ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብታ ፍልጠት ምግታእ ርእስኻ ወስኽ!

ኣብታ ፍልጠት ምግታእ ርእስኻ ወስኽ!

ኣብታ ፍልጠት ምግታእ ርእስኻ ወስኽ!

‘ኣብታ ፍልጠት ምግታእ ርእስኻ ወስኹ።’—2 ጴጥሮስ 1:5-8

1. ሰባት ዘጋጥሞም መብዛሕትኡ ጸገማት እንታይ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም እዩ፧

 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ መንእሰያት ሓሽሽ ምውሳድ ንኽኣብዩ ኣብ እተገብረ ሓደ ሰፊሕ ወፈራ “እምቢ ጥራይ በሉ” ዝብል ማዕዳ ተዋህቦም። ኵሉ ሰብ ሓሽሽ ንኸይወስድ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይሰቲ: ዘይጥበባዊ ወይ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራ ንኸይመርሕ: ምትላል ኣብ ዝመልኦ ንግዲ ንኸይሳተፍ: ከምኡውን ‘ነቲ ሓልዮት ስጋኡ’ ዝገብረሉ ጸቕጢ ንኸይምብርከኽ ዝኣቢ ነይሩ እንተ ዝኸውን: እዚ ዘሎ ዅነታት ኣጸቢቑ ምተመሓየሸ ነይሩ። (ሮሜ 13:14) እንተዀነ ግን: ክፉእ ንኸይትገብር ምእባይ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ዘይምዃኑ ዅሉ ሰብ ዝሰማምዓሉ ጕዳይ እዩ።

2. (ሀ) ርእስኻ ምግታእ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣጸጋሚ ምንባሩ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት እዩ ዝሕብረና፧ (ለ) እዚ ኣብነታት እዚ እንታይ ንኽንገብር እዩ ኸተባብዓና ዘለዎ፧

2 ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ርእሶም ንኽገትኡ ጸገማት ስለ ዘለዎም: ንዝዀነ ይኹን ሕማቕ ኣመል ብኸመይ ከነሰንፎ ኸም እንኽእል ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥንቲ ንኣምላኽ ከገልግሉ ዝጽዕሩ ዝነበሩ: ግን ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ርእሶም ክገትኡ ዘይከኣሉ ሰባት ይነግረና እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ክንዝክር ንኽእል ኢና። ብሰንኪ እቲ እተፈጸመ ዝሙት እቲ እተወልደ ሕጻንን ሰብኣይ ባትሴባን ሞቱ: ክልቲኣቶም ድማ ንጹሃት እዮም ነይሮም። (2 ሳሙኤል 11:1-27፣ 12:15-18) ወይ እውን ብዛዕባ እቲ ብግሁድ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ እሞ ሕሰብ። (ሮሜ 7:19) ሓድሓደ ግዜ ተመሳሳሊ ስምዒትዶ ይስምዓካ፧ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” (ሮሜ 7:22-24) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት ብዝያዳ ርእስና ንኽንገትእ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ንኸይንሕለል ከበርትዓና ኣለዎ።

ርእስኻ ምግታእ ክትመሃራ ዘሎካ ባህሪ

3. ርእስኻ ምግታእ ንምንጽብራቓ ቀላል ክትከውን ክንጽበ ዘይንኽእል ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

3 እታ ንሕማቕ ነገር ምእባይ እተጠቓልል ርእስኻ ምግታእ: ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:5-7 ምስ እምነት: ደግነት: ፍልጠት: ዓቕሊ: ፍርሃት ኣምላኽ: ምፍቃር ኣሕዋት: ከምኡውን ምስ ፍቕሪ ብሓባር ተጠቒሳ ኣላ። ዋላ ሓንቲ ኻብዘን ባህ ዘብላ ባህርያት እዚኣተን መፋጥርትና ዝዀነት የላን። ከነማዕብለን ዝግብኣና ባህርያት እየን። ብዝግባእ ንኸነንጸባርቐን ቈራጽነትን ጻዕርን የድልየና። እሞ ደኣ ርእስኻ ምግታእ ንምንጽብራቓ ዝቐለለት ክትከውንዶ ኽንጽበያ ንኽእል ኢና፧

4. ብዙሓት ሰባት ርእሶም ብምግታእ ዝመጸ ጸገም ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም ስለምንታይ እዩ: እዚ ግን እንታይ እዩ ዝሕብረና፧

4 ልክዕ እዩ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ርእሶም ከም ዝገትኡ ዀይኑ ኽስምዖም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ በቲ ዘይፍጹም ስጋኦም እናተመርሑ ቓሕ ዝበሎም ይገብሩ: ንርእሶም ኰነ ንኻልኦት ዘምጽኦ ሳዕቤን እውን ኣይሓስቡሉን። (ይሁዳ 10) ሰባት ርእሶም ክገትኡ ኽእለትን ድሌትን ከም ዘይብሎም ከም ሎሚ ገይሩ ብንጹር ተራእዩ ኣይፈልጥን። ብሓቂ ኣብተን ጳውሎስ እተዛረበለን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና እዩ ዝሕብረና። ብዛዕባዚ ኽንበ ኸሎ “ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: . . . ቀለልቲ [“ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ:” ትርጕም 1990]” ክዀኑ ምዃኖም ተዛረበ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3

5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ርእስኻ ምግታእ ዝግደሱ ስለምንታይ እዮም: እንታይ ማዕዳኸ እዩ ሕጂውን ዝዓዪ፧

5 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርእስኻ ምግታእ ንኸተንጸባርቕ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርድኦም እዩ። ልክዕ ከም ጳውሎስ: ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ብስርዓታቱ እናተመላለሱ ንኣምላኽ ከሐጕስዎ ዘለዎም ባህግን ዘይፍጹም ስጋኦም ዝገብረሎም ድራኸን ዘሎ ቓልሲ ኣይስሕትዎን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: ካብ ቀደም ጀሚሮም ነዚ ቓልሲ እዚ ብኸመይ ብዓወት ከም ዝዋጽኡሉ ከገድሶም ጸኒሑ እዩ። ብ1916 ዝወጸት ሕታም እዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት “ንርእስና: ሓሳባትና: ቃላትና: ከምኡውን ጠባይና [ብዛዕባ] እንቈጻጸረሉ ግቡእ መገዲ” ገሊጻ ነይራ። ንፊልጲ 4:8 ወትሩ ኽንዝክራ ድማ ሓሳብ ሂባ ነይራ። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝርከብ ኣምላኽ ዝሃቦ ማዕዳ ካብ ዝጸሓፍ ኣስታት 2000 ዓመት እኳ እንተ ገበረ: ሕጂውን ዝዓዪ እዩ። አረ ኻብቲ እዚ ቓላት እተጻሕፈሉ ግዜ ዀነ ኻብ 1916 ንላዕልስ ሕጂ ኣብ ግብሪ ምውዓላ እዩ ዝኸበደ ክኸውን ዝኽእል። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ፈጣሪኦም ካብ ዓለማዊ ባህግታት ክርሕቑ ኸም ዝደልዮም ስለ ዝፈልጡ: ነዚ ንምግባር ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም።

6. ርእስኻ ምግታእ ከነማዕብል ከለና ኽንሕለል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 ርእስኻ ምግታእ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 (ትርጕም 1990) ሓንቲ ኻብተን “ፍረ መንፈስ ቅዱስ” ኰይና ተጠቒሳ ኣላ። ኣብ ርእሲ እዛ ባህሪ እዚኣ: “ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግሥቲ፥ ልግሲ፥ ሕያውነት፥ እሙን ምዃን፥ ለውሃት” እንተ ኣንጸባሪቕና: ብዙሕ ክንጥቀም ኢና። ከምዚ ምስ እንገብር ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ “ሃካያትን ዘየፍርዩን” ንኸይንኸውን እዩ ደገፍ ዝዀነና። (2 ጴጥሮስ 1:8) ነዘን ባህርያት እዚኣተን ከምቲ እንደልዮ ቐልጢፍና ወይ ምሉእ ብምሉእ ከነንጸባርቐን እንተ ዘይከኣልና ግን ክንሕለል ወይ ርእስና ኽንኵንን የብልናን። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓደ ተማሃራይ ካብ ካልእ ተማሃራይ ቀልጢፉ ኸም ዝርድኦ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ወይውን ኣብ ስራሕ ሓደ ሰራሕተኛ ካብ ካልእ ሰራሕተኛ ቐልጢፉ ንሓደ ዕዮ ኸም ዝመልኮ ተዓዚብካ ትኸውን። ብተመሳሳሊ: ገሊኣቶም ንክርስትያናዊ ባህርያት ካብ ካልኦት ቀልጢፎም የንጸባርቕዎ እዮም። እቲ ኣገዳሲ ነገር: ዓቕምና ብዝፈቕደልና ዘበለ ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያት ብቐጻሊ ኸነማዕብል እዩ። ነዚ ድማ ካብቲ የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ ዝገበሮ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም ክንገብሮ ንኽእል ኢና። እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ንሓደ ሸቶ ንምብጻሕ እነርእዮ ቕልጣፈ ዘይኰነስ: እቲ እንገብሮ ቐጻሊ ጻዕሪ እዩ።

7. ርእስኻ ምግታእ ኣድላዪት ባህሪ ምዃና ዘጕልሕ እንታይ እዩ፧

7 ርእስኻ ምግታእ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዘፍርዮ ፍረታት ኣብ መወዳእታ እኳ እንተ ተጠቕሰት: ካብተን ካልኦት ባህርያት ዝተሓተ ኣገዳስነት ኣለዋ ማለት ግን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ኣጸቢቕና ርእስና ኽንገትእ እንተ ኽኢልና: ንዅሉ እቲ “ግብሪ ስጋ” ኸነርሕቖ ከም እንኽእል ክንርስዕ የብልናን። እንተዀነ ግን: ዘይፍጹማት ሰባት ብእተወሰነ መጠን “ግብሪ ስጋ . . . ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ” ይስሕቦም እዩ። (ገላትያ 5:19, 20) ስለዚ: ሕማቕ ዝንባለታትና ኻብ ልብናን ኣእምሮናን ንምምሓው ወትሩ ኽንቃለስ ኣሎና።

ገሊኣቶም ዝኸበደ ቓልሲ ኣለዎም

8. ንገሊኣቶም ክርስትያናት ርእሶም ክገትኡ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖም ክገብር ዝኽእል እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

8 ገሊኣቶም ክርስትያናት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ርእስኻ ምግታእ ይኸብዶም እዩ። ስለምንታይ፧ ካብ ወለዶም ስልጠና ብዘይምርካቦምን ዘሕለፍዎ ሕማቕ ተመክሮን ነዚ ዅነታት እዚ ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ርእስኻ ምግታእ ንኸነማዕብልን ንኸነንጸባርቕን ዘየጸግመና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: ከሐጕሰና ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እቶም ነዛ ባህሪ እዚኣ ንምንጽብራቕ እተሸግሮም ሰባት: ርእሶም ብዘይምግታኦም ዋላ እኳ ብብሕቲ እንተ ኣሸገሩና: ክንርሕርሓሎምን ክንርድኣሎምን ኣሎና። ንምዃኑ ካብ ዘይፍጹማት ሰባትሲ መን እዩ እሞ ርእሱ ኸመጻድቕ ዝኽእል፧—ሮሜ 3:23፣ ኤፌሶን 4:2

9. ገሊኣቶም እንታይ ድኻማት እዩ ዘለዎም: እዚ ድኻማት እዚ ምሉእ ብምሉእ ዝውገድከ መዓስ እዩ፧

9 ንኣብነት: ገሊኣቶም ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ ወይ ኣእምሮ ዘነቓቕሕ ሓሽሽ ዝወስዱ ዝነበሩ ክርስትያናት: ሓድሓደ ግዜ ሽጋራ ከትክኹ ወይ ሓሽሽ ክወስዱ ብርቱዕ ባህጊ ኸም ዝሓድሮም ንፈልጥ ንኸውን። ወይ ገሊኣቶም መግቢ ኽበልዑ ኸለዉ ዀነ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰትዩ ኸለዉ መጠኖም ምሕላው የሸግሮም ይኸውን። ገሊኣቶም ከኣ ልሳኖም ምቍጽጻር ስለ ዘሸግሮም: ብተደጋጋሚ ብቓል ይስሕቱ ይዀኑ። ነዚ ጕድለታት እዚ ንምውጋዱ ርእስና ንምግታእ ብትግሃት ክንጽዕር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ያእቆብ 3:2 “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ: ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” ብምባል ነቲ ዘሎ ጸገም ብግህዶ ገሊጻቶ ኣላ። ገሊኣቶም ድማ ክጣልዑ ይደልዩ ይዀኑ። ወይውን ሕርቃኖም ምቍጽጻር የጸግሞም ይኸውን። ነዝን ካልእ ተመሳሳሊ ድኽመታትን ንምቍጽጻር ግዜ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ምምሕያሽ ክንገብር ንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ግጉይ ባህግታት ንሓዋሩ ዝድምሰስ ግን ኣብ ፍጽምና ምስ በጻሕና ጥራይ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዘሎ ግዜ ርእስና ንኽንገትእ ምስ እንጽዕር ብሓጢኣት ንኸይንመላለስ ክሕግዘና እዩ። እምበኣር እቲ ቓልሲ ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን ንኸይንሕለል ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:21, 22

10. (ሀ) ንገሊኣቶም ብፍላይ ኣብ ጾታዊ ጕዳያት ርእስኻ ምግታእ ኣጸጋሚ ዝዀኖም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሓው እንታይ ዓብዪ ለውጢ እዩ ዝገበረ፧ (ኣብ ገጽ 16 ዝርከብ ሳጹን ርአ።)

10 ንገሊኣቶም ርእሶም ክገትኡ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ኻልእ መዳይ ከኣ ንጾታ ዝምልከት ጕዳይ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ጾታዊ ባህጊ ኸም ዘሎና ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ኰይኑ ግን: ገሊኣቶም ሰባት ንጾታ ዝምልከት ጕዳይ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ብምስምማዕ ግቡእ ቦታኡ ምሕላው የጸግሞም እዩ። ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ሓያል ጾታዊ ስምዒት ክህልዎም ስለ ዝኽእል ብዝያዳ ኽጽገሙ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብዛ ንጾታዊ ስምዒት እተጐሃህርን በዚ መዳይ እዚ ዓቢዳ ዘላን ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። እዚ ኸኣ ነቶም ንኣምላኽ ምእንቲ ኸገልግልዎ ኢሎም ሓዳር ካብ ዘምጽኦ ዕንቅፋታት ሓራ ዀይኖም: ወይ እንተ ወሓደ ንእተወሰነ እዋን ንጽል ኰይኖም ክቕጽሉ ዝደልዩ ክርስትያናት ብዙሕ ከጸግሞም ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:32, 33, 37, 38 ትርጕም 1990) እንተዀነ ግን: ምስቲ “ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ብምስምማዕ: ክምርዓዉ ይውስኑ ይዀኑ: እዚውን ኣኽቢርካ ዝርአ እዩ። ነዚ ኽገብሩ ኸለዉ ውሳነኦም ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝምዕዶ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክምርዓዉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:9, 39) የሆዋ እቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ንኽድግፉ ዘለዎም ድሌት ከም ዘሐጕሶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ክርስትያናት ብጾቶም ከኣ ምስዞም ንጽህናኦም ሓልዮም በቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዝመላለሱ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምሕባሮም የሐጕሶም እዩ።

11. ክምርዓዉ ንዝደልዩ ግን ከኣ ዝዀኖም ዘይረኸቡ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

11 ዝሰማማዕ መጻምድቲ ምስ ዝሰኣንከ፧ ሓደ ሰብ ክምርዖ እናደለየ ኸሎ: ክሰልጦ ብዘይምኽኣሉ ዝስምዖ ብስጭት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ፈተውቱ ኽምርዓዉን እተወሰነ ሓጐስ ክረኽቡን ክርእዮም ከሎ: ንሱ ግን ገና እትዀኖ እዩ ዝደሊ ዘሎ። ንገሊኣቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዝርከቡ ሰባት እቲ ርኹስ ልማድ ዝዀነ ግብረ-ሕቡእ ብቐጻሊ ዘሸግሮም ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ዋላ ሓደ ክርስትያን ንሓደ ንጽህናኡ ኽሕሉ ዝጽዕር ዘሎ ሰብ ከይፈለጠ ተስፋ ከቝርጾ ኣይደልን እዩ። “መዓስ ደኣ ኢና መርዓኻ/ኺ እንርኢ፧” ዝኣመሰለ ሕቶታት ብምሕታት ከይተፈለጠና ተስፋ ኸነቍርጾም ንኽእል ኢና። እዚ ኻብ ክፍኣት ተበጊስካ ዝበሃል እኳ እንተ ዘይኰነ: ልሳንና ብምሕላው ርእስና ምስ እንገትእ ግን ክንደይ ዝሓሸ ዀነ እዩ! (መዝሙር 39:1) እቶም ንጽል ኰይኖም ንጽህናኦም ሓልዮም ዝመላለሱ ኣጸቢቕና ኽንንእዶም ኣሎና። ተስፋ ከቝርጾም ዝኽእል ነገር ኣብ ክንዲ እንዛረቦም: ከነተባብዖም ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ንብሱላት ክርስትያናት ምሳሕ ኰነ ድራር ክንዕድሞም ወይ ምሳታቶም ግዜ ንኸነሕልፍ ክንጽውዖም ከለና: ንጽል ንዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ንምዕዳም ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

ኣብ ሓዳር ርእስኻ ምግታእ

12. ሰብ ሓዳር እውን እንተዀኑ ብእተወሰነ መጠን ርእሶም ክገትኡ ዘድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

12 ሓዳር ድሕሪ ምግባርካውን ንጾታዊ ርክብ ብዝምልከት ርእስኻ ኽትገትእ ኣየድልየካን ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ጾታዊ ድሌት ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኣጸቢቑ ኽፈላለ ይኽእል እዩ። ወይ ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ጸገማት ስለ ዘለዎ ንቡር ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ የጸግሞም ወይ ፈጺሞም ኣይክእሉን ይዀኑ። ምናልባት ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ብሰንኪ ኣቐዲሙ ዘጋጠሞ ጸገም ነቲ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ: ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ” ዝብል ትእዛዝ ምሕላው የጸግሞ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ሓደ ብዝያዳ ርእሱ ኽቈጻጽር የድልዮ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ክልቲኣቶም ነቲ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንክርስትያናት ሰብ ሓዳር ዝሃቦ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ማዕዳ ኽርስዑ የብሎምን:- “ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ: ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር: እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ: ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።”—1 ቈረንቶስ 7:3, 5

13. ነቶም ርእሶም ንምግታእ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣሕዋትና እንታይ ክንገብረሎም ንኽእል፧

13 ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ኣብዚ ናይ ብሕቶም ርክብ ክልቲኦም ብዝግባእ ርእሶም ዝገትኡ እንተ ዀይኖም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዘማስዉሉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ነዛ ባህሪ እዚኣ ምንጽብራቕ ዘጸግሞም ዘሎ ኣመንቲ ብጾቶም ይርድኡሎም እዮም። የሆዋ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ርእሶም ንኽገትኡን ሕማቕ ባህግታቶም ንኸርሕቑን ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምስትውዓልን ትብዓትን ቈራጽነትን ክህቦም ምጽላይ ክንርስዕ የብልናን።—ፊልጲ 4:6, 7

ተደጋገፉ

14. ንክርስትያናት ብጾትና ኽንድንግጸሎምን ክንርድኣሎምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ሓድሓደ ግዜ ነቶም ንዓና ኣብ ዘየጸግመና መዳያት ርእሶም ምግታእ ዝስእኑ ክርስትያናት ብጾትና ኽንርድኣሎም ይኸብደና ይኸውን። እንተዀነ ግን: ሰባት እተፈላለየ ባህሪ እዩ ዘለዎም። ገሊኣቶም ብስምዒት ዝምርሑ ክዀኑ ኸለዉ ገሊኣቶም ግን ከምኡ ኣይኰኑን። ገሊኣቶም ርእሶም ምቍጽጻር ዘይከብዶም ማለት ርእሶም ንምግታእ ብዙሕ ዘይጽገሙ ክዀኑ ኸለዉ: ገሊኣቶም ግን ብዙሕ እዮም ዝሽገሩ። ይኹን እምበር: ሓደ ዝቃለስ ዘሎ ሰብ እኩይ ከም ዘይኰነ ኣይንረስዕ። ንክርስትያናት ብጾትና ኽንርድኣሎምን ክንድንግጸሎምን ኣሎና። ነቶም ብዝያዳ ርእሶም ንኽገትኡ ዝቃለሱ ዘለዉ ክርስትያናት ምሕረት ምስ እነርእዮም: ሓጐስ ኢና እንረክብ። ኣብ ማቴዎስ 5:7 ዝርከብ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ነዚ እዩ ዝሕብረና።

15. እተን ኣብ መዝሙር 130:3 ዝርከባ ቓላት ርእስና ኣብ ምግታእ ዘተባብዓና ስለምንታይ እየን፧

15 ንሓደ ኣብ እተወሰነ እዋን ክርስትያናዊ ባህሪ ዘየንጸባረቐ ክርስትያን ብጻይና ሕማቕ ኣረኣእያ ኽህልወና ኣይንደልን ኢና። የሆዋ ነቲ እተወሰነ እዋን ርእስና ዘይገታእናሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ክርስትያናት ብጾትና እውን ዘይረኣይዎ ብዙሕ ግዜ ርእስና ዝገታእናሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝርእዮ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንዳይ ዘተባብዕ ኰን እዩ። ነተን ኣብ መዝሙር 130:3 ዝርከባ “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ዝብል ቃላት ወትሩ ምስ እንዝክረን ብዙሕ ክንተባባዕ ኢና።

16, 17. (ሀ) ገላትያ 6:2, 5 ምስ ርእስኻ ምግታእ ኣተሓሒዝና ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ እንኽእል፧ (ለ) ንርእስኻ ምግታእ ብዝምልከት ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

16 ነፍሲ ወከፍና ንየሆዋ ንምሕጓስ ርእስኻ ምግታእ ከነማዕብል ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኸም ዝሕግዙና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍና ጸጾርና ማለት ሓሓላፍነትና ኽንስከም እኳ እንተሎና: ድኽመታትና ምእንቲ ኸነሰንፎ ግን ንሓድሕድና ንኽንተሓጋገዝ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። (ገላትያ 6:2, 5) ናብ ክንከዶ ዘይግባእ ቦታ ኸይንኸይድ: ክንርእዮ ዘይግብኣና ነገር ከይንርኢ: ወይ ክንገብሮ ዘይግባእ ነገር ከይንገብር ዝኽልክለና ወላዲ: ብዓል ኺዳን: ወይ ፈታዊ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ርእስና ንኽንገትእ ማለት ሕማቕ ነገር ምግባር ንኽንኣቢ እዩ ዝሕግዘና ዘሎ!

17 ብዙሓት ክርስትያናት ምስዚ ንርእስኻ ምግታእ ዝምልከት ኣብዛ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ከመሓይሹ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ክበጽሖ ኣለዎ ዝብልዎ ደረጃ ኽሳዕ ዝበጽሑ ብዝያዳ ርእሶም ክገትኡ ይደልዩ ይዀኑ። ከምዚ ይስምዓካዶ፧ ነዚ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እዚ ኣብ ምምዕባል ደኣ እሞ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ከምዚ ምግባርካኸ ነቲ ኸም ክርስትያን መጠን ዘሎካ ነዊሕ ሸቶ ንኽትወቅዕ ብኸመይ ይሕግዘካ፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

ርእስኻ ምግታእ . . .

• ክርስትያናት ከማዕብልዋ ዘለዎም ባህሪ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

• ንገሊኣቶም ብፍላይ እተሸግሮም ስለምንታይ እያ፧

• ኣብ ሓዳር ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

• ንኸነማዕብል ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ርእሱ ምግታእ ተማህረ

ሓደ ኣብ ጀርመን ዝነብር ናይ የሆዋ ምስክር ንተክኒካዊ ነገራት ዝምልከት ስራሕ ነበሮ። እቲ ዕዮኡ ን30 እተፈላለየ መደባት ተለቪዥንን ረድዮን ምቍጽጻር ዘጠቓልል ነበረ። እተወሰነ ሽግር ከጋጥም ከሎ: ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብቲ መደብ ከተኵር ነበሮ። ብዛዕባዚ ድማ ከምዚ በለ:- “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕማቕ እዋን: ማለት ዓመጻ ወይ ምስ ጾታዊ ጕዳይ ዝተሓሓዝ ነገራት ክርአ ኸሎ እዩ ጸገማት ዘጋጥም ነይሩ። እቲ ሕማቕ ትርኢት ልክዕ ኣብ ሓንጐለይ ከም እተቐርጸ ዀይኑ ንመዓልትታት: አረ ንሰሙናት እውን ካብ ኣእምሮይ ምውጻኡ የሸግረኒ ነበረ።” ብተወሳኺውን: እዚ ንመንፈሳውነቱ ኸም ዝጐድኦ ኽእመን ከሎ ድማ ከምዚ በለ:- “እቲ ዓመጻ ዝመልኦ ምርኢት ርእሰይ ንኽቈጻጸር ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነኒ ስለ ዝገበረ: ቍጡዕ ኰንኩ። እቲ ምስ ጾታዊ ጕዳይ ዝተሓሓዝ ምርኢት ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሰበይተይን ወጥሪ ፈጠረ። መዓልታዊ ቓልሲ እዩ ነይሩኒ። ኣብዚ ቓልሲ እዚ ምእንቲ ኸይስነፍ: ዋላ እውን ብዙሕ ደሞዝ ዘይርከቦ ሓድሽ ስራሕ ክደሊ ወሰንኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኻልእ ስራሕ ረኸብኩ። ሓሳብ ልበይ ድማ ሰመረለይ።”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ዝርከብ ፍልጠት ርእስና ንኽንገትእ ይሕግዘና