ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሆዋ ኣብ ዘፍጥረት 3:22 “ሓደ ኻባና” ኽብል ከሎ ንመን እዩ ዘመልክት ነይሩ፧

የሆዋ ኣምላኽ “ኣዳም ከም ሓደ ኻባና: ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ” ክብል ከሎ ንርእሱን ነቲ ሓደ ወዱን ዘመልክት ዝነበረ እዩ ዝመስል። (ዘፍጥረት 3:22) ከምዚ ዝበልናሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።

የሆዋ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምፍራዱ እዩ። ገሊኣቶም ሰባት እታ “ሓደ ኻባና” እትብል መግለጺ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብኣዊ ንጉስ ንርእሱ ጥራይ እናኣመልከተ “ንሕና ኣይተሓጐስናን” ዝብል: ንግርማውነት ከም እተመልክት ገይሮም ይወስድዋ እዮም። እንተዀነ ግን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዶናልድ ኢ. ጎወን ንዘፍጥረት 1:26 ከምኡውን 3:22 ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ:- “ነቲ ቐሪቡ ዘሎ መግለጺታት ማለት ንግርማውነት ዘመልክት ‘ንሕና:’ . . . ወይ ኣብ ሓደ መለኮት ብዙሓት ኣካላት ከም ዘለዉ ዘመልክት መግለጺ ዝድግፍ ሓሳብ ኣብ ብ[ሉይ] ኪ[ዳን] ኣይርከብን እዩ። . . . ዋላ ሓደ ኻብዚ መግለጺታት እዚ ምስቲ ኣብ 3:22 ዝርከብ ‘ሓደ ኻባና’ ዝብል ኣገላልጻ ኣይሰማማዕን እዩ።”

የሆዋ ነቲ “ጽቡቕን ክፉእን” ብርእሱ ዝወሰነ እሞ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ድማ ከምኡ ኽገብሩ ዝጸለዎም ሰይጣን ድያብሎስ የመልክት ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ እዚ ርትዓዊ ሓሳብ ኣይኰነን። የሆዋ ኣብዚ “ሓደ ኻባና” ዝብል መግለጺ እዩ ተጠቒሙ። ሰይጣን ምስቶም ንየሆዋ እሙናት ዝነበሩ ጭፍራ መላእኽቲ ኣይነበረን: ስለዚ ምስቶም ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝቘሙ ዀይኑ ኽጥቀስ ኣይከኣልን እዩ።

ኣምላኽ ነቶም እሙናት መላእኽቲ ድዩ ዘመልክት ነይሩ፧ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:26 ከምኡውን 3:22 ዘሎ መግለጺታት ተመሳሳሊ ምዃኑ ሓደ ኣፋፍኖት ይህበና እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 1:26 የሆዋ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ከም ዝበለ ነንብብ ኢና። ምስ መን እዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ፍጹም ሰብ ኰይኑ የሱስ እተባህለ መንፈሳዊ ፍጡር: “ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ: በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ: . . . ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ” በለ። (ቈሎሴ 1:15, 16) እወ: የሆዋ ኣብ ዘፍጥረት 1:26 ነቲ ሰማይን ምድርን ክፍጠር ከሎ ኣብ ጐድኑ ዀይኑ ምስኡ “ሰራሕተኛ” ዝነበረ ሓደ ወዱ እዩ ዝዛረብ ነይሩ ምባል ርትዓዊ እዩ ኽበሃል ይከኣል። (ምሳሌ 8:22-31) ኣብ ዘፍጥረት 3:22 ዝርከብ መግለጺ ተመሳሳሊ ምዃኑ እውን: የሆዋ እንደገና ምስቲ ዝቐርቦ ሓደ ወዱ ይዛረብ ምንባሩ እዩ ዘመልክት።

እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ “ጽቡቕን ክፉእን” ዝፈልጥ እዩ ነይሩ። ምስ የሆዋ ኻብ ዝነበሮ ነዊሕን ናይ ማሕርሮን ርክብ: ኣተሓሳስባን ስርዓታትን ኣቦኡ ብዝግባእ ከም እተማህረ ዘጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋ ድማ ወዱ ነዚ ዅሉ ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጥን እሙን ምዃኑን ስለ እተኣማመነሉ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ምኽሪ ኸይሓተተ ብርእሱ ጕዳያቱ ኽገብር እተወሰነ ናጽነት ሂብዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቲ ወዲ በዚ መሰረት እዚ ጽቡቕን ክፉእን ክውስን ዝኽእልን ስልጣን ዘለዎን ይኸውን ማለት እዩ። ይኹን እምበር: ከም ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን ምስ ስርዓታት የሆዋ ዝጋጮ ስርዓት ኣየውጽአን።