የሆዋ ንትሑታት ናብ ሓቂ ይስሕቦም
ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ንትሑታት ናብ ሓቂ ይስሕቦም
ኣሳኖ ኮሲኖ ዘዘንተወቶ
ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝውዳእ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ብ1949: ሓደ ነዊሕ ምቕሉል ወጻእተኛ ናብቶም ኣብ ከተማ ኮቤ ምሳታቶም ዝሰርሕ ዝነበርኩ ስድራቤት ክበጽሕ መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ጃፓን ካብ ዝመጹ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ናይ መጀመርታ እዩ ነይሩ። ክበጽሓና ምምጻኡ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽሰሓብ መገዲ ኸፈተለይ። ፈለማ ግን ብዛዕባ ኣተዓባብያይ ከዘንትወልኩም።
ብ1926 ኣብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ኦካያማ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት እየ ተወሊደ። ካብቶም ሸሞንተ ውሉዳት ዝነበሩዋ ስድራቤትና ሓምሸይቲ እየ። ኣቦይ ውፉይ ኣማኒ ናይቲ ኣብ ከባቢና ኣብ ዝነበረ ቤተ-መቕደስ ሺንቶ ዝምለኽ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ቈልዑ ኸለና ኣብ መላእ ዓመት ኣብ ዝግበር ሃይማኖታዊ በዓላት ምስ ቤተሰብ ምትእኽኻብ ባህ ይብለና ነበረ።
እናዓበኹ ምስ ከድኩ: ብዛዕባ ህይወት ብዙሕ ሕቶታት ክመጸኒ ጀመረ: ልዕሊ ዅሉ ግን ሞት የተሓሳስበኒ ነበረ። ብመሰረት ባህልና ሰባት ኣብ ቤቶም ክሞቱ ኣለዎም: ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ቈልዑ ኣብታ እቲ ኣባል ስድራቤቶም ዝሞተላ ዓራቱ ኾፍ ይብሉ። ዓባየይን ሓደ ገና ዓመት ዘይመልአ ሓወይን ምስ ሞቱ ብዙሕ ሓዘንኩ። ወለደይ ንኸይሞቱኒ ድማ ብርቱዕ ፍርሂ ሓደረኒ። ‘በቃ ኣኺሉና ሞት ድዩ ዝጽበየና፧ ህይወትና ዝያዳ ትርጕም ደዀን ይህልዋ ይኸውን፧’ እብል ነበርኩ። መልሱ ኽፈልጥ ድማ ሃንቀውታ ሓደረኒ።
ብ1937 ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ተማሃሪት ሻድሻይ ክፍሊ ከለኹ: ኣብ መንጎ ቻይናን ጃፓንን ውግእ ተባርዐ። ሰብኡት ዘበሉ እናተኸትቡ ናብቲ ዓውደ ውግእ ዝነበረሉ ቻይና ይለኣኹ ነበሩ። ተማሃሮ ዘበሉ ኣቦታቶም ወይ ኣሕዋቶም ነቲ ሃጸይ “ባንዛይ!” (ንዘለኣለም ይንበር) ኢሎም እናጨርሑ ክኸዱ ኸለዉ ረኣይዎም። እቲ ህዝቢ እታ ብኣምላኽ ከም እትመሓደር ሃጸያ እውን ህያው ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ እትውሰድ ጃፓን ዓወት ከም እትረክብ ይኣምን ነበረ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ንስድራቤታት ካብቲ ግንባር መርድእ ክመጸን ጀመረ። እተን ኣባላተን ዝሞትወን ስድራቤታት እቲ ሓዘን ኣዝዩ ኸበደን። ኣብ ኣልባብ እቲ ህዝቢ ጽልኢ ኽትከል ጀመረ: ኣብ ጸላኢ ኸቢድ ዕንወት ክስዕብ ከሎ ድማ ይሕጐሱ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ‘እቶም ብወገን ጸላኢ ዘለዉ ሰባት እኮ እቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ክሞቱዎም ከለዉ ልክዕ ከምዚ ኸማና ይሓዝኑ ክዀኑ ኣለዎም’ ኢለ እሓሰብ ነበርኩ። መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝወዳእኩሉ እዋን: እቲ ውግእ ናብ ውሽጢ ቻይና ኣስፋሕፊሑ ነበረ።
ምስ ወጻእተኛ ምርኻብ
ሓረስቶት ብምንባርና ድኻታት ኢና ኔርና: ኣቦይ ግን ብዘይ ክፍሊት ክመሃር ክሳዕ ዝኸኣልኩ ትምህርተይ ክቕጽል ፈቐደለይ። ስለዚ: ብ1941 ኣብታ 100 ኪሎ ሜተር ዝኸውን እትርሕቕ ከተማ ዮካያማ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ኣተኹ። እታ ቤት ትምህርቲ ነዋልድ ንፉዓት ኣንስትን ኣዴታትን ንክዀና ትምህርቲ ንምሃብ ዝቘመት እያ ነይራ: እተን ተማሃሮ ድማ ሞያ ንኽመሃራ ኣብተን ኣብቲ ኸተማ ዝርከባ ሃብታማት ስድራቤታት ናይ ቤት ሰራሕተኛ ዀይነን ክዓያ ይምደባ ነበራ። ናይ ንግሆ እተን ተማሃሮ ኣብቲ ኣባይቲ እናሰርሓ ይመሃራ: ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ይኸዳ ነበራ።
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣቀባብላ ምስ ተገብረልና: ሓንቲ ኪሞኖ ዝበሃል ዓይነት ባህላዊ ኽዳን እተኸድነት መምህረይ ናብ ሓደ ዓብዪ ቤት ወሰደትኒ። እንተዀነ ግን: ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እታ እመቤት ናይቲ ገዛ ኣይተቐበለትንን። ድሕሪኡ እታ መምህር “ናብ እንዳ ሚስስ ኮዳ ደሞ ኽንከይድ፧” በለት። ናብ ሓደ ብናይ ምዕራባውያን ኣሰራርሓ እተሃንጸ ቤት ወሰደትኒ እሞ ደወል ደወለት። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ሓንቲ ነዋሕ ጨላይ ዝጸጕራ ሰበይቲ ኸፈተትና። ኣነ ድማ ተዓኒደ ተረፍኩ! ጃፓናዊት ኣይኰነትን: ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከኣ ምዕራባውያን ርእየ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። እታ መምህር ምስ ሚስስ ሞድ ኮዳ ኣፋሊጣትና ብኡንብኡ ኸደት። ፍርሂ እናተሰምዓኒ ቦርሳታተይ እናጐተትኩ ናብታ ቤት ኣተኹ። ጸኒሐ ሚስስ ሞድ ኮዳ ንሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተማህረ ጃፓናዊ እተመርዓወት ኣመሪካዊት ከም ዝዀነት ፈለጥኩ። ኣብ ናይ ንግዲ ኣብያተ-ትምህርቲ እንግሊዝኛ ትምህር ነበረት።
ካብ ንጽብሒቱ ንግሆ ኣትሒዘ ግን ብስራሕ ትሕዝቲ ዀንኩ። በዓል ቤታ ንሚስስ ኮዳ ሕማም ምንፍርፋር ነበሮ: ኣነ ድማ ኣብ ምክንኻኑ ኽሕግዝ ነበረኒ። እንግሊዝኛ ፈጸመ ዘይፈልጥ ብምንባረይ: ቍሩብ የጨንቐኒ ነበረ። ሚስስ ኮዳ ብጃፓንኛ ምስ ኣዘራረበትኒ እፎይታ እዩ ተሰሚዑኒ። ኵሉ ሳዕ ብእንግሊዝኛ ኽዘራረቡ እሰምዖም ነይረ: በብቝሩብ ድማ እዝነይ ነቲ ቛንቋኦም ክለምዶ ጀመረ። ነቲ ኣብታ ቤት ዝነበረ ባህ ዘብል ሃዋሁ ፈተኽዎ።
ሞድ ነቲ ጥዕና ዘይነበሮ ሰብኣያ ዝነበራ ተወፋይነት ኣደኒቑኒ እዩ። ሰብኣያ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ይፈቱ ነበረ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ነታ ናይ ዘመናት መለኮታዊ ውጥን ዘርእስታ ብጃፓንኛ እተዳለወት መጽሓፍ ካብ ሓራጅ ከም ዝዓደጉ: ንእተወሰነ ዓመታት እውን ብእንግሊዝኛ ናይ እትሕተም መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኵንትራት ከም ዝነበሮም ደሓር እየ ፈሊጠ።
ሓደ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ህያብ ተዋህበኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ርእሰይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካበይ ተሓጐስኩ። ናብ ቤት ትምህርተይ ክኸይድን ክመለስን አንብቦ እኳ እንተ ነበርኩ: ሽዑ ብዙሕ ይርድኣኒ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ጃፓን ሺንቶ ሃይማኖት ስለ ዝዓበኹ: ንየሱስ ክርስቶስ ክቐርቦ ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዝነበረኒ ሕቶታት ዝምልስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ናብ ምቕባል ዝመርሓኒ ምንባሩ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
ሰለስተ ዘሕዝን ፍጻመታት
ክልተ ዓመት ዝኸውን ኣብታ ቤት እናሰራሕኩ ትምህርተይ ወዳእኩ። ስለዚ: ካብታ ስድራቤት ክሰናበት ነበረኒ። ትምህርተይ ድሕሪ ምውዳአይ: ምስተን ብርጌድ ወለንተኛታት ኣዋልድ ተጸምበርኩ: ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዩኒፎርም ኣብ ምድላው ድማ ተሳተፍኩ። ቢ-29 ዝበሃላ ደብደብቲ ነፈርቲ ኣመሪካ ክድብድባ ጀመራ: ብ6 ነሓሰ 1945 ከኣ ኣቶሚክ ቦምብ ኣብ ሂሮሺማ ተደርበየ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣደይ ተወጺዓ ኸም ዘላ ዝገልጽ ቴለግራም መጸኒ። ብኡንብኡ ብባቡር ገይረ ናብ ዓድና ተመለስኩ። ካብ ባቡር ምስ ወረድኩ: ሓደ ዘመድና መጺኡ ኣደይ ከም ዝዓረፈት ኣርድኣኒ። ብ11 ነሓሰ እያ ሞይታ። እቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝፈርሆ ዝነበርኩ ነገር ኣጋጠመኒ! ድሕሪ ደጊም ከቶ ኣይክትዛረበንን ወይ ፍሽኽ ኢላ ኣይክትርእየንን እያ።
ብ15 ነሓሰ ጃፓን ተሳዕረት። ስለዚ: ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልትታት ሰለስተ ዘሕዝን ነገራት ኣጋጠመኒ። እዚ ድማ ምንታጕ ኣቶሚክ ቦምብ: ሞት ኣደይ: ከምኡውን ታሪኻዊ ስዕረት ጃፓን እዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ ውግእ ዝሞቱ ሰባት ዘይህልዉ ምዃኖም ዘጸናንዕ እዩ ነይሩ። ውሽጠይ ባዶነት እናተሰምዓኒ: ነቲ ኣብ ፋብሪካ ዝነበረኒ ስራሕ ገዲፈ ናብታ ዝዓበዅላ ቝሸት ተመለስኩ።
ናብ ሓቂ ተሰሓብኩ
ሓደ መዓልቲ: ካብታ ኣብ ዮካያማ እትነብር ዝነበረት ሞድ ኮዳ ዘይተጸበኽዎ ደብዳበ መጸኒ። ናይ እንግሊዝኛ ቤት ትምህርቲ ኽትከፍት ስለ ዝዀነት: ኣብ ዕዮ ገዛ ኽሕግዛ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተተትኒ። እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ እኳ እንተ ጨነቐኒ: መወዳእታኡ ግን ነቲ ዘቕረበትለይ ሕቶ ተቐበልክዎ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ምስ ስድራቤት እንዳ ኮዳ ናብ ኮቤ ገዓዝኩ።
ኣብ መጀመርታ ኽረምቲ 1949 ሓደ ነዊሕ ምቕሉል ሰብኣይ ናብ ስድራቤት እንዳ ኮዳ ኽበጽሕ መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ዶናልድ ሃስለት ይበሃል: ካብ ቶክዮ ናብ ኮቤ ዝመጸሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኮቤ ንሚስዮናውያን ዝኸውን ቤት ንኽደሊ ኢሉ እዩ። ናብ ጃፓን ካብ ዝመጹ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ናይ መጀመርታ እዩ። ቤት ምስ ረኸበ: ኣብ ሕዳር 1949 እተወሰኑ ሚስያናውያን ናብ ኮቤ መጹ። ሓደ መዓልቲ ሓሙሽቲኦም ንእንዳ ኮዳ ክበጽሕዎም መጹ። ክልተ ኻባታቶም ሎይድ ባሪን ፐርሲ ኢዝሎብን ነንዓሰርተ ደቒቕ ነቶም ኣብታ ቤት እተኣከብና ዝርርብ ሃቡና። ሞድ ነቶም ሚስዮናውያን ክርስትያን ሓብቶም እያ ነይራ: ስለዚ ድማ ብምምጽኦም ተተባቢዓ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እየ እንግሊዝኛ ኽመሃር እተለዓዓልኩ።
ብሓገዝ ውፉያት ሚስዮናውያን: መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኣኒ ጀመረ። ነቲ ኻብ ቍልዕነተይ ኣትሒዙ ዝነበረኒ ሕቶታት መልስታት ረኸብኩሉ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘሎ ይገልጽ: “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ክትንስኡ ምዃኖም ድማ ይመባጻዕ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 21:1, 4) የሆዋ ብበጅነታዊ መስዋእቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ስለ ዝሃበና ኣማሰኽዎ።
ዘሐጕስ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት
ካብ 30 ታሕሳስ 1949 ክሳዕ 1 ጥሪ 1950 ኣብ ጃፓን ናይ መጀመርታ ቲኦክራሲያዊ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ኮቤ ዝነበረ ቤት ሚስዮናውያን ተገብረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ሞድ ናብቲ ኣኼባ ኸድኩ። እቲ እተኣከብናሉ ዓብዪ ቤት ኣቐዲሙ ብኣባላት ናዚ እዩ ዝውነን ነይሩ: ዘደንቕ ትርኢት ናይቲ ባሕሪ ኢንላንድን ደሴት ኣዋጂ እውን ነበሮ። ብዙሕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይነበረኒ: እቲ እተባህለ ኣጸቢቑ ኣይተረድኣንን። እንተዀነ ግን: በቶም ምስ ጃፓናውያን ብቐሊሉ ዝተሓዋወሱ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ኣጸቢቐ ተተንከፍኩ። ብጠቕላላ ኣብቲ ህዝባዊ ዝርርብ 101 ተኣከብቲ ኔርና።
ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፍ ወሰንኩ። ሓፋር ብምንባረይ ካብ ቤት ናብ ቤት ንምኻድ ትብዓት ኣድለየኒ። ሓደ ንግሆ: ሓው ሎይድ ባሪ ናብ ኣገልግሎት ክወስደኒ ናብ ቤት መጸ። ካብታ ጥቓ እንዳ ሓብትና ኮዳ እትርከብ ገዛ ኣገልግሎቱ ጀመረ። ነቲ ዝገበሮ መእተዊ እናሰማዕኩ ብድሕሪኡ ዳርጋ ተሓቢኤ እየ ነይረ። ንኻልኣይ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ዝወጻእኩሉ እዋን: ምስ ክልተ ኻልኦት ሚስዮናውያን ኣገልገልኩ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ጃፓናዊት ሰበይቲ ናብ ቤታ ኽንኣቱ ዓደመትና: ንመልእኽትና ሰምዐት: ጸኒሓ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍና ጸባ ኽንሰቲ ኣቕረበትልና። መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ተሰማምዐት: ኣብ መወዳእታ ድማ እተጠምቀት ክርስትያን ኰነት። በቲ ዝገበረቶ ዕቤት ተተባቢዐ እየ።
ኣብ ሚያዝያ 1951 ሓው ናታን ኤች. ኖር ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ጃፓን ክበጽሕ መጸ። ነቲ ኣብ ካንዳ: ቶክዮ: ዝርከብ
ኣደራሽ ክዮሪትሱ ዝሃቦ ህዝባዊ ዝርርብ ንምስማዕ 700 ዝዀኑ ሰባት መጹ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ዅሎም እቶም ተኣከብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብጃፓንኛ ኸም ዝወጸት ምስ ፈለጡ ተሓጒሶም እዮም። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ ሓው ኖር ናብ ኮቤ ምብጻሕ ገበረ: ኣብቲ ሽዑ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ኸኣ ንየሆዋ ህይወተይ ከም ዝወፈኹ ንምርኣይ ተጠመቕኩ።ዓመት ዝኸውን ጸኒሐ ፓይነር ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽኣቱ ምትብባዕ ተዋህበኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጃፓን ሒደት ፓይነራት ጥራይ ብምንባሮም: ከመይ ገይረ ንርእሰይ ክኣሊ ኸም ዝኽእል ተጨነቕኩ። ኣብ መጻኢ ሓዳር ንምግባር ብዛዕባ ዘሎኒ ኣጋጣሚ እውን ሓሲበ እየ። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ምግልጋል ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ክህቦ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ: ስለዚ ብ1952 ፓይነር ኰንኩ። እቲ ዘሐጕስ ግን ፓይነር ኰይነ እናኣገልገልኩ ምስ ሓብትና ኮዳ እተወሰነ ሰዓታት እሰርሕ ነበርኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኣብ ውግእ ሞይቱ ኢለ ቐቢጸዮ ዝነበርኩ ሓወይ: ምስ ስድራቤቱ ኻብ ታይዋን ናብ ዓድና ተመልሰ። ስድራቤተይ ኣብ ክርስትና ፈጺሙ ተገዳስነት ኣይነበሮምን: እንተዀነ ግን ፓይነር ብምዃነይ ቅንኣት ስለ ዝነበረኒ መጽሔታትናን ጽሑፋትናን ክሰደሎም ጀመርኩ። ጸኒሑ ሓወይ ብሰንኪ ስርሑ ምስ ስድራቤቱ ናብ ኮቤ ገዓዘ። ንሰበይቲ ሓወይ “ነቲ መጽሔታት ኣንቢብክዮዶ፧” ኢለ ሓተትክዋ። እቲ ዘገረመኒ ኸኣ “ኣገዳሲ መጽሔታት እዩ” ኢላ መለሰትለይ። ምስ ሓንቲ ኻብተን ሚስዮናውያን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: እታ ምሳታቶም እትነብር ዝነበረት ምንኣሰይ ሓብተይ እውን ሓቢራ ኸተጽንዕ ጀመረት። ድሕሪ ግዜ ኽልቲአን ተጠሚቐን ክርስትያናት ኰና።
ብዓለምለኻዊ ሕውነት ልበይ ተተንከፍኩ
ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ መበል 22 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽሳተፍ ጻውዒት ምስ መጸኒ ተዓኒደ ተረፍኩ። ኣነን ሓው ትሱቶሙ ፉካሴን ካብ ጃፓን ናብቲ ቤት ትምህርቲ እተጸዋዕና ናይ መጀመርታ ሰባት ነበርና። ብ1953 እቲ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማሩ: ነቲ “ሕብረተሰብ ሓዳስ ዓለም” ዘርእስቱ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኽንካፈል ከኣልና። በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ዓለምለኻዊ ሕውነት ውሽጠይ እየ ተተንኪፈ።
ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ: እቶም ዝበዝሑ ሚስዮናውያን ዝርከብዎ ኻብ ጃፓን ተወኪልና ዝኸድና ዘበልና ኪሞኖ ዝበሃል ባህላዊ ኽዳን ዓድና ኽንክደን ነበረና። እቲ ኣቐዲመ ዝለኣኽክዎ ኪሞኖ ብእዋኑ ስለ ዘይበጽሐ: ናይ ሓብትና ኖር ተለቃሕኩ። ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባ ኽዘንም ምስ ጀመረ: እቲ ኽዳን ከይበላሾ ኽጭነቕ ጀመርኩ። ሽዑ ንሽዑ ግን ሓደ ሰብኣይ ብድሕረይ መጺኡ ናይ ዝናም መከላኸሊ ካቦት ኣልበሰኒ። ሓንቲ ኣብ ጥቓይ ደው ኢላ ዝነበረት ሓብቲ “መን ምዃኑ ፈሊጥክዮዶ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ደሓር እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ሓው ፍረደሪክ ዳብሊው. ፍራንዝ ምዃኑ ፈለጥኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘሎ ፍቕሪ ብሓቂ እየ ርእየዮ!
መበል 22 ክፍሊ ጊልዓድ ካብ 37 ሃገራት ዝመጹ 120 ተማሃሮ ዝሓዘት ብምንባራ ብሓቂ ኻብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም እተኣኻኸቡ እዮም ነይሮም። ቋንቋ እተወሰነ ዕንቅፋት እኳ እንተ ዀነና: ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ግን ምሉእ ብምሉእ ኢና ኣስተማቒርናዮ። ኣብ ለካቲት 1954 ውርጪ ኣብ ዝወርደሉ ዝነበረ መዓልቲ: ካብቲ ቤት ትምህርቲ ተመሪቐ ናብ ጃፓን ተመደብኩ። ኢንገር ብራንት እትበሃል ስዊድናዊት ጓል ክፍለይ: ኣብ ከተማ ናጎያ መገላግልተይ ክትከውን ተመደበት። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ምስቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ኮርያ ዝነበረ ውግእ ካብታ ዓዲ ዝወጹ ጕጅለ ሚስዮናውያን ሓቢርና ኸነገልግል ጀመርና። ነተን ሚስዮናዊት ብምዃን ዘሕለፍክወን ሒደት ዓመታት ኣዝየ እየ ኣኽቢረ ዝርእየን።
ሓዳር ድሕሪ ምግባረይ ዝፈጸምክዎ ዘሐጕስ ኣገልግሎት
ኣብ መስከረም 1957 ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝነበረ ቤትኤል ከገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ደርቢ ዘለዎ ብሉሕ እተሰርሐ ቤት ናይ ጃፓን ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይኑ የገልግል ነበረ። ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ናይቲ ጨንፈር ተዓዛቢ ዝነበረ ሓው ባሪ ሓዊስካ ኣርባዕተ ኣባላት ጥራይ እዮም ነይሮም። እቶም ዝተረፉ ኣባላት እቲ ስድራቤት ሚስዮናውያን ነበሩ። ተርጓሚትን ፊደላት እተጻርን ክኸውን ተመደብኩ: ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ጽሬት: ሕጽቦ: ክሸና: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮታት እዓዪ ነበርኩ።
ኣብ ጃፓን ዝነበረ ዕዮ እናሰፍሐ ኸደ: ብዙሓት ኣሕዋት ድማ ናብ ቤትኤል ክኣትዉ ጻውዒት ቀረበሎም። ሓደ ኻባታቶም ኣብታ ኣነ እተመደብኩላ ጉባኤ ተዓዛቢ ዀይኑ ተመዘዘ። ብ1966 ነዚ ጁንጂ ኮሲኖ ዝበሃል ሓው ተመርዓኽዎ። ምስ ተመርዓና: ጁንጂ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ተመዘዘ። ንእተፈላለያ ጉባኤታት ምብጻሕ ክንገብር ከለና: ምስ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክፋለጥ ምኽኣለይ ኣሐጒስኒ እዩ። እተወሰነ ትርጕም እውን ክዓዪ ተመዲበ ብምንባረይ: ኣብቲ ንሓደ ሰሙን እንጸንሓሉ ቤት እዓዮ ነበርኩ። ክንጐዓዝ ከለና: ኣብ ርእሲ እቲ ባልጃናን ቦርሳታትን ንኽትስከሞ ኸቢድ ዝዀነ እተፈላለየ መዝገበ-ቓላት ተሰኪምና ኽንከይድ ነበረና።
ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ባህ ኢሉና ዓየና: እታ ማሕበር ክትዓቢ ኸላ ድማ ረኣና። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፈለማ ናብ ናማዙ: እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ኸኣ ናብቲ ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኢቢና ገዓዘ። ኣነን ጁንጂን ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤትኤል ባህ ኢሉና ኣገልጊልና ኢና: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ 600 ኣቢሎም ምስ ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ንዓዪ ኣሎና። ኣብ ግንቦት 2002 እቶም ኣብ ቤትኤል ዝርከቡ ፈተውተይ መበል 50 ዓመት ናይቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸናሕኩሉ እዋን ኣብዒሎምለይ እዮም።
ወሰኽ ብምርኣየይ ተባሪኸ
ብ1950 ንየሆዋ ኸገልግል ክጅምር ከለኹ: ኣብ ጃፓን ሒደት ኣስፋሕቲ ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ልዕሊ 210,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ። ልክዕ ከምቲ ኣነ ናብ የሆዋ እተሰሓብኩ: በሽሓት ዝቝጸሩ ኣባጊዕ መሰል ብሓቂ ናብ የሆዋ ተሳሒቦም እዮም: ሕጂውን ይሰሓቡ ኣለዉ።
እቶም ብ1949 ኣብ እንዳ ሓብትና ኮዳ ክበጽሑና ዝመጹ ኣርባዕተ ሚስዮናውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን ሓብትና ሞድ ኮዳ ክሳዕ ዕለተ-ሞቶም ብተኣማንነት ንየሆዋ ኣገልጊሎም እዮም። እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝነበረ ሓወይን እታ ን15 ዓመት ፓይነር ኰይና ዘገልገለት ሰበይቱ እውን ክሳዕ ዕለተ-ሞቶም እሙናት ነበሩ። እቶም ብቝልዕነተይ ከይሞቱኒ ኢለ ኣዝየ ዝፈርሃሎም ዝነበርኩ ወለደይ ደኣ እሞ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትንሳኤ ኸም ዝህሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ተስፋን ምጽንናዕን ኰይኑኒ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ: ብ1941 ምስ ሞድ ምርኻበይ ናይ ህይወተይ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስኣ እንተ ዘይራኸብ ከምኡውን ድሕሪ እቲ ውግእ ምስኣ ንኽሰርሕ ምስ ሓተተትኒ ሕራይ እንተ ዘይብላ ነይረ: ኣብታ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ እትርከብ ቍሸትና ምተቐመጥኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ምስዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ኣይምተራኸብኩን ነይረ። የሆዋ ብሓብትና ሞድን በቶም ቀዳሞት ሚስዮናውያንን ኣቢሉ ንዓይ ናብ ሓቂ ምስሓቡ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ!
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ሞድ ኮዳን ብዓል ቤታን። ኣነ ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ጸጋም ኣለኹ
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ብ1953 ምስቶም ካብ ጃፓን ዝኸዱ ሚስዮናውያን ኣብ ያንኪ ስታድዩም እተሰኣልክዎ። ኣነ ብጸጋማይ ጫፍ ኣለኹ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ጁንጂ ብዓል ቤተይ ኣብ ቤትኤል