ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልግሲ ኣማዕብል

ልግሲ ኣማዕብል

ልግሲ ኣማዕብል

ለጋስ ኰይኑ ዝውለድ ሰብ የለን። ሓደ ሕጻን ብባህሪኡ እቶም ዝኣልይዎ ሰባት እንታይ ይደልዩ ኸየገደሶ ዝብህጎን ዝደልዮን ነገራት እዩ ኽማልኣሉ ዝደሊ። ድሕሪ ግዜ ግን ክማልኣሉ ዘድልዮ ንሱ ጥራይ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ። ንኻልኦት ኣብ ግምት ከእቱ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ: ምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ ምሃብን ምምቓልን ይመሃር። እወ: ልግሲ ኸተማዕብሎ ዘሎካ ባህሪ እዩ።

ብዝሒ እቲ ዝህብዎ ብዘየገድስ ኵሎም ዝህቡ ሰባት ለጋሳት እዮም ማለት ኣይኰነን። ገሊኣቶም ንጥቕሞም ክብሉ ንትካላት ግብረ-ሰናይ ወፈያ ይገብሩ ይዀኑ። ገሊኣቶም ከኣ ብሰባት ምእንቲ ኽነኣዱ ኢሎም ይውፍዩ ይዀኑ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክህቡ ኸለዉ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተባባዕ ዓይነት ልግሲ ደኣ እሞ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ልግሲ ኣሕጽር ኣቢልና ምስ እንርኢ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽንረኽበላ ኢና።

ኣብነት ክርስትያናዊ ልግሲ

ክርስትያናዊ ልግሲ ነቲ ብሓቂ ሓገዝ ዘድልዮ ዘበለ “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ከም ዝዀነ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ እንረኽቦ። (እብራውያን 13:16፣ ሮሜ 15:26) ብግዲ ኽግበር የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ንርኣዩለይ ኢልካ ምሃብ እውን ግቡእ ኣይኰነን። ሃናንያን ሰጲራን ሰብ ንኽርእየሎም ብምሃቦም ከቢድ ሳዕቤን ዓጸዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:1-10

ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዙሓት ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን በዓል ንኸብዕሉ ኣብ የሩሳሌም ምስ ተኣከቡ: ልግሲ ዘድለየሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰዓብቲ የሱስ ‘መንፈስ ቅዱስ መልኦም: ብኻልእ ቋንቋታት ከኣ ክዛረቡ ጀመሩ።’ ብዙሓት ሰባት ናባታቶም ተኣከቡ: ነቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ድማ ሰምዑ። ጸኒሖም ጴጥሮስን ዮሃንስን ንሓደ ኣእጋሩ ዝለመሰ ሰብኣይ ኣብ ደገ ቤተ መቕደስ ከሕውይዎ ኸለዉ እቶም ሰባት ረኣይዎም: ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ ንስሓን ክዛረብ ከሎ እውን እንደገና ሰምዕዎ። በሽሓት ዝቝጸሩ ተነሲሖም ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምዃን ተጠምቁ።—ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 2ን 3ን

እቶም ሓደስቲ ናብ ክርስትና እተቐየሩ ሰባት ካብ ሃዋርያት የሱስ ተወሳኺ ትምህርቲ ምእንቲ ኽረኽቡ ኣብ የሩሳሌም ክጸንሑ ደለዩ። ሃዋርያት ግን ነዚ እዞም ኣጋይሽ ዘድልዮም ብምሉኡ ብኸመይ ከማልኡሎም ይኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ኵላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም: ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ: ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ: ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:33-35) ብሓቂ: እታ ኣብ የሩሳሌም ዝቘመት ሓዳስ ጉባኤ ልግሲ እተንጸባርቕ እያ ነይራ!

ጸኒሐን ካልኦት ጉባኤታት ተመሳሳሊ ልግሲ ኣርእየን እየን። ንኣብነት: ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ: ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድኻታት ኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ልዕሊ ዓቕሞም እዮም ኣዋጺኦም። (ሮሜ 15:26፣ 2 ቈረንቶስ 8:1-7) ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ንጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብምድጋፍ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት እያ ገዲፋ። (ፊልጲ 4:15, 16) ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ እውን ንስኡናት መበለታት ዕለታዊ መግቢ ትዕድል ነበረት: እቶም ሃዋርያት ከኣ እተን ካብዚ ምድላው ክጥቀማ ዝግብአን መበለታት ምእንቲ ኸይጕሰያ ነዚ ዕዮ እዚ ዝቈጻጸሩ ሸውዓተ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ሾሙ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6

እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽንኩር እዋን ክመጽእ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ ቕልጡፍ ምላሽ እያ ትህብ ነይራ። ንኣብነት: ነብዪ ኣጋቦስ ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን ምስ ተነበየ: እቶም ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ እትርከብ ጉባኤ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ “ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ።” (ግብሪ ሃዋርያት 11:28, 29) እቲ ኻልኦት የድልዮም ይኸውን እዩ ብምባል ነቲ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዘርኣይዎ ሰናይ ባህርስ ክሳዕ ክንደይ ዝነኣድ ኰን እዩ!

ቀዳሞት ክርስትያናት ለጋሳትን ፈቃራትን ዝገበሮም እንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ለጋስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ንጉስ ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት ኣሕጽር ኣቢልና ምስ እንምርምሮ: ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ዳዊት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝገበሮ ልግሲ

እቲ ን500 ዓመት ኣቢሉ የሆዋ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ከም ዘሎ ዝውክል ዝነበረ ታቦት ኪዳን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዱስ ሳጹን: ቀዋሚ መንበሪ ቦታ ኣይነበሮን። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዀለል ክብሉ ኸለዉን ናብ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ኸለዉን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝግዕዝ ድንኳን ወይ ማሕደር እዩ ዝነብር ነይሩ። ንጉስ ዳዊት ነቲ ታቦት ካብ ድንኳን ኣውጺኡ ንኣምልኾ የሆዋ ዝበቅዕ ቤት ብምህናጽ ኣብኡ ከቐምጦ ብርቱዕ ባህጊ ኣሕደረ። ንነብዪ ናታን ከኣ “እንሆ: ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ አሎኹ: ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት አሎ” ኢሉ ተዛረቦ።—1 ዜና መዋእል 17:1

ይኹን እምበር: ዳዊት ናይ ውግእ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ የሆዋ ንዳዊት ሰሎሞን ወዱ ብሰላም ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ነቲ ታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤተ መቕደስ ከም ዝሰርሓሉ ገለጸሉ። (1 ዜና መዋእል 22:7-10) እዚ ግን ንልግሲ ዳዊት ኣይዓገቶን። ንብዙሓት ዓየይቲ ብምትሕብባር ኣብ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዘድሊ ነገራት ኣዳለወ። ደሓር ንሰሎሞን “ንቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂ: ሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳሎኹ። ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ሚዛን ዜብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ” በሎ። (1 ዜና መዋእል 22:14) ዳዊት በዚ ጥራይ እውን ከየብቅዐ ካብ ናይ ርእሱ መዝገብ በዚ ናይ ሕጂ ዋጋ ልዕሊ 1,200,000,000 ዶላር ኣመሪካ ዝዋግኡ ወርቅን ብሩርን ወፈየ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም መሳፍንቲ ብልግሲ ወፈዩ። (1 ዜና መዋእል 29:3-9) ብርግጽ ዳዊት ኣዝዩ ለጋስ ሰብ እዩ ነይሩ!

ዳዊት ኣብዚሑ ኽልግስ ዝደረኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኵሉ እቲ ዘጥረዮን ዝፈጸሞን ብበረኸት የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ። ብጸሎት ኣቢሉ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣፍልጦ ሃበሉ:- “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ኵሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ: ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ: ኵሉ ኸአ ናትካ እዩ። ኣታ ኣምላኸየ: ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ አሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ አሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኬቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ።” (1 ዜና መዋእል 29:16, 17) ዳዊት ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ንየሆዋ “ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን” ምግልጋል ኣድላዪ ምዃኑ ፈሊጡ ነይሩ: ከምኡ ኽገብር ከሎ ድማ ሓጐስ ይረክብ ነበረ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ልግሲ ንኸርእዩ ዝደረኾም እውን ተመሳሳሊ ባህርያት እዩ ነይሩ።

የሆዋ—እቲ ዝዓበየ ወሃቢ

ብምሃብ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ዝዀነና የሆዋ እዩ። ኣዝዩ ፈቃርን ሓላዪን ካብ ምዃኑ እተላዕለ “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴዎስ 5:45) ንዅሎም ደቅሰብ “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን” ይህብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:25) እወ: ከምቲ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ዝበሎ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።”—ያእቆብ 1:17

የሆዋ ኻብ ዝሃበና ውህበታት እቲ ዝዓበየ ውህበት “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእ” ኢሉ ንወዱ ምልኣኹ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ዋላ ሓደ ኻብ ደቅሰብ እዚ ውህበት እዚ ይግብኣኒ እዩ ኽብል ኣይክእልን እዩ: ከመይሲ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” እዮም። (ሮሜ 3:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10) በጅነት ክርስቶስ ነቲ ‘ዘይንገር ውህበት’ ኣምላኽ ማለት ነቲ “ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ” መሰረትን መትረብን እዩ ዀይንዎ። (2 ቈረንቶስ 9:14, 15) ጳውሎስ ንውህበት ኣምላኽ የማስወሉ ብምንባሩ ‘ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምምስካር’ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ሃቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:24) ፍቓድ ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምዃኑ ተረድአ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4

ኣብዚ ግዜና እዚ ዕዮ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 234 ሃገራት ብምስፋሕ ብዓብዪ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ይፍጸም ኣሎ። የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል እቲ ዕዮ ኸም ዝሰፍሕ ተነብዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14) እወ: “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ።” (ማርቆስ 13:10) ዓሚ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣወጅቲ ብስራት ኣብዚ ዕዮ እዚ 1,202,381,302 ሰዓት ኣሕሊፎም: ልዕሊ 5,300,000 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሪሖም እዮም። ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ: እዚ ትምህርቲ እዚ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።—ሮሜ 10:13-15፣ 1 ቈረንቶስ 1:21

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ሃረር ንዝብሉ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ዓዓመት እንተላይ መጽሓፍ ቅዱሳት: መጻሕፍቲ: ብሮሹራት ዝርከቦ ብሚልዮናት ዝቝጸር ጽሑፋት ይሕተም እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ዓዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ይሕተም ኣሎ። ሰባት ነቲ ብስራት ብዝተቐበሉ መጠን ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ማእከል ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ዝጥቀሙሉ ተወሳኺ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ዓበይቲ ኣኼባታት ዝግበረሉ ኣደራሻትን ይህነጽ ኣሎ። ኣብ ዓዓመት ናይ ወረዳ ኣኼባ: መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ: ከምኡውን ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምግባር መደብ ይወጽእ እዩ። ንሚስዮናውያንን ንገየሽቲ ተዓዘብትን ንሽማግለታትን ንኣገልገልቲ ጉባኤን እውን በብግዜኡ ስልጠና ይወሃቦም እዩ። የሆዋ ንዅሉ እዚ ምድላዋት እዚ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ ዘዳልወልና ምዃኑ ነማስወሉ ኢና። (ማቴዎስ 24:45-47) ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ምግላጽስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዝብለና!

ንየሆዋ ሞሳና ምርኣዩ

ልክዕ ከምቲ ቤተ መቕደስ ንኽህነጽን ንቐዳሞት ክርስትያን ጉባኤታት ዘድሊ ንምምላእን ብፍታው ወፈያ እተገብረ: ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ዘድሊ ገንዘብ እውን ምሉእ ብምሉእ ብፍታው ብዝግበር ወፈያ እዩ ዝሽፈን። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ኻባና ነቲ ዅሉ ናቱ ዝዀነ የሆዋ ኸሀብትሞ ኸም ዘይክእል ክንዝክር ኣሎና። (1 ዜና መዋእል 29:14፣ ሃጌ 2:8) እምበኣር ወፈያታት ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘሎናን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኸነደንፍዕ ድሌት ከም ዘሎናን እዩ ዘርኢ። ጳውሎስ እዚ ልግሲ እዚ “ንኣምላኽ ምስጋና” ኸም ዘፍሪ ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 9:8-13) ከምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ ቕኑዕ መንፈስ ከም ዘሎናን ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ስለ ዘርኢ ኸኣ የሆዋ ነዚ ባህሪ እዚ ንኸነማዕብል የተባብዓና እዩ። እቶም ለጋሳት ዝዀኑን ኣብ የሆዋ ዝውከሉን በረኸቱ ኽረኽቡን ብመንፈሳዊ መዳይ ክብልጽጉን እዮም። (ዘዳግም 11:13-15፣ ምሳሌ 3:9, 10፣ 11:25) የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW]” ብምባል ሓጐስ ከም እንረክብ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

እቶም ለጋሳት ክርስትያናት ክሳዕ እዋን ሽግር ኣይኰኑን ዝጽበዩ። ኣብ ክንድኡስ: “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ” ንኽገብሩ ኣጋጣሚታት እዮም ዘናድዩ። (ገላትያ 6:10) ጳውሎስ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ብምባል ነቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ ልግሲ ኸነንጸባርቕ ኣተባቢዑ ኣሎ። (እብራውያን 13:16) ግዜኻን ጕልበትካን ጥሪትካን ኰታስ ዘሎካ ዅሉ ንኻልኦት ንምሕጋዝን ንጹህ ኣምልኾ ንምድንፋዕን እንተ ኣውዒልካዮ: ንየሆዋ ኣምላኽ ብዙሕ እዩ ዘሐጕሶ። ብሓቂ ልግሲ ይፈቱ እዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገሊኣቶም ወፈያ ዝህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዘእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ናብቲ ናይቲ ኸባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ። ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, c/o Office of the Secretary and Treasurer, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኽልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዘገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ኽስደድ ይከኣል እዩ። እቲ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watch Tower” ዝኽፈል ምዃኑ ኽጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።

ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ፍሉይ ስምምዕ ብምግባር ወፈያ ኽግበር ይከኣል እዩ። እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዝደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ጸሓፍን ተሓዝ ገንዘብን ጽሓፍ።

ብመደብ ዝግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዝግበር ናይ ገንዘብ ህያብን ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ድማ ዘጠቓልል እዩ:-

መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ክወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኽግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዝወሃብ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኽውፈ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ ገለ ገደብ ዝወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ክውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዝገልጽ ሰነድ ቕድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ኣብ ዓድኻ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኽበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ እቲ ወሃቢ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ህያብ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዝስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዝወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝብል ስያመ ኸም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክውፍዩ ዝደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባትን ለበዋን ሕድርን ዝምልከት እተፈላለየ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ እያ ተዳልያ። ብዘይዚውን እታ ብሮሹር ንንብረትን ገንዘብን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባርን ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኽውፍዩሉ ዝኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ከዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ኻብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብምሕታት ክርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ : በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ክርስትያናት ለጋሳት ንክዀኑ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧