ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓስቢ ዓወት ንምርካብ ርእስኻ ግታእ!

ዓስቢ ዓወት ንምርካብ ርእስኻ ግታእ!

ዓስቢ ዓወት ንምርካብ ርእስኻ ግታእ!

“እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዅሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 9:25

1. ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ክርስትያናት ምስ ኤፌሶን 4:22-24 ብምስምማዕ ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ብኸመይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ እንተ ተጠሚቕካ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዓስቢ ዘለዎ ቓልሲ ኸም ዝጀመርካ ኢኻ ንሰባት ብጋህዲ ኣፍሊጥካ። ፍቓድ የሆዋ ንኽትገብር እውን ተሰማሚዕካ ኢኻ። መብዛሕትና ህይወትና ንየሆዋ ቕድሚ ምውፋይና: እቲ ወፈያና ትርጕም ዘለዎን ኣምላኽ ዝቕበሎን ምእንቲ ክኸውን ዓብዪ ለውጢ ኽንገብር ነይሩና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም: . . . እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ብምባል ዝሃቦም ምኽሪ ስዒብና ኢና። (ኤፌሶን 4:22-24) ብኻልእ ኣበሃህላ ህይወትና ንኣምላኽ ቅድሚ ምውፋይና: ነቲ ኣቐዲምና እንመላለሰሉ ዝነበርና ናብራ ኽንነጽጎ ኣሎና።

2, 3. ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ክልተ ዓይነት ለውጢ ኽግበር ከም ዘድሊ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9-12 እተሓበረ ብኸመይ እዩ፧

2 ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ክቕንጥጥዎ ዘለዎም ክፍሊ ኣረጊት ሰብነት ኣብ ቃል ኣምላኽ ብቐጥታ ተዀኒኑ ዘሎ ተግባራት እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ንገለ ኻብዚ ኽገልጾ ኸሎ “ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም” ብምባል ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዓብዪ ናይ ባህሪ ለውጢ ኸም ዝገበሩ ሓበረ። ኣብዚ ኔርኩም ደኣ እምበር ኢኹም ከም ዘይበለ ኣስተብህለሉ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11

3 ጳውሎስ ቀጺሉ “ኵሉ ተፈቒዱለይ አሎ: ግናኸ ኵሉ ኣይጠቅምን እዩ” ስለ ዝበለ እውን ተወሳኺ ለውጢ ኸም ዘድሊ ሓቢሩ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:12) በዚ ምኽንያት እዚ ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት: ነቲ እተፈቐደሎም ግን ከኣ ዘይጠቅም ወይ ነባሪ ጥቕሚ ዘይብሉ ነገራት ካብ ምግባሩ ርእሶም ክገትኡ ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚቦምዎ እዮም። እዚ ነገራት እዚ ግዜኦም ዘጥፍኣሎምን ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ንኸይስዕቡ ኸም ዘስግሉ ዝገብሮምን ክኸውን ይኽእል እዩ።

4. ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነየናይ ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳባት እዮም ዝሰማምዑሉ፧

4 ህይወትና ንኣምላኽ ምውፋይ ብፍታው ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር: ከቢድ መስዋእቲ ኽንገብር ከም ዘድልየናስ ያኢ ብግዲ ክኸውን የብሉን። ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነቲ ጳውሎስ ሰዓቢ ክርስቶስ ድሕሪ ምዃኑ “ስሊኡ [ስለ የሱስ] እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” ብምባል ዝሃቦ ሓሳባት ይሰማምዑሉ እዮም። (ፊልጲ 3:8) ጳውሎስ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ክቕጽል ብዙሕ ኣገዳስነት ንዘይብሉ ነገራት ነጺጉ እዩ።

5. ጳውሎስ ኣብ እንታይ ዓይነት ጕያ ተሳቲፉ እዩ እተዓወተ: ንሕናኸ ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

5 ጳውሎስ መንፈሳዊ ጕያኡ ኣብ ዝጐየሉ ዝነበረ እዋን ርእሱ ይገትእ ብምንባሩ ኣብ መወዳእታ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ: ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር: ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን” ክብል ከኣለ። (2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8) ንሕናኸ ሓደ መዓልቲ ኸምዚ ኢልና ኽንዛረብ ንኽእል ደዀን ንኸውን፧ ክርስትያናዊ ጕያና ኸይተሓለልና ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ እንጐየሉ እዋን ብእምነት ርእስና እንተ ገቲእና: ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና።

ሰናይ ንምግባር ርእስኻ ምግታእ

6. ርእስኻ ምግታእ እንታይ እዩ: ነዚ ኸነንጸባርቐሉ እንኽእል ክልተ መዳያትከ እንታይ እዩ፧

6 እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ “ርእስኻ ምግታእ” ተባሂለን ዝትርጐማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት: ቃል ብቓሉ ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኽገዝእ ወይ ክቈጻጽር ይኽእል ዝብል ትርጕም እዩ ዘለወን። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ እከይ ነፍስኻ ምግታእ ዝብል ትርጕም ዘመሓላልፋ እኳ እንተዀና: ሰናይ ተግባራት ንምግባር እውን ብእተወሰነ መጠን ርእስና ኽንገትእ ከም ዘድልየና ፍሉጥ እዩ። ዘይፍጹማት ምዃንና ብባህሪና እከይ ምግባር ስለ ዝሰልጠና: ድርብ ቃልሲ እዩ ዘሎና። (መክብብ 7:29፣ 8:11) እከይ ንኸይንገብር ርእስና እናገታእና ኸለና: ሰናይ ንምግባር እውን ርእስና ኸነገድድ ኣሎና። ከመይሲ: ንርእስና ብምቍጽጻር ሰናይ ምግባር: ካብ እከይ ንኽንርሕቕ ዘኽእለና እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ።

7. (ሀ) ልክዕ ከም ዳዊት እንታይ ንኽህልወና ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ (ለ) ብዝያዳ ርእስና ንምግታእ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኸነስተንትን ዘሎና፧

7 እምበኣር: ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ኽንነብር እንተደኣ ዄንና: ርእስና ኽንገትእ ከም ዘድልየና ንጹር እዩ። ከም ዳዊት “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢልና ኽንጽሊ ኸድልየና እዩ። (መዝሙር 51:10) ነቲ ብስነ-ምግባር ጌጋ ዝዀነ ወይ ንኣካላትና ዘማስን ነገራት ዘይምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ኸነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። ከም እኒ ከቢድ ሕማማት: ሓርፋፍ ርክባት: ወይ እውን ቅድሚ ግዜኻ ሙማት ዝኣመሰለ ነገራት ዘስዕቦ ጕድኣት እሞ ሕስብ ኣብሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ የሆዋ ዝፈትዎ ዓይነት ኣነባብራ ዘምጽኦ ረብሓታት ኣስተብህለሉ። ይኹን እምበር: ልብና ጐራሕ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (ኤርምያስ 17:9) ነቲ ብስርዓታት ኣምላኽ ምምልላስ ብዙሕ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ኸእምነና ዝፍትን ልብና ንኽንጻረሮ ቘራጽነት ክንገብር ኣሎና።

8. ካብ ተመክሮ እንታይ ጸገም ከም ዘሎና ኢና ተማሂርና፧ ግለጽ።

8 መብዛሕትና እቲ ብግዲ ዝዓዪ ስጋና ነቲ ብፍታው ንኽንዓዪ ዘለዓዕለና መንፈስና ኸም ዘዳኽሞ ንፈልጥ ኢና። ንኣብነት: ዕዮ ስብከት ክንወስድ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብዚ ህይወት ዝህብ ዕዮ እዚ ሰባት ፈትዮም ክሳተፉ ኸለዉ እዩ ባህ ዝብሎ። (መዝሙር 110:3፣ ማቴዎስ 24:14) መብዛሕትና ንሰባት ምስባኽ ብቐሊሉ ኣይኰንናን ለሚድናዮ። በቲ ዝቐለለ መገዲ ኣብ ክንዲ እንመላለስ: ርእስና ኽንቈጻጸር ማለት ‘ከነሰቅዮን ከነግዝኦን’ ነይሩና: ምናልባት ሕጂውን ከምኡ ኽንገብር የድልየና ይኸውን።—1 ቈረንቶስ 9:16, 27፣ 1 ተሰሎንቄ 2:2

“ብዅሉ”

9, 10. ‘ብዅሉ መጢንና ነፍስና ኽንገትእ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓልል እዩ፧

9 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዅሉ መጢንና ነፍስና ኽንገትእ’ ዝሃበና ማዕዳ: ሕርቃንና ኽንቈጻጸርን ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ባህርያት ክንርሕቕን ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዘጠቓለለ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ርእስና ኸም እንገትእ ኰይኑ ኽስምዓና ይኽእል እዩ: ከምኡ እንተ ዀይኑ ብሓቂ ኸነማስወሉ ዝግባእ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ሰባት ብንጹር ዘይርእይዎ ኻልእ መዳያት ንምንታይ ርእስና ኽንገትእ ዘይንጽዕር፧ ንኣብነት: ብዙሕ ኣታዊ ኣብ ዝርከባ ብልጽግቲ ዓዲ ንነብር ንህሉ ንኸውን። ገንዘብና ኣብ ዘየድሊ ነገራት ንኸይነጥፍእ ርእስና ኽንገትእ ጥበባዊዶ ኣይምዀነን፧ ውሉዳት ሓደ ኣቕሓ ንመሸጣ ስለ ዝቐረበ: ስለ ዝሰሓቦም: ወይ ንምዕዳጉ ዓቕሚ ስለ ዘለዎም ጥራይ ዝረኣይዎ ዘበለ ዅሉ ኽዕድጉ ኸም ዘይግባእ ወለዲ ምስ ዘሰልጥንዎም ሰናይ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ፍረ ንኸፍሪ ግን ወለዲ ንባዕሎም ኣብነት ክዀኑ ኣለዎም።—ሉቃስ 10:38-42

10 ሓደ ኽትውንኖ እትኽእል ነገር ከይወነንካ ምንባር: ነቲ መደባትና ንምፍጻም ዘሎና ቘራጽነትና የደልድሎ እዩ። ነቲ ዝወነንናዮ ጥሪት ዘሎና ሞሳ የዛይዶ: ነቶም ብምርጫኦም ዘይኰነስ ዓቕሞም ስለ ዘይፈቕደሎም ገሊኡ ነገራት ከጥርዩ ዘይክእሉ ሰባት ከኣ ብዝያዳ ንኽንድንግጸሎም የኽእለና። ልክዕ እዩ: ብሒደት ምንባር ምስቲ ‘ባህ ዝብለካ ግበር’ ወይ ‘እቲ ዝበለጸ ኸተጥሪ ኣሎካ’ ዝብል ልሙድ ኣረኣእያታት ዝጻረር እዩ። ረክላማት ቅጽበታዊ ሓጐስ ንኽትረክብ እዩ ዘተባብዕ። እንተዀነ ግን: እቶም ኣዳለውቱ ምእንቲ መኽሰቦም ኢሎም እዮም ነዚ ዝገብሩ። እዚ ዅነታት እዚ ርእስና ኽንገትእ ንእንገብሮ ጻዕርታት ይዕንቅፎ ይኸውን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓንቲ ዝበልጸገት ኣብ ኣውሮጳ እትርከብ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ኸምዚ በለት:- “እቶም ኣብ ክቱር ድኽነት ዝነብሩ ነቲ ዘይድለ ዝንባለታት ንምቍጽጻሩ ውሽጣዊ ቓልሲ ዘድልዮም ካብ ኰነ: እቶም ኣብቲ ምድሪ ጸባን መዓርን ዝብሃል ዝበልጸገ ሕብረተሰብ ዝነብሩ ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ እዚ ባህሪ እዚ ዘየድልዮም!”

11. ይኣኽለኒ ምባል ክትመሃር ጠቓሚ ዝኸውን ብኸመይ እዩ: ነዚ ንምልማድ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ግን እንታይ እዩ፧

11 ኣብ መንጎ እቲ እንብህጎ ነገራትን ብሓቂ ዘድልየና ነገራትን ምፍላይ ዘጸግመና እንተ ዀይኑ: ጌጋ ውሳነ ምእንቲ ኸይንገብር ገለ ስጕምትታት ምስ እንወስድ ሓጋዚ እዩ። ንኣብነት: ወጻኢታትና ምቍጽጻር ዘጸግመና እንተደኣ ዀይኑ: ብልቓሕ ንኸይንዕድግ ወይ ናብ ዕዳጋ ኽንከይድ ከለና እተወሰነ ገንዘብ ጥራይ ሒዝና ንኽንከይድ ክንውስን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ” ኸም ዝበለ ኣይንረስዕ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ብምባል መረዳእታ ሃበ። (1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) ንሕናኸ ቀለብናን ክዳንና ይእከለና ንብል ዲና፧ ነቲ ኣገዳሲ ነገራት ንምግባር ዕንቅፋት ዘይኰነና ቀሊል ናብራ ንምንባር: ቈራጽነትን ርእስኻ ምግታእን ዝሓትት እኳ እንተዀነ: እንተ ተማሂርናዮ ብዙሕ ኢና እንጥቀም።

12, 13. (ሀ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ እዩ ርእስና ኽንገትእ ዝምህረና፧ (ለ) ርእስኻ ምግታእ ከነማዕብለሉ ዝግባእ እንታይ መዳያት ኣሎ፧

12 ክርስትያናት ኣብ ዝገብርዎ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ምእካብ እውን ርእስኻ ምግታእ ዝሓትት እዩ። ንኣብነት: ኣብ ኣኼባ ኣእምሮና ናብ ካልእ ከም ዘይገይሽ ንምግባር እዛ ባህሪ እዚኣ ተድልየና እያ። (ምሳሌ 1:5) ኣብ ጥቓና ኾፍ ምስ ዝበለ ሰብ ሕሹዅሹዅ ብምባል ንኻልኦት ንኸይንርብሽ: የግዳስ ኣብቲ ተዛራባይ ምሉእ ብምሉእ ንኸነቕልብ ርእስና ኽንገትእ የድልየና ይኸውን። ኣብ ሰዓትና ኣብቲ ኣኼባ ንኽንበጽሕ ኢልና መደባትና ምትዕርራይ ርእስና ምግታእ ዝሓትት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣኼባታት ንምድላው ዘድሊ ግዜ ንምምዳብን ኣብኡ ንምስታፍን ርእስኻ ምግታእ የድሊ ይኸውን።

13 ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ርእስና ምስ እንገትእ: ኣብ ዓብዪ ነገራት ርእስና ንኽንገትእ የሰልጥነና እዩ። (ሉቃስ 16:10) ስለዚ: ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ኣዘውቲርና ንኸነንብብ: ንኸነጽንዕ: ከምኡውን ንኸነስተንትነሉ ገዛእ ርእስና ኸነሰልጥንሲ ኽሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! ካብ ሕማቕ ዓይነት ስራሕ: ካብ ሕማቕ ዕርክነት: ካብ ክፉእ ዝንባለ: ከምኡውን ካብ ክፉእ ኣመላት ንኽንርሕቕ ርእስና ኽንግስጽ ወይ ከኣ ኣብቲ ንኣምላኽ እነገልግለሉ ኽቡር ግዜና ኽወስደልና ዝኽእል ንጥፈታት ንኸይንሳተፍ ርእስና ኸነሰልጥንሲ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ! ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕዙዛት ምዃን: ካብቲ መንፈሳዊ ገነት ናይታ ዓለምለኻዊት ማሕበር የሆዋ ንኸይንርሕቕ ጽቡቕ ዕቝባ እዩ ዝዀነና።

ርእስኻ ብምግታእ ዝመጸ ብሱል ኩን

14. (ሀ) ውሉዳት ርእስኻ ምግታእ ክመሃሩ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሕጻናት ነዚ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ምስ ዝመሃርዎ እንታይ እዮም ዝርብሑ፧

14 ዕሸል ርእሱ ኣይገትእን እዩ። ብዛዕባ ባህርያት ሕጻናት ዘጽንዑ ኽኢላታት ኣብ ዘሕተምዋ ጽሕፍቲ ኸምዚ ዝብል ንረክብ:- “ርእስኻ ምግታእ ብቕጽበት ወይ ብሃንደበት ዝመጽእ ነገር ኣይኰነን። ዕሸላትን እግሪ ተኽሊ ሕጻናትን ርእሶም ምግታእ ንኽመሃሩ ናይ ወለዲ መምርሕን ደገፍን የድልዮም። . . . ወለዲ እናኣሰልጠንዎም ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ ዓመታት ርእስኻ ምግታእ እናኣማዕበሉ እዮም ዝኸዱ።” ኣብ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ሕጻናት እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: እቶም ብእተወሰነ መጠን ርእሶም ክገትኡ እተማህሩ ዘበሉ “ብሓፈሻ ኽርኣዩ ኸለዉ ብቐሊሉ ዝእረሙ: ዝያዳ ተፈተውቲ: ሓድሽ ነገር ክፈልጡ ዝህንጠዩ: ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎም: ከምኡውን ትውክልቲ ዝግበሮም ኰተቴታት ኰይኖም እዮም ዝዓብዩ።” እቶም ነዚ ዘይተማህሩ ግን “ብጽምዋ እተበልዑ: ብቐሊሉ ዝበሳጨዉ: ከምኡውን ነቓጻት እዮም ዝዀኑ። ወጥሪ ኸጋጥሞም ከሎ ኢዶም ይህቡ: ካብ ብድሆታት ድማ ይሃድሙ።” እምበኣር: ሓደ ቘልዓ ምስ ዓበየ ጽቡቕ ባህሪ ንኽህልዎ: ርእሱ ንኽገትእ ክመሃር ኣለዎ።

15. ርእስና ዘይንገትእ እንተደኣ ዄንና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሸቶ ኸም ዝበጻሕናዮ ዘይኰነስ እንታይ ምዃንና እዩ ዘመልክት፧

15 ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ብሱላት ክርስትያናት ክንከውን እንተደኣ ዄንና: ርእስኻ ምግታእ ክንመሃር ኣሎና። እዛ ባህሪ እዚኣ እንተ ጐዲላትና: ብመንፈሳዊ ሕጻናት ከም ዝዀንና እዩ ዘመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ” ኢሉ እዩ ዝምዕደና። (1 ቈረንቶስ 14:20) ሸቶና “ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ: ናብ እኹል ሰብኣይ: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክንዓቢ እዩ። ስለምንታይ፧ “ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውን” ኢና ሰብኡት ክንከውን ዘድልየና። (ኤፌሶን 4:13, 14) እምበኣር: ርእስኻ ምግታእ ንመንፈሳውነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ርእስኻ ምግታእ ምምዕባል

16. የሆዋ ሓገዝ ዝህበና ብኸመይ እዩ፧

16 ርእስኻ ምግታእ ንኸነማዕብል: ካብ ኣምላኽ ሓገዝ የድልየና እዩ። ንሱውን ንኽሕግዘና ድሉው እዩ። ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከም ፍጹም መስትያት ብምዃኑ እንታይ ለውጢ ኽንገብር ከም ዘድልየና ይሕብረና: ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም እንኽእል ከኣ ምኽሪ ይህበና። (ያእቆብ 1:22-25) ፈቃራት ኣሕዋት እውን ንኽሕግዙና ድሉዋት እዮም። ክርስትያን ሽማግለታት ብብሕቲ ኽሕግዙና ኸለዉ ይርድኡልና እዮም። የሆዋ ንባዕሉ እውን መንፈስ ቅዱስ ክህበና ብጸሎት እንተ ለሚንናዮ: ይህበና እዩ። (ሉቃስ 11:13፣ ሮሜ 8:26) ስለዚ: ነዚ ምድላዋት እዚ ተሓጒስና ንጠቐመሉ። ኣብ ገጽ 21 ዝርከብ ሓሳባት ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

17. ምሳሌ 24:16 እንታይ ምትብባዕ እያ እትህበና፧

17 ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኽንፍትን ከለና: ጻዕርታትና ዝባርኾ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! እዚ ኸኣ ብዝያዳ ርእስና ንምግታእ ጻዕሪ ንኽንገብር ክድርኸና ኣለዎ። ዋላ እኳ ብተዳጋጋሚ እንተ ተዓንቀፍና: ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። “ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ።” (ምሳሌ 24:16) ኣብዚ መዳይ እዚ ኣሳልጦ ኽንረክብ ከለና: ንርእስና እውን ባህ እዩ ዝብለና። የሆዋ ኸም ዝሕጐሰልና እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓደ ወልፊ ሽጋራ ዝነበሮ ናይ የሆዋ ምስክር ህይወቱ ንየሆዋ ቕድሚ ምውፋዩ ንሓደ ሰሙን ሽጋራ ከየትክኸ ኣብ ዝጸንሓሉ ዝነበረ እዋን: በቲ ርእሱ ብምግታኡ ዘዋህለሎ ገንዘብ ገይሩ ዝጠቕሞ ነገር ብምዕዳግ ንርእሱ ዓስቢ ዓወቱ ይህባ ነበረ።

18. (ሀ) ርእስና ንምግታእ እንገብሮ ቓልሲ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና፧

18 ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ርእስኻ ምግታእ ነእምሮን ስምዒትን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነዚ ኣብቲ የሱስ “ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:28፣ ያእቆብ 1:14, 15) እቲ ነእምሮኡን ንስምዒቱን ክቈጻጸር ዝኽእል ሰብ ንብምሉኡ ኣካላቱ ምቍጽጻር ኣይከብዶን እዩ። ስለዚ: ጌጋ ንኸይንገብር ጥራይ ዘይኰነስ ንኸይንሓስቦ እውን ሓያል ቈራጽነት ንግበር። ሕማቕ ሓሳባት እንተ መጺኡና: ብኡንብኡ ንንጸጎ። ብጸሎት ኣቢልና ኣብ የሱስ ብምትኳር ካብ ፈተና ኽንሃድም ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:11፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:22፣ እብራውያን 4:15, 16) ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ከለና: ነቲ ኣብ መዝሙር 55:22 ዝርከብ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ዝብል ማዕዳ ኢና እንስዕብ።

ትዝክሮዶ፧

• ርእስና ኽንገትኣሉ ዝግብኣና እንታይ ክልተ መዳያት እዩ ዘሎ፧

• ‘ብዅሉ መጢንካ ርእስኻ ኽትገትእ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ኣብዚ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ርእስኻ ኽትገትኣሉ እትኽእል እንታይ ግብራዊ ሓሳባት ረኺብካ፧

• ርእስኻ ምግታእ ካበይ እዩ ዝጅምር፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ርእስኻ ምግታእ ብኸመይ ከም እተማዕብል

ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ኣማዕብሎ

ነቲ ሕጅን ኣብ መጻእን ዘምጽኣልካ በረኸታት ኣስተንትነሉ

ነቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ነገራት በቲ ኽንገብሮ ዘተባብዓና ነገራት ተክኣዮ

ዘይግቡእ ሓሳባት ቀልጢፍካ ኣርሕቆ

ኣእምሮኻ ብመንፈስ ሃናጺ ብዝዀነ ሓሳባት ምልኣዮ

ብሱላት ክርስትያናት ብጾት ዝህቡኻ ምኽሪ ተቐበል

ካብቲ ኽፍትነካ ዝኽእል ኵነታት ርሓቕ

ኣብ እትፍተነሉ እዋን ኣምላኽ ንኽሕግዘካ ጸሊ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ርእስኻ ምግታእ ሰናይ ንኽንገብር ትድርኸና