋገየ ይሕግዙን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ብዓቕልን ብፍቕርን “ናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ይህቡ