ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት—ንየሆዋ ብቑዓት ኴንኩም ተመላለሱ

መንእሰያት—ንየሆዋ ብቑዓት ኴንኩም ተመላለሱ

መንእሰያት—ንየሆዋ ብቑዓት ኴንኩም ተመላለሱ

ገሊኣቶም ክርስትያን መንእሰያት ንእተወሰነ እዋን ካብ ስድራቤቶምን ካብ ጉባኤኦምን ርሒቖም ይነብሩ እዮም። ገሊኣቶም ኣገልግሎቶም ንኸስፍሑ ኢሎም ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ: ገሊኣቶም ግን ካብ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ገለልተኛታት ብምዃኖም እዮም ካብ ቤቶም ርሒቖም ክኸዱ ዝግደዱ። (ኢሳይያስ 2:4፣ ዮሃንስ 17:16) ኣብ ገሊአን ሃገራት “ቄሳር” ነዞም ንጽህናኦም ዝሕልዉ መንእሰያት ንማእሰርቲ ወይ ንማሕበረሰብ ዝጠቅም ስራሕ ክሰርሑ ፈሪድዎም እዩ። aማርቆስ 12:17፣ ቲቶስ 3:1, 2

እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብምኽንያት ገለልትነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ስርዓት ዘይብሎም ሰባት ይእሰሩ ይዀኑ። መንእሰያት ብኻልእ ምኽንያታት ካብ ቤቶም ርሒቖም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እውን ኣብ ሕማቕ ሃዋሁ ንኽሰርሑ ይግደዱ እዮም። እዞም ክርስትያን መንእሰያት ኰኑ ኻልኦት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኽኣትዉ እተገደዱ ክርስትያናት ‘ንኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ’ ኽጽዕሩ ኸለዉ ንዘጋጥሞም ጸቕጥታትን ከማልእዎ ዝሕተትዎ ነገራትን ብኸመይ ክዋጽኡሉ ይኽእሉ። (1 ተሰሎንቄ 2:12) ወለዶምከ ንዝዀነ ይኹን ከጋጥሞም ዝኽእል ሕማቕ ኵነታት ብኸመይ ከዳልዉዎም ይኽእሉ፧—ምሳሌ 22:3

ብፍላይ ንመንእሰያት ዘጋጥም ጸገማት

ንሰለስተ ዓመትን ሓደ ወርሕን ካብ ቤቱ ርሒቑ ኸሕልፍ እተገደደ ወዲ 21 ዓመት ታከስ “ካብቶም ኣጸቢቖም ዝፈልጡኒ ወለደይ ዝገብሩለይ ሓልዮት ዝመልኦ ዕቝባን ካብቲ ሽማግለታት ዘርእዩኒ ፍቕራዊ ኽትትልን ምርሓቕ ኣጸጋምን ዘፍርህን እዩ ነይሩ” በለ። b ኣስዕብ ኣቢሉውን “ዝሕግዘኒ ዘይብለይ ንበይነይ እተጠለኹ ኰይኑ ዝስምዓኒ እዋናት እውን ነይሩ” በለ። ዕስራ ዓመት ዝዕድሚኡ ጴጥሮስ ከኣ ንኽልተ ዓመት ካብ ቤቱ ርሒቑ ክኸይድ ተገደደ። “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ መዘናግዕን ኣዕሩኽን ምሉእ ብምሉእ ባዕለይ ውሳነ ኽገብር ነይሩኒ: መብዛሕትኡ ግዜ ዝገብሮ ዝነበርኩ ምርጫታት እውን ጥበባዊ ኣይነበረን” ኢሉ ተኣመነ። ወሲኹውን “ሓድሓደ ግዜ እቲ ዝረኸብክዎ ተወሳኺ ናጽነት ዝያዳ ሓላፍነት የምጽኣለይ ስለ ዝነበረ ይኸብደኒ ነይሩ” በለ። ሓደ ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያን መንእሰያት ብቐጻሊ ዝራኸብ ዝነበረ ታሶስ ዝበሃል ክርስትያን ሽማግለ “እቶም ዘይኣመንቲ መዛኑኦም ዘውስእዎ ጽዩፍ ዘረባ: ዘንጸባርቕዎ ናይ ዓለወኛ መንፈስ: ከምኡውን ዘርእይዎ ዓመጽ ዝመልኦ ኣካይዳ ነቶም ገርህታትን ተኣፈፍትን ዝዀኑ መንእሰያት ክጸልዎም ይኽእል እዩ” በለ።

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ምስ ዘይብሎም ሰባት ዝነብሩን ዝዓዩን ክርስትያን መንእሰያት ነቲ ዘይስነ-ምግባራውን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን መገድታቶም ከይቀድሕዎ ክጥንቀቑ ኣለዎም። (መዝሙር 1:1፣ 26:4፣ 119:9) ኣዘውቲርካ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር: ኣብ ኣኼባታት ምእካብ: ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 3:16) መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእን ንኽትበጽሖ ምዕያይን እውን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እሙናት ክርስትያን መንእሰያት ብጠባዮም ኰነ ብዘረባኦም ንየሆዋ ኸሐጕስዎ ኸም ዝደልዩ እተረጋገጸ እዩ። ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ብምባል ዘቕረበሎም ጻውዒት ብተኣማንነት እዮም ክስዕቡ ዝጽዕሩ። (ምሳሌ 27:11) ስነ-ስርዓቶምን ጠባዮምን ነቲ ኻልኦት ንየሆዋን ንህዝቡን ዘለዎም ኣረኣእያ ኸም ዝጸልዎ ይፈልጡ እዮም።—1 ጴጥሮስ 2:12

መብዛሕትኦም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ከምቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩ ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብሉ ንእኡ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ ንኽብርትዑ’ ዝጸለየሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋት ንክዀኑ ዝከኣሎም ኵሉ እዮም ዝገብሩ። (ቈሎሴ 1:9-11) ኣብቲ ጸላእቶም ዝነብሩሉ ኣምልኾ ጣኦት ዝሰፈኖን ዘይፈልጥዎን ከባቢ ንኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም እተመላለሱ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም መንእሰያት ዝገልጽ ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና።—ፊልጲ 2:15

የሆዋ ‘ምስ ዮሴፍ ነበረ’

እቲ ራሄል ንያእቆብ ዝወለደትሉ ተፈታዊ ዝነበረ ዮሴፍ ገና ብንእስነቱ ኻብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣቦኡ ርሒቑ ተወስደ። ባርያ ዀይኑ ኸኣ ናብ ግብጺ ተሸጠ። ዮሴፍ ጻዕራምን ዝእመንን ብስነ-ምግባር ጽፉፍን ብምንባሩ ዝነኣድ ነበረ። ንጶጢፋር ዝበሃል ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ የገልግሎ እኳ እንተ ነበረ: ጥንቁቕን ትጉህን ብምንባሩ ጐይታኡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኵሉ ጥሪቱ ሾሞ። (ዘፍጥረት 39:2-6) ዮሴፍ ንየሆዋ ዝነበሮ ንጽህና ይሕሉ ነበረ: ብሰንክዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተደርበየ ኸኣ ‘ንጽህናይ ብምሕላወይ እንታይ ተጠቒመ፧’ ኣይበለን። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ከይተረፈ ጽቡቕ ባህርያት ኣንጸባረቐ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ሓላፍነት ተዋህቦ። (ዘፍጥረት 39:17-22) ኣምላኽ ባረኾ: ኣብ ዘፍጥረት 39:23 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ኸኣ የሆዋ ‘ምስ ዮሴፍ ነበረ።’

ዮሴፍ ካብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ስድራቤቱ ተፈልዩ ብምንባሩ: ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራ ግብጻውያን ቀዲሑ ባህርያቱ ብምቕያር ብቐሊሉ ኸምቶም ምስኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣረማውያን ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን ንስርዓታት ኣምላኽ ጸኒዑ ሰዓበ: ዋላ እኳ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና እንተ ኣጋጠሞ ንጽህናኡ ሓለወ። ሰበይቲ ጶጢፋር ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ብተደጋጋሚ ምስ ሓተተቶ: “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል ተሪር መልሲ ሃባ።—ዘፍጥረት 39:7-9

ኣብዚ ግዜና መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሕማቕ ዕርክነት: ዘይንጹህ መዘናግዒ: ስእለ-ጽዩፍ: ከምኡውን ካብ ብዕሉግ ሙዚቃ ኽርሕቑ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኽስዕብዎ ኣለዎም። ንሓቅነት እቲ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን: ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም” ዝብል ተገንዚቦምዎ እዮም።—ምሳሌ 15:3

ሙሴ ነቲ ‘ብሓጢኣት ዝርከብ ባህታ’ ነጸጎ

ሙሴ ኣብቲ ናይ ኣምልኾ ጣኦትን ናይ ተድላ ምድላይን ሃዋሁ ዝሰፈኖ ቤተ-መንግስቲ ፈርኦን እዩ ዓብዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ “ሙሴ . . . ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል: ብእምነት አበየ እሞ: ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ” ይብል።—እብራውያን 11:24, 25

ምስ ዓለም ምትዕርራኽ እተወሰነ ረብሓ ኽህልዎ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነዊሕ ዝጸንሕ ግን ኣይኰነን። እንተ በዝሐ: ክሳዕ እቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትጸንሓሉ ውሱን እዋን ጥራይ እዩ ዝጸንሕ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ኣብዚ መዳይ እዝስ ኣብነት ሙሴ እንተ ሰዓብናዶ ዝሓሸ ኣይኰነን፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ይብል። (እብራውያን 11:27) ኣእምሮኡ ኣብቲ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣቦታቱ ዝገደፉሉ መንፈሳዊ ውርሻ ኸም ዘተኵር እዩ ገይሩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ሸቶኡ ብምግባር ዕላማ የሆዋ ናይ ህይወቱ ዕላማ እዩ ገይርዎ።—ዘጸኣት 2:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:23, 25

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም መንእሰያት ምስ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት: ኣብ ሕማቕ ሃዋሁ ንኽነብሩ ኽግደዱ ኸለዉ: “ነቲ ዘይርኤ” ብዝያዳ ምእንቲ ኽፈልጥዎ ምስ የሆዋ ዘለዎም ብሕታዊ ርክብ ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኸደልድልዎ ይኽእሉ እዮም። ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባ ብምእካብ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምስታፍ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ብምክፋል ትሑዛት ምስ ዝዀኑ: ኣእምሮኦም ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸተኵር ይሕግዞም። (መዝሙር 63:6፣ 77:12) ከም ናይ ሙሴ ዝዓይነታ ድልድልቲ እምነትን ተስፋን ከማዕብሉ ኽጽዕሩ ኣለዎም። ንየሆዋ ኣዕሩኽቱ ክዀኑ ብምኽኣሎም እናተሓጐሱ ሓሳባቶምን ተግባራቶምን ኣብኡ ኸም ዘተኵር እንተ ገይሮምዎ ሰናይ እዩ።

ልሳና ንኣምላኽ ንምውዳስ ተጠቒማትሉ

እታ ብግዜ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኤልሳእ ካብ እስራኤል ተማሪኻ እተወስደት እስራኤላዊት ጓል ካብ ዓዳ ርሒቓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝነኣድ ኣብነት ገዲፋ እያ። እዛ ጓል እዚኣ ነታ ሰበይቲ እቲ ንእማን ዝበሃል ለምጻም ሶርያዊ ሓለቓ ሰራዊት ኣገልጋሊታ ዀነት። ንእመቤታ ኸኣ “ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ: ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ” በለታ። ሳላ እዚ ዝሃበቶ ምስክርነት: ንእማን ናብቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኤልሳእ ከደ: ኻብ ለምጹ ድማ ነጽሀ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንየሆዋ ዘምልኽ ኰነ።—2 ነገስት 5:1-3, 13-19

እዛ ጓል ዝገደፈቶ ኣብነት: መንእሰያት ካብ ወለዶም ኣብ ዝርሕቕሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንልሳኖም ንኣምላኽ ክብሪ ብዘምጽእ መገዲ ኽጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም እዩ ዘጕልሕ። “ዘረባ ዕሽነት” ወይ “ዘይግባእ ዋዛ” ናይ ምዝራብ ልማድ ነይርዋ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተላ ንልሳና ብዝግባእ ንኽትጥቀመሉ ኣይምኸበዳንዶ፧ (ኤፌሶን 5:4፣ ምሳሌ 15:2) ሓደ ብምኽንያት ገለልትነቱ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ተኣሲሩ ዝነበረ ኒቆስ ዝበሃል መንእሰይ “ኣብቲ ሕርሻ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኻብ ወለደይን ጉባኤይን ርሒቐ ምስ ገሊኣቶም መንእሰያት ኣሕዋት ከለኹ: ዘረባና እናተበላሸወ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተውዓልኩሉ። ብርግጽ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምጽኣሉ ኣይነበረን” በለ። እቲ ዘሐጕስ ግን ኒቆስን ካልኦት ኣሕዋትን ነቲ ጳውሎስ ኣብዚ መዳይ እዚ “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር: ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንኽስዕብዎ ሓገዝ ረኺቦም እዮም።—ኤፌሶን 5:3

የሆዋ ንዓታቶም ጋህዲ ነበረ

እቶም ብጾት ዳንኤል ዝነበሩ ሰለስተ እብራውያን ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዘሕለፍዎ ተመክሮ: ንሓቅነት እቲ የሱስ ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን ከም ዝኸውን እተዛረቦ መሰረታዊ ስርዓት ዘረጋግጽ እዩ። (ሉቃስ 16:10) ብሕጊ ሙሴ እተኸልከለ መግቢ ኽበልዑ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም: ኣብ ዓዲ ጓና ዝነብሩ ምሩኻት ብምዃኖም ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ገይሮም መመኽነይታ ከቕርቡ ይኽእሉ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ንእሽቶ ዝመስል ነገር እውን ኣርዚኖም ብምርኣዮም ብዙሕ እዮም ተባሪኾም። ካብቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑ ኻልኦት ምሩኻት ዝሓሸ ጥዕናን ጥበብን ዘለዎም ኰኑ። ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እሙናት ምዃኖም ስለ ዘበራትዖም ከኣ: ነቲ ምስሊ ኽሰግዱ ዝዓበየ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም ኣይተለማመጡን።—ዳንኤል 1:3-21፣ 3:1-30

የሆዋ ነዞም ሰለስተ መንእሰያት እዚኣቶም ብሓቂ ጋህዲ እዩ ነይሩ። ካብ ዓዶምን ማእከል ኣምልኾ የሆዋን ርሒቖም እኳ እንተ ነበሩ: ብዘይ ነውሪ ዀይኖም ክነብሩ እዮም ቈሪጾም። (2 ጴጥሮስ 3:14) ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ኣዝዮም ኣኽቢሮም ይርእይዎ ብምንባሮም ህይወቶም እውን ክስውኡሉ ድሉዋት እዮም ነይሮም።

የሆዋ ኣይክድርብየኩምን እዩ

መንእሰያት ካብ ዘፍቅርዎምን ዝኣምንዎምን ሰባት ርሒቖም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: ፍርህን ምጥርጣርን ሻቕሎትን እንተ ተሰምዖም ዘገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: የሆዋ ኸም ‘ዘይድርብዮም’ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን ነቲ ዘጋጥሞም ፈተናታት ክዋጽኡሉ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 94:14) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ‘ስለ ጽድቂ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገቡ:’ የሆዋ “ብጐደና ጽድቂ” ንኽመላለሱ ይሕግዞም እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:14፣ ምሳሌ 8:20

የሆዋ ንዮሴፍ: ንሙሴ: ነታ እስራኤላዊት ጓል: ከምኡውን ነቶም ሰለስተ እሙናት እብራውያን ብቐጻሊ ኣበራቲዕዎምን ኣብዚሑ ባሪኽዎምን እዩ። ኣብዚ ግዜና ነቶም ‘ጽቡቕ ገድሊ እምነት ዝጋደሉ’ ኣብ ቅድሚኦም ዓስቢ “ህይወት ዘለኣለም” ብምንባር: ብመንፈስ ቅዱሱን ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ የጽንዖም ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11, 12) እወ: ንየሆዋ ብቑዕ ኴንካ ምምልላስ ብርግጽ ዝከኣል እዩ: ጥበባዊ መገዲ ኸኣ እዩ።—ምሳሌ 23:15, 19

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ግንቦት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-20 ተወከስ።

b ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ወለዲ—ንደቅኹም ኣዳልዉዎም!

“ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ: ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።” (መዝሙር 127:4) ሓደ ፍላጻ በጋጣሚ ዕላማኡ ኣይወቅዕን እዩ። ብጥንቃቐ ክትጭምት ኣሎካ። ብተመሳሳሊ: ውሉዳት ካብ ወለዶም ግቡእ ስልጠና እንተ ዘይተዋሂብዎም: ካብ ቤቶም ርሒቖም ክነብሩ ኸለዉ ይጽገሙ እዮም።—ምሳሌ 22:6

መንእሰያት ብስምዒት ተደፊኦም ይንቀሳቐሱ ወይ ብ“ትምኒት ጕብዝና” ይስነፉ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) መጽሓፍ ቅዱስ “ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ: ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 29:15) ሓደ ውሉድ ነቲ ናይ ንእስነት ጠባዩ ገደብ እንተ ዘይተገይሩሉ: ካብ ቤቱ ርሒቑ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንዘጋጥሞ ነገራትን ጸቕጥታትን ድሉው ኣይከውንን እዩ።

ክርስትያናት ወለዲ ብንጹርን ብዝርዳእን መገዲ ኣብዚ ኣገባብ ዘጋጥም ጸገማትን ጸቕጥታትን ክገልጹሉ ኣለዎም። ሓደ መንእሰይ ካብ ቤቱ ርሒቑ ኽነብር እንተ ዀይኑ: ዘጋጥሞ ጸገማት ኣሉታዊ ብዘይኰነ መንፈስ ክነግርዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ስልጠና እዝን እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ጥበብን ‘ነቶም ገርህታት ጥበብ: ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ይህብ እዩ።’—ምሳሌ 1:4

ኣብ ኣልባብ ደቆም ኣምላኻውን ስነ-ምግባራውን ስርዓታት ዝሰርጹ ወለዲ ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ጸገማት ንኽዋጽኡሉ እዮም ዘሰልጥንዎም። ስሩዕ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ናጻ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ: ከምኡውን ንድሕንነት ውሉዳት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይ ኣሳልጦ ንምርካብ ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒታት እዩ። ወለዲ: ደሓር ውሉዳቶም ርእሶም ምእንቲ ክኽእሉ: ሚዛናውያን ኰይኖም በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ኸዳልዉዎም ኣለዎም። ንደቆም ኣብነት ብምዃን: ኣብ ዓለም እናነበርካ: ካብ ዓለም ከይኰንካ ኽንበር ብርግጽ ኸም ዝከኣል ክምህርዎም ይኽእሉ እዮም።—ዮሃንስ 17:15, 16

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኣቶም ክርስትያን መንእሰያት ካብ ቤቶም ርሒቖም ክኸዱ ይግደዱ እዮም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰያት ንዝመጾም ፈተና ብምቅዋም ንዮሴፍ ክመስልዎን ብስነ-ምግባር ንጹሃት ክዀኑን ይኽእሉ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነታ ንልሳና ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእ እተጠቕመትሉ እስራኤላዊት ኣገልጋሊት ምሰልዋ