ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ብስራት ኣብ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን ፈረየ

እቲ ብስራት ኣብ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን ፈረየ

እቲ ብስራት ኣብ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን ፈረየ

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን ሰሚዖም ኣይፈልጡን ይዀኑ። እዘን ደሴታት እዚኣተን ኣብቲ ንዕረፍቲ እትኸደሉ ቦታታት ዝሕብር ጽሑፋት ብብዝሒ ኣይጥቀሳን እየን። ኣብ ናይ ዓለም ካርታ እንተ ርኢና: ካብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ርሕቕ ኢለን ኣብ ወሽመጥ ጊኒ ዝርከባ ኽልተ ንኣሽቱ ነቝጣታት እየን። ሳው ቶመ ዳርጋ ኣብ ቅናት ምድሪ እትርከብ ክትከውን ከላ: ፕሪንቺፐ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ቍሩብ ርሕቕ ኢላ ትርከብ። ዝናምን ጠልን ዝበዝሖ ክሊማ ስለ ዘለወን ድማ እቲ 2,000 ሜትሮ ዝምብራኹ ኣኽራን ብልሙዕ ኣግራብ እተሸፈነ እዩ።

እዘን ብሰማያዊ ዝሕብሩ ባሕሪ እተኸባን ኣብቲ ገማግመን ኣግራብ ስየ ዘለወንን ኣብ ትሮፒክ ዝርከባ ደሴታት: ምቕሉላትን ተፈተውትን ህዝቢ እዮም ዘለዉወን። እቶም ህዝቢ ኣፍሪቃውን ኣውሮጳውን መበቈል ዘለዎም ብምዃኖም እተሓዋወሰ ባህሊ እዩ ዘለዎም። እቶም 170,000 ዝዀኑ ተቐማጦአን ካካው ናብ ወጻኢ ብምስዳድ: ብሕርሻ: ወይ ብምግፋፍ ዓሳ እዮም ዝናበሩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን ነዛ ድራር ዕለቶም ምርካብ እውን ኣጸጋሚ ዀይንዎም ኣሎ።

ኣብተን ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነበራ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ግን ቍጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ኣብተን ደሴታት ዝነብሩ ሰባት ንህይወቶም ኣጸቢቑ ዝጸለወ ነገር ኣጋጢምዎም እዩ። ኣብ ሰነ 1993 መንግስቲ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ብምሃብ መዝገቦም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብዘን ደሴታት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ ነዊሕን ኣጸጋምን ዝነበረ እዋን መወዳእታ ገበረሉ።

ኣብ ጽንኩር እዋን እቲ ዘርኢ ተዘርአ

እቲ ናብዛ ሃገር ንፈለማ ግዜ ዝመጸ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መጀመርታ 1950ታት እዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓደ ኻብቶም ፖርቱጋል ካብ እትገዝአን ሃገራት ኣፍሪቃ: ንኽሽቅሉ ተባሂሉ ናብዘን ደሴታት ዝለኣኹ ዝነበሩ እሱራት እዩ ነይሩ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣፍሪቃዊ ክኸውን ከሎ ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ኣብ ሞዛምቢክ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኹ ኸኣ እዩ ናብዛ ደሴት ተሓዪሩ። በይኑ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ነበረ: ብንጥፈት ክሰብኽ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ኸኣ 13 ካልኦት ሰባት ምስኡ ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ይካፈሉ ነበሩ። ጸኒሑ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተመሳሳሊ ዅነታት ካብ ኣንጎላ መጹ። ኣብኡ ተኣሲሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ነቲ ብስራት ነቶም ተቐማጦ እተን ደሴታት ንኸካፍሉ ዝረኸብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ዅሉ ተጠቕሙ።

ክሳዕ 1966 ኣብ ዝነበረ እዋን እቶም ኣብ ሳው ቶመ ኣብ ዝርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ዝነበሩ ኣሕዋት ብምሉኦም ናብ ኣፍሪቃ ተመልሱ። እቶም ኣብኡ ዝተረፉ ሒደት ጕጅለ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ነቲ ዕዮ ብትብዓት ቀጸልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ብሓባር ብምእካቦም መስጐጕትን መውቃዕትን ማእሰርትን የጋጥሞም ነበረ: ካብ ካልእ ዓዲ ኽበጽሖም ወይ ከተባብዖም ኢሉ ዝኸደ እውን ኣይነበረን። ብ1975 እታ ሃገር ካብ ፖርቱጋል ናጽነታ ረኸበት: እቲ ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ በብቝሩብ ክፈሪ ጀመረ።

ምስፍሕፋሕን ህንጸትን

ብ1993 ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣብ እተረኽበሉ ወርሒ: ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ 100 ነበረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኻብ ፖርቱጋል ፍሉያት ፓይነራት መጹ። ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዝዝረብ ክሩየል ፖርቱጋልኛ ዝበሃል ቋንቋ ንኽመሃሩ ዝገብርዎ ጻዕሪ በቶም ደቂ እታ ዓዲ ኸም ዝፍተዉ ገበሮም። ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ዘድሊ መሬት ምርካብ ቀዳማይ ቦታ ተዋህቦ። ሓንቲ ማሪያ እትበሃል ሓብቲ መሬት ከም ዘድለየ ምስ ሰምዐት: ነቲ ንእሽቶ ቤታ ሃኒጻትሉ ዝነበረት መሬታ ወፈየት። እቲ መሬት ዓብዪ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ዝኣክል ነበረ። ማሪያ ዘመድ ዝበሃል ስለ ዘይነበራ: ነቲ መሬታ ሃብቶም ከብዝሑ ዝደልዩ ሰባት ይከታተልዎ ነበሩ: ንሳ ግን ነዚ ኣይፈለጠትን። ሓደ መዓልቲ ሓደ ውሩይ ነጋዳይ ከዘራርባ መጸ።

“እዚ ብዛዕባኺ ሰሚዐዮ ዘለኹ ጽቡቕ ኣይኰነን። ንመሬትኪ ኸም ዝወፈኺ ሰሚዐ። ኣብ ማእከል ከተማ ስለ ዝርከብ ዋጋኡ ኽቡር ምዃኑ ኣይትፈልጥን ዲኺ፧” ብምባል ኣጠንቀቓ።

ማርያ ድማ “ነዚ መሬት እዚ ኽንደይ ምዓደግካዮ፧” ኢላ ሓተተቶ። እቲ ሰብኣይ መልሲ ኸይሃበ ምስ ኣጽቀጠ: “ኣብ ዓለም ዘሎ ገንዘብ ብምሉኡ እኳ እንተ ትህበኒ: እኹል ኣይኰነን፣ ከመይሲ ገንዘብ ህይወት ኣይዕድግን እዩ” በለቶ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ “ውሉዳት የብልክን: ሓቀይ ደይኰንኩን፧” ኢሉ ሓተታ።

ማርያ ነቲ ዝርርቦም መወዳእታ ንምግባር “እዚ መሬት ናይ የሆዋ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ንዓይ ሂቡኒ ነይሩ: ሕጂ ኸኣ መሊሰሉ። ንዘለኣለም ክነብር እዩ ተስፋይ” በለቶ። ቀጺላ ድማ “ንስኻ ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትህብ ኣይትኽእልን ኢኻ: ሓቀይ ደይኰንኩን፧” በለቶ። ዋላ ሓንቲ ቓል ከየውስአ መገዱ ኸደ።

ድሕርዚ ኻብ ፖርቱጋል ዝመጹ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ብዝገበርዎ ሓገዝ ሓደ ደርቢ ዘለዎ ግሩም ህንጻ ተሃንጸ። እዚ ህንጻ እዚ ምድሪ ቤት: ሰፊሕ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ከምኡውን መንበሪ ኽፍልታት ዘለዎ እዩ። ንሽማግለታት: ንኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ንፓይነራት መምሃሪ ዘገልግል ክፍልታት እውን ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኽልተ ጉባኤታት ኣብኡ ይእከባ እየን። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ድማ ማእከል ትምህርቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሚ-ሶሺ 60 ቀናኣት ኣስፋሕቲ ዝርከቡዋ ጉባኤ ነበረት። እቲ ኣኼባታት ብተኽሊ ባናና ኣብ እተኸበ ግዜያዊ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይግበር ብምንባሩ: ግቡእ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘድልዮም ኣየጠራጥርን እዩ ነይሩ። ንምምሕዳር እታ ኸተማ ምስ ኣመልከቱ: ሓለይቲ ሰበ-ስልጣን ኣብቲ ቐንዲ ጐደና ምሹእ ቦታ ሃብዎም። ካብ ፖርቱጋል ዝመጹ ኣሕዋት ብዝገበርዎ ሓገዝ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ ብቕልጡፍ ኣገባብ ህንጸት ጽቡቕ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ። ኣብታ ኸተማ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ዝረኣይዎ ምእማን ሰኣኑ። ሓደ ኣብታ ኸተማ ህንጻ ኣብ ምህናጽ እተሳተፈ ስዊድናዊ መሃንድስ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ብዝፈጸምዎ ነገራት ተገረመ። “ኣብዚ ኣብ ሚ-ሶሺ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕልጡፍ ምህናጾም ዘስደምም እዩ! ንፕሮጀክትና በዚ ኸምዚ ኢና ኽንዓዮ ዘሎና” በለ። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብ12 ሰነ 1999: 232 ተኣከብቲ ኣብ እተረኽብዎ ተወፈየ። እዚ ኣደራሽ እዚ ንበጻሕቲ ኸተማ ሚ-ሶሺ ቐንዲ መስሓብ ኰይኑ ኣሎ።

ታሪኻዊ ኣውራጃዊ ኣኼባ

እቲ ኣብ ጥሪ 1994 እተገብረ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጀመርታ ግዜ ብምንባሩ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ብምሾት ኣየሩ ዝበለጸ ኣደራሽ እዩ ተገይሩ። እቶም 116 ኣስፋሕቲ እቲ መንግስቲ 405 ዝዀኑ ተኣከብቲ ከምኡውን ንፈለማ ግዜ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማን ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝወጸ ጽሑፋትን ክርእዩ ኸለዉ እተሰምዖም ስምዒት ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ እቶም ህይወቶም ዝወፈዩ 20 ሰባት ኣብ ባሕሪ እዮም ተጠሚቖም።

እቶም ልኡኻት ዝለጠፍዎ ባጅ ሓድሽ ብምዃኑ ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒቡ ነይሩ። ካብ ፖርቱጋልን ኣንጎላን ዝመጹ 25 በጻሕቲ ነቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣህጉራዊ መልክዕ ከም ዝህልዎ ገበሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሓያል ክርስትያናዊ ማእሰር ተፈጥረ: ኣብ መወዳእታ ኽሰናበቱ ኸለዉ ኸኣ ሓያሎ ነብዑ።—ዮሃንስ 13:35

ጋዜጠኛታት እቲ ሃገራዊ ረድዮ መጺኦም ነቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተዓዛቢ ቃለ-መጠይቕ ገበሩሉ። እተወሰነ ኽፋል እቲ ዝርርባት እውን ኣብ ረድዮ ተፈነወ። ብሓቂ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ: እቶም ንነዊሕ እዋን ምስታ ማሕበር ብዙሕ ርክብ ዘይነበሮም ክነሶም ብተኣማንነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ናብታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ዝያዳ ዝቐረቡ ዀይኑ ተሰምዖም።

ንየሆዋ ውዳሰ ዘምጽኣሉ ፍረ ምፍራይ

እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ፍረ ኽፈሪ ኸሎ: ንየሆዋ ውዳሰን ክብርን ዘምጽእ ሰናይ ባህርያት እዩ ዘፍሪ። (ቲቶስ 2:10) ሓንቲ ኣብ ዕድመ ኰተቴ እትርከብ ጓል ነቲ ኣብ ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመሃሮ ነገር ፈተወቶ። ይኹን እምበር: ኣቦኣ ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከይትኸይድ ከልከላ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብኡ ኽትእከብ ከም እትደልን ብኣኽብሮት ምስ ገለጸትሉ: ብኡንብኡ ኻብ ቤት ሰጐጓ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምቲ ኻልኦት መንእሰያት ዝገብርኦ ምስ ሓደ ዘናብራ ሰብኣይ ተኣኻኺባ ኽትነብር እዩ ተጸብይዋ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ። ጸኒሑ ግን ኣብነታውን ንጹህን ክርስትያናዊ ናብራ ትነብር ከም ዘላ ምስ ሰምዐ: ናብ ቤቱ ንኽመልሳን ንየሆዋ ንኸተገልግል ምሉእ ሓርነት ንኽህባን ተደረኸ።

ካልእ ኣብነት ዝዀነና ኸኣ ሓደ መራሒ ጕጅለ ሙዚቃ ዝነበረ እዩ። እቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራኡ ኸምቲ እተጸበዮ ስለ ዘይኰነሉ ይበሳጮ ነበረ። ዕላማ ህይወት እናኣናደየ ኸሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብዎ። በቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክመላለስ ምስ ጀመረ: ኣብታ ኸተማ መዛረቢ ዀነ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስቶም ዘይጥዑያት ኣዕሩኽቱ ዝነበሮ ርክብ ክበትኽ ከም ዘለዎ ተረድአ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ድሕርዚ ህይወቱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ ንኸርኢ ተጠምቀ።

እተወሰኑ መንእሰያት እውን ናይ ሓቂ ሃይማኖት የናድዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስ እተፈላለዩ ኣቕሽሽቲ ናይ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ተመያየጡ። እንተዀነ ግን: ዝገደደ ምድንጋርን ብስጭትን ኣስዓበሎም። ስለዚ ድማ ዝወጸሎም ከተርትን ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ዘባጭዉን ኰኑ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሚስዮናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመርሕ ክኸይድ ከሎ: በቲ እዞም መንእሰያት ዝርከቡሉ ቦታ ይሓልፍ ነበረ። እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ነቲ ሚስዮናዊ እተወሰነ ሕቶታት ክምልሰሎም ስለ ዝደለዩ ናብ ድሕሪ ሓንቲ ቤት ወሰድዎ። ኣብኡ ድማ ኣብ ድኳ ኾፍ ኣበልዎ። ድሕርዚ ብዛዕባ ነፍሲ: ብዛዕባ ሲኦል: ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ምንባር: ከምኡውን ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ሓያሎ ሕቶታት ሓተትዎ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ መራሒኦም ዝሓተቶ ሕቶታት ብምሉኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰሎም። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝኸውን እቲ ሎው ዝበሃል መራሒኦም ነቲ ሚስዮናዊ “ናብዚ መጺእካ ሕቶታት ክትምልሰልና ኽንሓተካ ኸለና: ከምቲ ንሰዓብቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ዝገበርናዮም ኸነላግጸልካ ኢና ሓሲብና ኔርና። ነዚ ሕቶታት እዚ ኽምልሶ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓናን እዩ ነይሩ። ንስኻ ግን መሊስካልና: እሞ ኸኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ኢኻ መሊስካልና! ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽመሃር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧” በሎ። ሎው መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሉ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ኣኼባታት ክእከብ ጀመረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብራ ዓመጻ ሓዲጉ ኻብቲ ጕጅለ ተፈልየ። ኣብ ውሽጢ ዓመት ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ብሕጋዊ መገዲ ኸይተመርዓኻ ተኣኻኺብካ ምንባር ኣብተን ደሴታት ሱር ዝሰደደ ልማድ እዩ። ብዙሓት ንሓያሎ ዓመታት ተኣኻኺቦም ይነብሩ: ውሉዳት እውን ይወልዱ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣምላኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ምቕባሉ የሸግሮም እዩ። ሓደ ሰብኣይ ነዚ ዕንቅፋት እዚ ንኽሰግሮ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ኽንርኢ ኸለና ግን ዘሐጕስ እዩ።—2 ቈረንቶስ 10:4-6፣ እብራውያን 4:12

ኣንቶንዮ መርዓኡ ሕጋዊ ኽገብር ከም ዘለዎ ተረድኦ እሞ ምህርቲ ዕፉን ምስ ኣእተወ ንድግስ ዝኸውን እተወሰነ ገንዘብ ስለ ዝረክብ ሽዑ ሕጋዊ መርዓ ኽገብር መደበ። ቀቅድሚ እቲ ምህርቲ ምሕፋሱ ግን ሓደ ምሸት ሰረቕቲ መጺኦም ንዅሉ እኽሉ ሰረቕዎ። ንዓመታ ምህርቲ ምስ ኣእተወ ኽጽበ ወሰነ። እንተዀነ ግን: ንዓመታኡ እውን ተሰርቀ። ነቲ ድግስ ዝኸውን ገንዘብ ምስ ሰኣነ: ቀንዲ ተጻራሪኡ መን ምዃኑ ኣስተውዓለ። “ድሕሪ ሕጂ መጻወቲ ሰይጣን ኣይከውንን እየ። ብዘይ ድግስ ድሕሪ ወርሕን ፈረቓን ክንምርዖ ኢና!” በለ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ተመርዓወ: እቲ ዘገርም ግን ፈተውቱ ነቲ ድግስ ዝኸውን ደርሁ: ደርሁ ማይ: ከምኡውን ሓንቲ ጤል ኣምጽኡሉ። ኣንቶንዮን ብዓልቲ ቤቱን ምስ ሽዱሽተ ደቆም ኰይኖም ንመርዓኦም ሕጋዊ ድሕሪ ምግባር: ንየሆዋ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ብማይ ብምጥማቕ ኣርኣዩ።

ደሴት ፕሪንቺፐ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ሓደ ገያሺ ተዓዛብን ፓይነራትን ናብታ 6,000 ተቐማጦ ጥራይ ዝርከብዋ ደሴት ፕሪንቺፐ ሓሓሊፎም ምብጻሕ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። እቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒዞምዎ ዝመጹ መልእኽቲ ኽሰምዑ እውን ህንጡያት እዮም። ሓደ ሰብኣይ እተዋህበቶ ትራክት ድሕሪ ምንባቡ: ንጽብሒቱ ነቶም ፓይነራት ኣናድዩ ረኸቦም እሞ ትራክት ኣብ ምዕዳል ንኽሕግዞም ሓሳብ ኣቕረበ። እቶም ፓይነራት ነዚ ዕዮ እዚ ባዕሎም ክዓይዎም ከም ዘለዎም እኳ እንተ ገለጹሉ: እቲ ሰብኣይ ግን ምሳታቶም ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ነቶም ሰብ ቤት ከላልዮም: ነቲ እቶም ፓይነራት ዝብልዎ ድማ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ኽምሕጸኖም ከም ዘለዎ ግዲ በሎም። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ፓይነራት ዝበልዎ ሰሚዑ ናብ ቦታኡ እኳ እንተ ኸደ: ቅድሚ ምኻዱ ግን ነቶም ፓይነራት ስለቲ ዝፍጽምዎ ኣገዳሲ ዕዮ ነኣዶም።

ብ1998 ክልተ ፓይነራት ካብ ሳው ቶመ ናብ ፕሪንቺፐ ገዓዙ: ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ 17 ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሑ ጀመሩ። እቲ ዕዮ እናሰፍሐ ኸደ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብገምጋም 16 ተኣከብቲ ዝርከብዋ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ቈመት: ኣብ ህዝባዊ ዝርርብ ድማ ካብ 30 ንላዕሊ ይእከቡ ነበሩ። መአከቢ ቦታ ኸም ዘደልዮም ነቲ ምምሕዳር እታ ኸተማ ምስ ኣፍለጡ: ንመስርሒ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን መሬት ብሓጐስ ተዋህቦም። ካብ ሳው ቶመ ዝመጹ ወለንተኛታት ድማ ንኽልተ ፍሉያት ፓይነራት ዝኸውን መንበሪ ዘለዎ ንእሽቶ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሃነጹ።

እቲ ብስራት ኣብዘን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ዝርከባ ደሴታት ብዙሕ ይፈሪ ኸም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። (ቈሎሴ 1:5, 6) ኣብ ጥሪ 1990 ኣብ ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን 46 ኣስፋሕቲ ነበሩ። ኣብ 2002 ዓመት ኣገልግሎት ግን ዝለዓለ ቍጽሪ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ 388 በጽሐ! ልዕሊ 20 ሚእታዊት ካብቶም ኣስፋሕቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ክዀኑ ኸለዉ: ኵሎም እቶም ኣስፋሕቲ ብድምር 1,400 ዝዀኑ ናይ ቤት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ መርሑ። ኣብ 2001 ኣብ በዓል ዝኽሪ እተረኽበ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ 1,907 እዩ ነይሩ። እወ: ኣብዘን ኣብ ትሮፒክ ዝርከባ ደሴታት ቃል የሆዋ ይጐዪን ይኸብርን ኣሎ።—2 ተሰሎንቄ 3:1

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ህቡብ መደብ ፈነወ ረድዮ

ኣብዘን ደሴታት እዚኣተን እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ብዙሓት የማስዉላ እዮም። a ኣብ ከክልተ ሰሙን ሓንሳእ: ኣብቲ ሃገራዊ ረድዮ ኸምዛ መጽሓፍ ዝዓይነቱ ኣርእስቲ ዘለዎ መደብ ን15 ደቒቕ ይፍኖ እዩ። እቲ ኣንባቢ “ኣቱም መንእሰያት: እቲ ሒዙኩም ዘሎ ፍቕሪ: ናይ ሓቂ ፍቕሪ ወይ ሃነይነይ ዘብል ፍቕሪ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክትፈልጥዎ ትኽእሉ፧” ድሕሪ ምባል ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዝርከብ ክፋል ከንብብ ክትሰምዖስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ! (ኣብ ምዕራፍ 31 ተወከስ።) ተመሳሳሊ ፈነወ ረድዮ እውን ካብታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ እተመርጸ ኽፋላት የቕርብ እዩ። b

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብ1994 ኣብ ሳው ቶመ እተሃንጸ ናይ መጀመርታ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]

1. ኣብ ሚ-ሶሺ ብቐልጡፍ እተሃንጸ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

2. እቲ ታሪኻዊ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብዚ ኣደራሽ እዚ እዩ ተገይሩ

3. ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝነበሩ ሕጉሳት ናይ ጥምቀት ሕጹያት

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.