ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘዕግብ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶታት

ዘዕግብ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶታት

ዘዕግብ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶታት

ብ1 ሕዳር 1755 ንግሆ: መዓልቲ ቕዱሳን ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ ዕለት ብዙሓት ተቐማጦ ኸተማ ሊዝበን ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከለዉ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠመ። በሽሓት ዝቝጸር ህንጻታት ፈረሰ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ሞቱ።

ድሕርዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ቮልቴኽ ዝበሃል ፈረንሳዊ ጸሓፊ ፖየም ሱኽ ለ ደይዛስትኸ ደ ሊስቦን (ኣብ ሊዝበን ንዘጋጠመ ሓደጋ እተገጥመ ግጥሚ) ዘርእስቱ ግጥሚ ጸሓፈ። ኣብቲ ግጥሚ እቲ ኸኣ እቲ መዓት ኣምላኽ ብሰንኪ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ዘውረዶ መቕጻዕቲ እዩ ንዝብል ሓሳብ ነጸጎ። ቮልቴኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንወታት ደቅሰብ ክርድእዎ ወይ ክገልጽዎ ዘይክእሉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:-

ተፈጥሮ ዓባስ እያ: ንኸንቱ ኢና እንሓታ፣

ምስ ደቅሰብ ዝዛረብ ኣምላኽ እዩ ዘድልየና።

ልክዕ እዩ: ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ኣምላኽ ሕቶታት ዘበገሰ ቮልቴኽ ኣይኰነን። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታትን ዕንወታትን ንደቅ​ሰብ ሕቶታት ኣቢጊስሎም እዩ። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እቲ ዅሎም ደቁ ዝሞትዎ ከምኡውን ከቢድ ሕማም ብዘስዓበሉ ብርቱዕ ቃንዛ ዝሳቐ ዝነበረ እዮብ ብዛዕባ ኣምላኽ “ነቲ ምግዱርከ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ፧ ኤረ ነቶም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩስ ንምንታይ ህይወት ሀቦም፧” ኢሉ ሓተተ። (እዮብ 3:20) ኣብዚ ግዜና እውን ብዙሓት ሰባት ሓደ ሰናይ ዝፈቱን ፈቃርን ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ስቓይን በደልን እናረኣየ ኸመይ ኢሉ ስቕ ይብል ኢሎም ይግረሙ።

ብዙሓት ሰባት ጥሜት: ውግእ: ሕማም: ከምኡውን ሞት ስለ ዝርእዩ: ብዛዕባ ደቅሰብ ዝሓሊ ኣምላኽ ኣሎ ንዝብል ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ እዮም ዝነጽግዎ። ሓደ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ዘይኣምን ፈላስፋ ‘ኣምላኽ ዘየለ ክኸውን ኣለዎ እምበር: እንተ ዝህሉ ነይሩ ንቘልዓ ኽሳቐ ብምፍቃዱ ኻብ ተሓታትነት ከምልጥ ኣይምኸኣለን’ በለ። ከም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለት ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመታት ንሰባት ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ ኸም ዝበጽሑ ገይርዎም እዩ። ሓደ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ “ነቲ ኣብ ኦሽዊትዝ ዘጋጠመ ነገራት ብቑዕ ክኸውን ዝኽእል ዝቐለለ መግለጺ: ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ኢዱ ዘእቱ ኣምላኽ የለን ዝብል እዩ” በለ። ብመሰረት እቲ ብ1997 ኣብታ ካቶሊክ ዝበዝሕዋ ሃገረ ፈረንሳ እተገብረ መጽናዕቲ: 40 ሚእታዊት ኣቢሎም ዝዀኑ ህዝባ ብሰንኪ እቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ፍጻመታትን ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ይጠራጠሩ እዮም።

ንእምነት ዕንቅፋት ድዩ፧

ኣምላኽ ሕማቕ ነገራት ንኸየጋጥም ኢዱ ዘየእቱ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ናይ ካቶሊክ ጸሓፍ ታሪኽ እዛ ሕቶ እዚኣ ንናይ ብዙሓት ሰባት “እምነት ከቢድ ዕንቅፋት” ከም ዝዀነት ይማጐት። “ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ንጹሃት ሰባት ክሞቱን ሓያሎ ኻልኦት ከኣ ብጃምላ ክቕተሉን ከለዉ ስቕ ኢሉ ኣብ ዝርእን ንምውጋዱ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣብ ዘይወስድን ኣምላኽ ምእማን ብሓቂ ይከኣል ድዩ፧” ኢሉ ድማ ሓተተ።

ብካቶሊክ እትሕተም ጋዜጣ ላ ክኽዋ ኸኣ ኣብ ርእሰ⁠-​ዓንቀጻ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሃበት:- ‘ጥንቲ ዀነ ሕጂ ብሰንኪ ቴክኖሎጂ: ባህርያዊ ሓደጋ: ወይ ብሰንኪ ተወዲብካ ዝፍጸም ገበን ዘሕዝን ፍጸመ ኸጋጥም ከሎ: ወይ እውን ሞት እተፍቅሮ ሰብ ከጓንፍ ከሎ ብፍርሂ እተዋሕጣ ኣዒንቲ ናብ ሰማይ ገጸን እየን ቍሊሕ ዝብላ። “ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧ ዘይግደስን ዘይሓልን ደይኰነን፧” ኢለን ኸኣ ይሓታ።’

ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣመልኪቶም ኣብታ ብ1984 ዝጸሓፍዋ ሳልቪፊኪ ዶሎሪስ እትበሃል ደብዳበኦም ከምዚ በሉ:- “ሽሕኳ ህላወ ዓለም ንደቅ​ሰብ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣዒንቶም ብምኽፋት ህላወ ኣምላኽ: ጥበቡ: ሓይሉ: ከምኡውን ዕቤቱ ዘርእዮም እንተዀነ: እከይን መከራን ግን ብፍላይ ከኣ እቲ መዓልታዊ ዘጋጥም ማእለያ ዘይብሉ ዘይፍትሓዊ መከራን ሓያሎ ጌጋታት ተፈጺሙ ግቡእ መቕጻዕቲ ኸይተዋህቦ ኽሕለፍ ከሎን ነዚ [ባህርያት ኣምላኽ] ዘህስሶ ዘሎ እዩ ዝመስል።”

እምበኣር ንደቅ​ሰብ ዘጋጥሞም ሓሳረ መከራ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣምላኽ ብሓቂዶ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ፈቃርን ሓያልን እዩ፧ ውልቀ⁠-​ሰባት ወይ እኩባት ሰባት ጕድኣት ንኸይወርዶም ኢሉ ኢዱ የእቱ ድዩ፧ ኣብዚ ግዜና ዝዀነ ይኹን ነገር ይገብረልና ድዩ፧ ብመሰረት ቃላት ቮልቴኽ “ምስ ደቅሰብ ዝዛረብ ኣምላኽ” ኣሎ ድዩ፧ መልሲ ናይዘን ሕቶታት እዚኣተን ንምርካብ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ግዳ ኣንብባ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ብ1755 ኣብ ሊዝበን ዘጋጠመ ዕንወት ንቮልቴኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ደቅሰብ ክርድእዎ ዘይክእሉ ምዃኑ ንኽዛረብ ደረኾ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Voltaire: From the book Great Men and Famous Women; Lisbon: J.P. Le Bas, Praça da Patriarcal depois do terramoto de 1755. Foto: Museu da Cidade/Lisboa

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ከም ሩዋንዳ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለት ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ይጠራጠሩ እዮም

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

AFP PHOTO

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER, children: USHMM, courtesy of Main Commission for the Prosecution of the Crimes against the Polish Nation