ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈተናታት እናኣጋጠመና ምዕጋስ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ

ፈተናታት እናኣጋጠመና ምዕጋስ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ

ፈተናታት እናኣጋጠመና ምዕጋስ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ

“ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 2:20

1. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ክነብሩ ስለ ዝደልዩ: እንታይ ሕቶ እዩ ኽሕሰበሉ ዘለዎ፧

 ክርስትያናት ንየሆዋ እተወፈዩን ፍቓዱ ኽገብሩ ዝጽዕሩን እዮም። ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ምእንቲ ኽነብሩ ኸኣ ኣስኣሰር እቲ ኣርኣያ ዝዀኖም የሱስ ክርስቶስ ንኽስዕቡን ንሓቂ ንኽምስክሩን ዝከኣሎም ኵሉ እዮም ዝገብሩ። (ማቴዎስ 16:24፣ ዮሃንስ 18:37፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) እንተዀነ ግን: የሱስን ካልኦት እሙናት ክርስትያናትን ምእንቲ እምነቶም ህይወቶም ብምሕላፍ ሰማእታት ኰይኖም እዮም። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ኵሎም ክርስትያናት ምእንቲ እምነቶም ክሞቱ ትጽቢት ይግበረሎም ማለት ድዩ፧

2. ክርስትያናት ንፈተናን መከራን ብኸመይ እዮም ዝርእይዎ፧

2 ከም ክርስትያናት መጠን ምእንቲ እምነትና ኽሳዕ ሞት እሙናት ክንከውን ደኣ እምበር ናይ ግድን ክንመውት ኣይኰነን ትጽቢት ዝግበረልና። (2 ጢሞቴዎስ 4:7፣ ራእይ 2:10) ከምዚ ኽበሃል ከሎ: ምእንቲ እምነትና መከራ ንኽወርደና ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ንኽንመውት ድሉዋት እኳ እንተ ዀንና: ክንሳቐን ክንመውትን ግን ኣይንብህግን ኢና። እቲ ዝወርደና ሓሳረ መከራ: ስቓይ: ወይ ውርደት ኣየሐጕሰናን እዩ። ይኹን እምበር: ፈተናታትን መስጐጕትን ክንጽበዮ ዘሎና ስለ ዝዀነ: ከጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ከም ዝግባእ ተጠንቂቕና ኽንምርምር ኣሎና።

ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት

3. መስጐጕቲ ምስ ወረዶም ብዛዕባ ዝወሰድዎ እተፈላለየ ስጕምትታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነታት ክትጠቅስ ትኽእል፧ (ነታ ኣብ እትቕጽል ገጽ እትርከብ “መስጐጕቲ ኽወርዶም ከሎ ዝወሰድዎ ስጕምቲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

3 ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንህይወቶም ዘስግእ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ከም ዝገበሩ ዝገልጽ ሓያሎ ዛንታታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና። እቲ ሽዑ ዝወሰድዎ እተፈላለየ ስጕምትታት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጢምዎም እንታይ ክገብሩ ኸም ዝግባእ መምርሒ ይዀኖም። ነታ “መስጐጕቲ ኽወረዶም ከሎ ዝወሰድዎ ስጕምቲ” ዘርእስታ ሳጹን እሞ ኣንብብ: ካባታቶም እንታይ ክትመሃር ከም እትኽእል ርአ።

4. የሱስን ካልኦት እሙናት ኣገልገልትን ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ እንታይ እዮም ገይሮም፧

4 የሱስን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን መስጐጕቲ ኸጋጥሞም ከሎ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት በበይኑ ስጕምቲ እኳ እንተ ወሰዱ: ንህይወቶም ብዘይ​ረብሕ ነገር ኣብ ሓደጋ ኸም ዘየእተዉዋ ግን ንጹር እዩ። ሓደገኛ ዅነታት ክፍጠር ከሎ: ተባዓት ግን ከኣ ጥንቁቓት እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 10:16, 23) ዕላማኦም ነቲ ዕዮ ስብከት ምስፋሕን ንየሆዋ ዘለዎም ንጽህና ምሕላውን እዩ ነይሩ። ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ዝወሰድዎ ስጕምቲ: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ፈተናታትን መስጐጕትን ከጋጥሞም ከሎ እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ኣብነት ይዀኖም።

5. ብ1960ታት ኣብ ማላዊ እንታይ መስጐጕቲ እዩ ተላዒሉ: እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ እንታይ ስጕምቲ እዮም ዝወሰዱ፧

5 ኣብዚ ግዜና ብሰንኪ ውግእ: እገዳ: ወይ ብሰንኪ ብርቱዕ መስጐጕቲ ንህዝቢ የሆዋ ኸቢድ ጸገማት ኣጋጢምዎምን ዝነበሮም ነገራት ስኢኖምን እዮም። ንኣብነት: ብ1960ታት ኣብ ማላዊ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ መስጐጕቲ ወረዶም። ዝእከቡሉ ዝነበሩ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ኣባይቶም: መግቦም: ስርሖም: ኰታስ ኵሉ እቲ ዘጥረይዎ ነገራት ሰኣኑ። ኣደዳ መውቃዕትን ካልእ ዘሰቅቕ ተመክሮታትን ኰኑ። እንታይ ስጕምቲ ግን እዮም ዝወሰዱ፧ በሽሓት ዝቝጸሩ ኻብ ኣቝሻቶም ክሃድሙ ተገደዱ። ብዙሓት ናብ ዱር ሃደሙ: ገሊኣቶም ከኣ ናብ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ሞዛምቢክ ንግዜኡ ተሰዱ። ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት እኳ እንተ ሞቱ: ገሊኣቶም ግን ካብቲ ሓደገኛ ዞባ ኽሃድሙ መረጹ፣ እዚውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ግቡእ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ብምግባሮም ነቲ የሱስን ጳውሎስን ኣቐዲሞም ዝገደፍዎ ኣብነት እዮም ስዒቦም።

6. ኣብ ማላዊ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ መስጐጕቲ እናወረዶም እንታይ ምግባር እዮም ዘይሓደጉ፧

6 ኣብ ማላዊ ዝርከቡ ኣሕዋትና ናብ ካልእ ቦታ ኽስደዱ ወይ ክሕብኡ እኳ እንተ ተገደዱ: ቲኦክራሲያዊ መምርሒ ኣናድዮምን ስዒቦምን: ብእተኻእሎም ዘበለ እውን ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ቀጺሎም እዮም። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ብ1967 ኣብ ትሕቲ እገዳ ቀቅድሚ ምእታዎም 18,519 ዝኸውን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ በጽሑ። ኣብ ትሕቲ እገዳ ኸለዉ ብዙሓት ናብ ሞዛምቢክ እኳ እንተ ሃደሙ: ብ1972 ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ 23,398 ዝኸውን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ በጽሑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም 16 ሰዓት ዝኣክል ግዜ ኣብ ኣገልግሎት የሕልፉ ነበሩ። እዚ ተግባራቶም ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዘምጽኣሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን: የሆዋ እውን ነዞም እሙናት ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ ባሪኽዎም እዩ። a

7, 8. ገሊኣቶም እቲ ዝወረዶም ምጽራር ጸገማት እኳ እንተ ኣምጸኣሎም: ክሃድሙ ዘይደልዩ ስለምንታይ እዮም፧

7 በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ኣብተን ምጽራር ዘለወን ሃገራት: ገሊኣቶም ኣሕዋት ናብ ካልእ ዓዲ ክኸዱ እኳ እናኸኣሉ ኣብቲ ዘለዉዎ ንኽጸንሑ ኽውስኑ ይኽእሉ እዮም። ናብ ካልእ ዓዲ ምኻድ እተወሰነ ጸገማት ክፈትሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ብኻልእ ጸገማት ግን ክትካእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ምስ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ርክብ ክህልዎምን ብመንፈሳዊ ከይተገለሉ ክቕጽሉን ይኽእሉዶ፧ ምናልባት ናብ ዝያዳ ዝበልጸገት ሃገር ወይ ናብ ሓንቲ ዝሓሸ ስጋዊ ነገራት ንኸተጥሪ ኣጋጣሚ እትኸፍት ዓዲ ምስ ገዓዙ: እግሪ ንኽተኽሉ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ መንፈሳዊ ልማዳቶም ክቕጽልዎዶ ይኽእሉ እዮም፧​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:9

8 ገሊኣቶም ከኣ ንመንፈሳውነት ኣሕዋቶም ስለ ዝሓልዩ: ናብ ካልእ ዓዲ ኣይግዕዙን ይዀኑ። ኣብ ዓዶም ምእንቲ ኽሰብኩን ነሕዋቶም ምእንቲ ኸተባብዕዎምን ኣብቲ ዘለዉዎ ዀይኖም ነቲ ዝመጽእ ኵነታት ክዋጽኡሉ ይመርጹ ይዀኑ። (ፊልጲ 1:14) ገሊኣቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ምርጫ ብምግባሮም: ኣብ መወዳእታ ኣብ ሃገሮም ሕጋዊ ዓወት ንኽርከብ እውን ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። b

9. ሓደ ሰብ መስጐጕቲ ኽወርዶ ኸሎ ኣብቲ ዘለዎ ንኽጸንሕ ወይ ንኽግዕዝ ንምውሳን ነየናይ ረቛሒታት እዩ ኽሓስበሉ ዘለዎ፧

9 ኣብቲ ዘለኻዮ ኽትጸንሕ ወይስ ካብኡ ኽትግዕዝ: ብብሕትኻ እትገብሮ ምርጫ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ: ብጸሎት መምርሒ የሆዋ ድሕሪ ምድላይካ ጥራይ እዩ ኽግበር ዘለዎ። እቲ እንገብሮ ምርጫ ብዘየገድስ ግን: ነቲ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ክንዝክር ኣሎና። (ሮሜ 14:12) ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት እሙን ክኸውን እዩ ዝደልዮ። ገሊኣቶም ኣገልገልቱ ሕጂ ፈተናታትን መስጐጕትን ከጋጥሞም ከሎ: ገሊኣቶም ግን ጸኒሑ እዩ ዘጋጥሞም። እንተ በዚ እንተ በቲ ዅላቶም ክፍተኑ እዮም: ዋላ ሓደ ክርስትያን ካብዚ ሓራ ክኸውን ክጽበ የብሉን። (ዮሃንስ 15:19, 20) ህይወትና ዝወፈና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ነቲ ንቕድስና ስም የሆዋን ምርግጋጽ ሉዓላውነቱን ዘጠቓልል ንምሉእ ኣድማስ ዝምልከት ሕቶ ጎሲና ኽንሓልፎ ኣይንኽእልን ኢና።​—⁠ህዝቅኤል 38:23፣ ማቴዎስ 6:9, 10

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ”

10. የሱስን ሃዋርያትን ጸቕጥታትን ምጽራርን ከጋጥሞም ከሎ ብዝወሰድዎ ስጕምቲ እንታይ ኣገዳሲ ኣብነት እዮም ገዲፎምልና፧

10 ካብቲ የሱስን ሃዋርያትን ጸቕጥታት ክወርዶም ከሎ ዝወሰድዎ ስጕምቲ እንመሃሮ ኻልእ ኣገዳሲ ስርዓት ከኣ ንሰጐጕትና ፈጺምና ሕነ ኽንፈዲ ዘይምፍታን እዩ። የሱስ ወይ ሰዓብቱ ተጠርኒፎም ሓደ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ከም ዝገበሩ ወይ ምስ ሰጐጕቶም ንምቅላስ ሓይሊ ኸም እተጠቕሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቶ ኣይንረክብን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ . . . ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ ንክርስትያናት መዓዶም። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር” በለ።​—⁠ሮሜ 12:17-21፣ መዝሙር 37:1-4፣ ምሳሌ 20:22

11. ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ንመንግስቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ እንታይ እዩ ዝበለ፧

11 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ማዕዳ እዚ ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎ እዮም። ጸሓፍ ታሪኽ ሲሰል ጀይ. ካዱ ኣብታ ዘ ኤርሊ ቸርች ኤንድ ዘ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፉ: ክርስትያናት ኣብቲ ኻብ 30-70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ እዋን ንመንግስቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸምዚ ብምባል ገለጾ:- “ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያናት ንዝወረዶም መስጐጕቲ ብሓይሊ ንምቅዋም ጻዕሪ ኸም ዝገበሩ ዝሕብር ጭቡጥ መርትዖ የብልናን። እንተ ገደደ ንመራሕቶም ኣትሪሮም ይዅንንዎም ወይ እናሃደሙ የስደምምዎም እዮም ነይሮም። ተራ ክርስትያናት መስጐጕቲ ኽወርዶም ከሎ ግን ምስቲ ንክርስቶስ ዘለዎም ተኣዛዝነት ዝጋጮ እዩ ንዝብልዎ ስርዓታት መንግስቲ ፈጺሞም ከም ዘይእዘዙ ብህድኣት ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ዝገብርዎ ኣይነበረን።”

12. መከራ ኽወርደና ኸሎ ሕነ ኣብ ክንዲ እንፈዲ እንተ ተዓገስና ዝሓሸ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

12 ክሳዕ ክንድዚ ልኡም ምዃን ጥበባዊ መገዲ ድዩ፧ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ዝወስዱ በቶም ከጥፍእዎም ዝደልዩ ብቐሊሉ ደይኰኑን ዝጕበጡ፧ ንርእስኻ ኽትከላኸልሲ ዝያዳ ጥበባዊ ደይኰነን፧ ብዓይኒ ሰብ ክትርእዮ ኸለኻ: እዚ ዝሓሸ ኽመስል ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: መምርሒ የሆዋ ምስዓብ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ርግጸኛታት ኢና። ነቲ “ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ” ዝብል ቃላት ጴጥሮስ ወትሩ ንዝክሮ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:20) የሆዋ ነቲ ዅነታት ኣጸቢቑ ኸም ዝፈልጦን ንሓዋሩ ኸምኡ ኢሉ ክቕጽል ከም ዘይፈቅድን ርግጸኛታት ኢና። ከመይ ጌርና ግን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ምኽንያቱ የሆዋ ነቶም ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝነበሩ ህዝቡ “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንኪ፥ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዘካርያስ 2:8 ትርጕም 1990) መርዓት ዓይኑ ተተንክዩ ስቕ ዝብል እሞ መን ኣሎ፧ እምበኣር: የሆዋ ብግዜኡ ራህዋ ኸምጽእ እዩ። በዚ ፈጺምና ኽንጠራጠር የብልናን።​—⁠2 ተሰሎንቄ 1:5-8

13. የሱስ እቶም ጸላእቱ ኽሕዝዎ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣብዚ መዳይ እዚ: የሱስ ኣብነት ክዀነና ይኽእል እዩ። ጸላእቱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኽሕዝዎ ዝኸኣሉ: ንርእሱ ኽከላኽል ብዘይ​ምኽኣሉ ኣይኰነን። ንወደ መዝሙሩ እኳ “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ: እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧” ኢሉ እዩ ተዛሪብዎ። (ማቴዎስ 26:53, 54) ንየሱስ ዋላ እውን ሓሳረ መከራ እናጸገበ ልዕሊ ዅሉ ዘገድሶ ነገር ፍቓድ የሆዋ ምፍጻም እዩ ነይሩ። ኣብተን “ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን: ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ” ዝብላ ትንቢት ዝሓዛ ቓላት መዝሙር ዳዊት ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመን ነበረ። (መዝሙር 16:10) ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠እብራውያን 12:2

ንስም የሆዋ ኻብ ምቕዳስ ዝርከብ ሓጐስ

14. የሱስ ነቲ ዅሉ ፈተናታት ብትዕግስቲ ኽዋጽኣሉ ዘኽኣሎ እንታይ ዓይነት ሓጐስ እዩ፧

14 የሱስ ነቲ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና ጸኒዑ ንኽሓልፎ ዘኽኣሎ እንታይ ዓይነት ሓጐስ ብምርካቡ እዩ፧ ካብ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንላዕሊ እቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣን ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። ስለዚ: የሱስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናኡ ምሕላዉ: ነቲ ሰይጣን ንየሆዋ ዝጸርፎ ጸርፊ እቲ ዝበለጸ ምላሽ እዩ ዝዀኖ። (ምሳሌ 27:11) የሱስ ምስ ተንስአ እተሰምዖ ሓጐስን ዕግበትን ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ከም ፍጹም ሰብ መጠን ንሉዓላውነት የሆዋ ኣብ ምርግጋጽን ስሙ ኣብ ምቕዳስን ግዴኡ ኸም ዝገበረ ምስ ፈለጠ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ተሓጒሱ ዀን ክኸውን ኣለዎ! ብተወሳኺውን: ‘ኣብ የማን ኣምላኽ ምቕማጡ’ ዘደንቕ ክብርን ዝዓበየ ምንጪ ሓጐስን ከም ዝዀነሉ ኣየተሓታትትን እዩ።​—⁠መዝሙር 110:1, 2፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16

15, 16. እቶም ኣብ ዛክሰንሃውዘን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበለ ኣዝዩ ኸቢድ መስጐጕቲ እዮም እተዓገሱ: ከምዚ ንኽገብሩ ብርታዐ ዝሃቦምከ መን እዩ፧

15 ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ፈተናታትን መስጐጕትን ተዓጊሶም ብምሕላፍ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ኣበርክቶ ምስ ዝገብሩ ሓጐስ እዮም ዝረኽቡ። ንኣብነት: ኣብቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነይሩ ተባሂሉ ዝፍለጥ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ዝነበሩ ሓሳረ መከራ ዘሕለፉ ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ነቲ ኣድካሚ ናይ ሞት ጕዕዞ ዝገበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ጕዕዞ በሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት በቲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር: ብሕማም: ወይ ብጥሜት ሞይቶም: ወይ ከኣ በቶም ናይ ኤስ.​ኤስ. ወተሃደራት ኣብ ደረት እቲ መገዲ ብጭካነ ተቐቲሎም እዮም። እቶም 230 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እኳ እንተዀነ ሓቢሮም ስለ እተጓዕዙን ይደጋገፉ ብምንባሮምን ኵላቶም ደሓኑ።

16 ነዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣቶም ነዚ ኣዝዩ ኸቢድ መስጐጕቲ ኽጻወሩ ብርታዐ ዝሃቦም መን እዩ፧ ኣብ ደሓን ቦታ ምስ በጽሑ: “ካብ ሽዱሽተ ሃገራት እተኣኻኸቡ 230 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ጥቓ እታ ኣብ መክለንበርግ እትርከብ ሽፋሪን ኣብ ዝርከብ ጫካ ተኣኪቦም ዘውጽእዎ ናይ ኣቕዋም መግለጺ” ኣብ ዝብል ሰነድ ሓጐሶምን ሞሳኦምን ንየሆዋ ገለጹ። ኣብቲ ሰነድ ከምዚ በሉ:- “ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ፈተና እዋን ሓሊፉ እዩ: እቶም ዝደሓኑ ዘበሉ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኻብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ እኳ እንተ ወጹ: ጨና ሓዊ እኳ ኣይሓለፎምን። (ዳንኤል 3:27 ርአ።) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካብ የሆዋ ብዝረኸብዎ ብርታዐን ሓይልን ተመሊኦም: እቲ ንጉስ ቲኦክራሲያዊ ረብሓታት ንምድንፋዕ ዝህቦም ሓድሽ ትእዛዝ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።” c

17. ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ፈተናታት እዩ ዘጋጥሞም ዘሎ፧

17 ንሕናውን ልክዕ ከምዞም 230 እሙናት ክርስትያናት ‘ክሳዕ ኣብ ደም እንበጽሕ እኳ እንተ ዘይተቓወምና’ እምነትና ኽትፍተን ትኽእል እያ። (እብራውያን 12:4) እንተዀነ ግን: ፈተና ብእተፈላለየ መልክዕ እዩ ዝመጽእ። መማህርትኻ ብዝጸርፉኻ ጸርፊ ወይ ከኣ መዛኑኻ ኣብ ብዕሉግን ክፉእን ተግባራት ንኽትሳተፍ ብዘውርዱልካ ጸቕጢ ኽመጽእ ይኽእል እዩ። ብዘይ​ካዚ: ካብ ደም ንኽትክልከል: ብጐይታ ጥራይ ንኽትምርዖ: ወይ ድማ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤትካ ንውሉዳትካ ብዝግባእ ንኸተዕብዮም ዝገበርካዮ ቘራጽነት ሓድሓደ ግዜ ኸቢድ ጸቕጥታትን ፈተናታትን ከምጽኣልካ ይኽእል እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ 1 ቈረንቶስ 7:39፣ ኤፌሶን 6:4፣ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2

18. ኣዝዩ ኣጸጋሚ ፈተና እውን እንተዀነ ክንጻወሮ ኸም እንኽእል እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

18 ይኹን እምበር: ዘጋጥመና ፈተና ብዘየገድስ: ንየሆዋን ንመንግስቱን ቀዳማይ ቦታ ስለ እንህብ መከራ ኸም ዝወርደና ንፈልጥ ኢና: እዚ ድማ ናይ ሓቂ ኽብርን ሓጐስን ምዃኑ ይርድኣና እዩ። በተን “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም: እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ: ብጹኣን ኢኹም” ዝብላ ጴጥሮስ እተዛረበን ቃላት ንተባባዕ ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:14) በቲ መንፈስ የሆዋ ዝህበና ሓይሊ: ነቲ ዝኸበደ ፈተና ንኽንጻወሮ እውን ብርታዐ ኣሎና፣ እዚ ዅሉ ኸኣ ንኽብርን ውዳሰን የሆዋ እዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:7፣ ኤፌሶን 3:16፣ ፊልጲ 4:13

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ብ1960ታት ዘጋጠመ መስጐጕቲ ቐዳማይ ክፋል ናይቲ ኣብ ማላዊ ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰላሳ ዓመት ዝኸውን ተጸሚሞም ዘሕለፈዎ መሪርን ክሳዕ ሞት ዘብጽሕን መስጐጕቲ እዩ። ምሉእ ታሪኽ እንተ ደሊኻ ናይ 1999 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 171-212 ተወከስ።

b ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 11-14 ዝወጸ “ኣብ ‘ምድሪ ኣራራት’ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝድግፍ ብይን ኣመሓላለፈ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ተወከስ።

c ነቲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ብምልኡ ኽትርእዮ እንተ ደሊኻ: ናይ 1974 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 208-9 ተወከስ። ኣብቲ ጕዕዞ ዝነበረ ሰብ ዝተረኾ ታሪኽ እንተ ደሊኻ ኸኣ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-9 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ክርስትያናት ንዝወርዶም ሓሳረ መከራን መስጐጕትን ብኸመይ እዮም ዝርእይዎ፧

• ካብቲ የሱስን ካልኦት እሙናት ክርስትያናትን ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ ዝወሰድዎ ስጕምቲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

• መስጐጕቲ ኽወርደና ኸሎ ሕነ ኽንፈዲ ዘይምፍታን ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• የሱስ ነቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ብትዕግስቲ ኸሕልፎ እንታይ ዝዓይነቱ ሓጐስ እዩ ሓጊዝዎ: ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

መስጐጕቲ ኽወርዶም ከሎ ዝወሰድዎ ስጕምቲ

ወተሃደራት ሄሮድስ ንዅሎም እቶም ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ሕጻናት ክቐትሉ ናብ ቤት⁠-​ልሄም ቅድሚ ምኻዶም: ዮሴፍን ማርያምን ሓደ መልኣኽ ብዝሃቦም መሪሕነት ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ሒዞም ናብ ግብጺ ሃደሙ።​—⁠ማቴዎስ 2:13-16

የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብሰንኪ እቲ ዝህቦ ዝነበረ ሓያል ምስክርነት ጸላእቱ ብተደጋጋሚ ክቐትልዎ ደልዮም ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚታት እቲ የሱስ ኣምሊጡ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 21:45, 46፣ ሉቃስ 4:28-30፣ ዮሃንስ 8:57-59

ዓቀይቶትን ሰበ⁠-​ስልጣንን ንየሱስ ንኽሕዝዎ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ መጹ: የሱስ ብግህዶ ክልተ ሳዕ “ኣነ እየ” ብምባል መንነቱ ገለጸሎም። አረ ንሰዓብቱ እውን ንኽከላኸሉሉ ኣይፈቐደሎምን: እቶም ጭፍራ ሒዞም ንኽኣስርዎ ድማ ኣይተቓወመን።​—⁠ዮሃንስ 18:3-12

ኣብ የሩሳሌም ጴጥሮስን ካልኦት ክርስትያናትን ተኣስሩ: ተገርፉ: ብዛዕባ የሱስ ከይዛረቡ ድማ ተኸልከሉ። እንተዀነ ግን: ምስ ተፈትሑ “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:40-42

እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል: እቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ክቐትልዎ ውዲት ከም ዝኣለሙ ምስ ፈለጠ: እቶም ኣሕዋት ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም ብቐጽሪ ኣውረድዎ እሞ ኣምለጠ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:22-25

ዓመታት ጸኒሑ እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስን ንጉስ ኣግሪጳን ንጳውሎስ ‘ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ዘይብሉ’ ዀይኑ እኳ እንተ ረኸብዎ: ንሱ ግን ናብ ቄሳር ይግባኝ በለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 25:10-12, 24-27፣ 26:30-32

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

በሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ማላዊ ዝነበሩ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸቢድ መስጐጕቲ ኽሃድሙ እኳ እንተ ተገደዱ: ብሓጐስ ግን ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ቀጸሉ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ስም የሆዋ ኻብ ምቕዳስ ዝርከብ ሓጐስ ነዞም ኣብ ናይ ናዚ ናይ ሞት ጕዕዞን መዳጐኒ ደምበታትን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ኣጽንዖም

[ምንጪ ስእሊ]

Death march: KZ-Gedenkstätte Dachau, courtesy of the USHMM Photo Archives

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ፈተናታትን ጸቕጥታትን ብእተፈላለየ መልክዕ ክመጽእ ይኽእል እዩ